Thursday, 15 December 2022 23:06

Dimtsi Harnnet Kassel 15.12.2022

Written by

ብመሰረት ኣዋጅ 145/2005 ኣብ ኤርትራ ዝንቀሳቐሳ ውሱናት ዘይመንግስታዊ ትካላት፡ ምስ መንግስቲ ብምሽራኽ ጥራይ መደባተን ከተግባራ ከም ዝግደዳ ማእከል ሓበሬታ አርትርትራ/ ERITREANHUB ኣፍሊጣ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ እተን ዘይመንግስታዊ ትካላት፡ ዝዋሰኣሉ መደባት ብመንግስቲ ተመሪጹ ዝወሃበን ጥራይ  ምዃኑ  ተገሊጹ። ኣብ ርእሲዚ መንግስቲ ኤርትራ ናጻ ናይ ምንቅስቓስ  ስለ ዘየፍቅደለን እተን ዘይመንግስታዊ ትካላት ናብ ዝኾነ ቦታ ክንቀሳቐሳ እንከለዋ፡ ናይ መንግስቲ ፈቓድ ክሓታ ግዱዳት እየን። እዚ ኣገባብ እቲ ሓገዝ ዝደሊ ህዝብን ሓገዝ ዘቕርባ ትካላትን ከም ድላዮም ከይራኸቡ ዝድርት ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ኤርትራ ዘለዉ መቆጻጸሪ ነቑጣታት፡ እቲ ዝንቀሳቐስ ኣካል ናይ ምንቅስቓስ ፈቓድ ከም ዘጻርዩን ዝርዝር መንነት ናይቲ ዝንቀሳቐስ ኣካል ዝገልጽ ሰነዳዊ ሓበሬታ ከቕርብን ዘገድዳ እየን። ኣብ ከባቢ ዓዲ ቀይሕ፡ ኣቑርደት፡ ዓረዛ፡ ባረንቱ፡ ደቀምሓረን ናቕፋን ዝኣመሰሉ ከባብታትን፡ ኣብ መንጎ ሩባታት ሰቲትን መረብን ዘሎ ቦታን ንምንቅስቓስ ሰባት ዘስግኡ ጸረ-ሰብ ነተጉቲ ከም ዘለዉዎ’ውን ካብቲ ጸብጻብ ምርዳእ ይከኣል።

ኣብ ኤርትራ ዘይማዕበለ ዝርጋሐ ቴለኮሙኒካሽን ዘኸትሎ ናይ ስልክን ኢትንተርኔትን ርክብ ውሱንነት እውን ዕንቅፋት ምዃኑ ተጠቒሱ። ኣብ ኤርትራ ናይ ሞባይል ሲም ካርድ ኣዝዩ ድሩት ምዃኑ፡ ገለ ከባብታት መንገዲ መካይን ስለ ዘየብሉ፡ ናብኡ ንምብጻሕ ኣግማልን ካለኦት መጽዓኛን ምጥቃም ግድን ምዃኑን ነቲ ተጠቃሚ ምስ ሰብኣዊ ትካላት ኣብ ምርኻብ ጸገም ከም ዝፈጥረሉን እቲ ካብ  ማእከል ሓበሬታ አሪትርትራ/ ERITREANHUB ዝተረኽበ ዜና ኣፍሊጡ።

ህግደፍ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ብሰንኪ ደቆም ናብ ውግእ ዘይምኽታቶም ኣብ ልዕሊ ስድራ-ቤታት ኤርትራ ዝተፈላለዩ ስጉምትታት ክወስድ ከም ዝጸንሐን፡ ካብቲ ስጉምትታት ሓደ መንበሪ ኣባይቲ ምዕጻው ምዃኑን በብግዜኡ ካብ ኤርትራ ዝተረኽቡ ሓበሬታታት ከነጽሩ ጸኒሖም እዮም። ኣብዚ እዋን ድማ ኣብ ገለ ከባብታት ኤርትራ፡ ነቶም ገዛውቶም ዝተዓጽዎም ስድራ-ቤታት፡ ካብቲ ዝተዓጽወ ኣባይቶም፡ ዝተወሰነ ከፊቱ ኣብኡ ብምሕያር  ናብ ውግእ ብዘይከዱ ኣባላት ዕቑር ሰራዊት ኣቢሉ ይሕልዎም ከም ዘሎ ምንጭታት ሰዲህኤ ካብ ኤርትራ ኣረዲኦም።

ካብቶም ብኸምዚ ኣገባብ ኣብ ገዛእ ኣባይቶም ዝእሰሩ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ሰብኡተን ተገዲዶም ናብ ውግእ ከቲቶም ከብቅዑ፡ ደቅኽን ኣይተረኽቡን ተባሂለን ዝተኣስራ ኣዴታት ከም ዝርከበኦምን  ገሊአንውን ሰብኡተን ኣብ ውግእ ሞይቶም ጌና ኣብ ሓዘን እንከለዋ፡ ብሰንኪ ናይ ደቀን ካብ ህግደፍ ምስዋር ዝተኣስራን  ከም ዝርከበአን  እቲ ዝበጻሓና ሓበሬታ ተጠቒሱ ኣሎ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ህግደፍ ብናይ ከባብን ዓድታትን ኣመሓደርቱ ኣቢሉ፡ ዝርዝር ኣስማት ናይቶም ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፡  ካብቲ ስርዓት ሃዲሞም ካብ ሃገር ዝወጹ ኤርትራውያን  ይምዝግብ ከም ዘሎ ምንጭታትና ኣፍሊጦም። ምኽንያት ዝርዝር ስማት ናይቶም ካብ ሃገር ዝወጹ መንእሰያት ምሓዝ ማለት ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ስድራ-ቤታቶም መቕጻዕቲ ንምውሳን ክኸውን ከም ዝኽእል ነቲ ኩነታት ብቐረባ ይከታተልዎ ዘለዉ ኣካላት ይግምቱ። እቲ መቕጻዕቲ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ገንዘባዊ ኮይኑ፡ ስድራቤታት ንነፍሲ ወከፍ ካብ ሃገር ዝወጸ  ወዶም ኮነ ጓሎም ኣስታት 50 ሺሕ ናቕፋ ክኸፍላ ዘገድድ ክኸውን ከም ዝኽእል ናይ ብዙሓት ጥርጠራ እዩ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብ ኤርትራ ንለውጢ ዝቃለሱ ዘለዉ ሓይልታት፡ ካብቶም ዝፈላልይዎም፡ ዘሰማምዕዎም ከምዝበዝሑ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮታቶም ዝምስክሮ እዩ። ናይ ሓባር ጸላኢኦም ህግደፍ ምዃኑ፡ ምዕቃብ ልኡላዊት ኤርትራ፡ ምውጋድ ምልካዊ ስርዓትን፡ ልዕልና ህዝቢ ዘረጋገጽ ሕገመንስታዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምትካልን ዝብሉ፡ ካብቶም ዘሰማምዕዎም መሰረታዊ ዛዕባታት  እዮም። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ድሕሪ ውድቀት ህግደፍ፡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ኮንካ ናይ መወዳእታ ሕገ-መንግስታዊ መልክዕ ክሕዙ ዝግበኦም ፍልልያት ከም ዘለዉዎም ከኣ ርዱእ እዩ።

እዚ ፍልልያት፡ ናይ ሓሳብ መማረጽታት ዘምጽእ፡ ንህዝቢ ካብ “ከም መንገዲ ጻጸ” ሓንቲ ሓሳብ ሒዙ ዝኸይድ፡ ሓሳባት ከወዳድረሉ ዝኽእል ዕድል ዝፈጥረሉን ክመሓደር ዝኽእልን እምበር፡ ኣብቲ እትሰማመዓሉ ሓቢርካ ኣንጻር ወጽዓ ህግደፍ ከይትቃለስ ዝዕንቅጽ ኣይኮነን። ፍልልያት ሰኣን ልቦናዊ ኣተሓሕዛ፡  ንሓዋሩ ዘይድፈር መረሓሓቒ መሲሉ ክቐርብ እንከሎ፡ ናይቶም ኣብ ዙርያኡ ዘለዉ ሓይልታት ድኽመትን ኣርሒቕካ ዘይምጥማትን ዘመልክት እዩ። ነዚ ዘይስገር ዝመስል ምስጋር መተካእታ ከምዘየብሉ ንምምልካት ኢና ከኣ “ንናይ ሓባር ዓወት ሓቢርካ ምቅላስ” ክንብል ዝጸናሕናን ዘለናን። እዚ ክበሃል እንከሎ፡  ምስ  ፍልልያትካ ነቲ ዘሰማምዓካ ቀዳምነት ሂብካ ብሓባር ምቅላስ፡ ክንድቲ ብክለሰ-ሓሳብ ከተስፍሮ እንከለኻ ቀሊል ዝመስል ዘይኮነ፡ ኣብ ግብሪ ጽኑዕ ትብዓትን ቀጻሊ ተወፋይነትን ዝሓትት ምዃኑ ኣብ ጉዳይና ንዕዘቦ ዘለና እዩ።

ፍልልያትካ ዓቂብካ፡ ኣብቲ ዘሰማምዓካን ቀዳምነት እትህቦን መሰረታዊ ጉዳይ ሓቢርካ ምቅላስ፡ ከቢድ ዝገብሮ ናይ ኣተሓሳስባ ጫፋት ኣቀራሪብካ፡ ንኹልኻ ዘማእክል ሓላፍነታዊ ተረድኦ ክትፈጥር ምኽኣል ስለ ዝኾነ እዩ። ኣብዚ መስርሕ ካብቶም ዓንቀፍቲ ዝኾኑ፡ ብዛዕባቲ፡ ኣንጻሩ ትቃለስ ዘለኻ ሓይሊ ናይ ሓባር ሚዛን ምሓዝን ዘይምሓዝን፡ ቀዳምነታትካ ክትሰርዕ ምብቃዕን ዘይምብቃዕን፡ ናይቲ ትቃለሰሉ ውዳበ ናጽነትን ግደኻ ኣብቲ ብሓባር ትዋሰኣሉ መድረኽን ምጥዕዓም፡ በቲ ሓደ ወገን ጉዳይ ህዝብን ሃገርን በቲ ካልእ ድማ ጉዳይ ሰልፍን ውድብን ግቡእ ቦታ ኣብ ምትሓዝ ዘሎ ርትዓውነት ይርከብዎ። ኣብዞም ነጥብታት ብሓባር ከጓዕዘካ ዝኽእል ኣተሓሳስባ ምጥራይ ከቢድኳ እንተኾነ፡ ግን ከኣ ዝከኣል እዩ። ቀንዲ ጸገም ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ ከኣ ኣብዚ መዳይዚ ክንበቅዕ ዘይምኽኣልና እዩ።

ኣብ ሓቢርካ ምቅላስ፡ ሓደን ዓዳሚ እቲ ካልእ ተዓዳሚ ዝኾነሉ ዘይኮነ፡ ብናይ ኩሉ ኣካላት ተበግሶን ኣስተዋጸኦን ክዕመም ዝግበኦ ናይ ሓባር ሓላፍነት እዩ። ጉዳይ ሓድነትን ሓቢርካ ምቅላስን ከም ጓል ነገር “እንተቐዶ ቀዶ፣ እንተዘይቀዶ  ሕንጣጦ” ኢልካ ዝተሓዝ ዘይኮነ፡ ዝለዓለ ቆላሕታ ዝወሃቦ እስትራተጂ  እዩ። ምኽንያቱ ናብቲ መሰረታዊ ለውጢ ዘውሕስ ሸቶ ንምብጻሕ መሰረታዊ መንገዲ ንሱ ስለ ዝኾነ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ነዚ ዛዕባ’ዚ ኣብ ጉባአታቱ ግቡእ ኣድህቦ ዝህቦን ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ “እማመ ሓድነት” ኣውጺኡ ክንቀሳቐሰሉ ዝጸንሓን ካብዚ  ኣገዳስነት’ዚ ብምንቃል እዩ። እማመ ሓድነትን ሓቢርካ ምቅላስን ሰዲህኤ፡ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ኣረጋጊጽካ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካል፡ ኪኖ ዕማም ሓደ ሰልፊ ወይ ውድብ ምዃኑ ዘረጋግጽ መልእኽቲ ዘለዎ እዩ።

ካብ ነዊሕ ግዜ ዝተቛሰለ ኣተሓሳስባታት ኣቀራሪብካ፡ ናብ ማእከላይ ብሓባር ዘቃልስ ደረጃ ከተብጸሖ ኣብ ርእሲቲ ዝሓቶ ብቑዕን ሓላፍነታውን ዓቕሚ፡ ግዜ ዝበልዕ ምዃኑ’ውን ዝረኣናዮ እዩ። ከምዚ ኣብ ናይ ለውጢ ደንበና ዝረአ ዘሎ፡ በዚ ተኸዊልካ ዘይምኽኑይ ግዜ ምብኻንን ማዕረ መድረኻዊ ምዕባለታት ክትስጉም ዘይምብቃዕን ግና ቅቡል ኣይኮነን። ከምዚ ብምዃኑ ድማ ትዕግስትኻ ዘወድእን ኣድካምን ክኸውን ይኽእል እዩ። እንተኾነ መተካእታ ስለ ዘየብሉ ተስፋ ከይቆረጽካ፤ ስንኻ ነኺስካ ክትቅጽሎ ዘገድድ ከኣ እዩ።

ናይቲ “ንናይ ሓባር ዓወት ሓቢርካ ንምቅላስ” ዝምስረት መድረኽ ናይ ለውጢ ዓቕሚ፡ እኩብ ድምር ዓቕሚ ናይተን ነቲ መድረኽ ዘቑማ ውዳበታት እዩ። ኣብተን ነቲ መድረኽ ዝፈጥራ ኣካላት ዓቕሚ እንተዘየልዩ እቲ ናይ ሓባር መድረኽ’ውን ዓቕሚ ዘየብሉ ስማዊ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ። ስለዚ “ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽ ይሃልወና” ክበሃል እንከሎ፡ ህልውና ናይተን ናይቲ መድረኽ ዓቕሚ ዝድልባ ውዳበታት ይፈርስ ማለት ክኸውን ኣይግበኦን። ኣብተን ሰልፍታት፡ ውድባትን ምንቅስቓሳትን ሓላፍነታዊ ናይ ቀዳምነታት ኣሰራርዓ ምንጻር ግና ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ማለት ኣብ ሓደ መድረኽ ኣብ ሓደ ዛዕባ ጥራይ ትንጥልጠል ማለት ዘይኮነ፡ ተዛምድቲ ዛዕባታት ጐኒንጐኒ ምስጓም እውን ይከኣል እዩ። ንኣብነት ቀዳምነትና ምውጋድ ስርዓት ህግደፍ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ልኡላውነት ኤርትራ፡ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ፡ ድሕሪ ለውጢ ከጋጥም ዝኽእል ምዕባለታትን ወሳኒ ግደ ህዝቢ ኤርትራ ከመይ ክኸውን ከም ዝግበኦን፡ ቀወምቲ ኣጀንዳታት እዮም።

ኣብዚ እዋንዚ ንዕዘቦ ዘለና ዞባዊ ምዕባለ፡ ንጉጅለ ህግደፍ ዝቕርቅሮን ንሓይልታት ለውጢ ዘተባብዕን እዩ። ኣብ ልዕሊቲ ሓይልታት ለውጢ፡ ሓቀኛ ጸረ ህዝቢ ፖለቲካዊ መንነቱ ንምቅላዕ ከነካይዶ ዝጸናሕና ቃልሲ፡ ህግደፍ ብሰንክቲ ካብ ኤርትራ ወጻኢ፡ ብሓፈሻ፡ ኣብዚ ዞባ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣትይዎ ዘሎ ወጥሪ ንገዛእ ርእሱ ባዕሉ ኣብ ዘቃለዓሉ ደረጃ እዩ ዝርከብ።

ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ ምስ ኩሉቲ ዝግበር ጻዕሪ፡ ክሳብ ሎሚ ሕቶ ሓድነትን ሓቢርካ ምቅላስን ከነዕውት ዘይምኽኣልና፡ ኣብዚ መዳይዚ ክንጋገ ከም ዝጸንሕና ዘመልክት እዩ። ናይ ክሳብ ሕጂ ሕጽረታትና ዘተሓሳስብኳ እንተኾነ፡ ካብዚ ጌጋታትና ተማሂርና ናብ ዝሓሸ ደረጃ ናይ ምብራኽ ዕድልና ግና ክፉት እዩ። ዝምረረን ዘጣዕስን ጌጋ ዝኸውን ከኣ ካብ ዝሓለፈ ድኽመት ተማሂርና መጻኢና እንተዘየዕሪና እዩ። ስለዚ ሎሚ’ውን “ንናይ ሓባር ዓወት፡ ሓቢርካ ምቅላስ” ዝብል ጭረሖና ህያው ምዃን ዘይስገር እዩ።

መስከረም ኣበራ ዝተባህለት “ኢትዮ-ንቃት” ብዝብል ናይ ዩቱብ መስመራ ክትነጥፍ ዝጸንሐት ኢትዮጵያዊት ጋዜጠኛን ደራሲትን ብ13 ታሕሳስ 2022 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብፈደራል ፖሊስ  ከም ዝተኣስረት ቢቢሲ/BBC ክፍሊ ኣምሓርኛ ሓቢራ። መስከረም ኣበራ ናይ ዩኒቨርሲቲ መምህርነት ሞያኣ ገዲፋ ኣብ መዲያ እትነጥፍ ክትከውን እንከላ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጉንበት 2022 እውን ተኣሲራ ከም ዝነበረትን ብናይ 30 ሺሕ ብር ዋሕስ ከም ዝተፈትሐትን ተፈሊጡ።

መስከረም ንመንግስቲ ብልጽግና ብትሪ እትቃወም ክትከውን እንከላ፡ ብሓፈሻ ንጸቢብ ብሄርነት ኣምሓራ፡ ብፍላይ ድማ ንምንቅስቓስ ፋኖ ኣምሓራ እትግፍን እትሕለቕን ጋዜጠኛ እያ። ካብዚ ነቒላ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ናብ  ትግራይ ምእታው ምኽኑይን ዝድገፍን ኣምሲላ ብምቕራብ፡  ኣንጻር ከምኒ  በዓል ኣቶ ልደቱ ኣያለውን ኢንጅነር ይልቃል ጌትነትን ዝኣመሰሉ ርትዓዊ ሚዛን ዘለዎም ምሁራት ኣምሓሩ እትስለፍ እያ።

ብዘይካዚ ኣምሓራ ማዕረ ፈደራላዊ መንግስቲ ኣብቲ ዘተ ዘይተሰለፈ ብዝብል፡  ኣንጻር ውዕል ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን ተሪር ተቓውሞ ከተንጸባርቕ ዝጸነሐት እያ። ፈደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ብዛዕባ መስከረም ዝተኣስረትሉ ምኽንያት ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺኳ እንተዘየለ፡ እቲ ጠንቂ በቲ ከተቕርቦ ዝጸንሐት ፖለቲካዊ ትንተናታት  ከም ዝኸውን ናይ ብዙሓት ግምት እዩ።

ቻይና ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን 16 ናብኣ ብዘይቀረጽ ፍርያተን ከእትዋ ዝፈቐደትለን ሃገራት ምዃናኳ ጠቒሳ እንተነበረት፡ ድሒራ ኣብ ዘውጸኣቶ መግለጺ ግና ቁጽሪ ናይተን ሃገራት ናብ 9 ከም ዝወረደን ኤርትራ ካብቲ ሓድሽ ዝርዝር ከብ ዝተገለላ ሓንቲ ምዃናን ካብ ሬድዮ ኤረና ዝተረኽበ ዜና ኣረዲኡ። ኤርትራ ስለምንታይ ኣብ መወዳእታ እቲ ዕድል ካብ ዝተዋህበን ሃገራት ከም ዝተገለለት ዝተዋህበ ዝርዝር የለን።

ብዘይካዚ ኢትዮጵዮ እውን፡ እቲ ኣብቲ ናይ ቅድም መግለጺ እቲ ዕድል ካብ ዝተዋህበን ሓንቲ ነይራ ከተብቅዕ፡ ኣብ መወዳእታ ግና ብግብሪ ተጠቃሚት ክትከውን ኣይከኣለት። ኢትዮጵያ ናይዚ ዕድል ተጠቃሚት ዘይኮነትሉ ምኽንያት ኣቐዲማ ከተቕርቦ ዝግበኣ ዝነበረ ሰነዳት ከተቕርብ ብዘይምኽኣላ ምዃኑ ዝተፈላለያ ናይ ኢትዮጵያ መዲያታት ሓቢረን።

ጅቡትን ሱዳንን ኣብቲ ናይ 16 ሃገራት ዝርዝር ተጠቒሰንኳ እንተነበራ ናይቲ ካብ ባሕቲ ታሕሳስ 2022 ጀሚሩ ዘሎ ዕድል ተጠቀምቲ ክኾና ኣይከኣላን። በዚ መሰረት ካብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዋላ ሓንቲ ሃገር ናይቲ ዕድል ተጠቃሚት ክትከውን ከምዘይከኣለት ካብቲ ዜና ምፍላጥ ተኻኢሉ።

ናይቲ ቻይና ዝሃበቶ ካብ ቀረጽ ናጻ ሰደድ ዕድል ተጠቀምቲ ኮይነን ዘለዋ ሃገራት፡ ካብ ኣህጉር  ኤስያ ኣፍጋኒስታን ካብ ኣፍሪቃ ድማ፡ በኒን፡ ቡርኪናፋሶ፡ ሌሴቶ፡ ማላዊ፡ ሳኦ ቶመ ፕሪንሲፕ፡ ታንዛንያ፡ ኡጋንዳን ዛምብያን ምዃነን እቲ ዜና ሓቢሩ። እዘን ካብ ቅድም ቻይና ቆላሕታ ዝገበረትለን ሃገራት ምስተን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ድኽነት ዝርከባ  ዝምደባ ኮይነን፡ ኣዝዩ ዝወሓደ ናይ ሰደድ ዓቕሚ ዘለወን ምዃነን ኣብቲ ዜና ሰፊሩ። ቻይና እቲ ብዘይቀረጽ ናብ ሃገራ ክኣቱ ዝፈቐደቶ ዓይነት ፍርያት፡ ኣስታት 8,786 ዝበጽሕ ኮይኑ ብኣስማት ዝተዋህበ ዝርዝር መግለጺ ግና የለን።

ብመሰረት ነዚ ዝምልከት ጸብጻባት፡ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ነዳድን ማዕድናትን ዝርከቦ ብድምር ናብ ቻይና ዝልእከኦ ፍርያት ዓመታዊ ኣስታት 100 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ኮይኑ፡ ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ  እትገብሮ ንግድን ወፍሪን ግና ልዕሊ 250 ቢልዮን ዶላር ዝግመት እዩ።

ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ10 ታሕሳስ 2022 ፍሉይ ኣኼባ ኣካይዱ። ናይዚ ፍሉይ ኣኼባ ኣጀንዳ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን ዝተኸተመ ውዕል ሰላምን ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝህልዎ ጽልዋን ምምዛን ዝምልከት ነይሩ።

ኣቦመንበር ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚ ሽማግለን ሰዲህኤ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፡ እቲ ስምምዕ ምስተኣወጀ ፈጻሚ ሽማግለ ከም ዝመዘኖ ጠቒሱ፡ ንትሕዝቶ እቲ ፈጻሚ ሽማግለ ኣቐዲሙ  ኣብቲ ስምምዕ ዘንበሮ ሚዛንን ዝምልከት ከኣ ሰፊሕ መበገሲ ኣቕሪቡ። ኣብ መብርሂኡ፡ እቲ ውዕል ሰላም ዋላ’ኳ ኣብቲ መጀመርያ ብገለ ወገናት ተቓውሞ ኣጋጢምዎ እንተነበረ፡ ደሓር ግና ብህዝቢ ትግራይ ኮነ ብሕብረተሰብ ዓለም  ተቐባልነት ረኺቡ ኣብ መስርሕ ትግባረ ከም ዝርከብ ጠቒሱ።

ሰዲህኤ ካብ መጀመርታ፡ እቲ ውግእ ምስተባርዐ፡ መፍትሒኡ ዘተን ሰላምን ምዃኑን ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ድማ ካብ ኤርትራ  ንክወጹን ብደረጃ ማእከላይ ባይቶ ብኣዋጅ ገሊጽዎ  ከም ዝነበረ ብምጥቃስ፡ ነቲ ዝተበጽሐ ናይ ሰላም ውዕል ከም ዝደገፎ ፈጻሚ ሽማግለ ምንጻሩ ጠቒሱ። በዚ መሰረት ሚዛን ሰዲህኤ ካብ ቅድም ብዛዕባ ኣፈታትሓ ናይቲ ጸገም ኮነ ዘይተደላዪ ኢድ ምትእትታው  ርትዓዊ ምንባሩ ኣነጺሩ። ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ’ውን እቲ ስምምዕ ተቐባልነት ከም ዝረኸበን ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ናይ ሓባር ናይ ደገፍ መግለጺ ከም ዘውጸአን ኣገንዚቡ።

እቲ ስምምዕ ብትሕዝቶኡ ህግደፍ ካብ ትግራይ ክወጽእ ዘገድድ ምዃኑ ጠቒሱ። እንተኾነ ህግደፍ ካብቲ መስርሕ ተነጺለ ብዝብል እንጽርጽሮትን ናብቲ ውግእ ክኣቱ እንከሎ፡ ዝነበሮ ዕላማ ሰለ ዘየዕወተን በቲ ስምምዕ ኣብ ክንዲ ዝምእዘዝ፡ ካልእ ኣብ ውግእ ከቐጽሎ ዝኽእል ኲነታት ካብ ምምሃዝ’ኳ ዘይዓርፍ እንተኾነ፡  ውዒሉ ሓዲሩ ግና ክወጽእ ከም ዝግደድ ገሊጹ።

ባይቶ ኣብቲ ምይይጡ፡ ስምምዕ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ካብ ዘስፈሮም ነጥብታት ሓደ ምዕቃብ ሓድነትን ልኡላውነትን ኢትዮጵያ ምዃኑ ተገንዚቡ። ምስዚ ብዝተተሓሕዘ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ባይቶ፡  እቲ ቅኑዕን ነባሪ ሰላም ዘውሕስን ልኡላውነት ኤርትራ ዝረጋገጸሉ መንገዲ እቲ ህግደፍ ከም መመሳመሲ ዝጥቀመሉ  ናይ ሓይሊ ምርጫ ከም ዘይኮነ ተገንዚቡ። ስለዚ እቲ ቅኑዕ ልኡላውነት ኤርትራ ዘውሕስ ኣገባብ፡ ጐኒ ንጐኒ እቲ ህግደፍ ንምውጋድ ዝግበር ቃልሲ፡ እቲ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ግብሪ ምውዓል ምዃኑ ብምግንዛብ፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ  ኣብ ጉባአ ሰዲህኤ ዝተወሰነ፡ ናይ ዶብ ብይን ኣብ ግብሪ ንኽውዕል ናብ ኩሎም ዝምልከቶም ጸዋዒቱ ኣሕዲሱ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣባላት ባይቶ፡ ነቲ ኢትዮጵያውያን በጺሐምዎ ዘለዉ ናይ ሰላም ውዕል  ብምድጋፍ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ሃነጽትን ሰዲህኤ ኣብ መጻኢ ከተኩረሎም ዝግበኦ ሰልፋውን ግዳማውን ዛዕባታት ኣንጸባሪቖም።  

Saturday, 10 December 2022 21:48

Dimtsi Harnnet Sweden 10.12.2022

Written by