ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ’ኸ ንህግደፍ ክጽበ ድዩ?

2023-03-06 12:08:10 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 817 times

ህዝቢ ኤርትራ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ህግደፍ ክምልሰሉ ዝጽበዮ ዝነበረ ሕቶታት ብዙሓት እዮም። እንተኾነ ዋላ ሓደ ብህግደፍ ዝተመለሰ  ህዝባዊ ሕቶ የለን ኢልካ ምድምዳም ዘጸግም ኣይኮነን። ካብቶም ክሳብ ሎሚ ዘይተመለሱ ኣብ መጻኢ እውን ብህግደፍ ክምለሱ እዮም ኢልካ ዘይትጽበዮም ብዙሓት ሕቶታት፡ ሕቶ ዲሞክራስን ሰላምን፡ ማሕበራዊ ድሕነትን ቁጠባዊ ዕቤትን፡ ፍትሕን ሓሳብካ ምግላጽን ምውዳብን ወሲኽካ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ናይ ሓባር ተጠቃምነት ዘውሕስ ዝምድና ምስ ጐረባብትን ……… ወዘተ ዝምልከቱ ይርከብዎም። ህግደፍ ክሳብ ሎሚ ካብዚኣቶም ንዋላሓደ ዘይምምላሱ ድማ መርኣያ ናይቲ ፍሉይን ክቱርን ወጻዒ ባህሪኡ እዩ።

“ህግደፍ ስለምንታይ እዩ ነዚ መሰረታዊ ሕቶታት ዘይምልስ?”፡ ዝብል ሕቶ ናይ ብዙሓት  ኣዛራቢ ኮይኑ ዝጸንሐን ዘሎን ሰፊሕ ዝርዝራዊ መልሲ ዘድልዮን እዩ። እቲ መልሲ ካብቲ ዓመጸኛ ጉጅለ ክመጽእ ዝግበኦኳ እንተነበረ፡ ንሱ ግና “ይምልከተኒ እዩ”  ከምዘይብሎ ብግብሪ ኣርእዩና ስለ ዝኾነ፡ ካብኡ ካብዘይንጽበዮ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ካብ ተመኩሮና ነቒልና ግና ካብ ዝርዝር ናይቲ መልስታት “ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ክቱር ንዕቀት እዩ”  ዝብል ንኣብነት ዝጥቀስ እዩ። እቲ ቀንድን መሰረታውን ማእከል ናይቲ መልሲ ግና፡ “ናይዚ ሕቶታት ብግብሪ ምምላስ ዕድመ ስልጣኑ ዘሕጽር ስለ ዝኾነን ንኹሉ ድሕሪ ኣብ ስልጣን ምቕጻሉ ስለ ዝሰርዖን እዩ” ኢልካ ምስፋሩ ይከኣል። እዚ ብንጹር ባህጊ ህዝቢ ኤርትራን ምርጫ ህግደፍን ኣብ ኩሉ መዳያት ተጻረርቲ ምዃኖም ዘርኢ እዩ።

ህግደፍ ካብቲ ኤርትራዊ መሰረታዊ ዘቤታዊ ዛዕባ ንምልጋስን ሕቶ ህዝቢ ንዘይምምላስን ብጥሪኡ “እምብለይ” ኣይብልን። ኣብ ክንድኡ  ዘቕርቦም ናይ ሓሶት ምስምሳት ኣለዉዎ። ንመሰረታዊ ሕቶታት ህዝቢ በብግዜኡ ካለኣይ ሳልሳይ ደረጃ ብምትሓዝ ወይ ፈጺሞም ከም ዝዕበጡ ብምግባር፡ በብግዜኡ ናእሽቱ ጸገማት ብምትዕብባይን ንልኡላውነት ኤርትራ ከም መፈራርሒ ብምጥቃምን ምስ ዝተፈላለያ ጐረባብቲ ሃገራት ውግእ ይኸፍት፡ ናይ ውግእ ቁስልና ኣይሓወየን ዝብል ዕባራ ምኽንያት ይፈጥር፡ ንሓንሳብ እውን ከም ምርጫ ንዝኣመሰሉ ዲሞክራስያዊ ኣዕኑድ “መፍትሒ ኣይኮኑን እዮም” እናበለ ምንእኣስን ምብጫውን ካብቶም ዝጥቀመሎም መህደሚ ተንኮላት እዮም።

ናይ ቀረባ ጸላኢ ምፍጣር ክጽግሞ እንከሎ ድማ፡ ምስ ናይ ርሑቕ ሓይልታት ኣብ ዳርባ ቆይቊ ምእታው ልሙድ ተግባሩ እዩ። ኣንጻር ኣሜሪካ ምኩርባቡን ኣብ ሕቑፊ ሩሲያ ክሕባእ ምፍታኑን ናይዚ ኣብነት እዩ። ዘይትግበር መብጸዓ እናኣተኻ ምጥላው እውን የዘውትር። ሕገመንግስቲ ምጽዳቕ፡ እቲ ዝጸደቐ ከይተሰርሓሉ መይቱ ምባልን ደሓር መሊስካ ሓድሽ ንነድፍ ኣለና ምባልን ናይዚ ዕንክሊል ኣካይዳኡ ሓባሪ እዩ። እዚ ኩሉ ተደሚሩ ዕላማኡ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ናብ ውሽጣዊ ኤርትራዊ ጉዳዩ ዘቕልብ ናብ ደገ ጥራይ ከማዕዱ ንምሽባቡ ዝተኣልመ እዩ። እንተኾነ ኣብዚ እዋንዚ ኩሎም’ዞም ምህዞታት ኣይኮነንዶ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም እውን ኣሪጎም ኣገልግለቶም ዝውድኡ  እዮም።

ህግደፍ ኣብ ስልጣን ምቕጻሉ ብሓይልን ጥልመትን ዘረጋግጾ እምበር ካብ ህዝቢ “እወታ” ብምርካብ ከምዘይኮነ ይፈልጥ እዩ። ስለዚ ምርጫኡ ህዝቢ ዝበለ እንተበለ ኣብ ዝበጽሖ የብሉን ዝብል ትዕቢተኛ ኣካይዳ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ጉጅለ ብቐጻሊ ዝፍጽሞ ኣዝዩ ሕሱምን ኣብ ቅድሚ ፍርዲ ምቕራብ ዘየፍቅድን ማእሰርትን ዕረፍቲ ዘየብሉ ብዘይ ናይ ዕድመን ጾታን ፍልልይ ዝካየድ ግፋን ምእንቲ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ብዛዕባ  መሰረታዊ ጉዳያት ዝሓስብ፡ ኣብ ዘሻቕል ናይ ብሕቲ ኣጀንዳ ከም ዝጽመድ ንምግባሩ ዝተሃንደሰ እኩይ ምህዞ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝረአ ዝተደጐለ ሓዊ ዝሓቖፈ ስቕታ፡ ጸረ ህዝቢ ባህርያት ናይቲ ጉጅለ ካብ ዘይምርዳእ ወይ ካብኡ መፍትሒ ካብ ምጽባይ ዝነቅል ኣይኮነን። ምኽንያቱ ህዝቢ ኣብዚ መዳይ ብግብሪ ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈጸመ ሃብታም ተመኩሮ ስለ ዘለዎ። እቲ ኩነታት ኣንጻር ህግደፍ ክለዓል ከም ዝግበኦ እንዳተረደኦን እናተገበኦን ከምኡ ዘይምግባሩ፡ ስለ ዝጸገሞ ከም ዝኾነ ፍሉጥ እዩ። እንተኾነ “እቲ ስቕታ ክሳብ መዓስ እዩ?” ዝብል ሕቶ ዘየልዕል ኣይኮነን። 

እዚ ከባሃል እንከሎ ግና፡ ኣዝዮም ውሑዳት ካብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብገርሂ ዘይኮነስ ብጉርሒ፡ ብህግደፋዊ ናይ ሓሶት ስብከት ተሰሊቦም በብእዋኑ ተተሰሪሑ ብዝወሃቦም “ሎሚ ናይ ደገ ጉዳዩ ወዲኡ ናብ ዘቤታዊ ዋኒኑ ክምለስ እዩ” ዝብል መደንዘዚ መዝሙር ዘቃልሑ የለዉን ማለት ኣይኮነን።  ኣብዚ ቀረባ  ድሕሪ ውግእ ትግራይኳ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ጌና ምስ ኣሜሪካ ዝጀመሮ ሓድሽ ምኩርባብ ዘንጊዖም፡ ምስምሳቱ ከም ዝተወደአ ኣምሲሎም ክሰብኩ ይስምዑ እዮም። እቲ “ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ’ውን ንህግደፍ ክጽበ ድዩ?” ዝብል ሕቶ ከኣ ናብዚኣቶም ዘቕነዐ እዩ።

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ምሉእ ብምሉእ ካብ ህግደፍ ተስፋ ከም ዝቖረጸ ንፈታዊ ኮነ ንጸላኢ ብሩህ እዩ። እቶም ኣብቲ ይመርሖ ኣለኹ እናበለ ዓፊንዎ ዘሎ ህዝቢ ዋላ ሓንቲ ኣውንታዊ ኣሰር ዘየንበረ ክነሱ፡ ኢሳያስ ክገሾም ዝፈቕድሉ  መራሕቲ ሃገራት ክሳብ ክንደይ ከም ዝዕዘብዎ ምግማት ዘጸግም ኣይኮነን። ኣብ ጋዜጣዊ ዋዕላ ናይሮቢ ዘጋጠመ ትርኢት ነዚ ብዝምልከት ገላጺ እዩ። ንህዝቢ ኤርትራ ዘይኮኖስ ምስኡ ምዝማድ እንታይ ከም ዝጠቕሞም ከኣ ዘዛርብ እዩ።  ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከምዚ ኩነታት ህግደፍ ሕቶኻ ክምልሰልካ ምጽባይ ማለት፡ ኣግሂዱ “ተሪፈ እየ” ንዝበለካ በዓል ቆጸራ ካብ ምጽባይ ወይ ማይ ሓቚንካ ጠስሚ ክትረክብ ሃንቀው ካብ ምባል ፈሊኻ ዝረአ ኣይኮነን። ስለዚ ህዝብና ናይ ሕቶኻ መልሲ ካባኻ ምዃኑ ተገንዚብካ ክትንቀሳቐስ እንከለኻ ምሳኻ ከም እንስለፍ እናረጋገጽና፡ ከም ናይ ቅድሚ ሕጂ መጸዋዕታና ነቕርበልካ።

Last modified on Monday, 06 March 2023 13:14