×

Warning

JUser: :_load: Unable to load user with ID: 17

ቃል ተበግሶ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ጀርመን ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፈርት 2014

2014-08-26 11:09:19 Written by  Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 44371 times

 ተበግሶ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ጀርመን

 

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣዳለውቲ ፈስቲቫል 2014

 

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን መሪሕነትን ተወከልቲን ሰልፍታትን ውድባትን ማሕበራት

 

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ዕዱማት ኣጋይሽ ተሳተፍቲ ፈስቲቫል ብሓፈሻ፡

 

ብመጀመርታ ኣብ ፈስቲቫል 2014 ንኽንሳተፍ ዝገበርኩምልና ዕድመ ብስመይን ብስም ተበግሶ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ጀርመንን ንኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል እንዳኣ መስገንኩ፡ ልባዊ ሰላምታይ የቕርብ። እንቛዕ ከኣ ኣብዚ መኣዲ ዘተ ዝዓለመ ፈስቲቫልዚ ብሰላም ኣራኸበና እናበልኩ፡ ፈስቲቫልኩም ዕውት ኾይኑ፡ መንጸብረቕትኡ ነቲ ርሑቅ ዘለው ውጹዕ ህዝብና ዘተስፉን፡ ንቃልሲ ዘዕጥቅ፡ መገዲ ሰላምን ራህዋን ዝሕብር ክኸውን ትምኒትና ወሰን የብሉን።

 

ኤርትራ ከም ሃገር፡ ኣብ ናይ ዓለም ካርታ ንኽትህሉ ኩሉ ዝካኣሎ ዝኸፈለ ህዝብና፡ ሰላምን ራህዋን፡ ፍትሕን ተሐሪምዎ ኣብ ዘስካሕክሕ ህልቀትን ምጽናትን በጺሑ ከምዘሎ ኣኣብ ገዛና ዘሎ ሕሰም ስለዝኾነ ሓበሬታ ዘድልዮ ኣይኮነን።

 

ካብቶም ዕድሎም ኣጸቢቁሎም ዝበሃሉ ንሕና እቶም ኣብ ስደት እንርከብ ኢና፡ ብፍላይ ድማ ኣብተን መሰል ደቂ-ስባት ዝሕለወለን፡ ነጻነት ናይ ምንቅስቓስን ምውዳብን ዕድል ዘለወን ሃገራት እንነብር ኢና። ኣብዘን ከምዚኣተን ዝኣመሰላ ሃገራት ምህላውና ግን ብዓቕምና ነቲ እዋናዊ ሽግር ቤተ ሰብና ንምቅላል ምሕጋዝና ዝምስገን እዃ እንተኮነ ፡ ነቲ መሰረታውን ነባርን መላእ ህዝብና ቀሲኑ ብፍትሕን ማዕርነትን ዝነብረሉ ናይ ሰላምን ራህዋን፡ መንገዲ ከረጋግጽ ዝኽእል ናይ ቃልሲ ኣስካላ ሒዝና፡ ግዴና ነበርክት ኣለና ዶ የለናን ንዝብል ሕቶ፡ ነፍሲ ወከፍና ንክንምልሶን ንክንርእዮን ዝሕግዝ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ሰፊሕ ናይ ሓሳባት እንካን ሃባን ናይ ዘተ መጋባእያታት ኣገዳሲ ኢዩ። ስለዚ ድማ ደጊመ የምስግነኩም::

 

ብርይኣቶና፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ መላኺ ስርዓት ክሳብ ሕጂ ምጽንሑ፡ ናይቶም ኣብ ደገ እንርከብ ኤርትራውያን ናይ ርሑቕ ዕላማታትና ብዘየገድስ፡ ተጠርኒፍና ብሓባር ዘይምቕላስናን፡ ገለ ድማ ካብቲ ስርዓት ንዝረኽብዎ ግዝያዊ ረብሓታት ሃሪፎም ንምግልጋሉ ኢድ ዝዘርግሑ ብምህላውም ኢዩ ዝብል ኣምነት እዩ ዘለና። ስለዚ ንሕና እቶም ዝሐሸ ዕድል ዘለና ሽግር ስድራ-ቤትና ሽግር ህዝብና ምዃኑ ተገንዚና ንመሰረታዊ ዝኮነ ህዝባዊ ፍታሕ ንምርግጋጽ ንዝጸንሐ ዘየዐውት ኣሰራርሐና ንምቕያር ክንዕጠቕ ይግባእ።

 

ንሕና ነጻ ተበግሶ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ጀርመን፡

 

ራእይ ማሕበርና : ፖለቲካውን፡ ምጣኔሃብታውን ማሕበራውን ማዕርነትን ተሳትፎን ደቂ ኣንስትዮ ዝእመተ ኣዩ።

 

ደቂ-ኣንስትዮ ዘለወን ዝተፍላለየ ማሕበራዊን ፖለቲካዊ እምነት ብዘየገድስ፡ ከም ሓደ ክፍሊ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ኣብ ማሕበር ተጠርኒፈን ዓቕምታተን ኣዋሃሂደን ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ሓርነታዊ ቃልሲ እጃመን ከበርክታ ይጽናሐለይ ዘይባሃሎ ምዃኑ ኢና ንእምን።

 

ማሕበርና ከም ትካል ካብ ፖለቲካዊ ጸጊዕነት ነጻ ኰይኑ፡ መብጽዓታት ህዝቢና ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ መሰልን ማዕርነትን ደቂ-ኣንስትዮ ንኸይጥለም ብሕግን ስርዓትን ዲሞክራሲ ንምርግጋጹ ዝቃለስ እዩ። ከምኡውን ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ማሕበር ተሓጺረን ከይተረፋ፡ ንዘለወን ፖለቲካዊ ዝንባለ ተወዲበን ንሰፊሕ ህዝባዊ ቃልሲ፣ ክቃለሳ ዘተባብዕን ዘዕጥቅን ማሕበር እዩ። ሰለ ዝኮነ ድማ ንኩሉ ንፍትሕን ሕግን ሰብኣዊ ክብረትን ፣ ልምዓትን ዝንቀሳቀሳ ፖለቲካውን ማሕበራዊ ጉጅሌታትን ክሳብ መሰል ናይ ካልኦት ዘይገሃሳ ነጻነተን ተሐዩለን ክዕምብባ ሎሚ ይኹን ጽባሕ ድሌትና እምነትናን እዩ።

 

ነዚ እምነትዚ ክዉን ንምግባር፡ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ንዝህልወና ፖለቲካዊ ሓጹራት ጥሒስና፡ ንመሰልና ባዕልና!!! ካብ ዝብል ነቂልና ናይተን ዝሓለፍን ዝሳቀያ ዘልዋን ሕድሪ ከምዘለና ፈሊጥና ክንብገስ ካብዚ መድረኽዚ ንጽውዕ።

 

ደጊመ ዓወት ንፍስቲቫል ይምነ

 

መኣዲ ልዝብን ዘተን ይዓንብብ!

 

ውድቀት ንኩሉ ዓማጺ ድሌታትን ኣተሓሳስባን

 

ክብርን ዝኽርን ንሰማእታት ኤርትራ

 

ጺን ኢልኩም ስለዝሰማዕኩምኒ የመስግን

 

ኣልጋነሽ ገብረ

 

ፍራንክፎርት 09.08.2014

 

Last modified on Tuesday, 26 August 2014 13:25