ምርጫ ህዝብና፡ ወትሩ ሰላምን ዕቤትን’ዩ

2022-07-10 19:57:01 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 988 times

ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ናጽነቱ ንሰላሳ ዓመታት፡ ብቐጻሊ፡ ኣንጻር ሓይልታት መግዛእቲ ትንፋስ ዘይህብ ወተሃደራዊ ግጥማት ኣካይዱ። ህዝብና ኣብዚ ክትኣምኖ ዘጸግም ነዊሕ ጉዕዞ ውግእ ዝተጸምደ ከምቲ ጸላእቲ ኣብቲ  እዋን ቃልሲ ዝብልዎ ዝነበሩ፡ ናይ ውግእ ህርፋንን ትምክሕትን ዝደፍኦ ወይ ናይ ካለኦት ልኡኽ   ስለ ዝነበረ  ዘይኮነ፡ ናጽነቱ ብቓልሱ ካብ ምጭባጥ ሓሊፉ፡  ካልእ መተካእታ ስለ ዘይነበሮ እዩ። ዘካየዶ ቀጻሊ ውግኣት ፍትሓዊ ስለ ዝነበረ ከኣ ዝወሰዶ ግዜ ወሲዱ ክቡር ዋጋ ምስተኸፍሎ ተዓዊቱ። ምሳልያዊ ኣበሃህላ፡ “በትሪ ሓቅስ ትቐጥን እምበር  ኣይትስበርን”  ከኣ ብግብሪ ኣመስኪራ። ኣብቲ ነዊሕን መሪርን መስርሕ ዝተኸፍለ ዋጋን ዝተራእየ ጽንዓትን፡ ከምቲ ገለ ወገናት “ኣብ ሽፍትነት ዘጋጠመ ሞት” ገይሮም ክገልጽዎ ዝፍትኑ ዘይኮነ፡ እቲ መስርሕ ሓርበኝነት እቲ  ዋጋ ከኣ ክቡር መስዋእትነት ምንባሩ ኣብ ቅድሚ ዋናኡ ህዝቢ ኤርትራ  ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኣእምሮ ብዙሓት ብኽብሪ ሰሪጹ፡ ናይ ብዙሓት ተቓለስቲ መወከሲ ኮይኑ ተመዝጊቡ ዘሎ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት፡ ናብ ውግእ ክኣቱ ዘገድዶ ኩነታት ክፍጠር እዩ ዝብል ትጽቢቱ ኣይነበረን። ብግብሪ እውን ኣየጋጠመን። እቲ ዘሕዝን ግና ክሳብ ሕጂ’ውን ህዝቢ ኤርትራ ዋጋ ውግእ ካብ ምኽፋል ዓዲ ዘይምውዓሉ እዩ።  ዋጋ ምኽፋሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ተመኩሮ ቃልሱ ኣሉታዊ ኮይኑ ተመዝጊቡ ምህላዉ  እዩ።  እቲ ውግእ ኣንጻር  ኣብ ግዜ ቃልስና ምእንቲ ናጽነትና ዝከኣለን ዝገበራን ሰውራናን ህዝቡን ዘዕቆባን ጐረባብትና ሃገራት ዘድሃበ  ምንባሩ ከኣ ዝያዳ የሕዝን። ኣብዚ ንውረድ ደይብ ተመኩሮ ዝምድና ኤርትራ ምስ ሱዳንን የመንን ድሕሪ ናጽነት ከም ኣብነት ዝውሰድ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ጉጅለ ህግደፍ እንተዘየሳውሮ ከጋጥም ናይ ግድን ዘይነበረ ውግኣት ኣንጻር ጐረባብቲ ዝኸፈሎ ዋጋ፡ ካብቲ ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ዝኸፈሎ እንተዘይበዚሑ ዝውሕድ ኣይኮነን። እቲ ነዚ ዳሕረዋይ ዋጋ  ዝያዳ ዝመረረ ዝገበሮ ድማ ብሰንኩ መጻኢ ዕድል ኤርትራን ህዝባን ጌና ኣሰካፊ መልክዕ ሒዙ ምህላዉ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት፡ እቲ ናጽነት ዘግሃደ ነድሩ፡ ትብዓቱን ተወፋይነቱን ዝሒሉ ደሃይ ኣጥፊኡ “ስቕታ ስለ ዝመረጸ”፡ ገሪምዎም ብዙሓት ናይ ቅድም ትብዓቱን ጽንዓቱን ዝፈልጡ ወገናት፡ “እዚ ንሓይልታት መግዛእቲ ዘይተጻዕደ ህዝቢ እንታይ እዩ ዓዚምዎ?” ክብሉ ዝጸንሑን ዘለዉን ብዙሓት እዮም። ህዝቢ ኤርትራ፡ ህግደፍ ካብቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ብናቱ ዋጋ ዝተኻየደ ቀዳማይ ውግእ ኣንጻር ጐረባብትና ሃገራት ኣብ ክንዲ ዝመሃር፡ ሓሓሊፉ ዳግማይ ኣንጻር ጐረባብቲ ሃገራት ክወፍር እንከሎ፡ ስርዓት ህግደፍ ስለምንታይ ከምኡ ከም ዝገብር ስለ ዝርድኡ፡ ዝተፈላለዩ ወገናት ኣጻብዖም ናብ ህዝቢ ኤርትራ እዮም ከመልክቱ ጸኒሖም። ገለ ወገናት ህዝቢ ኤርትራ ብቕሉዕ፡ “ኣይፋል ንሓሓሊፍካ ውግእ”  ዘይምባሉ፡  ነቲ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ምትንኳሕ ከም ዝደገፎ ገይሮም ክርድእዎ እንከለዉ፡ ዘየግሃዶ  ምኽንያት ደኣ ይህልዎ እምበር፡ ወዮ “ብዛዕባ ውግእን ክሳርኡን ኣዝዩ ዓሚቕ ተመኩሮ ዘለዎ ህዝቢ ኤርትራስ ውግእ ክድግፍ ዘይመስልዩ” ዝብሉ ወገናት እውን ኣለዉ። እቲ ምስጢር ስቕታኡ ከኣ ብሓባር ኣንጻር ህግደፍ ዓው ኢሉ ኩነኔኡ ዘይምስምዑ እዩ።

ህግደፍ ኣንጻር ጐረባብቲ ንዝኣጐዶ ውግኣት ዓው ኢሎም  ዝድግፉ ዝነበሩ ኤርትራዊ ወገናት፡ በብግዜኡ ካብታ ጃልባ ክወርዱ ከም ዝጸንሑ ዝተዓዘብናዮ እዩ። እዚ ብፍላይ ድሕሪ 2001 ጐሊሑ ዝተራእየ ነይሩ።  እንተኾነ ክሳብ ሎሚ ኣንጻር ሓቀኛ ረብሓ ህዝብና ተሰሊፎም፡ “ናብ ውግእ ንኺድ ጥራይ” ዝብልዎ ዘይሓላፍነታውያን ኣይተንጸንቀቑን። እዞም ወገናት፡ ሎሚ’ውን ካብቲ ብተኸታታሊ፡ ኣንጻር ሱዳን፡ የመን፡ ጅቡትን ዝተፈላለዩ ዙራት ኣንጻር ኢትዮጵያን ካብ ዝተኻየደን በብዓይነቱ ክሳራታት ዘኸተለን ውግኣት ተመኲሮም ኢደ-እግሮም ዘይምእካቦም ናይ ጥዕና ከምዘይኮነ ብሩህ እዩ። እዞም ወገናት ኣብ ኣእምሮኦም ሓይልን ዓመጽን ከም ናይ ብቕዓትን ብልጫን መመዘኒ ኮይኑ ዝሰረጾም እዮም። እዚ ስምዒት እዚ ኣብ ኤርትራዊ ደንበ ለውጢ እውን ሓሓሊፉ ይንጸባረቕ እዩ።  ጠንቁን ሳዕቤኑን ከይመርመርካን ምስ ህልዊ ኩነታት ከየመዛዘንካን ኣብ ኤርትራ ለውጢ ንምርግጋጽ፡ ዝያዳ ናብ ሓይሊ ዘዘንበለ ምርጫ ጥራይ እንተዘይተኸተልና፡ ንዝብሉ ዝያዳ ኣጉሊሕካ ንምቕራብ ዝረአ ኣድህቦ ናይዚ ስምዒት መግለጺ እዩ። ስለዚ እቲ ኣብ ክንዲ ንናይ ኣተሓሳስባ ብስለት፡ ውድዕነትን ቀጻልነትን ምግንዛብ፡ ኣብ ሓይሊ ምምላኽ ምስ ህግደፍ ጥራይ ተሓጺሩ ዝተርፍ ዘይኮነ፡ ግጉይ ኤርትራዊ ባይታ ዘለዎ ምዃኑ’ውን ምግንዛብ የድሊ። ንምርጫ ህግደፍ ምርጫኻ ናይ ምግባሩ ዝንባለ ዘለዎ’ውን ይመስል።

ብሰንኪ መንገዲ ሰላምን ርጉእ ጉርብትናን ጓስዩ፡ ዘይሓላፍነታዊ ውግእን ዕንደራን ዝመረጸ  ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ሞት፡ ምምዝባል፡ ስደትን ዕንወትን ከጋጥም ጸኒሑ እዩ ጌና’ውን ቀጻሊ ኣሎ። ነዞም በብግዜኡ ዘጋጠሙ ዕንወታት ከም ሳዕቤን ኣጉሊሕካ ምቕራቦም ጥራይ ዘይኮነ፡ ከም ጠንቂ መን ከም ዝሕተተሎም ኣዕሚቕካ ምግንዛብ ናይ ግድን እዩ። ህግደፍ ግና ናቱ ጠንቅነት ንምሕባእ፡ ነቲ ሳዕቤን ኣጉሊሑ ነቲ ተሓታትነት ካብኡ ንምርሓቕ እዩ ዝጽዕር። ብሰንኪቲ ኣብ 1998-2000 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኻየደን ጌና ደበናኡ መሊኡ ዘይተቐንጠጠን መንቀሊኡ ካልእ ክነሱ፡ “ናይ ባድመ”  እናተባህለ ዝጽዋዕ ውግእ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን  ካብ ኢትዮጵያ ዝተሰጐጉሉ ጠንቅን ሳዕቤኑን ካብኡ ንምርሓቕ ህግደፍ ዝገብሮ ጻዕርን፡ ዝጻሕተሮ ጽልእን ከም ሜላ መናውሒ ዕድመ ኣብ ስልጣን ዝተጠቕመሉ ንኣብነት ዝጥቀስ እዩ። ብዘይካቲ ህግደፍ ሓሓሊፉ ዝኣጐዶ  ውግኣት ዝጠፈአ ኤርትራዊ ህይወትን ዝዓነወ ንዋትን፡ ንሓፈሻዊ ዕቤት ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት፡ ከኣ ንድሕሪት መሊስዎ ኢልካ ኣብ ዝግለጸሉ ደረጃ እዩ ዘሎ። እዚ መራሒ ህግደፍ እውን በብግዜኡ ተጠሊዑ ዝተኣመነሉ እዩ።  ድሌት ህዝብና ግና ቅድም፡ ሎሚ ኮነ ኣብ ንመጻኢ፡  ድሕሪ ናጽነት ሰላም ሰፊኑ ዕቤት ክብርኸሉ እዩ።  ካብዚ ብምንቃል ኢና እምበኣር “ምርጫ ህዝብና፡ ወትሩ ሰላምን ዕቤት’ዩ”  ኢልና እንጭርሕ።

Last modified on Sunday, 10 July 2022 22:01