×

Warning

JUser: :_load: Unable to load user with ID: 17

መኽፈቲ ቃል ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ማሕበር ጀርመን

2014-08-26 11:25:56 Written by  Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 20221 times

ተስፋማርያም ክብራኣብ ኣቦ መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል 2014

 

ዝኸበርኩም ዕዱማት ኣጋይሽና ብሓበራ

 ዝኸበርኩም ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣቦ መንበር ሰደህኤ

 ዝኸበርክን ወይዘሮ ኤሪካ ፎርይድሹህ ወኪል ከንቲባ ፍራንክፎርት ኣቶ ፐተር ፈልድማን

 ዝኸብርኩም ኣቶ ሚክ ዮስየፍ ኣቦ መንበር ኤስፐደ ፍራንክፎርት

 ዝኸበርኩም ተወከልቲ ስቪካዊ ማሕበራትን ሰልፍታትን ውድባትን

 ዝኸበርኩም ኣባላት ኣሰናዳኢ ሽማግለ ፈስቲቫልን ኣባላት ኤደማን

 ወርቃዊ ግዜኹም ኣበጂኹም ፡ ንዝገበርናልኩም ዕድመ ኣኽቢርኩም፡ ኣብዚ ኤርትራዊ ፈስቲቫል እዚ ብኣካል ምስታፍኩም፡ዝስማዓና ሓጎስ ደረት የብሉን።ነዚ መዳርግቲ ዘይብሉ ተግባራዊ መልሲ፤ ብስመይን ብስም እቲ ንኣዋርሕ ኣብ ምድላው ዝጸንሐ ፡ ኣሰናዳኢ ሽማግለ ፈስቲቫል 2014 ፡ መርሓባ እንኻዕ ብደሓን መጻእኹም እናበልኩ ክብ ዝበለ ምስጋና የሕልፍ።

 ኤደማ ጀርመን ዓመት መጸ፡ ነዚ ፈስቲቫል እዚ ከአንግድ እንከሎ፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ዜጋ ብዘይ ኣድልዎ ከዋስእ ፡ ከም ዕላማ ስለዝሓዞ እዩ።ካብቲ ዘለዎ ማሕበራዊ ቅጥዕታትን ሰብኣዊ ሓልዮትን ተበጊሱ ንኤርትራዊ ስደተኛ ከገልግል ቀዳማይ ቦታ ስለ ዘትሓዞ እዩ።ስለዚ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ፡ካባኻትኩም ጀሚሩ፡ ኣብ መላእ ክፍለ ዓለምና ዝርከብ ብዓል ውራይ ምዃኑ ኣለልዩ ፡ ብዝዕባ ሃገሩን ህዝቡን ፡ ናይ ገዝእ ርእሱ ናይ ስደት ሃለዋቱን መሰረት ገይሩ ክላዘብ ፡ ካብዚ ውዕሎ እዚ እኹል ስንቂ ሒዙ ናብ ቦታኡ ክምለስ ምስ ብዙሕ ሃንቀውታ እንጽበየሉ ውራይ እዩ።

 ነዚ መደብ ፈስቲቫል እዚ ክንሰርዕ ከሎና ፡ ሓያል ገንዘባዊ ዓቕሚ ስለዘሎና ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ኣብ ሞራልን ጉልበትን ተውፋይነትን ኣባላት ተኣማሚና እንዕጠቐሉ ሃገራዊ ውራይ እዩ። ኩሉ ተጠቃሚ ናይዚ ፈስትቫል እዚ ፡ ካብ ውልቀ ሰብ ክሳብ ሰልፍታትን ማሕበራትን ዝደመረ ፡ እዚ ማሕበር እዚ ንዝህቦ ዘሎ ኣገልግሎት ቆላሕታ ክትገብርሉ ንእግረ መንገድይ እናዳሓበርኩ ፤ ነዚ ዘሕልፎ ዘለኹ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ናይ ምውዕሉ ሓላፍነት ግን ናይ ነፍሲ ወከፍና ናይ ሕልና ውሳኔ እዩሞ ሕሰብሉ።

 እዚ ኤርትራዊ ፈስቲቫል እዚ ተግባራዊ ንክኸውን ዘኽእሎ ሰናይ ድልየት ምምሕዳር ከተማ ፍራንክፎርት ስለ ዝተሓወሶ ጥራሕ እዩ።ብጠቕላልኡ ሃገረ ጀርመን ሰብኣዊ መሰላት ዝኸብረሉ ፡ ሕግታትን ዲሞክራሲያዊ ምሕደራን ዝትግበረሉ ስለዝኾነ ተጠቀምቲ ናይዚ መሰላት እዚ ክንከውን ኪኢልና ። ኣብ ሃገርና እዚ ስለዝቦኸረ ኢና፡ ውገሐ ጸብሐ ናብ ስደት እንውሕዝ ፡ ኣደዳ ባርዕ ምድረበዳን ቀለብ ጨካናት ኣራዊት መሬትን ባሕርን እንኸውን ዘሎና ።እዚ ጥራሕ ከይኣክል መፍቶ ሸቓጦ ውሽጣዊ ኣካላት ደቂ ሰባት ኮይና ተሪፍና። እዚ ኣረመናዊ ዓይነት ግፍዒ እዚ ኣብ ዓለምና ቀዳማይ ደረጃ ሒዙ ይርከብ።

 ኤደማ ፡ ነጻነት ማሕበራዊ ልዝብ ኣብ ሃገሩ ንዝተሓሮሞ ህዝቢ ፡ ብጉዳዩ ክዛተ ዕድል ምኽፋትና ከም ዓቢ ህያብ ንውጹዕ ህዝብና ንቕጽሮ ። ብሓባር ዝተላዘበ ህዝቢ ናይ ሓባር ራኢ ሒዙ ፡ ንናይ ሓባር ጸላኢኡ ክምክት ይኽእል እዩ ዝብል ዕግበት ስለ ዘሎና ፤ ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ፤ ማሕበራዊ ጸገማቱ ብስኒትን ብምክብባርን ኮፍ ኢሉ ክላዘብን ፍታሕ ከናድየሉን መሰረታዊ ዊንታና ስለዝኾነ እዚ ንጹር ዕለማ ዝሓዘ መልእኽትና ካባኹም ጀሚሩ ኣብ ኩሉ ክባጻሕ ንጽውዕ።

 ሎሚ፡ ነዚ ሃንቀው ኢልና እንጽበዮ፤ሰላም ፡ፍትሒ፡ጥዑይ ደሞክራሲያዊ ምሕደራ ኣብ ሃገርና ንምትካል፡ ዘቃላጥፍ ኣጀንዳ ተሰሪዕልኩም ኣሎ።ዝተፋላለየ ርእቶ ዘለዎም ፡ ግንከ ናብ ሓደ ዕላማ ዘማዕድዉ ኣሕዋት፡ተወከልቲ ስቪካዊ ማሕበራትን ውድባትን ሰልፍታትን ብሓባር ንኽላዘቡ ኣዳሊናልኩም ስለዘሎና ፤ተጠቀምቲ ናይዚ ጸጋ እዚ ኮንኩም ምስ እትወጹ ፤ ድኻምና በዚ ዝድበስ ምዃኑ ነተንብህ።ብሩኽ ምጅማርን ምውዳእን ፈስቲቫል ይግበረልና።ጽን ኢልኩም ብምስማዕኹም የቐንየለይ።

 ተስፋማርያም ክብራኣብ                                                                                                                        ኣቦ መንበር ኣሰናዳኢ ሽማግለ ፈስቲቫል

09.08.2014

 

Last modified on Tuesday, 26 August 2014 13:30