ኣብነታዊት ዋዕሮ ሳዕዲያ ተስፉ እውን ንናይ ቃልሲ ብጾታ ኣርኪባ

2022-08-02 18:46:53 Written by  ወ. ዓማር Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1291 times

እቲ ተኣምር ሰሪሑ ንዓወት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘውሓሰ ወለዶ፡ ኣብ ቀጻሊ ናይ ድሓን-ኩኑ ጉዕዞ ምህላዉ በብመዓልቱ ዝቃላሕ ዘሎ ከቢድ ዜና ኢዩ። ህዝቢ ብብዝሒ ናብ ቓልሲ ፍንሕንሕ ከይበለ እንከሎ ፍሉይ ታሪኽ ዘመዝገበት፣ ንኣዋልድን ኣዴታትን ኤርትራ ናይ ትብዓት ኣብነት ዝኾነት ሳዕዲያ ተስፉ እውን ብ27 ሓምለ 2022 ንዝሓለፉ ናይ ቃልሲ ብጾታ ኣርኪባ። ከም ሓያለይ ስዉኣትና ከኣ ኣብ ስደት (ኣብ ካይሮ) ሓመድ ኣዳም ለቢሳ።

ኤርትራዊ ማሕበረ-ኮም ኣውስትራልያ ብ31 ሓምለ ንዝኽሪ ስውእቲ ሳዕዲያ መደብ ኣዳልዩ ምንባሩ ዝዝከር ኰይኑ፣ ንመተዓብይታን፡መቓልስታን፡ ቤተ ሰባን ዘሳትፍ ካልእ መደብ እውን በቲ ብኤሪሳት ኣቢሉ ንኤርትራ ከይተረፈ ዝመሓላለፍ ፈነወ ራድዮ ብሊና-ጃህራይ ይዳሎ ምህላዊ ተሰሚዑ ኣሎ። እንበኣር፡ ሳዕድያ ተስፉ መን ኔይራ? ኣብ ምንታይ ዓይነት ፍሉይ ፍጻሜኸ ውዒላ? ንዝብል ሕቶታት ኣንበብቲ ንምብራህ ብዛዕባኣ ገለ ሓበረታ ምሃብ ጠቓሚ ይኸውን።

ኣብቲ ዘመን’ቲ፡ ብፍላይን ግን ብዓመተ 1968፡ እታ ሳዕዲያ እተወልደትላ ከተማ ከረን ኣብ ዓቢ ፍርሕን ሽበራን ኣትያ ኔይራ። ቤት ማእሰርቲን እንዳ ፖሊስን፡ ብስሩዓትን ብእተጠርጠሩ ተሓባበርቲ ሰውራን መሊኡ ኔይሩ። በብዝኸድካዮ ሬሳታት ተደርብዩ እትረኽበሉ መዓልታት’ውን ውሑድ ኣይነበረን። እቲ ናይ 1968 ምኽንያት፡  ሓደ ዓሊ-በኺት (ዓልበኪት)  እተባህለ ተጋዳላይ-ነበር ንቃልሲ ከዲዑ ኢዱ ሂቡ ብምንባሩ ኢዩ። እቲ እንኮ መፍትሒ ራዕድን ሞትን ከኣ ኣብ ርእሲ ዓሊ-በኺት ስጒምቲ ምውሳድ  ጥራይ ምንባሩ ብናይ ከባቢ መሪሕነት ውድብን ብስሩዓት ከተማን ተኣሚንሉ። እታ ካብ 1964 ጀሚራ ካብ ስሩዓት መንእሰይ ኣዋልድ ከተማ ዝነበረት ሳዕድያ ተስፉ ኣብቲ መደብ ቅንጸላ ዓሊ-በኺት ክትሳተፍ ፍቓደኛ ኰይና። ሳዕዲያ ብ1968 ጓል 18 ዓመት ኢያ ኔይራ። ዓሊ-በኺት ከኣ ንዕምሩ ንዝረኣያ መንእሰይ ጓል ኣንስተይቲ ‘ክሻቕል’ ዘይእግሞ ሰብ ኔይሩ። Saedia Tesfe 1

ብመደብ ተጋደልቲ/ፈዳኢን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ሳዕዲያ ተስፉ ነቲ ከዳዕ ከም እትላለዮ ተገይሩ።ካብዚ ቀጺላ፡ ተጋደልቲ ተሓቢኦምሉ ኣብ ዝነበሩ ገዛ መሪሓቶ ኣትያ። ኣብ ልዕሊ’ቲ ክንደይ ሰብ ዘበሳበሰ ዓሊ-በኺት ስጒምቲ ምስ ተወስደ ከኣ፡ ምስ ተጋደልቲ ንሜዳ ኣምሪሓ። ምሕረት ዘይነበሮ ኢትዮጵያዊ ጸላኢ፡ ነ’ቦኣ ተስፉ ንሱር ረኺቦም፡ ንሜዳ ከይዱ ጓሉ ከምጽኣ ሓተቱዎ። ከይዱ ቊሩብ ምስ ደንጐየ ከኣ ንሰለስተ ደቁ ኣሰርዎም። ኣቦኣ ተስፉ ንሱር ማእሰርቲ ደቁ ምስ ሰምዐ፡ ንከረን ተመሊሱ ንደቁ ፈቲሖም ኣብ ክንድኦም ንዕኡ ክኣስርዎን ምስኡ ክዳነዩን ከም ዝኽእሉ ሓተቶም። ኣሰርዎ ኸኣ። ድሕሪ ገለ መዓልታት ግን ሬሳ ኣቦ ሳዕድያ ምይ ሬሳታት ናይ ካልኦት ዘይተለለዩ እሱራትን በቲ ጸድፊ ጎቦታት ጥቓ መጋሪሕ ተደርብዩ ተረኽበ። ኣዝማድ ሳዕድያ ከኣ ነቲ ብዕድል ካብ ኣዛብእ ‘ዝደሓነ’ ሬሳ ተስፉ ንሱር ወሲዶም  ክቐብርዎ ዕድል ረኸቡ። ካልእ ዝብሃልን ዝግበርን ኣይነበረን -- ዳርጋ ከምዚ ሃለዋት ናይ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ!! 

ናይ 1968 መንእሰይ ሳዕዲያ ካብታ ዓሊ-በኺት እተቐንጸለላ መዓልቲ ኣትሒዛ ኣብ ናይ ተጋዳሊት ህይወት ኣትያ። ምስ ኣታሕዛ ብረት ድሕሪ ምልላይ፡ ዝበዝሐ ጊዜኣ ንደብር-ሳላን ከሰላን ብምምልላስ ከም ኣላይት ውጉኣትን ሕሙማትን ኰይና ኣሕሊፋቶ። ኣብ መፋርቕ 70ታት ምስ ካልኦት 50 ዝኾኑ  ተጋደልቲ (ፍርቂ ካብኦም ኣዋልድ) ናይ ሕክምና ትምህርቲ ኣብ ባቕዳድ/ዒራቕ ተማሂራ ንሜዳ ተመሊሳ ኣድማዒ ኣገልግሎታት ከም ዝቐጸለት ብመቓልስታ ይምስከር። ኣብ ዝደሓረ ዓመታት፡ ንስዑዲ ዓረብ እኳ እንተኸደት ሕሉፍ ህይወታ ብዘስዓቦ ሕማማት ዝኣክል፡  መነባብሮ ከምዘይጠዓማን ከቢድ ጸገማት ከም ዘሕለፈትን ይንገር። ብዝኾነ፡ ሓሊፋ።Saedia Tesfe 2ኣብ ቀዳማይ ጉባኤ ጠቕላላ ማሕበር ደቂ ኣንስዮ ኤርትራ ንእተመርጻ መሪጹ ዘርኢ ስእሊ። ካብኤን ድሮ ሓያለይ ንሳዕዲያ ተስፋ ቀዲመናኣ ኣለዋ። ኣብ ስእሊ ዝረኣያ፡ ካብ የማን/ ኮፍ ዝበላ፡ 1.ዘይነብ ኢማነቱ 2. ኣልማዝ ወልዱ 3. ኤልሳ ወ/ስላሴ 4. ፋጥማ ሳዕደዲን 5. ንስሪት ከራር 6. ፋጥማ ሳሊሕ 7. መድሓኒት ወ/ስላሴ 8. ኣብርሄት ኣብርሃ። ደው ዝበላ ካብ የማን፡ 9. ኣድሓነት ዓንዱ 10. በኪታ ኣደም 11. ኣለም 12. ነፊሳ መሓመድ ብርሃን 13. ኑራ ስዒድ 14. ፋጥማ ማሕሙድ 15. ኤልሳ መስፍን 16. ጸጋ ወልደማርያም 17.ኣምና መለኪን 18.ሓረጉ ገብረየሱስ 19.ዓረፋት ዑመር 20. ኣስገደት ምሕረተኣብ 21. ጁምዓ ዑመር።

ከም ዝፍለጥ፡ ሳዕዲያ ተስፉ ካብተን ቀዳሞት ንሜዳ እተጸንበራ ደቂ ኣንስይቶ ኤርትራ ኔይራ። ካብ 1973 ንደሓር ግን፡ ደቂ ኣንስትዮ ብብዝሒ ከም እተሰለፋ ይፍለጥ። ኣንጻር ድርብ ወጽዓ ዝቃለስ ጠቕላላ መሕበር ደቂ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ተሓኤ ብ1973 ብዕሊ ድሕሪ ምምስራቱ ታሪኻዊ ንጥፈታት የካይድ ከም ዝነበረ ዝዝከር ኢዩ። ኣብቲ ብ27 ሰነ 1974 እተጋብኤ ጉባኤ ማሕበር እውን፡ ሳዕዲያ ተስፉ ካብተን ጉባኤኛታት ነይራ።

ክብርን ዘለኣለማዊ ዝኽርን ንዂለን/ኲሎም ስዉኣት ወዓሩን ጀጋኑን ኤርትራ። 

Last modified on Tuesday, 02 August 2022 20:57