ደንበ ተቋውሞን ፡ ሓይልታት ፈልሲን

2022-07-06 20:05:59 Written by  ተስፋይ ካሕሳይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 898 times

ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ነዊሕን  መሪርን  ዝኾነ ጉዕዞ ሰውራ ኤርትራ ስጊሩ ሓንቲ ነጻ ( ልዕላዊት) ሃገር ክምስርት ከሎ፡ እቲ ዝበዝሐ ደጋፍን፡ ተደናጋጽን ህዝባዊ ግንባር፣ እቲ ኣባል መሪሕነቱ ፡ ብፍላይ ኢሰያስ ዝመርሖ ጉጅለ ከም'ዚ ኢሉ ክጠልሞ እዩ ነዚ ህዝቢ ዝብል እምነት ኣይነበረን።

 እቲ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ደጋፊ ህዝባን ግን ዋል እኳ ካብ መሬት ኤርትራ ኣብ 81 እንተወጸት፡ ከም ኣካል ህዝቢ መጠን ነቲ ትማሊ "ጀብሃ ክትሓቅቅ እያ" ዝበሎ ሎሚ " ገይም  ኦቨር" ጸወታ ተወዲኡ ዝበሎ መሪሕነት  ኢሰያስ ብህይወት ኣለናን ንቃልሰ ኣለናን፡ ነዚ ደንበ ተቋውሞ ክሳብ ሎሚ ሰሰይ ኣቢሎም ዘጽነሕዎ፡ እቲ  መሪሕነት ኣስመራ እንተ ኣትዩ፡ ህዝብና ብሽግርን ምሕደራ ናብ ምልኪ ክሳጣሕ እዩ ዝበሎ፡ ከም'ኡ ድማ ኮይኑ።

ልክዕ'ዩ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ እቲ ኣብ ከተማ ነባሪ ነቲ ናይ ተሓኤ ታሪኽን ጉዕዞን ኣጸቢቁ ኣይፈልጦን'ዩ፡ ብፍላይ እቲ መንእሰይ ወለዶ ትሕቲ 40 ዓመት ዘለዉ ሓንቲ ኣፍልጦ ብዛዕባ ጀብሃ የብሎምን፡ ብጀካ እተን ግናይ ፖለቲካ ህግደፍ ዝመሃሮምን ምስ ወጹ ድማ ጥምዙዝ ፖለቲካ  ዝሓዙ ዝነዝሕዎ ናይ ጽልኢ ፖለቲካ እንተ ዘይኮይኑ።

 እተን ናይ መጀመሪያ ሸውዓተ ዓመት መገዲ ብተዛማዲ ሰላም ዝነበረላ ህዝቢ፡ ዝበሃል እንተነበረ፡ እቲ ዝተራእየ ውግእ ኢትዮ- ኤርትራ  ብዙሕ መንእሰይ ኤርትራ ህይወት ዝተኸፍሎን፡ ህዝብና  ድማ ዝተዛናበለሉ እዩ ነይሩ። ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ውግእ ከም ናይ ወያነ ወራር ኢሉ ብስርዓት ኢሰያስ ከም መጻልኢ ክጥቀመሉ ዝጀመረ ኣብ'ቲ እዋን  እዩ። ስለ ሓቂ ድማ እቲ ኣካል ህዝብና ኣብ ኢትዮጵያ ዝቅመጥ ዝነበረን፡ ብሰንኪ እቲ ውግእ ዝገበሮም  ነገር ዘይብሉ ንብረቱን ገንዘቡን ራሕሪሑ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ህወሓት ዝመርሖ ተጠሪዙ  ናብ ኤርትራ ዝኸደሉ ብምንባሩ፡ እቲ ኣካል ህዝቢ እቲ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈጸመ ቅሬታኡን ቂሙን ሒዙ፡ ሎሚ እቶም ነኣሽቱ ቆልዑ ዝነበሩ  ዓብዮም እቶም ኣብ ልዕሊ ወያነ (መንግስቲ) ኢትዮጵያ ቀንዲ ደገፍቲ እዚ ስርዓት ንኽኾኑ ኣኽኢሉ ምዃኑ እዩ።

ምልስ ኢልና ነዚ ስርዓት ኣስመራ ዘማሓድር ዘሎን መንግስቲ ትግራይ ( ህውሓት) ኣብ መቀለ ዘሎን ቅድምን ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ ጽቡቅ ዝምንድናታት ብምንባሩ ህውሓት መንግስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ሓዙ ነቲ ከጋጥም ዝኽእል ሽግራት ኣብ ምውሳን መጻኢ ዕድል ኤርትራ ክሽፈን ተኻኢሉ እዩ። እቲ ኣብ ኣስመራ ዝኣተወ ህግ ድማ ንህወሓት ይኹን ኢህወደግ ፖለቲካዊ ስልጣኑ ኣብ ኢትዮጵያ ንኽጭብጥ ዓቢ ኣበርክቶ ከም ዝገበረ ነቲ ሰውራ ኤርትራ ዝፈልጥን ዝተዓዘበ ዘሸግር ኣይነበረን።

እቲ ዝምድናታት እንበኣር እናኸፍኤ ብምኻዱ፡ እሞ እቲ ምስምስ ጉዳይ ዶብ ብናይ ዶብ ኮሚሽን መወዳእታን ቀያድን ዝብል ስምምዕ ኣብ ባይታ ክትግበር ኣይተኻእለን፡ ኣብ'ዚ ክልቲኡ ህዝቢ እኳ እንተኾነ፡ ብዝያዳ መንእሰይ ኤርትራ ተጎዳኢ ናይ'ዚ ዘይተቀባልነትን ዘይምትግባርን እዩ ኮይኑ፡ ገደብ ዘይብሉ ኣገልግሎት ኣብ ልዕሊኡ ተሸኪሙ ክኸይድ ተገይሩ። እቲ ውሳኔ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘይ ቅድመ ኩነት ክቅበልዎ ነይርዎም፡ እቲ ብወገን ኤርትራ መንግስቲ እውን፡ እታ ውሳኔ ንኤርትራ ዝሕግዝ ብምንባሩ ጸገም ኣይነበረን ኮፍ ኢሎም ነእሽቱ ሽግራት ክፈትሑ። እዚ ዝኾነሉ ብኽልቲኦም ወገናት ካብ ዘይምትግባሩ ተረባሕቲ ነይሮም። እቲ ስርዓት ኣስመራ ብኣካይዳ እቲ ውግእን ሕቶ ቅዋምን ፡ስልጣንን ሓላፍነትን ህግደፍ ንምምይያጥ ዝጥለብ ዝነበረ ብላዕለዎት መራሕቲ  ጉጅለ 15 ዝፍለጡን፡ ጽዑቅ ጎስጓሳትን ቃለ - መሕትትን ናይ ብሕቲ ጋዜጠኛታት ፖለቲካዊ ግጥምያ ነቲ ስርዓት የንቀጥቅጥ ብምንባሩ፡ ኣቅልቦ ህዝቢ ኣብ ውሽጢ ጉዳይ ሃገሩ ከይሳተፍ ህዝቢ ናብ ጸላእቱ ናይ ግዳም ( ወያነ) ኮተኩር ገይርዎ። እቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ'ውን ዋል እኳ ናይ ወተሃደራዊ ጸብለልትነት ኣብ ዶብ ምስጋር እንተኣርኣዩ፡ ነቲ ውሳኔ ምቅባል ኣብ ውሽጢ ፖለቲካ ህወሓት ( ትግራይ) ሽግር ፈጢሩ ብምንባሩ፡ በቶም ካልኦት ሓይልታት ኢትዮጵያ ፡ሕጂ'ውን ንኤርትራ ዘርብሕ ስምምዕ ፈሪሞም ከይበሃሉ፡ ዝያዳ ኢትዮጵያውያን ክመስሉ ነቲ ስምምዕ ተግራዊ ክኸውን ዝዓንቀጹ ንሶም እዮም ነይሮም።

    ደንበ ተቓውሞ

እዚ ሓይሊ'ዚ  ኣብ ሓንቲ ኤርትራ ዝኣምን፣ ብዙሕነት ህዝባ ዝኣምን ኮይኑ ንምልካዊ ስርዓት ኣልዩ ሓደ ንኹላትና ከም ህዝቢ እንቅየደሉ ቅዋማዊ ምሕደራ ዝነግሰሉ፣ ኣብ ትሕቲ ቅዋም ድማ ኤርትራዊ ዜጋ ነጻ ባእታ ንምርግጋጽ ፣ ፍትሕን ዲሞክራስን መበገሲ ከም መትከል፡ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ባዕሉ መንግስቲ ክመርጽ፣ ኣብዝሐ- ሰልፍታት ዘእንግድ፥ ስልጣን ብሰላማዊ መንገዲ ምቅብባል ዝብሉ ከም ሓፈሻዊ ዕላማ ዝሰማማዕ እዩ።

ደለይቲ ለውጢ ይኹን ደለይቲ ፍትሒ ነቲ ስርዓት ምልኪ ንምውዳቅ እንተዘይኮይኑ ኣንጻር ሰባት፣ ጉጅለ፣ ሃይማኖት፣ ብሄር  ኣይኮነን፡ ወይ ድማ ኣንጻር ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራን፣ ሰውራ ኤርትራን፡ ህላወን ቀጻልነትን ኤርትራ ከም ሃገርን ህዝብን ኣይኮነን። እቶም ዝብህጎም ሰላም፣ ምዕብልና፣ ቅሳነት፣ ዕቤት፣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ውግእን ወረ ውግእን ኣጥፊኡ ፡ምስ ኩሎም ጎረባብቱ ኣብ  ሰናይ ጉርብትና ዝተመርኮሰ ዝፈጥር፡ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ከም ታሪኽን ዘሎን ብተግባር ጻዕራም፣ ንስድራ-ቤቱ  ሓላይ ኣብ ዝኸዶ ቦታን ሃገር  ዓቢ ጽልዋ ዝገድፍ ብምዃኑ ኣብ ከባቢኡ ምስ ዝቅመጡ እንበኣር   እናተወዳደረ ናብርኡ ከማሓይሽ ከም ዝኽእል ተስፋ ዝቅመጦ ህዝቢ እዩ።

ናብኡ ንምብጻሕ እንበኣር ደንበ ተቋውሞ ሽግራቱ እናኣለየ፡ ብዝያዳ ሎሚ ኩላትና እቲ ውድቀት ናይ'ዛ ሃገርና ኤርትራ ብጀካ እዚ ሓይሊ ደንበ ናይ ለውጢ ካልእ፡ ከም ስርዓት ምልኪ ይኹን ካልእ ናይ ግዳም ሓይልታትን ተሓባበርቶም ደቂ እዛ ሃገር  ከድሕንዎ ክከላኸልሉ ኣይክእሉን። ስለዚ እዚ ደንበ'ዚ ብዙሕ ዝንቀፈሉ ጉዳይ ከም ዘለው ኩላትና እንረዳድኣሉ ነገር እዩ። እንተኾነ ኣብ'ቲ ዕላማ ስለዘይፈላለ ዝተወደበን ዘይተወደበን ብሃገራዊ ሓላፍነት ተደሪኽና፡ ነቶም ዘይገበርናዮም ዝምድናታት ሓልይታት ለውጢ ከነሐይሎም፡ እቶም ክሳብ ሎሚ  ሒዝናዮም ዘሎና ኣብ እምነት ህዝብናን ሃገርናን ክንቅጽሎ እዩ  ጻውዒት።

    ህወሓት ኣብ 4 ኪሎ

ከም ዝፍለጥ እቲ ድሕሪ ውግእ ኢትዮ- ኤርትራ መንግስቲ ኢሰያስ ነቶም ናይ ኢትዮጵያ ተቋወምቲ ናብ ኣስመራ ዓዲሙ ንኽንቀሳቀሱ ክገብር እንከሎ፡ መንግስቲ ኢህወደግ ( ህወሓት) ዝመርሖ ነቶም ኣቀዲሙ ምስ ህግደፍ ኮይኑ ዝኽልክሎምን ኣብ ሓደጋ ዘሳጥሖም ዝነበሩ ደንበ ተቋውሞ ናብ  ኢትዮጵያ ዓዲሞም ዝኣክል ሓገዛት ክገብርሎም ዝጀመሩሉ እዋን እዩ ነይሩ ኣብ'ቲ 2000 ዓ ፈ። እቲ ብኣወንታዊ ዝግለጽ  ኣበርክቶ ዝገበርዎ ከም መንግስቲ፡ ነቲ ስደተኛ መንእሰይ ኤርትራ ናይ ምቅባል ዘርኣይዎን፡ ብዝያዳ ድማ ህዝቢ ትግራይ ከም ኣካሉ ርእዩ ንኸይጋየሽ ኣኽኢሉዎ እዩ። ነተን ውድባት ኤርትራ ብላዕሊ ላዕሊ ክትርእዮ ከለኻ ንኽንቀሳቐሱን ናይ ሓገዝ  (ገንዘብ ) ይገብርሎም ከም ዝነበሩ ዝፍለጥ እዩ።

ኣብ ምምስራት ምሕዝነት ሓይልታት ኤርትራ  ጅምር ከየበለ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ብቅሉዕ ኢዶም ከእትዉ ብምጅማሮም ደንበ ተቋውሞ ስኽፍታ ከልዕል ጀሚሮም። ብዝለዓለ ድማ ነተን ዝነበራ ውድባት ፡በቲ ንሶም ዝርእይዎ ፖለቲካዊ  ርእይቶ ናይ ኤትኒክ ፈደራሊዝም  ከስርጹን፣ ክጸልዉን፣ ሓለፋ ክህቡን፡ ነተን ዘይተመስረታ ብሄራት ድማ እናኣተባብዑ ካብ ንቅድሚት ንድሕሪት መሊሲሞ። እቲ ዝኸፍኤ ድማ ብጀኻ ነታ ናጽነት ኤርትራ ምእማን ኣብ 91 ዘርኣይዎ ፡ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ህግደፍ  ቅዋማዊ ምሕደራ ዘለዋ ይትረፍ ሓንቲ ድኽምቲ ሃገር ንኽትህሉ ንሶም ድማ ብነጻ ንኢትዮጵያ ክገዝኡ ዝጽዕሩ እዮም ዝነበሩ፡ ክሳብ ሎሚ'ውን እቲ ሓሳብ ዝቀየርዎ ኣይመስለንን። እዚ ክበሃል ከሎ ድኽመት ኣይነበሮምን እተን ውድባት ማለት ኣይኮነን። ንሱ ድማ ብዙሕ ተዘሪብሉ ስለዝኾነ፡ ነቲ ደንበ ተቛውሞ ሓድሽ ነገር ኣይኮነን። ብሕጽር ዝበለ ህወሓት ዝመርሖ ኢትዮጵያ ንደለይቲ ለውጢ ኤርትራ ኣሉታዊ ግደ እዮም ተጻዊቶም እቲ መደምደምታ።

ናይ ቀረባ ኣብነት ፡እዚ ዘስካሕክሕ ወራር ብህግደፍ ዝተኣወጀ ንህወሓት ረኸብኩ ኢሉ ዝፈጸሞ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ፡ ብጀካ ውሑዳት መሳርሕቲ ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ቅሬታኡ ኣርእዩ፣ ደገፉ ለጊሱ፡ እቲ ዝተረፈ ዕንወትን በደልን ዝተፈጸመ  ኣብ ናይ ዓለም ሕጊ ቀሪቡ መዕጸዊ ይገበረሉ። እዚ ከይወርዶ ህዝቢ ትግራይ ብመጀመርያ ንህዝቡ ክከላኸል ኣየኽኣሎን፡ ነቶም ነቲ ስርዓት ክቅይሮ ዋናኡ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ውድባት ኤርትራ ኣብ ሓንቲ ልዕላዊት ሃገር ኣሚኑ ፡እሞ ንሳ እታ ኤርትራ ኣብ ሰናይ ጉርብትና ዝምርኮስ ንህዝቢ ትግራይ ብስትራተጂ ዓይኒ ኣወንታ ኢሎም ሓገዝ ኣብ ክንዲ ምሃብ፡ ምምቅቃል ንሶምን ህዝቢ ትግራይ ምደሓነ፣ እቲ ዝወረረ ድማ ካብ ስልጣኑ ብህዝቢ ኤርትራ ተኣልዩ ምነበረ። ሕጂ መንግስቲ ትግራይ ወይ ህወሓት ተማሂርኩም ዶ ትኾኑ? ዝብል ንዓኹም ይገድፎ።

  ሓይልታት ፈልሲ

ኣዚ ዝተራእየ ወራር ብፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዕድመ ህግደፍ ዝሓወሰ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን መሬት ትግራይን ንኹሉ ዘቆጠዕን ዘሎ ዝበሃል ተቋውሞ ምስ ህዝቢ ትግራይ ኮይኑ ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ ኣብ'ቲ ሓዘኑ ተሳቲፉ እዩ። እቲ ዝስዕብ ብልክዕ ከም'ዚ ክኸውን እዩ ንኽትብሎ ዘጸግም እንተኾነ መንገዲ ትግራይ ናበይ እዩ ዝብል ኣብ ዝበዝሐ ኤርትራዊ ነይሩን ኣሎን። እቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ምርጫ ህወሓት ወይ መንግስቲ ትግራይ ንህዝቢ ትግራይ፡ ክክሕሶ እንተ ኾይኑ ሓንቲ ልዕልዊት ዝኾነት ሃገር ትግራይ ምምስራት ዝብል ርእይቶ ኣሎ። ህዝቢ ትግራይ መኪቱ ብመሪሕነት ህወሓት ናብ መቀለ ምስ ተመልሰ፡ እሞ ናብ ደቡብ ገጹ ክኸይድ ምስ ተራእየ፡ ስጊንጢር ፖለቲካ ገል ኤርትራውያን ሓ. ም. ት. TDF  ንሕና ንጸልኦ ንሶም ንህግደፍ ይጸልእዎ፡ ስለዚ ንኤርትራ ይውረርዋ ኢልካ ዘረባታት እታ ትግራይ ትዕወት ናብ ትግራይ ትውረር ዝብል ሰጊራ ፡እቲ ደንበ ተቋውሞ ኣጥርይዎ ዝነበረ ናይ ህዝቢ ደገፍ ፡ ኣብ ሓጺር ኣዋርሕ ከሲርዎ። ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመት ብፍላይ ዝተራእየ ጎስጓስን ጽልዋ ሓደሓደ ካድረታት ህወሓትን ተቀበልቶምን ንታሪኽ ሰውራ ምቁሻሽ ዝጀመርሉ፣ ኣብ ክንዲ ንህግደፍ ክጸልእ ምግባር ንሃገር ዝጸልእን ዘቋሽሹ፡ እታ ሽፍታ ገድሊ'ውን ኣብ'ታ ትግራይ እያ ጀሚራ፡ ፈላስፋታቱ ከኣ ርእይና ኢና።

ነቲ ንሶም ይጸልእዎ፡ ንሕና’ውን ንጸሎ ንህግደፍ፣ ምስ ህዝቢ ትግራይ ( ህወሓት) ብሓባር ኮይና ንእለዮ ዝበሃል፡ መን ብዘየገድስ ምስ ናይ ግዳም ሓይሊ ንልዕላውነት ሃገር (ኤርትራ) ምድፋር፡ ጥራሕ ዘይኮነስ ምኽሓድ እዩ ዘስምዕ።

እሞ እዞም የሕዋትና ፈልሲ ፖለቲካ ገዲፎም ኣብ ኤርትራ ከም ሃገር ክኣምኑ፣ እቲ ኩሉ ቃልሲ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ራህዋን ቅሳነትን ምምጻእ ስለዝኾነ፡ ብዝተፈላየ ምኽንያት ብዘየገድስ ምስ'ዚ ሓይልታት ፈልሲ ፍታሕ ክመጽእ ይትረፍ ንሶም ፡እቶም ዝጽበዩዎም ዘለዉ ክረድእዎም  ይትረፍ ዓብይ ጉዳይ ህዝቢ ትግራይ ኣለዎም። በዚ ምኽንያት ናብ'ቲ ዝነበርኩሞ ደንበ ተቋውሞ ተመለሱ እሞ ጉዳይ ገዛና ባዕልና ናይ ኤርትራውያን ይኹን።

5 ሓምለ2022

Last modified on Wednesday, 06 July 2022 22:09