ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሓለፍቲ ደቡብ ሱዳን እገዳ ኣንቢራ

2024-09-01 18:44:14 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 154 times

ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሓለፍቲ ደቡብ ሱዳን ናይ ጉዕዞ ገደብ ናብ ኣሜሪካ ከም ዘንበረ ኣፍሊጡ። እቲ እገዳ ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ልዕሊ ግብርን ቀረጽን ምኽንያት ብምግባር ሰብኣዊ ረዲአት ናብ ዝምልከቶም ጽጉማት ኣካላት ቀልጢፉ ከይበጽሕ ዕንቅፋት ዝፈጥሩ ሰባት እንተላይ ዝተወሰነ ከም ዝኾነ፡ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። 

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ላዕለዎት ሓለፍቲ ደቡብ ሱዳን ብሰንኪ ኣብ ዋጋ ነዳድን መጐዓዝያን ብዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ነቲ ነዳዲ ስለ ዝሓዝዎ፡ ኣብ  ረዲአት ናብ ጽጉማት ምብጻሕ ዕንቅፋት ይፍጠር ኣሎ ክብል ከሲሱ። ምስዚ ብዝተትሓሓዘ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዋጋ ትራንስፖርትን ኣብ ምምሕዳር እቲ ረዲአትን ዘጋጥም ዘሎ ዕንቅፋታት ቅልጡፍ መእረምታ ንክገብር ትጽቢት ከም ዝግበረሉ ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ማቴው ሚለር ኣብ  መግለጺኡ ኣስፊሩ።

ኣብዚ እዋንዚ ብሰንክቲ ካብ 2013 ክሳብ 2018 ኣብታ ሃገር ዝተኻየዳ ውግእ ሕድሕድ ደቡብ ሱዳን ሓንቲ ካብተን ዝለዓለ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝረኣየለን ሃገራት ዓለም ኮይና ከም ዘላ ኣብቲ መግለጺ ተሓቢሩ።

እቲ ወሃቢ ቃል ኣተሓሒዙ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ብዛዕባ ረዲአት ናብ ዝምልከቶም ክበጽሕ ዘለዎ ናይ ምትግባር ዓቕምን በቲ ኣብ  2018 ዝኸተሞ ስምምዕ ሰላም ክምእዘዝ ዘለዎ ቅሩብነትን ኣዛራቢ ምዃኑ ጠቒሱ።

Last modified on Sunday, 01 September 2024 20:49