እቲ ተኣምር ሰሪሑ ንዓወት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘውሓሰ ወለዶ፡ ኣብ ቀጻሊ ናይ ድሓን-ኩኑ ጉዕዞ ምህላዉ በብመዓልቱ ዝቃላሕ ዘሎ ከቢድ ዜና ኢዩ። ህዝቢ ብብዝሒ ናብ ቓልሲ ፍንሕንሕ ከይበለ እንከሎ ፍሉይ ታሪኽ ዘመዝገበት፣ ንኣዋልድን ኣዴታትን ኤርትራ ናይ ትብዓት ኣብነት ዝኾነት ሳዕዲያ ተስፉ እውን ብ27 ሓምለ 2022 ንዝሓለፉ ናይ ቃልሲ ብጾታ ኣርኪባ። ከም ሓያለይ ስዉኣትና ከኣ ኣብ ስደት (ኣብ ካይሮ) ሓመድ ኣዳም ለቢሳ።
ኤርትራዊ ማሕበረ-ኮም ኣውስትራልያ ብ31 ሓምለ ንዝኽሪ ስውእቲ ሳዕዲያ መደብ ኣዳልዩ ምንባሩ ዝዝከር ኰይኑ፣ ንመተዓብይታን፡መቓልስታን፡ ቤተ ሰባን ዘሳትፍ ካልእ መደብ እውን በቲ ብኤሪሳት ኣቢሉ ንኤርትራ ከይተረፈ ዝመሓላለፍ ፈነወ ራድዮ ብሊና-ጃህራይ ይዳሎ ምህላዊ ተሰሚዑ ኣሎ። እንበኣር፡ ሳዕድያ ተስፉ መን ኔይራ? ኣብ ምንታይ ዓይነት ፍሉይ ፍጻሜኸ ውዒላ? ንዝብል ሕቶታት ኣንበብቲ ንምብራህ ብዛዕባኣ ገለ ሓበረታ ምሃብ ጠቓሚ ይኸውን።
ኣብቲ ዘመን’ቲ፡ ብፍላይን ግን ብዓመተ 1968፡ እታ ሳዕዲያ እተወልደትላ ከተማ ከረን ኣብ ዓቢ ፍርሕን ሽበራን ኣትያ ኔይራ። ቤት ማእሰርቲን እንዳ ፖሊስን፡ ብስሩዓትን ብእተጠርጠሩ ተሓባበርቲ ሰውራን መሊኡ ኔይሩ። በብዝኸድካዮ ሬሳታት ተደርብዩ እትረኽበሉ መዓልታት’ውን ውሑድ ኣይነበረን። እቲ ናይ 1968 ምኽንያት፡ ሓደ ዓሊ-በኺት (ዓልበኪት) እተባህለ ተጋዳላይ-ነበር ንቃልሲ ከዲዑ ኢዱ ሂቡ ብምንባሩ ኢዩ። እቲ እንኮ መፍትሒ ራዕድን ሞትን ከኣ ኣብ ርእሲ ዓሊ-በኺት ስጒምቲ ምውሳድ ጥራይ ምንባሩ ብናይ ከባቢ መሪሕነት ውድብን ብስሩዓት ከተማን ተኣሚንሉ። እታ ካብ 1964 ጀሚራ ካብ ስሩዓት መንእሰይ ኣዋልድ ከተማ ዝነበረት ሳዕድያ ተስፉ ኣብቲ መደብ ቅንጸላ ዓሊ-በኺት ክትሳተፍ ፍቓደኛ ኰይና። ሳዕዲያ ብ1968 ጓል 18 ዓመት ኢያ ኔይራ። ዓሊ-በኺት ከኣ ንዕምሩ ንዝረኣያ መንእሰይ ጓል ኣንስተይቲ ‘ክሻቕል’ ዘይእግሞ ሰብ ኔይሩ። 
ብመደብ ተጋደልቲ/ፈዳኢን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ሳዕዲያ ተስፉ ነቲ ከዳዕ ከም እትላለዮ ተገይሩ።ካብዚ ቀጺላ፡ ተጋደልቲ ተሓቢኦምሉ ኣብ ዝነበሩ ገዛ መሪሓቶ ኣትያ። ኣብ ልዕሊ’ቲ ክንደይ ሰብ ዘበሳበሰ ዓሊ-በኺት ስጒምቲ ምስ ተወስደ ከኣ፡ ምስ ተጋደልቲ ንሜዳ ኣምሪሓ። ምሕረት ዘይነበሮ ኢትዮጵያዊ ጸላኢ፡ ነ’ቦኣ ተስፉ ንሱር ረኺቦም፡ ንሜዳ ከይዱ ጓሉ ከምጽኣ ሓተቱዎ። ከይዱ ቊሩብ ምስ ደንጐየ ከኣ ንሰለስተ ደቁ ኣሰርዎም። ኣቦኣ ተስፉ ንሱር ማእሰርቲ ደቁ ምስ ሰምዐ፡ ንከረን ተመሊሱ ንደቁ ፈቲሖም ኣብ ክንድኦም ንዕኡ ክኣስርዎን ምስኡ ክዳነዩን ከም ዝኽእሉ ሓተቶም። ኣሰርዎ ኸኣ። ድሕሪ ገለ መዓልታት ግን ሬሳ ኣቦ ሳዕድያ ምይ ሬሳታት ናይ ካልኦት ዘይተለለዩ እሱራትን በቲ ጸድፊ ጎቦታት ጥቓ መጋሪሕ ተደርብዩ ተረኽበ። ኣዝማድ ሳዕድያ ከኣ ነቲ ብዕድል ካብ ኣዛብእ ‘ዝደሓነ’ ሬሳ ተስፉ ንሱር ወሲዶም ክቐብርዎ ዕድል ረኸቡ። ካልእ ዝብሃልን ዝግበርን ኣይነበረን -- ዳርጋ ከምዚ ሃለዋት ናይ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ!!
ናይ 1968 መንእሰይ ሳዕዲያ ካብታ ዓሊ-በኺት እተቐንጸለላ መዓልቲ ኣትሒዛ ኣብ ናይ ተጋዳሊት ህይወት ኣትያ። ምስ ኣታሕዛ ብረት ድሕሪ ምልላይ፡ ዝበዝሐ ጊዜኣ ንደብር-ሳላን ከሰላን ብምምልላስ ከም ኣላይት ውጉኣትን ሕሙማትን ኰይና ኣሕሊፋቶ። ኣብ መፋርቕ 70ታት ምስ ካልኦት 50 ዝኾኑ ተጋደልቲ (ፍርቂ ካብኦም ኣዋልድ) ናይ ሕክምና ትምህርቲ ኣብ ባቕዳድ/ዒራቕ ተማሂራ ንሜዳ ተመሊሳ ኣድማዒ ኣገልግሎታት ከም ዝቐጸለት ብመቓልስታ ይምስከር። ኣብ ዝደሓረ ዓመታት፡ ንስዑዲ ዓረብ እኳ እንተኸደት ሕሉፍ ህይወታ ብዘስዓቦ ሕማማት ዝኣክል፡ መነባብሮ ከምዘይጠዓማን ከቢድ ጸገማት ከም ዘሕለፈትን ይንገር። ብዝኾነ፡ ሓሊፋ።
ኣብ ቀዳማይ ጉባኤ ጠቕላላ ማሕበር ደቂ ኣንስዮ ኤርትራ ንእተመርጻ መሪጹ ዘርኢ ስእሊ። ካብኤን ድሮ ሓያለይ ንሳዕዲያ ተስፋ ቀዲመናኣ ኣለዋ። ኣብ ስእሊ ዝረኣያ፡ ካብ የማን/ ኮፍ ዝበላ፡ 1.ዘይነብ ኢማነቱ 2. ኣልማዝ ወልዱ 3. ኤልሳ ወ/ስላሴ 4. ፋጥማ ሳዕደዲን 5. ንስሪት ከራር 6. ፋጥማ ሳሊሕ 7. መድሓኒት ወ/ስላሴ 8. ኣብርሄት ኣብርሃ። ደው ዝበላ ካብ የማን፡ 9. ኣድሓነት ዓንዱ 10. በኪታ ኣደም 11. ኣለም 12. ነፊሳ መሓመድ ብርሃን 13. ኑራ ስዒድ 14. ፋጥማ ማሕሙድ 15. ኤልሳ መስፍን 16. ጸጋ ወልደማርያም 17.ኣምና መለኪን 18.ሓረጉ ገብረየሱስ 19.ዓረፋት ዑመር 20. ኣስገደት ምሕረተኣብ 21. ጁምዓ ዑመር።
ከም ዝፍለጥ፡ ሳዕዲያ ተስፉ ካብተን ቀዳሞት ንሜዳ እተጸንበራ ደቂ ኣንስይቶ ኤርትራ ኔይራ። ካብ 1973 ንደሓር ግን፡ ደቂ ኣንስትዮ ብብዝሒ ከም እተሰለፋ ይፍለጥ። ኣንጻር ድርብ ወጽዓ ዝቃለስ ጠቕላላ መሕበር ደቂ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ተሓኤ ብ1973 ብዕሊ ድሕሪ ምምስራቱ ታሪኻዊ ንጥፈታት የካይድ ከም ዝነበረ ዝዝከር ኢዩ። ኣብቲ ብ27 ሰነ 1974 እተጋብኤ ጉባኤ ማሕበር እውን፡ ሳዕዲያ ተስፉ ካብተን ጉባኤኛታት ነይራ።
ክብርን ዘለኣለማዊ ዝኽርን ንዂለን/ኲሎም ስዉኣት ወዓሩን ጀጋኑን ኤርትራ።
ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2022 ናብ ሃገረ ግብጺ ክገይሽ ዝነበሮ መደብ ብፕረሲደንት ግብጺ ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲ ተቐባልነት ከምዘይረኸበ፡ ራድዮ ኤረና ዲፕሎማሲያዊ ምንጭታታ ብምጥቃስ ሓቢራ። መራሒ ህግደፍ ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት 2022 እውን ተመሳሳሊ ጠለብ ከም ዝነበሮን ሕቶኡ ተቐባልነት ከምዘይረኸበን እቲ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ።
ኣብ ወርሒ ሕዳር 2021 ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ህግደፍ ዑስማን ሳልሕን ፍሉይ ኣማኻሪ ኢሳያስ የማነ ገብረኣብን ዝርከብዎ ልኡኽ ህግደፍ፡ ናብ ግብጺ ከይዱ ናይ ኢሳያስ ናብ ግብጺ ናይ ምጋሽ ጠለብ ዝሓዘ መልእኽቲኳ ኣቕሪቡ እንተነበረ፡ ፕረሲደንት ግብጺ ኣብ ናይ ስራሕ ጻዕቂ ስለ ዝርከብ እቲ መገሻ ናብ ካልእ ዘይተወሰነ ግዜ ተሰጋጊሩ ዝብል መልሲ ሒዙ ከም ዝተመለሰ ኣብዚ ካብ ኤረና ዝተረኽበ ዜና ተጠቒሱ።
ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ 2022 ብመንገዲ ኣምበሳደር ኤርትራ ኣብ ግብጺ፡ ናብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ እታ ሃገር ዝቐረበ ናይ ኢሳያስ መገሻ ጠለብ ዝተዋህቦ መልሲ እውን ንካልእ ግዜ ዝብል ኮይኑ፡ ንጹር ቆጸራ ኣይተታሕዘሉን። እቲ ዜና ከም ዝሓበሮ ኢሳያስ ናብ ግብጺ ክገይሽ ዝህንጠየሉ ዘሎ ምኽንያት፡ ኣብቲ ንግብጺ፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘራኽብ ጉዳይ ዓራቓይ ተመሲሉ ኢዱ ንምእታው ዝዓለመ እዩ።
ብምኽንያት እቲ ኢትዮጵያ ኣብ ፈለግ ኣባይ ትሃንጾ ዘላ ዓብይ ግድብ ህዳሰ፡ ክሳብ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝበጸሐ ምስሕሓብ ኣትያ ዘላ ግብጺ፡ ደገፍ ንምርካብ ምስ ኩለን ጐረባብቲ ሃገራት ርክባ ንምድልዳል ትጽዕር ኣብ ዝሃለወትሉ እዋን፡ ኢሳያስ ከይመጻ ዝመረጸትሉ ምኽንያት፡ እቲ ካብ 2018 ጀሚሩ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዝፈጠሮ ዕርክነት ክኸውን ከም ዝኽእል ናይ ብዙሓት ግምት እዩ።
ባህግና Bahgna 74፣ ሰሙናዊ ዜናታት ምስ ርእሰዓንቀጽ ሰዲህኤ 31.07.2022
Written by Bahgna MediaMedia
ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ኤርትራውያን ብደረጃ ዓለም ክንወዳደር እንከለና ቁጽርና ውሑድ እዩ። ብ2019 ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዝተኻየደ መጽናዕቲ መሰረት፡ ኤርትራ ብብዝሒ ህዝቢ ካብ 233 ሃገራት ኣብ መበል 133 ተሰሪዓ ኣላ። ኢትዮጵያ ከኣ ኣብ መበል 12 ሰፊራ ንረኽባ። ብደረጃ ኣፍሪቃ ድማ ኤርትራ ካብ 58 ሃገራት ኣብ መበል 40 ኣለና። ጐረቤትና ኢትዮጵያ ድማ 2ይቲ። ውሑዳት ክንስና፡ ንብዙሓት ዝሰዓርናሉ ናይ ጽንዓት ታሪኽ ኣለና። ቀንዲ ምስጢር ኣንጻር ብዙሓት ናይ ምስዓርና ከኣ ሓድነትና ኣጽኒዕና ምዕቃብና ምዃኑ፡ ንሕና ጥራይ ዘይኮና ብዛዕባ ቃልስና ምእንቲ ናጽነት መጽናዕቲ ዘካየዱ ወገናት ከይተረፉ ዘረጋገጽዎ ሓቂ እዩ።
ንሓድነትና ዘይሃሰዩ፡ ብኣንጻሩ ዘደልደሉ ናይ መንነት ብዙሕነት ሃብታማት ኢና። ኣስላማይ ክስታናይ፡ ወዲ ከበሳ ጓል መታሕት፡ ጓለኣንስተይቲ ወዲ ተባዕታይ፡ ወዲ ገጠር ከተመኛ፡ ኣብ ሃገር ዝነብር ኣብ ወጻኢ ዝቕመጥ፡ ከምኡ ድማ ባህልታትና፡ ቋንቋታትናን፡ ብሄራትናን፡ ብቕኒት ዘሳነየ መሳርሒ ሙዚቃ ጥዑም ዜማ ከም ዝህብ፡ ኣብ ቃልስና ጉልበትን ዓቕምን ዝኾኑና እዞም መርኣያ ብዙሕነትና እዮም። ጸላእቲ በብግዜኡ ካብዚ ብዙሕነትና ንሓደ መዚዞም ብምብላሕ ሓድነትና ከዳኽሙ ዝገበርዎ ፈተነታት ህዝቢ ኤርትራ በብግዜኡ ኣምኪንዎ እዩ። ህግደፍ’ውን በዚ ሓይልታት መግዛእቲ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ፈቲነሞ ዝተሳዕርሉ ጸረ ሓድነት ስልቲ ይድንድነና ከም ዘሎ ኣብ ልቦና ኩልና ዘሎ እዩ።
በቲ ካልእ ወገን ነዚ ናይ መንነት ብዙሕነትና ሓብሒቡን ዓቂቡን፡ ኣብ ሓደ መስርዕ ከምዘለና ዘርኢ መግለጺ እውን ኣለና። ኣብዚ መዳይዚ ኤርትራዊ ልኡላዊ ዜግንነትና ቅድሚት ይስራዕ። ቀደም ኮነ ሎሚ እቲ ዝወርድ መግዛእትን ወጽዓን ኣብ ልዕሊ ኩልና ኤርትራውያን ዝጨከነ ምንባሩን ጌና ቀጻሊ ምህላዉን ድማ ካልእ ኤርትራውያን ሓደ ምዃና መስካሪ እዩ። ከምቲ ሳላ ንኹሉ ከፋፋሊ መብጸዓታት ነጺግና ብሓባር ዝሰጐምና መግዛእቲ ስዒርና ናጻ ዝወጻእና፡ ሎሚ እውን ካብዚ ዘለናዮ ዘስካሕክሕን ነዓና ሓሊፉ ንዓለምና ዝደንጸወን ወጽዓ ክንናገፍ፡ እቲ መፍትሒ ኣብ ኢድ ኩልና ምህላዉ፡ ኣብ ሓደ መስርዕ ከም ዘለና ካብ ዘንጸባርቑ ዝርዝር መምዘንታት ወጻኢ ዝረአ ኣይኮነን። ካብዚ ስለ ዝነቐልና ኢና ከኣ “እቲ ወጽዓ ኣብ ኩልና፡ መፍትሒኡ ከኣ ብኹልና” ኢልና እንጭርሕን ንምትግባሩ እንቃለስን።
ምስጢር ዓወትና ሓድነትና ምንባሩን ምዃኑን ከምቲ ፖለቲከኛታት ወለድና “ኤርትራውያን እቶት ሓደ ዓውድን ጸባ ሓንቲ ላምን ኢና” ዝበልዎ፡ መስካሪ እዩ። ገዛእቲ ኤርትራን ጸላእቲ ህዝባን “ክበልዕ ዝበለ ገደል ኣፉ” ኮይንዎም እንተዘይኮይኑ፡ ወሳኒ ብጽሒት ሓድነትና ካብ ቀደም ይፈልጥዎ እዮም። ህዝቢ ኤርትራ ክሰዓር እሞ ንሳቶም ከምድላዮም ክኾኑ፡ ሓድነቱ ምፍራስ ወሳኒ ምዃኑ ተረዲኦምስ በብግዜኡ ኣብ ኤርትራ ዝገዝኡ ወረርትን ጸረ ዲሞክራሲ ሓይልታትን ክሰርሕሉ ፈቲኖም ግና ኣይተዓወቱን። ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ፡ ዕድል ህግደፍ እውን ካብ ዕድል ገዛእቲ ዘይፍለ ተሰዓራይ ከም ዝኸውን ርዱእ እዩ። ምስዚ ኩሉ፡ ምድኻም ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ እውን ካብ ኣጀንዳ ህግደፍ ኣይወጸን። ጉጅለ ህግደፍ ንሓድነት ህዝብና ኣዳኺሙ ኣብ ስልጣን ክነብር ካብ ዝጥቀመሎም ቀንዲ መሳርሕታት፡ ኣብ ሕድሕድ ኤርትራዊ ምትእምማን ከም ዝጠፍእ ምግባር እዩ። ነዚ ምጥልላም ናብ ሓንቲ ስድራቤት ከይተረፈ ኢድ ኣእትዩ ዝሰርሓሉ እዩ። ብዙሓት ብተንኮል ህግደፍ ቀልቦም ተሰሊቡ ካብ ሰብኣውነት ዝወጹ ሰለይቲ “ሰበይቱ ኣእሲሩ፡ ሰብኣያ ኣትሒዛ፡ ንወለዱ ኣሕሊፉ ሂቡ፡ ኣብ ልዕሊ እሙን ዓርኩ ጠሊሙን ናይ ቀርባ ቤተ ሰቡ ኣጭውዩ ወይ ኣቕቲሉ” ዝብሉ ዛንታታት ካብቲ ጨካን ውዲት ናይቲ ጉጅለ ዝነቕሉ እዮም።
ወጽዓ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኩልና ኤርትራውያን ወሪዱ ዘሎ እዩ። እቲ ጉጅለ፡ ንሓንሳብ ምስ ከበሳ ኮይኑ ኣንጻር መታሕት፡ ንሓንሳብ ምስ ኣስላም ኮይኑ ኣንጻር ክርስትያን፡ ካብዚ ሓሊፉ ምስ ተጋደልቲ ነበር ኮይኑ ኣንጻር ሲቪል …..ወዘተ፡ እናኾነ፡ በብመድረኹ ብምግልባጥ፡ ዘካይዶ ምልዕዓል ናይ ሓሶት እዩ። ንሱ መንነቶም ብዘየገድስ፡ ምስ ንጸረህዝብነቱ ኣሜን ኢሎም ዝቕበሉ “እሙናት” ምስ ዝብሎም ዝተደናገሩ ወገናት ጥራይ እዩ ዝስለፍ። እቶም ዝድግፍዎ ወይ ካብ ኣፍንጨኦም ኣርሒቖም ዘይርእዩ ንእኩይ ተግባሩ ዘይተረድኡ ወይ እናረኣዩን እናሰምዑን ኣንጻር ረብሓኦም ዝተሰለፉ ኒሕ ዘየብሎም እዮም። ህግደፍ ግና ኩሉ ግዜ ህግደፍ እዩ። ደጋዊ ሕብርታቱ እንተዘይኮይኑ ሓቀኛ ትሕዝቶኡ ኣይቅይርን እዩ።
ናይ ህግደፍ መደናጋሪ ኣቀራርባ ኣብ ኤርትራውያን ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ብግቡእ ዘይተረድእዎ ዘይኤርትራዊ ወገናት እውን ንሓንሳብ ብሃይማኖት ንሓንሳብ ድማ ብኣውራጃ ናይ ውሱን ኩርናዕ ፈታዊ ወይ ጸላኢ መልክዕ ከትሕዝዎ ይፍትኑ እዮም። በዚ ተዓሽዮም ትሕቲ ሃገራውነት ንምስዓር ብትሕቲ ሃገራውነት ንዝውደቡ ከተባብዑ ፈቲኖም ዘይተዓወቱ ምንባሮም ከኣ ኣብ ተመኩሮና ዝተራእየ እዩ።
እቲ ካልእ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣንጻር ወጽዓ ዝተሰለፍና ዘሎ ዘይሕበል ሓቂ፡ እቲ ወጽዓ ጥራይ ዘይኮነ፡ መፍትሒኡ እውን ብኹልና ዝመጽእ ምዃኑ እዩ። እቲ ንህዝብና ኣደዳ ኩሉ ዓይነት መከራን ስደትን ኣቃሊዕዎ ዘሎ ምምሕዳር ህግደፍ ክውገድ ኣይኮነንዶ ናይቶም ኣንጻር ህግደፍ ንቃለስ ዘለና ናይቶም ደገፍቱ ከይተረፈ ትጽቢትዩ ኢልካ ምድምዳም ዘጸግም ኣይኮነን። ነቲ ክኾነልና እንጽበዮ ኣብ ምትግባር ዘለና ድልውነትን ቅሩብነትን ግና፡ ትሕቲ’ቲ ክኾኖ ዝነበሮ ምዃኑ ዝሕባእ ኣይኮነን። ተፈትወ ተጸልአ ግና “እቲ ሽግር እንዳ ኹልና፡ መፍትሒኡ ድማ ብኹልና” እዩ።
ኣብ ታሪኽና ሓድነት ህዝብና ብውዲት ገዛእቲ ዘይተበተነ፡ ዝቕበሎ ኤርትራዊ ባይታ ስለ ዘይረኸበ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ህግደፍ ሓድነትና ንምክፍፋል ዝገብሮ ዘሎ ፈተነ፡ ንሕና ባይታ እንተዘይፈጢርናሉ መኺኑ ከም ዝተርፍን ውድቀቱ ከም ዝቀላጠፍን ፍሉጥ እዩ። “ህግደፍ ዕድሜኡ ነዊሑ ዘሎ፡ ብሳላ ብቕዓቱን ህዝባዊ ተቐባልነቱን ዘይኮነ፡ ብሰንኪ ድኽመት ናይቶም ኣንጻሩ ንቃለስ ዘለና እዩ” እንብል ድማ ካብዚ ሓቂዚ ብምንቃል እዩ። ነዚ ህዝብና ዘሳቕን ብክብርና ዝዋገን ዘሎ፡ ጉጅለ ትንፋስ ዝሰኹዓሉ ዘሎ ሃጓፍ እነወግዶ፡ ሓድነትና ኣንጻር ወጽዓን ጭቆናን ከነሕይል እንከለና ጥራይ ምዃኑ ኣይንዘንግዕ።
(ስእሊ ስውእቲ ሳዕዲያ ተስፉ፡ ካብ ፈይስቡክ)
መስዋእትነት ገዲም ተጋዳሊት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ሳዕድያ ተስፉ፡ ብኣዝዩ መሪር ሓዘን ሰሚዕናዮ። ሳዕድያ ተስፉ ሓንቲ ካብተን ኣብ 60ታት ዝተሰለፋ ውሑዳት ደቂ ኣንስትዮ ሓንቲ ኮይና፡ ኣብ ከተማ ከረን ቅያ ድሕሪ ምስረሓ፡ ብ1968 ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ከም ዝተሰለፈት፡ ኣብታ ወልደየሱስ ዓማር ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዘሕተማ መጽሓፍ “ምስክርነት ኣብ ግደ ተመሃሮ”፡ ብጅግንነት ተጠቒሳ ዘላ ሓርበኛ እያ። ስለዚ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንስውእቲ መንግስተ-ሰማይ የዋርሳ፡ ንቤተሰባ ድማ ጽንዓትን ኣኻእሎን ይሃቦም እናበሉ ናይቲ ሓዘን ተኻፈልቲ ምዃኖም ይገልጹ።
ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
29 ሓምለ 2022
የማነ ሃይለስላሴ ናይ ሓጺር ርሕቀት ተወዳዳርን ፊልሞን ዓንደ ናይ ነዊሕ ርሕቀት ጐያይን ዝርከብዎም ሓሙሽተ ኣባላት ጋንታ ኣትለቲክስ ኤርትራ፡ ካብታ ኣብ መበል 18 ሻምፒዮን ዓለም-22 ኣብ አረገን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ትሳተፍ ዝነበረት ጋንታ ተፈልዮም ከም ዝተሰወሩ ተመራማሪ ማርቲን ፕላውት ዝተፈላለዩ ምንጭታቱ ብምጥቃ ሓቢሩ።
እዞም ኣባላት ኣትለቲክስ ብሓባር ብ24 ሓምለ 2022 ካብቲ ኣዕሪፈምሉ ዝነበሩ ህንጻ ዩኒቨርስቲ ከም ዝተሰወሩን ፖሊስ ናይቲ ከባቢ ብዛዕባ ምስዋር ናይዞም ኤርትራውያን ምስተሓበሮ ኣብ መዝገብ ሒዙ ይከታተሎም ከም ዘሎን ተፈሊጡ።
ብመሰረት’ቲ ነዚ ኩነታት ብዝምልከት ዝተዋህበ ግምት፡ ኤርትራውያን ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ትሕቲ ሓያል ፖለቲካዊ ጸቕጢ ስለ ዘለዉ፡ ንከም ውድድር ዓለምለኸ ኣትለቲክስ ሻምፒዮና ዝኣመሰሉ ኣጋጣምታት ከም መሕተቲ ዑቕባ ከም ዝጥቀምሎም ርዱእ እዩ።
ኣስማት ናቶም ብዛዕበኦም ዋላ ብደረጃ ፖሊስ ሓበሬታ ዘይተረኽበ ዝተሰወሩ ኤርትራውያን ስፖርተኛታት፡ ዓንደ ፊልሞን ወዲ 24 ዓመት፡ ሃብቶም ሳሙኤል ቀለታ ወዲ 18 ዓመት፡ በርሀ ኣስገዶም ንጉሰ ወዲ 44 ዓመት (ኣሰልጣኒ)፡ መርሃዊ መብራህቱ ተወልደብርሃን ወዲ 18 ዓመትን ሃይለስላሴ ተኽለሃይማኖት የማነ ወዲ 24 ዓመትን ምዃኖም ተፈሊጡ’ሎ።
ብሓፈሻ ኤርትራውያን ስፖተኛታት፡ ብፍላይ ድማ ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዚያት ካብ ኤርትራ ናይ ምውጻእ ዕድል ኣብ ዝረኸብሉ መብዛሕትኦም ዘይምለሱ ምዃኖም ዝተለምደን መግለጺ ናይቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ጭቆና ምዃኑን ዝተፈልጠ እዩ።
More...
እቲ ኣብ ሃገር ሽወደን፡ ካብ ከተማ ስቶክሀልም ንወገን ሴሜን ጃርቫ ኣብ ዝበሃል ህዝባዊ መናፈሲ/ፓርክ ክካየድ ተመዲቢ ዝነበረ ፈስቲቫል ህግደፍ ስካንድንቪያን፡ ሓያል ተቓውሞ ከም ዘጋጠሞ ማእከል ሓበሬታ ኤርትራ/Eritrea Hub ሓቢራ። ኣብዚ ተቓውሞ ዘጋጠሞ ፈስቲቫል፡ ኣወል ስዒድ ዝተባህለ ኣንጻር ህዝቢ ዘለዓዕል ዕሉል መሳርሒ ህግደፍን ኣማኻሪ ፖለቲካ ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወቂ የማነ ገብረኣብን ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝሳተፉ ዕዱማት ምዃኖም እቲ ዜና ብተወሳኺ ኣፍሊጡ።
ኤርትራውያን ተቓወምቲ፡ እቲ ብደረጃ ዓለም ብግህሰት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ዝፍለጥ ጉጅለ ህግደፍ ህዝባዊ መእከቢ ኣዳራሽ ተኻርዩ ፈስቲቫል ከካይድ ክፍቀደሉ ሕጉሳት ከም ዘይነበሩ እቲ ዜና ጠቒሱ። እቲ ካብ ማእከል ሓበሬታ ኤርትራ ዝተረኽበ ዜና፡ ብትሕሓዝ ህግደፍ ኣብ ሽወደን ከምዚ ዓይነት መደብ ፈስቲቫል ዘውጽእ ዘሎ፡ ንጋዜጠኛ ኤርትራዊ ሽዊደናዊ ዳዊት ይስቕ ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ እናሰቐየ እንከሎ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ። ኣብዚ ተቓውሞ “ብሩህ መጻኢ” ዝተባህለ ኤርትራዊ ጉጅለ መሪሕ ግደ ከም ዝነበሮ እቲ ዜና ብተወሳኺ ኣስፊሩ።
ኣብቲ ናይ ብዙሓት ተቓውሞ ዝዓደመ ናይ ፈስቲቫል ህግደፍ ዛዕባ፡ ኣሳ ኒልሰን ዝተባህለት ኣብቲ ኣዳራሽ ዝርከበሉ ከባቢ ፖለቲከኛን ሕጽይቲ ከንቲባ ስቶክሀልምን ኣብቲ ጉዳይ ካብ ዝተገደሱ ሓንቲ ነይራ። በዚ መሰረት፡ ብዛዕባቲ ንህግደፍ ክካረ ተሓሲቡ ዝነበረ ህዝባዎ ኣዳራሽ ኣብ ዝጸሓፈቶ ሓያል ተቓውሞ “ናይ ሎሚ ዘበን ፈስቲቫል ንሰርዞ፡ ንዓመታ ኣብቲ ቦታ ናይ ዲሞክራስያዊ ፈስቲቫል ከነካይድ ኢና” ከም ዝበለት ተፈፈሊጡ።
ጉጅለ ብሩህ መጻኢ ብወገኑ፡ ናብ ምምሕዳር ናይቲ ህዝባዊ መናፈስሲ/ፓርክ ናይ ተቓውሞ ደብዳበ ናይ ምጽሓፍ፡ ምስ ጠበቓታትን ናይቲ ከባቢ ሚድያታትን ምምኻርን ብኢመይልን ካልእ ኣገባብን ኣንጻርቲ ፈስቲቫል ሰፊሕ ወፈራ ምክያድን ዝኣመሰሉ ናይ ተቓውሞ ስጉምታት ወሲዱ። ኣብ መወዳእታ ከም ውጽኢት ናይዚ ኩሉ ተቓውሞታት ናይቲ መናፈሲ/ፓርክ ምምሕዳር ናይ መእከቢ ኣዳራሹ ንፈስቲቫል ህግደፍ ከካሪ ዝነበሮ መደብ ሰሪዙ፡ ተሳተፍቲ’ቲ ፈስቲቫል ናይ ማይ፡ ዓይኒ ምድሪን ሓይሊ መብራህትን ኣገልግሎት ንከይረኽቡ ከም ዝወሰነ ተሓቢሩ።
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ ሃገሮም ኣኼባ መራሕቲ ኣሜሪካን ኣፍሪቃን ናይ ምትእንጋድ መደብ ከም ዘለዋ ብ20 ሓምለ 2022 ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ምሕባሮም፡ ካብ ዋሽንግተን ተገሊጹ። ሩሲያ ብወገና ካለኣይ ርክብ መራሕቲ ሩስያን ኣፍሪቃን ንምስንዳእ ላዕልን ታሕትን ትብል ኣላ።
እቲ መራሕቲ ኣፍሪቃ ዝሳተፍሉ ኣብ ዋሽንግተን ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ኣኼባ ኣብ መጻኢ ወርሒ ታሕሳስ 13-15፡ 2022 ዝካየድ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ካብ ጸገም ውሕስነት መግቢ ጀሚርካ፡ ክሳብ ምቅይያር ኩነታት ኣየር ንፍሪቃ ዝጋጥምዋ ዘለዉ ብደሆታት ከም ዝዝቲ ተሓቢሩ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ነዚ ተመዲቡ ዘሎ ኣኼባ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ መራሕቲ ኣሜሪካን ኣፍሪቃን፡ ኣሜሪካ ብዛዕባ ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ቀጻሊ ተገዳስነት ዘርኢ እዩ። ኣብ ርእሲዚ ቀጻሊ ዝምድናን ምትሕብባርን ክሊቲኡ ኣህጉራት ዘመልክት ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ኣብ ኣህጉራዊ መዳይ ዝህልዉ ሓባራዊ ቀዳምነታት ምትሕግጋዝ ንምልላይ ዘኽእል ምዃኑ ጠቒሶም።
ብኻልእ ወገን ድማ ሩሲያ ነቲ ኣብ ወርሓት ሕዳር ወይ ታሕሳስ 2022 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ካለኣይ ርክብ መራሕቲ ሩሲያን ኣፍሪቃን ንምድላው ትንቀሳቐስ ከም ዘላ ምስ መገሻ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሩሲያ ሰርገይ ላቭሮቭ ናብ ኣፍሪቃ ተተሓሒዙ ተሓቢሩ። ላቭሮቭ ኣብዚ ሃገሮም ምስ ምዕራባዊ ዓለም ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ዩክረይ ዝፈጸምቶ ወራር ኣብ ሕማቕ ዝምድና ዘለወትሉ እዋን፡ ምስ መራሕቲ ኣፍሪቃ ዝገብርዎ ዘለዉ ርክብ ሃገሮም ኣብቲ ፍታሕ ንኣፍሪቃ ብኣፍሪቃ ዝብል መትከል ከም እትኣምንን ሰፊሕ መደብ ቁጠባዊ ወፍሪ ከም ዘለዋን ይገልጹ ኣለዉ። ቀዳማይ ርክብ መራሕቲ ሩሲያን ኣፍሪቃን ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2019 እዩ ተኻይዱ። ላቭሮቭ ኣብዚ ጉዕዘኦም ኣብ ግብጺ ምስ መራሕቲ ዓረብ ሊግ እውን ተራኺቦም እዮም።
እዚ ንርከበሉ ዘለና እዋንዚ ምስቲ ዝረአ ዘሎ ናይ ዓለምና ውዑይ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስን ሓድሽ ኣሰላልፋ ሓያላት ኣካላትን ብሓፈሻ ናብ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍሉይ ቆላሕታ ዘርእይሉ ዘለዉ እዩ። ብዙሓት ናይ ቁጠባን ፖለቲካን ቀጸለውቲ ኣካላት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍሉያት ልኡኻት ይመዙ ምህላዎምን ኣኼባታት ኣሜሪካን ሩስያን ምስ መራሕቲ ኣፍሪቃ ከኣ ነዚ ዘርኢ እዩ።
ኤርትራ ኣብ ወራር ዩክረይን ብወግዒ ምስ ሩሲያ ዝወገነት እንኮ ሃገር ኣፍሪቃ ክንሳ፡ ኣብ ዝርዝር እተን ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሩሲያ ዝበጽሕወን ዘለዉ ሃገራት፡ ኢትዮጵያ፡ ግብጺ፡ ኡጋንዳ ረፑብሊክ ኮንጎን ኣይተጠቕሰትን።
Eritrea’s ruling party’s Stockholm festival plans terminated! How it was done
Written by Eritrea Hub
Venue Contract Terminated!By Amanuel Ghebremicael The planned Scandinavian Festival of Eritreans, to be held at Jarva People's Park in Eggeby gård just North of Stockholm, faced fierce opposition from the get go.
The organisers planned to bring a well known genocide promoter, by the name Awel Seid, all the way from Eritrea. Shockingly, and as expected a "surprise" guest by the name Yemane Ghebreab was also invited to the event. Eritrean opposition groups were not comfortable with the idea that a public space was to be leased to a regime that is known around the World for its gross human rights violations. It made no sense that the Eritrean regime - that has no concern at all for the public - should be allowed to use a public facility. After all, this is the same regime that has held Dawit Isaak, a Swedish Eritrean Journalist, in dungeons for more than 20 years. Opposition groups, spearheaded by the Bright Future Movement objected to the lease in writing to the management of the park. Action NeededThe regime's actions call for a reciprocal response or action elsewhere. Åsa Nilsson Söderström, a local politician and a mayoral contender in Stockholm, was made aware of the situation.
She wrote a strong letter opposing the use of a public space for the event. "Let's Cancel this Year! We will hold a festival for Democracy next Year" she wrote. Bright Future Movement in Sweden has taken a range of measures so far. These included: · Writing a letter of objection to the Park Management - · Lobbying lawmakers and the local media · Conducted an Intense Campaign against the Festival · Set up an E-mail Campaign for the public to address the problem to the Concerned parties · Notified local Authorities and the Stockholm Police - requesting a Demonstration Permit |
شكوى رسمية ضد الحكومة الإرترية نيابة عن الصحفي دوايت اسحاق.
Written by عدوليس
admin This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.يوليو 26, 2022
0222 دقيقة واحدة

ترجمة / عدوليس
مركز راؤول والنبرغ لحقوق الانسان يتقدم بشكوى رسمية ضد الحكومة الإرترية نيابة عن الصحفي دوايت اسحاق.
في خطوة جديدة للدفع بملف الصحفي الإرتري السويدي دوايت اسحق إلى ساحات القانون الدولي، تقدم مركز راؤول والنبرغ لحقوق الانسان بالتنسيق مع عدد من المنظمات الدولية الرائدة في مجال الدفاع عن الصحافة وحقوق الانسان، مثل منظمة مراسلون بلا حدود، ولجنة حماية الصحافيين (CPJ)، ونقابة المحامين الدولية، ومعهد حقوق الإنسان (IBAHRI)، وبرلمانيون للعمل العالمي، ومنظمة القلم الدولية، والدفاع عن المدافعين، والمستشار القانوني السويدي للسيد إسحاق دعوى قضائية شكوى إلى فريق الأمم المتحدة العامل المعني بالاحتجاز التعسفي للمطالبة بمحاسبة الحكومة الإرترية بسبب الانتهاكات الجسيمة لحقوق الإنسان ضد داويت إسحاق وزملائه الذي يعتبر اعتقاله الأطول بين الصحفيين المحتجزين في العالم اليوم ، وقد طالب تحالف المنظمات بإطلاق سراحه وزملائه بشكل فوري دون قيد شرط.
وقد جاء ذلك في بيان اصدره مركز راؤول والنبرغ لحقوق الانسان، وقد حوى البيان عدد من التصريحات من بينها تصريح الدكتور محمد عبد السلام بابكر مقرر الأمم المتحدة الخاص المعني بحالة حقوق الإنسان في إرتري حيث قال (إن قضية داويت اسحق حالة رمزية لا تقتصر دلالتها فقط على وضعه كصحفي أو زملائه الخمسة عشر الذين تعرضوا للاعتقال التعسفي في 2011م، ولكن أيضاً لحالة مئات المعتقلين الذين يقبعون في السجون الإرترية دون اتباع الإجراءات القانونية بخصوص انتقاداتهم للحكومة الإرترية بغض النظر ما إذا كانت هذه الانتقادات حقيقية أو متصورة).
وقد حوى البيان إضافة الى تصريح د. عبدالسلام عدداً من التصريحات المماثلة لكل من البروفسور إروين كوتلر مؤسس منظمة (IBAHRI)، و خيسوس الكالا المستشار القانوني للصحفي داويت إسحاق، وأنجيلا كونتال منسق برنامج أفريقيا بلجنة حماية الصحافيين، وحسن شاير المدير التنفيذي لمنظمة الدفاع عن المدافعين، وأنطوان برنارد من منظمة مراسلون بلا حدود.
وقد اختتم البيان مشيراً الى الانتهاكات المستمرة للحكومة الإرترية للحقوق والحريات الاساسية بما في ذلك حرية الاعلام واضطهاد وقمع الصحفيين، بما في ذلك حالة داويت اسحاق، وقد طالبت المنظمات الموقعة على البيان الحكومة الإرترية بضرورة الكشف عن مكان تواجد داويت والإفراج عنه فوراً دون قيد أو شرط.
وقد جاء البيان ممهوراً بتوقيعات كل من:
- مركز راؤول والنبرغ لحقوق الإنسان
- مراسلون بلا حدود
- لجنة حماية الصحفيين
- معهد حقوق الإنسان التابع لرابطة المحامين الدولية (IBAHRI)
- برلمانيون من أجل العمل العالمي (PGA)
- منظمة القلم الدولية
- منظمة الدفاع عن المدافعين
- السيد خيسوس الكالا (مستشار قانوني سويدي)
- السيد بيرسي برات (مستشار قانوني سويدي)



