ኣቦ መንበር ልኡላዊ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ ሱዳን ሌ/ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን ናብ ኣስመራ፡ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተሩ  ዓሊ ዩሱፍ ኣሕመድ ኣሸሪፍ ድማ ናብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ሓደ መዓልቲ ምብጻሕ ኣካይዶም።

ጀነራል ኣልቡርሃን ኣብ ኣስመራ ብ26 ሕዳር 2024፡ ምስ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ተራኺቡ፡ ብዛዕባቲ ኣብ ሃገሩ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ክዘራረቡ እንከለዉ፡ ነቲ ብጀነራል ኣሕመድ ደጋሎ ዝምራሕ ወገን ድማ ብትሪ ከም ዝኸሰሶ ነዚ ብዝምልከት ዝተዘርገሐ ዜና ሓቢሩ። ምስቲ ንህልዊ ኩነታት ሱዳን ኣብ ዘሕዝን ደረጃ ወዲቑ ከም ዘሎ ዝጠቐሰ ጀነራል ኣልቡርሃ፡ ዋና ዳይረክተር ኣገልግሎት ስለያ ሱዳን ሌ/ጀነራል ኣሕመድ ኢብራሂም ሞፋዳልን  ሚኒስተር ባህልን ዜና ኻልድ ዓሊ ኢልዓሲርን ሓቢሮም ናብ ኣስመራ ከም ዝተጓዕዙ ከኣ ቢቢሲ ኣፍሊጣ።

ኢሳያስ ኣፈወርቂ  ኣብ ቅሉዓት መድረኻት ሱዳናውያን ብዘይ ናይ ወጻኢ ኢድ ኣእዳውነት ጉዳዮም ባዕላቶም ክፈትሑ እዩ ዝጽውዕ። ብግብሪ ግና ብፍላይ ኣብ ምብራቕ ሱዳን  ኣብ ኤርትራ ዝተዓለመ ሰራዊት እናዋፈረ ነቲ ውግእ ኣብ ምግዳድ  ዝርከብ ዘሎ እዩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ሱዳን፡ ዓሊ የሱፍ ኣሕመድ ኣሸሪፍ ኣብ ተመሳስሊ መዓልቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተጓዒዙ ምስ ኢትዮጵያዊ መዘናኡ ዶር ጊደዎን ጢመቲዎስ ተራኺቡ ብተመሳሳሊ ዛዕባ ተዘራሪቡ። ኣብቲ ዝርርቦም፡ ኣብ ርእሲቲ ንህልዊ ኩነታት ሱዳንን መፍትሒኡን ዝምልከት ምጥቃሶም፡ ብዛዕባ ዓብይ ሓጽቢ ህዳሰ ኢትዮጵያ እውን ከም ዘልዓሉ እቲ ዜና ሓቢሩ። ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ምስ ሕቡራት ዓረብ ኤማራት ብምትሕብባር ናብቲ ብጀነራል ኣሕመድ  ደጋሎ ዝምራሕ ወገን ኣጽዋር ከተሰጋግር ጸኒሓ ተባሂላ ትኽሰስ እያ።

ብኻልእ ወገን ድማ፡ ብሱዳናዊ ፖለቲከኛ፡ ያሲን ዓርማን ዝምራሕ፡ ግንባር ሱዳናዊ ሰውራዊ ዲሞክራሲ፡ ብ24 ሕዳር 2024 ብዘውጸኦ መግለጺ፡  ኣንጻርቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ንክስለፍ፡ ናብ ሰፊሕ ሲቪላዊ ግንባር ሱዳን መጸዋዕታ ከም ዘቕረበ ሱዳን ትሪቡን ኣፍሊጣ። ዓርማን ኣብቲ ጸዋዒቱ ኣተሓሒዙ፡  ሓይልታት ሰውራን ለውጥን ሱዳን ክሓብሩን ውግእ ጠጠው ዝብለሉ መንገዲ ክጸርጉን ጸዊዑ።

ዓለም ለኻዊ ትካል፡ “ገስጋሲ ምሕዝነት” ብምኽንያት 25 ሕዳር ዓለም ለኻዊ መዓልቲ  ምውጋድ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኩለ ጾታ መሰረት ዝገበረ ዓመጽ ኣብ ምውጋድ ከም ዝሰርሕ ኣፍሊጡ። ናይዚ ዓመትዚ መሰረታዊ ቆላሕታኡ ዝሃቦ ዛዕባ፡ “ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ፖለቲካን ተሓላቕነትን/ትግሃትን ( women in politics and activism,” ዝብል ኮይኑ፡ ዕላማኡ ከኣ ነተን  ብጾታአን ጥራይ ድምጸን ዝዕፈንን ካብ ሕብረተሰብ  ዝግለላን ብዱላት  ምሕላቕ  ከም ዝኾነ ሓቢሩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ግደ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ህዝባዊ መድረኻት ኣብ ግምት ብምእታው “ብሓባር ኣብ ጐነን ንሰለፍ” ከም ዝብል’ውን ጠቒሱ።

እቲ ክውገድ ዝግበኦ ዓመጽ ደቂ ኣንስትዮ፡ ምፍርራሕን ግጉይ ሓበሬታ ምሃብን፡ ኣካላዊ መጥቃዕቲ፡  ካብ ዲሞክራሲያዊ ናይ ምምራሕ ግደአ ምግላል፡ ዲሞክራሲያዊ መሰለንን ማሕበራዊ ዕቤትን ምኽልካል የጠቓልል። እቲ ዘጋጥመን ጸገም ምግሃስ መሰላተን ጥራይ ዘይኮነ፡ መትከላት ፍትሕን ማዕርነትን ዝጻረር እውን እዩ። እዚ ንደቂ ኣንስትዮ ብማዕዶ ብናይ ጽልኢ መልእኽቲ ምፍርራርሕን ጾታዊ መጥቃዕቲ ምፍጻምን ከም ዘጠቓልል ከኣ ገስጋሲ ምሕዝነት ተሓቢሩ።

ገስጋሲ ምሕዝነት፡ እቲ ኣንጻር ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽን በደልን ዝተጸንዐን ረቂቕን ምዃኑ ጠቒሱ፡ እዚ ንክውገንድ ዝኽእል ንጸኒሓዊ ኣሰራርሓ ብፍትሓዊ ትካላዊ ናይ ኣተሓሕዛ መርበብ ምትካእ ከም ዘድሊ ጠቒሱ፡ ነዚ  ንምትግባር ተመሳሳሊ ርኢቶ ዘለዎም ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ብሓባር ማዕርነት ናብ ዝረጋገጸላ ዓለም  ክጐዓዙ ከም ዘለዎም ኣስፊሩ።

ገስጋሲ ምሕዝነት ነዚ ኣገዳሲ ዕለት መዓልቲ ኣንጻር ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ፍሉይ ቆላሕታ ካብ ዝሃቦም ነጥብታት እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም።

1.ኣብ መስርሕ ፖለቲካን ተሓላቕነትን/ትግሃትን ደቂ ኣንስትዮ ንዘካየደኦ ቃልሲ ምዕዛዝ፡ 2.ንዝለዓለ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ትካላውን ሕጋውን ኣሰራርሓ ምኽታልን ምድጋፍን፡ 3.ምእንቲ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ብሳይበር/ብማዕዶ (online) ዝግበር ረቂቕ ቃልሲ ምሕያልን ምምዕባልን፡ 4.ጾታ መሰረት ዝገበሩ ዓመጻት ንምውጋድ ዝግበር ቃልሲ፡ ቀጻሊ ንክኸውን ምድፋእ፡ 5. ብፍላይ ከኣ ግህሰት መሰላት፡ ውግእ፡ ወጽዓን ዲክታተርነትን ብዝለዓለ ደረጃ ኣብ ዝረኣየሉ ከባቢ፡ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ንከይገሃስ ኣጽኒዕካ ምቅላስ፡ ዝብሉ ይርከብዎም።

Dear Comrades, dear Friends,

Today is the International Day for the Elimination of Violence Against Women. The Progressive Alliance reaffirms its unwavering commitment to combating all forms of gender-based violence. This year, we spotlight the unique struggles faced by women in politics and activism, who are disproportionately targeted by violence aimed at silencing their voices and excluding them from public life.

We uphold this day as a day of both resistance to gender-based violence and support for fellow activists and politicians. Here is the statement initiated by our Gender Equality Working Group:

X: https://x.com/PA_Solidarity/status/1860999850323574815
Website: https://bit.ly/IDEVAW2024WomenInPolitics

We thank the Gender Equality Working Group members for this initiative and to all of you for sharing this call.


In solidarity,


Machris

ዞባ ኤውሮጳ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ23 ሕዳር 2024 ጉባኤ ኣካይዱ። ኣብዚ ኣባላት መሪሕነት ሰልፊ ከም ተዓዘብቲ ተዓዲሞም ዝተረኽብሉ ጉባኤ፡ ኣቦመንበር ሰዲህኤ ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ ቃል ኣስሚዑ። ኣብቲ ድሕሪ ናይ “እንኳዕ ኣብጸሓኩም” መልእኽቱ፡ ኣብ ዘስመዖ ቃል ሃለዋት ሰዲህኤን ፖሓኤን ከምኡ እውን ብዛዕባ ህልዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ጠቒሱ።

ኣቦመንበር ገረዝግሄር ተወልደ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ ኣወዳድባ መሪሕነቱን ኣብ መጻኢ ከተግብሮ ዝሓዞ መደባትን ኣብ ምጽፍፋፍ ከም ዝጸንሐን ናብ ተግባር ኣብ ምስግጋር ከም ዝርከብን ሓቢሩ። ነቲ ጽላል ዝያዳ ንምስፋሕ ድማ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካል ዝገበር ርክባት ቀጻሊ ምህላዉ እውን ኣስፊሩ።

ህግደፍ ሎሚ እውን ህዝቢ ንምዕሻው ይምህዞ ብዛዕባ ዘሎ ጭቆናኡ ዘጋድድ ተግባራት ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ  “ናይ መሪሕነት ለውጢ ክንገብር ኢና” እናበለ የናፍሶ ብዛዕባ ዘሎ መዳህለሊ ኣብሪሁ። ኣብ ርእሲዚ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልጤምን ከምኡ እውን ኣብ መንጎ ሩሲያን ዩክረይንን ዝካየድ ዘሎ ውግኣት ይሕዞ ብዛዕባ ዘሎ ሓድገኛ መልክዓት ሓጺር ሓበሬት ሂቡ።

ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣባላት ሰዲህኤ፡ ኣብ ምዕዋት መደባት ሰፍልፎም ኮነ ፖሓኤ ኣብ ኩሉ መዳያት ተሳትፈኦም ከዕዝዙ ጸዊዑ፡ ኣብ ዘካይድዎ ቃልሲ ደገፍን ምትሕብባርን መሪሕነት ሰዲህኤ ከምዘይፍለዮም ጠቒሱ። 

ጉባኤ ዞባ ምልኣተ ተሳትፎ ምስ ኣረጋገጸ፡ ብኣቦመንበር  ኣሰናዳኢት ሽማግለ ብጻይ ክብሮም ዓንዶምን ኣቦመንበር ዞባ ኮይኑ ክመርሕ ብዝጸንሐ ብጻይ ሃይለ ወልዱን ዝቐረበ ጸብጻባት ሰሚዑ። ብዘይካዚ ሓለፍቲ ናይተን ዝተፈላለያ ክፍልታት ኮይኖም ክሰርሑ ብዝጸንሑ ኣባላት መሪሕነት  ዞባ ንዝቐረበ ጸብጻባት በብሓደ ሰሚዑ።  

ድሕሪ ጸብጻባት ምቕራብ፡ ጉባኤ 3ተ ዝኣባላታ ነቲ መስርሕ ጐባአ እትመርሕ ኣካል መዚዙ፡ ኣብቲ ጸብጻባት ተመያይጡ። ድሕሪ ምምይያጥ ከኣ  ነቲ ዝቐረበ ጸብጻባት ከም ሰነዳት ዞባ ኣጽዲቕዎ። ቀጺሉ ድማ ብመሰረት ቅዋም ሰዲህኤ፡ 7 ቀወምትን 2  ተጠባበቕትን ኣባላት ዘለዉዋ መሪሕነት ዞባ ብዲሞክራሲያዊ መንገዲ መሪጹ፡ እታ ዝተምርጸት መሪሕነት፡ ተቖጻጻሪ ንክትመርጽ ድማ  ሓላፍነት ሂብዋ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣባላት ጉባኤ በታ ሓዳስ መሪሕነት እናተመርሑ፡ ኣባልነት ኣብ ምስፋሕን ኣብ ኩሉ ካልእ መዳያትን ሰልፎም ንምሕያል ክጽዕቱ  ዘለዎም ቅሩብነት ብምርግጋጽ ጉባኤ ተዛዚሙ።

Sunday, 24 November 2024 00:32

Dimtsi Harnnet Sweden 23.11.2024

Written by

ባንኮለ ኣደዮ፡ ኮሚሽነር ንጉዳያት፡ ፖለቲካዊ፡ ሰላምን ድሕንነት  ሕብረት ኣፍሪቃ

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ነቲ ኣብ ሱዳን ብ2021 ዝተኻየደ ወሲኽካ፡ መራሕተን ብዕልዋ ስልጣን ናይ ዝሓዙለን ሃገራት ኣባልነት ምሕዳስ ከም ዘይቅበል ኣፍሊጡ። ብፍላይ ውግእ ይካየደዳ ንዘሎ ሱዳን ብዝምልከት ተዋጋእቲ ተኹሲ ጠጠው ኣቢሎም ኣብ ሃገሮም ዘሎ ጐንጺ ብፖለቲካዊ ዘተ ንክፈትሑ ጸዊዑ።

ሱዳን ድሕሪ’ቲ ናይ 2021 ዕልዋ ዝተወንዘፈ ኣባልነታ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ንክምለሰላ ብመንገዲቲ  ብጅነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ወገን ክትጽውዕ ጸኒሓ እያ። ጀነራል ኣልብርሃን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣባልነት ሃገሩ ናብ ንቡር ክሳብ ዘይመለሰ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ንከይሽምግል ክቃወሞ ጸኒሑ ዝዝከር እዩ።

ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኮሚሽነር ፖለቲካዊ፡ ሰላምን ድሕንነትን ጉዳያት፡ ባንኮለ ኣደዮ፡ እቲ ሕብረት ንዘይ ሕገመግስታዊ ዕልዋ ዘለዎ ተጸዋርነት ዜሮ ምዃኑ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ምሕባሩ ከኣ ካብቲ ሕብረት ዝተረኽበ ዜና ሓቢሩ።

ኮሚሽነር ኣደዮ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ምቁራጽ ተኹስን ሰብኣዊ ጉዳያትን ዘቐድም መፍትሒ ንምርካብ ምስ ዞባዊ ትካል ኢጋድን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ ክሰርሕ ከም ዝጸንሐ ጠቒሱ። ኣተሓሒዞም ከኣ ምልኣኽ ዓቃብ ሰላም ናብ ሱዳን ምስቲ ቀጻሊ ምቁራጽ ተኹሲ ተተሓሒዙ ዘሎ ዛዕባ ምዃኑ  ገሊጹ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ብናይ ሲቪል ተሳትፎን ፖለቲካዊ  ዘተን ዘይተተከኡ ወታደራዊ ምንቅስቓስ መፍትሒ ኣየምጽእን እዩ ምስ በለ፡ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ኮሚተ ዲሞክራስን ቅኑዕ ምምሕዳርን መጻኢት ሱዳን ምስ ጐረባብታ ብሰላም እትነብር ንክትከውን መጸዋዕታ ከቕርብ ምጽንሑ ኣመልኪቱ።

ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ኮሚሽነር፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ኢድ ኣእታውነት  ኣብ ኣፍሪቃዊ ጉዳያት ኮኒኑ፡ ብፍላይ ንጉዳይ ሱዳንን ሊቢያን ከም ኣብነት ጠቒሱ። ንግደ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ምክልኻል ምጥቃም ዕሱባት ወተሃደራት ድማ ኣጉሊሑ ኣስፊሩ።

Page 29 of 607