ብመሰረት ኣዋጅ 145/2005 ኣብ ኤርትራ ዝንቀሳቐሳ ውሱናት ዘይመንግስታዊ ትካላት፡ ምስ መንግስቲ ብምሽራኽ ጥራይ መደባተን ከተግባራ ከም ዝግደዳ ማእከል ሓበሬታ አርትርትራ/ ERITREANHUB ኣፍሊጣ።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ እተን ዘይመንግስታዊ ትካላት፡ ዝዋሰኣሉ መደባት ብመንግስቲ ተመሪጹ ዝወሃበን ጥራይ ምዃኑ ተገሊጹ። ኣብ ርእሲዚ መንግስቲ ኤርትራ ናጻ ናይ ምንቅስቓስ ስለ ዘየፍቅደለን እተን ዘይመንግስታዊ ትካላት ናብ ዝኾነ ቦታ ክንቀሳቐሳ እንከለዋ፡ ናይ መንግስቲ ፈቓድ ክሓታ ግዱዳት እየን። እዚ ኣገባብ እቲ ሓገዝ ዝደሊ ህዝብን ሓገዝ ዘቕርባ ትካላትን ከም ድላዮም ከይራኸቡ ዝድርት ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ኤርትራ ዘለዉ መቆጻጸሪ ነቑጣታት፡ እቲ ዝንቀሳቐስ ኣካል ናይ ምንቅስቓስ ፈቓድ ከም ዘጻርዩን ዝርዝር መንነት ናይቲ ዝንቀሳቐስ ኣካል ዝገልጽ ሰነዳዊ ሓበሬታ ከቕርብን ዘገድዳ እየን። ኣብ ከባቢ ዓዲ ቀይሕ፡ ኣቑርደት፡ ዓረዛ፡ ባረንቱ፡ ደቀምሓረን ናቕፋን ዝኣመሰሉ ከባብታትን፡ ኣብ መንጎ ሩባታት ሰቲትን መረብን ዘሎ ቦታን ንምንቅስቓስ ሰባት ዘስግኡ ጸረ-ሰብ ነተጉቲ ከም ዘለዉዎ’ውን ካብቲ ጸብጻብ ምርዳእ ይከኣል።
ኣብ ኤርትራ ዘይማዕበለ ዝርጋሐ ቴለኮሙኒካሽን ዘኸትሎ ናይ ስልክን ኢትንተርኔትን ርክብ ውሱንነት እውን ዕንቅፋት ምዃኑ ተጠቒሱ። ኣብ ኤርትራ ናይ ሞባይል ሲም ካርድ ኣዝዩ ድሩት ምዃኑ፡ ገለ ከባብታት መንገዲ መካይን ስለ ዘየብሉ፡ ናብኡ ንምብጻሕ ኣግማልን ካለኦት መጽዓኛን ምጥቃም ግድን ምዃኑን ነቲ ተጠቃሚ ምስ ሰብኣዊ ትካላት ኣብ ምርኻብ ጸገም ከም ዝፈጥረሉን እቲ ካብ ማእከል ሓበሬታ አሪትርትራ/ ERITREANHUB ዝተረኽበ ዜና ኣፍሊጡ።
ህግደፍ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ብሰንኪ ደቆም ናብ ውግእ ዘይምኽታቶም ኣብ ልዕሊ ስድራ-ቤታት ኤርትራ ዝተፈላለዩ ስጉምትታት ክወስድ ከም ዝጸንሐን፡ ካብቲ ስጉምትታት ሓደ መንበሪ ኣባይቲ ምዕጻው ምዃኑን በብግዜኡ ካብ ኤርትራ ዝተረኽቡ ሓበሬታታት ከነጽሩ ጸኒሖም እዮም። ኣብዚ እዋን ድማ ኣብ ገለ ከባብታት ኤርትራ፡ ነቶም ገዛውቶም ዝተዓጽዎም ስድራ-ቤታት፡ ካብቲ ዝተዓጽወ ኣባይቶም፡ ዝተወሰነ ከፊቱ ኣብኡ ብምሕያር ናብ ውግእ ብዘይከዱ ኣባላት ዕቑር ሰራዊት ኣቢሉ ይሕልዎም ከም ዘሎ ምንጭታት ሰዲህኤ ካብ ኤርትራ ኣረዲኦም።
ካብቶም ብኸምዚ ኣገባብ ኣብ ገዛእ ኣባይቶም ዝእሰሩ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ሰብኡተን ተገዲዶም ናብ ውግእ ከቲቶም ከብቅዑ፡ ደቅኽን ኣይተረኽቡን ተባሂለን ዝተኣስራ ኣዴታት ከም ዝርከበኦምን ገሊአንውን ሰብኡተን ኣብ ውግእ ሞይቶም ጌና ኣብ ሓዘን እንከለዋ፡ ብሰንኪ ናይ ደቀን ካብ ህግደፍ ምስዋር ዝተኣስራን ከም ዝርከበአን እቲ ዝበጻሓና ሓበሬታ ተጠቒሱ ኣሎ።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ህግደፍ ብናይ ከባብን ዓድታትን ኣመሓደርቱ ኣቢሉ፡ ዝርዝር ኣስማት ናይቶም ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፡ ካብቲ ስርዓት ሃዲሞም ካብ ሃገር ዝወጹ ኤርትራውያን ይምዝግብ ከም ዘሎ ምንጭታትና ኣፍሊጦም። ምኽንያት ዝርዝር ስማት ናይቶም ካብ ሃገር ዝወጹ መንእሰያት ምሓዝ ማለት ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ስድራ-ቤታቶም መቕጻዕቲ ንምውሳን ክኸውን ከም ዝኽእል ነቲ ኩነታት ብቐረባ ይከታተልዎ ዘለዉ ኣካላት ይግምቱ። እቲ መቕጻዕቲ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ገንዘባዊ ኮይኑ፡ ስድራቤታት ንነፍሲ ወከፍ ካብ ሃገር ዝወጸ ወዶም ኮነ ጓሎም ኣስታት 50 ሺሕ ናቕፋ ክኸፍላ ዘገድድ ክኸውን ከም ዝኽእል ናይ ብዙሓት ጥርጠራ እዩ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ኣብ ኤርትራ ንለውጢ ዝቃለሱ ዘለዉ ሓይልታት፡ ካብቶም ዝፈላልይዎም፡ ዘሰማምዕዎም ከምዝበዝሑ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮታቶም ዝምስክሮ እዩ። ናይ ሓባር ጸላኢኦም ህግደፍ ምዃኑ፡ ምዕቃብ ልኡላዊት ኤርትራ፡ ምውጋድ ምልካዊ ስርዓትን፡ ልዕልና ህዝቢ ዘረጋገጽ ሕገመንስታዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምትካልን ዝብሉ፡ ካብቶም ዘሰማምዕዎም መሰረታዊ ዛዕባታት እዮም። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ድሕሪ ውድቀት ህግደፍ፡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ኮንካ ናይ መወዳእታ ሕገ-መንግስታዊ መልክዕ ክሕዙ ዝግበኦም ፍልልያት ከም ዘለዉዎም ከኣ ርዱእ እዩ።
እዚ ፍልልያት፡ ናይ ሓሳብ መማረጽታት ዘምጽእ፡ ንህዝቢ ካብ “ከም መንገዲ ጻጸ” ሓንቲ ሓሳብ ሒዙ ዝኸይድ፡ ሓሳባት ከወዳድረሉ ዝኽእል ዕድል ዝፈጥረሉን ክመሓደር ዝኽእልን እምበር፡ ኣብቲ እትሰማመዓሉ ሓቢርካ ኣንጻር ወጽዓ ህግደፍ ከይትቃለስ ዝዕንቅጽ ኣይኮነን። ፍልልያት ሰኣን ልቦናዊ ኣተሓሕዛ፡ ንሓዋሩ ዘይድፈር መረሓሓቒ መሲሉ ክቐርብ እንከሎ፡ ናይቶም ኣብ ዙርያኡ ዘለዉ ሓይልታት ድኽመትን ኣርሒቕካ ዘይምጥማትን ዘመልክት እዩ። ነዚ ዘይስገር ዝመስል ምስጋር መተካእታ ከምዘየብሉ ንምምልካት ኢና ከኣ “ንናይ ሓባር ዓወት ሓቢርካ ምቅላስ” ክንብል ዝጸናሕናን ዘለናን። እዚ ክበሃል እንከሎ፡ ምስ ፍልልያትካ ነቲ ዘሰማምዓካ ቀዳምነት ሂብካ ብሓባር ምቅላስ፡ ክንድቲ ብክለሰ-ሓሳብ ከተስፍሮ እንከለኻ ቀሊል ዝመስል ዘይኮነ፡ ኣብ ግብሪ ጽኑዕ ትብዓትን ቀጻሊ ተወፋይነትን ዝሓትት ምዃኑ ኣብ ጉዳይና ንዕዘቦ ዘለና እዩ።
ፍልልያትካ ዓቂብካ፡ ኣብቲ ዘሰማምዓካን ቀዳምነት እትህቦን መሰረታዊ ጉዳይ ሓቢርካ ምቅላስ፡ ከቢድ ዝገብሮ ናይ ኣተሓሳስባ ጫፋት ኣቀራሪብካ፡ ንኹልኻ ዘማእክል ሓላፍነታዊ ተረድኦ ክትፈጥር ምኽኣል ስለ ዝኾነ እዩ። ኣብዚ መስርሕ ካብቶም ዓንቀፍቲ ዝኾኑ፡ ብዛዕባቲ፡ ኣንጻሩ ትቃለስ ዘለኻ ሓይሊ ናይ ሓባር ሚዛን ምሓዝን ዘይምሓዝን፡ ቀዳምነታትካ ክትሰርዕ ምብቃዕን ዘይምብቃዕን፡ ናይቲ ትቃለሰሉ ውዳበ ናጽነትን ግደኻ ኣብቲ ብሓባር ትዋሰኣሉ መድረኽን ምጥዕዓም፡ በቲ ሓደ ወገን ጉዳይ ህዝብን ሃገርን በቲ ካልእ ድማ ጉዳይ ሰልፍን ውድብን ግቡእ ቦታ ኣብ ምትሓዝ ዘሎ ርትዓውነት ይርከብዎ። ኣብዞም ነጥብታት ብሓባር ከጓዕዘካ ዝኽእል ኣተሓሳስባ ምጥራይ ከቢድኳ እንተኾነ፡ ግን ከኣ ዝከኣል እዩ። ቀንዲ ጸገም ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ ከኣ ኣብዚ መዳይዚ ክንበቅዕ ዘይምኽኣልና እዩ።
ኣብ ሓቢርካ ምቅላስ፡ ሓደን ዓዳሚ እቲ ካልእ ተዓዳሚ ዝኾነሉ ዘይኮነ፡ ብናይ ኩሉ ኣካላት ተበግሶን ኣስተዋጸኦን ክዕመም ዝግበኦ ናይ ሓባር ሓላፍነት እዩ። ጉዳይ ሓድነትን ሓቢርካ ምቅላስን ከም ጓል ነገር “እንተቐዶ ቀዶ፣ እንተዘይቀዶ ሕንጣጦ” ኢልካ ዝተሓዝ ዘይኮነ፡ ዝለዓለ ቆላሕታ ዝወሃቦ እስትራተጂ እዩ። ምኽንያቱ ናብቲ መሰረታዊ ለውጢ ዘውሕስ ሸቶ ንምብጻሕ መሰረታዊ መንገዲ ንሱ ስለ ዝኾነ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ነዚ ዛዕባ’ዚ ኣብ ጉባአታቱ ግቡእ ኣድህቦ ዝህቦን ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ “እማመ ሓድነት” ኣውጺኡ ክንቀሳቐሰሉ ዝጸንሓን ካብዚ ኣገዳስነት’ዚ ብምንቃል እዩ። እማመ ሓድነትን ሓቢርካ ምቅላስን ሰዲህኤ፡ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ኣረጋጊጽካ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካል፡ ኪኖ ዕማም ሓደ ሰልፊ ወይ ውድብ ምዃኑ ዘረጋግጽ መልእኽቲ ዘለዎ እዩ።
ካብ ነዊሕ ግዜ ዝተቛሰለ ኣተሓሳስባታት ኣቀራሪብካ፡ ናብ ማእከላይ ብሓባር ዘቃልስ ደረጃ ከተብጸሖ ኣብ ርእሲቲ ዝሓቶ ብቑዕን ሓላፍነታውን ዓቕሚ፡ ግዜ ዝበልዕ ምዃኑ’ውን ዝረኣናዮ እዩ። ከምዚ ኣብ ናይ ለውጢ ደንበና ዝረአ ዘሎ፡ በዚ ተኸዊልካ ዘይምኽኑይ ግዜ ምብኻንን ማዕረ መድረኻዊ ምዕባለታት ክትስጉም ዘይምብቃዕን ግና ቅቡል ኣይኮነን። ከምዚ ብምዃኑ ድማ ትዕግስትኻ ዘወድእን ኣድካምን ክኸውን ይኽእል እዩ። እንተኾነ መተካእታ ስለ ዘየብሉ ተስፋ ከይቆረጽካ፤ ስንኻ ነኺስካ ክትቅጽሎ ዘገድድ ከኣ እዩ።
ናይቲ “ንናይ ሓባር ዓወት ሓቢርካ ንምቅላስ” ዝምስረት መድረኽ ናይ ለውጢ ዓቕሚ፡ እኩብ ድምር ዓቕሚ ናይተን ነቲ መድረኽ ዘቑማ ውዳበታት እዩ። ኣብተን ነቲ መድረኽ ዝፈጥራ ኣካላት ዓቕሚ እንተዘየልዩ እቲ ናይ ሓባር መድረኽ’ውን ዓቕሚ ዘየብሉ ስማዊ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ። ስለዚ “ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽ ይሃልወና” ክበሃል እንከሎ፡ ህልውና ናይተን ናይቲ መድረኽ ዓቕሚ ዝድልባ ውዳበታት ይፈርስ ማለት ክኸውን ኣይግበኦን። ኣብተን ሰልፍታት፡ ውድባትን ምንቅስቓሳትን ሓላፍነታዊ ናይ ቀዳምነታት ኣሰራርዓ ምንጻር ግና ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ማለት ኣብ ሓደ መድረኽ ኣብ ሓደ ዛዕባ ጥራይ ትንጥልጠል ማለት ዘይኮነ፡ ተዛምድቲ ዛዕባታት ጐኒንጐኒ ምስጓም እውን ይከኣል እዩ። ንኣብነት ቀዳምነትና ምውጋድ ስርዓት ህግደፍ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ልኡላውነት ኤርትራ፡ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ፡ ድሕሪ ለውጢ ከጋጥም ዝኽእል ምዕባለታትን ወሳኒ ግደ ህዝቢ ኤርትራ ከመይ ክኸውን ከም ዝግበኦን፡ ቀወምቲ ኣጀንዳታት እዮም።
ኣብዚ እዋንዚ ንዕዘቦ ዘለና ዞባዊ ምዕባለ፡ ንጉጅለ ህግደፍ ዝቕርቅሮን ንሓይልታት ለውጢ ዘተባብዕን እዩ። ኣብ ልዕሊቲ ሓይልታት ለውጢ፡ ሓቀኛ ጸረ ህዝቢ ፖለቲካዊ መንነቱ ንምቅላዕ ከነካይዶ ዝጸናሕና ቃልሲ፡ ህግደፍ ብሰንክቲ ካብ ኤርትራ ወጻኢ፡ ብሓፈሻ፡ ኣብዚ ዞባ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣትይዎ ዘሎ ወጥሪ ንገዛእ ርእሱ ባዕሉ ኣብ ዘቃለዓሉ ደረጃ እዩ ዝርከብ።
ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ ምስ ኩሉቲ ዝግበር ጻዕሪ፡ ክሳብ ሎሚ ሕቶ ሓድነትን ሓቢርካ ምቅላስን ከነዕውት ዘይምኽኣልና፡ ኣብዚ መዳይዚ ክንጋገ ከም ዝጸንሕና ዘመልክት እዩ። ናይ ክሳብ ሕጂ ሕጽረታትና ዘተሓሳስብኳ እንተኾነ፡ ካብዚ ጌጋታትና ተማሂርና ናብ ዝሓሸ ደረጃ ናይ ምብራኽ ዕድልና ግና ክፉት እዩ። ዝምረረን ዘጣዕስን ጌጋ ዝኸውን ከኣ ካብ ዝሓለፈ ድኽመት ተማሂርና መጻኢና እንተዘየዕሪና እዩ። ስለዚ ሎሚ’ውን “ንናይ ሓባር ዓወት፡ ሓቢርካ ምቅላስ” ዝብል ጭረሖና ህያው ምዃን ዘይስገር እዩ።

መስከረም ኣበራ ዝተባህለት “ኢትዮ-ንቃት” ብዝብል ናይ ዩቱብ መስመራ ክትነጥፍ ዝጸንሐት ኢትዮጵያዊት ጋዜጠኛን ደራሲትን ብ13 ታሕሳስ 2022 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብፈደራል ፖሊስ ከም ዝተኣስረት ቢቢሲ/BBC ክፍሊ ኣምሓርኛ ሓቢራ። መስከረም ኣበራ ናይ ዩኒቨርሲቲ መምህርነት ሞያኣ ገዲፋ ኣብ መዲያ እትነጥፍ ክትከውን እንከላ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጉንበት 2022 እውን ተኣሲራ ከም ዝነበረትን ብናይ 30 ሺሕ ብር ዋሕስ ከም ዝተፈትሐትን ተፈሊጡ።
መስከረም ንመንግስቲ ብልጽግና ብትሪ እትቃወም ክትከውን እንከላ፡ ብሓፈሻ ንጸቢብ ብሄርነት ኣምሓራ፡ ብፍላይ ድማ ንምንቅስቓስ ፋኖ ኣምሓራ እትግፍን እትሕለቕን ጋዜጠኛ እያ። ካብዚ ነቒላ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ናብ ትግራይ ምእታው ምኽኑይን ዝድገፍን ኣምሲላ ብምቕራብ፡ ኣንጻር ከምኒ በዓል ኣቶ ልደቱ ኣያለውን ኢንጅነር ይልቃል ጌትነትን ዝኣመሰሉ ርትዓዊ ሚዛን ዘለዎም ምሁራት ኣምሓሩ እትስለፍ እያ።
ብዘይካዚ ኣምሓራ ማዕረ ፈደራላዊ መንግስቲ ኣብቲ ዘተ ዘይተሰለፈ ብዝብል፡ ኣንጻር ውዕል ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን ተሪር ተቓውሞ ከተንጸባርቕ ዝጸነሐት እያ። ፈደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ብዛዕባ መስከረም ዝተኣስረትሉ ምኽንያት ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺኳ እንተዘየለ፡ እቲ ጠንቂ በቲ ከተቕርቦ ዝጸንሐት ፖለቲካዊ ትንተናታት ከም ዝኸውን ናይ ብዙሓት ግምት እዩ።
ኤርትራ ቻይና ንሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ዝሃበቶ ብዘይቀረጽ ሰደድ ተገሊላ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤቻይና ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን 16 ናብኣ ብዘይቀረጽ ፍርያተን ከእትዋ ዝፈቐደትለን ሃገራት ምዃናኳ ጠቒሳ እንተነበረት፡ ድሒራ ኣብ ዘውጸኣቶ መግለጺ ግና ቁጽሪ ናይተን ሃገራት ናብ 9 ከም ዝወረደን ኤርትራ ካብቲ ሓድሽ ዝርዝር ከብ ዝተገለላ ሓንቲ ምዃናን ካብ ሬድዮ ኤረና ዝተረኽበ ዜና ኣረዲኡ። ኤርትራ ስለምንታይ ኣብ መወዳእታ እቲ ዕድል ካብ ዝተዋህበን ሃገራት ከም ዝተገለለት ዝተዋህበ ዝርዝር የለን።
ብዘይካዚ ኢትዮጵዮ እውን፡ እቲ ኣብቲ ናይ ቅድም መግለጺ እቲ ዕድል ካብ ዝተዋህበን ሓንቲ ነይራ ከተብቅዕ፡ ኣብ መወዳእታ ግና ብግብሪ ተጠቃሚት ክትከውን ኣይከኣለት። ኢትዮጵያ ናይዚ ዕድል ተጠቃሚት ዘይኮነትሉ ምኽንያት ኣቐዲማ ከተቕርቦ ዝግበኣ ዝነበረ ሰነዳት ከተቕርብ ብዘይምኽኣላ ምዃኑ ዝተፈላለያ ናይ ኢትዮጵያ መዲያታት ሓቢረን።
ጅቡትን ሱዳንን ኣብቲ ናይ 16 ሃገራት ዝርዝር ተጠቒሰንኳ እንተነበራ ናይቲ ካብ ባሕቲ ታሕሳስ 2022 ጀሚሩ ዘሎ ዕድል ተጠቀምቲ ክኾና ኣይከኣላን። በዚ መሰረት ካብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዋላ ሓንቲ ሃገር ናይቲ ዕድል ተጠቃሚት ክትከውን ከምዘይከኣለት ካብቲ ዜና ምፍላጥ ተኻኢሉ።
ናይቲ ቻይና ዝሃበቶ ካብ ቀረጽ ናጻ ሰደድ ዕድል ተጠቀምቲ ኮይነን ዘለዋ ሃገራት፡ ካብ ኣህጉር ኤስያ ኣፍጋኒስታን ካብ ኣፍሪቃ ድማ፡ በኒን፡ ቡርኪናፋሶ፡ ሌሴቶ፡ ማላዊ፡ ሳኦ ቶመ ፕሪንሲፕ፡ ታንዛንያ፡ ኡጋንዳን ዛምብያን ምዃነን እቲ ዜና ሓቢሩ። እዘን ካብ ቅድም ቻይና ቆላሕታ ዝገበረትለን ሃገራት ምስተን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ድኽነት ዝርከባ ዝምደባ ኮይነን፡ ኣዝዩ ዝወሓደ ናይ ሰደድ ዓቕሚ ዘለወን ምዃነን ኣብቲ ዜና ሰፊሩ። ቻይና እቲ ብዘይቀረጽ ናብ ሃገራ ክኣቱ ዝፈቐደቶ ዓይነት ፍርያት፡ ኣስታት 8,786 ዝበጽሕ ኮይኑ ብኣስማት ዝተዋህበ ዝርዝር መግለጺ ግና የለን።
ብመሰረት ነዚ ዝምልከት ጸብጻባት፡ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ነዳድን ማዕድናትን ዝርከቦ ብድምር ናብ ቻይና ዝልእከኦ ፍርያት ዓመታዊ ኣስታት 100 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ኮይኑ፡ ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ እትገብሮ ንግድን ወፍሪን ግና ልዕሊ 250 ቢልዮን ዶላር ዝግመት እዩ።
ባህግና Bahgna 100፣ ሰሙናዊ ዜናታት ሃገርናን ዞናናን 11.12.2022
Written by Bahgna MediaMedia
ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ10 ታሕሳስ 2022 ፍሉይ ኣኼባ ኣካይዱ። ናይዚ ፍሉይ ኣኼባ ኣጀንዳ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን ዝተኸተመ ውዕል ሰላምን ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝህልዎ ጽልዋን ምምዛን ዝምልከት ነይሩ።
ኣቦመንበር ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚ ሽማግለን ሰዲህኤ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፡ እቲ ስምምዕ ምስተኣወጀ ፈጻሚ ሽማግለ ከም ዝመዘኖ ጠቒሱ፡ ንትሕዝቶ እቲ ፈጻሚ ሽማግለ ኣቐዲሙ ኣብቲ ስምምዕ ዘንበሮ ሚዛንን ዝምልከት ከኣ ሰፊሕ መበገሲ ኣቕሪቡ። ኣብ መብርሂኡ፡ እቲ ውዕል ሰላም ዋላ’ኳ ኣብቲ መጀመርያ ብገለ ወገናት ተቓውሞ ኣጋጢምዎ እንተነበረ፡ ደሓር ግና ብህዝቢ ትግራይ ኮነ ብሕብረተሰብ ዓለም ተቐባልነት ረኺቡ ኣብ መስርሕ ትግባረ ከም ዝርከብ ጠቒሱ።
ሰዲህኤ ካብ መጀመርታ፡ እቲ ውግእ ምስተባርዐ፡ መፍትሒኡ ዘተን ሰላምን ምዃኑን ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ድማ ካብ ኤርትራ ንክወጹን ብደረጃ ማእከላይ ባይቶ ብኣዋጅ ገሊጽዎ ከም ዝነበረ ብምጥቃስ፡ ነቲ ዝተበጽሐ ናይ ሰላም ውዕል ከም ዝደገፎ ፈጻሚ ሽማግለ ምንጻሩ ጠቒሱ። በዚ መሰረት ሚዛን ሰዲህኤ ካብ ቅድም ብዛዕባ ኣፈታትሓ ናይቲ ጸገም ኮነ ዘይተደላዪ ኢድ ምትእትታው ርትዓዊ ምንባሩ ኣነጺሩ። ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ’ውን እቲ ስምምዕ ተቐባልነት ከም ዝረኸበን ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ናይ ሓባር ናይ ደገፍ መግለጺ ከም ዘውጸአን ኣገንዚቡ።
እቲ ስምምዕ ብትሕዝቶኡ ህግደፍ ካብ ትግራይ ክወጽእ ዘገድድ ምዃኑ ጠቒሱ። እንተኾነ ህግደፍ ካብቲ መስርሕ ተነጺለ ብዝብል እንጽርጽሮትን ናብቲ ውግእ ክኣቱ እንከሎ፡ ዝነበሮ ዕላማ ሰለ ዘየዕወተን በቲ ስምምዕ ኣብ ክንዲ ዝምእዘዝ፡ ካልእ ኣብ ውግእ ከቐጽሎ ዝኽእል ኲነታት ካብ ምምሃዝ’ኳ ዘይዓርፍ እንተኾነ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ግና ክወጽእ ከም ዝግደድ ገሊጹ።
ባይቶ ኣብቲ ምይይጡ፡ ስምምዕ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ካብ ዘስፈሮም ነጥብታት ሓደ ምዕቃብ ሓድነትን ልኡላውነትን ኢትዮጵያ ምዃኑ ተገንዚቡ። ምስዚ ብዝተተሓሕዘ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ባይቶ፡ እቲ ቅኑዕን ነባሪ ሰላም ዘውሕስን ልኡላውነት ኤርትራ ዝረጋገጸሉ መንገዲ እቲ ህግደፍ ከም መመሳመሲ ዝጥቀመሉ ናይ ሓይሊ ምርጫ ከም ዘይኮነ ተገንዚቡ። ስለዚ እቲ ቅኑዕ ልኡላውነት ኤርትራ ዘውሕስ ኣገባብ፡ ጐኒ ንጐኒ እቲ ህግደፍ ንምውጋድ ዝግበር ቃልሲ፡ እቲ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ግብሪ ምውዓል ምዃኑ ብምግንዛብ፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ጉባአ ሰዲህኤ ዝተወሰነ፡ ናይ ዶብ ብይን ኣብ ግብሪ ንኽውዕል ናብ ኩሎም ዝምልከቶም ጸዋዒቱ ኣሕዲሱ።
ኣብ መወዳእታ፡ ኣባላት ባይቶ፡ ነቲ ኢትዮጵያውያን በጺሐምዎ ዘለዉ ናይ ሰላም ውዕል ብምድጋፍ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ሃነጽትን ሰዲህኤ ኣብ መጻኢ ከተኩረሎም ዝግበኦ ሰልፋውን ግዳማውን ዛዕባታት ኣንጸባሪቖም።
More...
ኣሜሪካ፡ ንኤርትራን ሶማሊላንድን ምስ ኣፍሪቃ ኣብ ዝግበር ርክብ ከምዘይዓደመተን ኣፍሊጣ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤላዕለዎት ሓለፍቲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ መራሕቲ ኣፍሪቃ ምስ ፕረሲደንት ጆ ባይደን ንምርኻብ ይዳለውሉ ኣብ ዘለዉ ግዜ፡ ኤርትራን ሶማሊላንድን ከም ዘይተዓደማ ብ7 ታሕሳስ 2022 ብዝሃብዎ መግለጺ ኣፍሊጦም። እቲ ካብ 13 ክሳብ 15 ታሕሳስ 2022 ኣብ መንጎ ኣሜሪካን መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን ዝግበር ካላኣይ ርክብ፡ ዝምድና ኣሜሪካን ኣፍሪቃን ንምድልዳል ዝዓለመ ምዃኑ ተፈሊጡ።
እቶም ብዛዕባዚ ጉዳይ ንመራኸቢ ብዙሃን መግለጺ ዝሃቡ ሓለፍቲ ኣሜሪካ፡ ኤርትራን ሶማሊላንድን ዘይተዓደምሉ ምኽንያት፡ ብሰንኪ ሕማቕ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ምዃኑን ብፍላይ ንሶማሊላድንድ ዝምልከት ከኣ ከም ልኡላዊት ሃገር ኣፍልጦ ካብዘይምሃብ ዝነቅል ምዃኑ ጠቒሶም። ጁዲ ደቨርሞንት ዝተባህላ፡ ኣብ ላዕለዋይ ጸጥታዊ ኮሚቲ ኣሜሪካ ዳይረክተር ኣፍሪቃዊ ጉዳያት፡ ብድምጺ ኣሜሪካ ተሓቲተን ኣብ ዝሃበኦ ምላሽ፡ ብዝከኣል መጠን ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ብቐጸሊ ክቀራረቡን ምሉእነት ክሕልዉን ከም ዝሰርሑ ኣፍሊጠን።
ዳና ባንክስ ዝተባህላ፡ ፍልይቲ ተሓጋጋዚትን ላዕለወይቲ ኣማኻሪትን ናይቲ ርክብ ኣሜሪካ -ኣፍሪቃ ብወገነን ኣብ ዝገለጽኦ፡ እቲ ዕድመ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ቀጻሊ ጽቡቕ ዝምድና ናብ ዘለወን ሃገራት ዘተኮረ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብዚ እዋንዚ 4ተ ሃገራት በቲ ሕብረት ኣባልነተን ዝተወንዚፈ ኣለዋ ኢለን። ክልተ ሃገራት ከኣ ሓንቲ ብሕማቕ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና (ኤርትራ) ሓንቲ ድማ ከም ሃገር ኣፍልጦ ብዘይምርካብ (ሶማሊላንድ) እየን። በዚ መሰረት እዘን 6ተ ሃገራት ኣይተዓደማን። ማሊ፡ ሱዳን፡ ጊኒን ብርኪናፋሶን ካብቲ 54 ኣባላት ዝሓቖፈ ሕብረት ኣፍሪቃ ተወንዚፈን ዘለዋ ሃገራት እየን።
ኣብ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ፡ ሓላፊት ኣፍሪቃዊ ጉዳያት ሞሊ ፊ፡ ብወገነን ከም ዝሓበረኦ፡ ምስዘን ናብቲ ርክብ ዘይተዓደማ ሃገራት ናብ ዲሞክራሲያዊ ምምሕዳር ብዛዕባ ዝምለሳሉን ምስ ኣሚሪካ ጥዑይ ዝምድና ዝምስርታሉን ኩነታት ንምፍጣር ብፍሉይ ከም ዝስራሕ ኣፍሊጠን።
ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ብዓብይኡ፡ ንኤርትራ ብዝምልከት ከም ዝገለጾ፡ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ክልተኣዊ ምትሕግጋዝ የለን። እንተኾነ ኣሜሪካ፡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ብመንገዲ ባህላዊ ምልውዋጥን ካልእ መዳያትን ቀጻሊ ዝምድና ከም እትሃንጽ ኣፍሊጡ።
ደሃይ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ሰሜን ኣሜሪካ
Written by ዜና ቤት ጽሕፈት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካጉዳይ ፖለቲካዊ ውክልና ክለዓል እንከሎ፡ ዝኾነ ውዳበ፡ ሰልፊ ይኹን ውድብ ወይ ግንባር ካብቶም ብድሌት ኣባልነቱ ዝተቐበሉ ባእታታት ሓሊፉ፡ ንካልእ ኣይውክልን እዩ። እቲ ዝቃለሰሉ ኣተሓሳስባ ብመሰረት ዚውንኖ ዓለመ-ርእይቶ ናብ ድሌት ህዝቢ ዝቐረበን ዝረሓቐን ክኸውን ይኽእል። ሓደ ፖለቲካዊ ትካል፡ ናብ ህዝቢ ቀሪቡ ንመወዳድርቱ ስዒሩ እንተተመሪጹ’ሞ፡ መንግስቲ እንተመስሪቱ እቲ ንሱ ዝመርሖ ዝተመርጸ መንግስቲ ንህዝቢ ዝውክል ይኸውን። ናብ ህልዊ ዝምድና ህዝቢ ኤርትራን ህግደፍን ክንመጽእ እንከለና ግና፡ ህግደፍ ኣይኮነዶ ንህዝቢ ኤርትራ ነቶም ኣብ መዝገቡ ዝሰፈሩ “ኣባላተይ” ዝብሎም ኣካላት ዘወክል ኣተሃላልዋ እውን የብሉን። ምኽንያቱ ህግደፍ ይውሓዱ ይብዝሑ ብዘየገድስ፡ ምስ ኣባላቱ ዝተሓሳሰበሎም ቀጻሊ ትካላዊ መስኖታቱን መድረኻቱን መንሚኖም ኣብ ምሕረት ሓደ ውልቀሰብ ካብ ዝወድቁ ነዊሕ ግዜ ስለ ዝኾነ።
ጥልመት ንህግደፍ መፋጥርቱ እዩ። ቅድሚ ኩሉ ነቲ ናጽነት ኣብ ምውሓስ ተወዳዳሪ ዘየበሉ ጽንዓትን ተወፋይነትን ዘርኣየ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ሕቑኡ እዩ ሂብዎ። ነቶም ተዋጊኦም ናጽነት ኣብ ምውሓስ ኣዝዩ ክቡር ዋጋ ዝኸፈሉ ሓርበኛታት ኣባላቱ ብንግህኡ ጠሊምዎም። ኣብ ማይ ሓባር ኣብ ልዕሊ ሓርበኛታት ስንኩላት ዝወሰዶ ጨካን ስጉምቲ መርኣያ ጥልመቱ እዩ። ብሰንክዚ ተደጋጋሚ ጥልመቱ ድማ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኩሉ መሰላት ዝተነፍጎ፡ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ዓው ኢሉ ብናጻ ከየድምጽን መሊኡ ከይረግጽን ዝተሓረመ፡ ውጹዕ ህዝቢ ኮይኑ ይነብር ኣሎ። ህግደፍ ከም መቐጸልታ ናይዚ ዘቤታዊ ጥልመታቱ፡ ኣብ ቅድሚ ጐረባብትን ሕብረተሰብ ዓለምን’ውን፡ ብጥልመት፡ ክሕደትን ምእላም ውዲታትን ዝልለ መንሽሮ ሰላምን ምዕባለን ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። እንተኾነ፡ ከምቲ “ኩሉ ግዜ ፋስጋ የለን” ዝበሃል፡ ኣብዚ እዋንዚ ናይዚ ኩሉ ጥልመታቱ ዋጋ ከም ዝኸፍል ዘረድእ፡ ምልክታት ካብ በበይኑ ኩርነዓት ይረአ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ’ውን ትዕግስቱ ጸንቂቑ ብነድሪ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ዝይምሕር ስጉምቲ ዝወስደሉ ግዜ ርሑቕ ኣይክኸውንን እዩ።
ኩሉ ክግንዘቦ ዘለዎ፡ እዚ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ፈቐድኡ ዘካይዶ ዘሎ፡ ኢድ ኣእታውነት፡ ምግሃስ መሰላት፡ ምዝማት ሃብቲ ህዝብን ምጽሕታር ህውከትን፡ ኣብ ኤርትራ መሊኡ ንግዳም ዝፈስስ ዘሎ ምዃኑ ኢዩ። ኣንጻር ስርዓት ዉልቀ መላኺ ኢስያስ ዝውሰድ ስጉምታት ከኣ ነዚ ግንዛበዚ ኣብ ግምት ከእቱ ይግባእ። ንህግደፍ ብመንጽር ተግባራቱ መዚኖም ክቐጽዕዎ ዝውጥኑ ኣካላት ከነጽርዎ ካብ ዝግበኦም መሰረታዊ ጉዳያት ሓደ፡ ህዝቢ ኤርትራ ግዳይ ጥልመትን ወጽዓን ህግደፍ ክኸውን ዝጸንሐን ዘሎን እምበር፡ ብዘይሓላፍነታዊ ኣተሓሳስባ ህግደፍ ዝውከል ዘይምዃኑ እዩ። ህግደፍ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣትዩ ሓዊ ምእጓዱ፡ ኣብ ክንዲ ዘጣዕሶን ዝምኮረሉን፡ ነቲ ኢትዮጵያውያን ዝመረጽዎን ተስፋ ተነቢርሉ ዘሎን ሰላማዊ ፍታሕ ኮሊፉን ንድሕሪት ተመሊሱን ህውከትን ዕግርግርን ቀጻሊ ንክኸውን ዘርእዮ ዘሎ ፋሕተርተር፡ ኣንጻር ድሌት ህዝቢ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብቐንዱ ኣንጻር ድሌትን ተስፋን ናይቲ ኣብ ዘይምልከቶ ውግእ ዋጋ ዝኸፍል ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ’ውን ምዃኑ ግቡእ መረዳእታ ዘድልዮ እዩ።
ሎሚ ሃገርና ኤርትራ ብሰንኪ ህግደፍ፡ ናይ ሰላም፡ ልምዓትን ዲሞክራስን ኣርኣያ ዘይኮነት፡ ናይ ስደት፡ ጥሜት፡ ምጽሕታር ውግእን ዕግርግርን፡ ኣብዘይምልከተካ ምእታውን ኣብነት ኮይና እያ ኣብ በበይኑ መድረኻት ስማ ዝለዓል ዘሎ። ኣይኮነንዶ ክሳብ ሕጂ ካብ ናይ ሰላምን ፍትሕን ጽምኡ ንዘይረወየ ህዝቢ ኤርትራ፡ ተግባራት ህግደፍ ንኢሳያስን ውሑዳት መጋበርያታቱን እንተዘይኮይኑ፡ ንዝኾነ ኣካል ከምዘይውክል ምግንዛብ ዘጸግም ኣይኮነን።
ህግደፍ ኣርሒቑ ዝጥምት ህዝባዊ ሓልዮት ዘየብሉ፡ ኣብ ምዝራግ ሰላም ጥራይ ዝነብር ጉጅለ ምዃኑ ብዝተፈላለዩ ዓለም ለኻውን ኣህጉራውን መድረኻት ይቃላዕ ኣሎ። ብዙሓት ኣብ ዓውዲ ፖለቲካ ዝበሰሉን ተመኩሮ ዝጸገቡን ኣካላት እውን ጉዳይ ኤርትራ ንቕድሚት የምጽእዎን ንተግባር ህግደፍ የቃልዑን ኣለዉ። እንተኾነ እዚ እኹል ስለ ዘይኮነ ህዝቢ ኤርትራ ክንድቲ ብዝመረረ ደረጃ ግዳይ ህግደፍ ይኸውን ምህላዉ፡ “ህዝቢ ኤርትራ ብህግደፍ ኣይውከልን እዩ” ንዝብል እምነቱ ዝያዳ ከበርኾ ኣብ ዝግበኦ ታሪኻዊ መድረኽ’ዩ ዝርከብ ዘሎ። እንተደኣ ተላዒሉ ንዝሰመረ ሓይሊ ህዝቢ ዝስዕር ኣካል ከም ዘየለ ከኣ ብውሑዱ ካብ ቃልሲ ጐረበቱ ህዝቢ ሱዳን “ቅዱስ ቅንኢ” ክሓድሮ ይግባእ። ኣብዚ ወሳኒ መድረኽ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ እውን ሃገሮም፡ ብዓብይኡ ናይ ህዝባ ከምኡ ድማ ናይ ፖለቲካዊ ውዳበታታ ህጹጽ ኣበርክቶ ስለ ዘድልያ፡ እዚ ወሳኒ ዕማም ይጽበዮም ከምዘሎ ከስተብህልሉን ብግብሪ ክሰርሕሉን ዘይስገር እዩ።
“ሓይልታት ህግደፍ ናብ ትግራይ ኣይኣተወን፡ ኣይፋሉን ኣትዩባ!” ዝብል ኣብ ህዝብና ብዙሕ ኣዛሪቡ እዩ። ምእታዉ ርኡይ ነይሩ ክነሱ፡ ህግደፍ ድምጹ ሓቢኡ ከዕጠጢ እንከሎ፡ ከምቲ “ዋላ ትንፈር እምበር ጤልያ” ዝበሃል “ኣይኣተወን።” ኢሎም ዝደረቑ ውሑዳት ደገፍቲ ህግደፍ ክሳብ ሕጂ ኣለዉ። ገለ ድማ “ሰራዊትና ኣብቲ ዶብ እዩ መሬቱ ኣምሊሱ ዝሕሉ ዘሎ” ኣብ ዝብል ዕባራ ምኽንያት ዝረዓሙ ነይሮም። መንገዲ ሕጊ ኣብ መስርሕ እንከሎ፡ ብውግእ ዝምለስ መሬት ነባሪ ሰላም ዘውሕስ ኣይኮነን። ኮታ ህግደፍ ነቶም ደገፍቱ፡ ሓቢሮም ከምዘይሕስዉ ገይሩ ኣብ ሕድሕዶም ከላትሞም እዩ ጸኒሑ። ኣብ መወዳእትኡ ግና ኣብ ዶብ ዘይኮነ፡ ኣብ ማእከል ትግራይ ከተማ ኣኽሱም ተሳኢሉ፡ ብናይ ህድማ ፈኸራ ድዩ ብናይ ሓሶት ጸሎት ብዝተስነየ ኣበይ ከም ዝበጽሐ ኣርእይዎም። ልሳናት ናይ ብዙሓት ንህዝቢ ኤርትራ ሓሶት ክነግርዎ ዝጸንሑ ከኣ ክሳብ መልክዐን ቀይረን ዝመጻ ንግዜኡ ተቖሊፈን ኣለዋ።
ኣብ ሓደ ውልቀ ሰብ ዝዝውሮ ጉጅለ ግጉይ እምነት ኣሕዲርካ፡ ደድሕሪ ጌጋታቱ ዞኽዞኽ ምባል ምናልባት ኣብ ኣባላት ህግደፍ ዝተጀመረ ኣይኮነን ይበሃል ይኸውን። ደረት ክሓልፍ እንከሎ ግና ዘዛርብን ዘገርምን እዩ። ህግደፍ ናብ ውግእ ትግራይ ክኣትው እንከሎ፡ ዕላማኡ ብወግዒ፡ ህወሓትን ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባኡን ካብ ገጽ ምድሪ ንምጥፋእ ምንባሩ ባዕሉ ሓቢሩ እዩ። ምዕዋቱን ዘይምዕዋቱን ድማ በቲ ክኣቱ እንከሎ፡ ሒዝዎ ዝነበረ መደብ ምትግባሩን ዘይምትግባሩን ዝምዘን እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ብዘይምጉዳል ብዘይምውሳኽ ንህዝቢ ትግራይ ወኪሉ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስምምዕ ሰላም ከም ዝኸተመ ዘይሕባእ ሓቂ እዩ። ኣብዚ ኩነታትዚ “ህግደፍ ካብ ትግራይ ተዓዊቱ ይወጽእ ኣሎ” ዝብል ምህዞ ምንፋስ ንመን ከም ዘዕሹ እንድዒ። ግደ ሓቂ ግና ሰላም ንወልፊ ውግእ ህግደፍ ትስዕራ እያ ዘላ። እንተ ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ኣተኣታትዋ ኮነ ኣወጻጽኣ ኢድ ስለ ዘየብሉ፡ በቲ ናይ ህግድፍን ዝተደናገሩ መጋበርያታቱን ሓሶት ኣይውከልን እዩ። ሕብረተሰብ ዓለም ኮነ ጐረባብቲ ህዝብታት፡ ንህዝቢ ኤርትራ በቲ ህግደፍ ንመሕብኢ ክጥቀመሉ “ንህዝቢ ኤርትራ ይውክሎ እየ” ዝብሎ ዘይኮነ፡ በቲ ህዝቢ ኤርትራ “ብህግደፍ ኣይውከልንየ” ዝብሎ ቃንዮም ክርድእሉ ነዘኻኽሮም።