ርክብ ኣፍሪቃ-ቻይና ክካየድ እዩ

2024-08-30 12:26:56 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 279 times

ምክትል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ቻይና

ርክብ ኣፍሪቃን ቻይናን ካብ 4 ክሳብ 6 መስከረም 2024 ኣብ ከተማ በኪንግ ከም ዝካየድ ምክትል ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ቻይና ዚኣዶንግ ንናይ ሃገሮምን ወጻኢን መድያታት ብዝሃብዎ መብርሂ ሓቢሮም።

ኣብዚ ርክብ ሓያሎ መራሕቲ ኣፍሪቃ ብኣቦመንበር ሕብረት ኣፍሪቃ እናተመርሑ ከም ዝሳተፉ እቶም ምክትል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ኣፍሊጦም። ኣብ መኽፈቲ ናይቲ ርክብ ፕረዚደንት ቻይና ተረኺቦም መደረ ከም ዘስምዑን መደረኦም ኣብ መጻኢ ዝምድና ኣፍሪቃን ቻይናን ዘተኮረ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ናይ ሓባር ዕቤትን ኣተገባብርኡን  ክጠቕሱ ትጽቢት ከም ዝግበር ኣፍሊጦም።

ኣብዚ “ዘመናውነት ኣብ ምዕባይን ምህናጽ ማሕበረ-ሰብ ኣፍሪቃን ቻይናን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭረሖ ዝካየድ ርክብ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ናይ ክብሪ ጋሻ ኮይኖም ከም ዝሳተፉን ዝተፈላለያ ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተሳቲፈን ከም ዝዕዘባን እውን ተፈሊጡ። እዚ ርክብ መቐጸልታ ናይቲ ብ2006 ኣብ በኪንግ፡ ብ2015 ኣብ ጆሃንስ በርግን ብ2018 ድማ ኣብ በጂንግ ዝተኻየደ ርክባት ምዃኑ ተሓቢሩ።

እቶም ምክትል ወጻኢ ጉዳይ ሚንስተር ቻይና፡ ፕረሲደንት ሃገሮም ክሳብ ሎሚ 5 ግዜ ናብ ኣፍሪቃ ከም ዝበጽሑ ሓቢሮም፡ እቲ ናይ ሎሚ ኣጋጣሚ ንቻይና ዓቢ ዲፕሎማሲያዊ ኩበዖ እዩ ኢሎም፡ ኣብ መወዳእታ’ቲ ርክብ ናይ ሓባር መግለጽን ናይ ተግባር መምርሕን ክወጹ ትጽቢት ከም ዘሎ  ኣመልኪቶም።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ዶር ኣብይ ኣሕመድ ዓልን ጀነራል ኣልቡርሃንን ካብቶም ክሳተፉ ትጽቢት ዝግበረሎም ምዃኖም ተሓቢሩ’ሎ።

Last modified on Friday, 30 August 2024 14:37