ኢትዮጵያዊት መኣዛ መሓመድ፡ ተዓዋቲት ሽልማት ዓለምለኸ ትብዓት ደቂ ኣንስትዮ ኮይና

2023-03-08 10:14:36 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 700 times

ስእሊ መኣዛ መሓመድ፡ ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ

ኢትዮጵያዊት ጋዜጠኛ መኣዛ መሓመድ፡ ሓንቲ ካብተን 11 ናይ 2023 ተዓወቲ “ዓለምለኸ ሽልማት ትብዓት ደቂ ኣንስትዮ”  ከም ዝኾነት፡ መግለጺ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ሕቡራት መንግስታት ኣሚሪካ ሓቢሩ። 

እዚ ሽልማት ንመበል 17 ግዜ ዝካየድ ዘሎ ኮይኑ፡ ክሳብ ሎሚ ካብ 180 ሃገራት ን180 ኣብ ጽንኩር ኩነታት መጻኢ ብሩህ ንክኸውን ብትብዓት ዝሰርሓ ደቂ ኣንስትዮ ኣፍልጦ ከም ዝሃበ፡ እቲ መግለጺ ጠቒሱ። እተን ነዚ ሽልማት ዝበቕዓ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ብዝርከቡ ኣሜሪካውያን ዲፕሎማት ዝርቆሓ ኮይነን  ኣብ መወዳእታ ዝውሰን ከኣ ብላዕለዎት ሓለፍቲ ናይቲ ወጻኢ ጉዳይ ቤት ጽሕፈት ኣሜሪካ እዩ።

ጋዜጠኛ መኣዛ መሓመድ ወናኒትን ኣመሓዳሪትን “ሮሃ ቲቪ” ዝተባህለ መድያ ክትከውን እንከላ፡ ቀንዲ ቆላሕተኣ ብሰንኪ ውግእ ንዝተበደላ ደቂ ኣንስትዮ ድምጺ ምዃንን ሓገዝ ዝረኽባሉ ኩነታት ምፍጣርን እዩ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ በቲ ዘለዋ መድያ ተጠቒማ ዝተሸገራ ደቂ ኣንስትዮ  ሕክምናውን ካልእ መሰረታውን ሓገዝ ዝረኽባሉ ኩነታት ንምፍጣር ጐስጓስ ምክያድ እውን ክትሰርሓሉ ዝጸንሐት እዩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ምስ ብዙሓት ኣብ ግዜ ውግእን ምምዝባልን ብዝተፈላለዩ ወገናት ግዳይ ጾታዊ ዓመጽ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ቃለ መጠይቓት ኣካይዳ ነቲ ሓበሬታ ናብ ዝተፈላለዩ ወገናት ክትዝርሕ ከም ዝጸንሐት እቲ ንሽልማት ዝተመርጸትሉ ምኽንያት ዝትንትን ጸብጻብ ይሕብር።

መኣዛ ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ውግእ ተሓታትነት ንክህሉ መርመራ ንክካየድ ብተደጋጋሚ ብዘቕረበቶ መጸዋዕታ ናይ ብዙሓት ዝምልከቶም ናይ ወጻኢ ትካላት ቀልቢ ከም ዝሰሓበት እቲ ጸብጻብ ጠቒሱ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ በብግዜኡ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝተፈላለዩ ዩኒቨርስታት ተጨውየን ሃለዋት ዝጠፈአ ደቂ ኣንስትዮ ተመሃሮ ኣቓልቦ ክረኽባን ስድራቤተን ክሕገዙን ጻዕሪ ምክያዳ ሓደ ነቲ ሽልማት ካብ ዘብቀዓ መመዘኒ ምዃኑ ኣብቲ ዝርዝር ሰፊሩ። መኣዛ በዚ ተባዕ ተግባራ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ብተደጋጋሚ ብሓይልታት ጸጥታ  ኢትዮጵያ ክትእሰርን ክትፍታሕን ዝጸንሐት እያ።

እተን ምስ መኣዛ ነዚ ሽልማት ዝበቐዓ ካለኦት ተበዓት ደቂ ኣንስትዮ፡ ካብ ኣፍጋኒስታን፡ ኣርጀንቲና፡ ማእከላይ ኣፍሪቃ ሪፐብሊክ፡ ኮስታሪካ፡ ጆርዳን፡ ካዛኪስታን፡ ማለዢያ፡ ፖላንድ፡ መንጎልያን ዩክረይንን ምዃነን እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ዝወጸ መግለጺ ተቒሱ።

Last modified on Wednesday, 08 March 2023 11:24