×

Warning

JUser: :_load: Unable to load user with ID: 17

ፈስቲቫል ፍራንክፈርት 2014ን ክሳብ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ምድላዋትን

2014-08-26 10:04:29 Written by  Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 27233 times

 ፈስቲቫላት ፍትሒ ይብዛሕን ይዓምብብን

ፈስቲቫል ፍራንክፈርት፡ ፍትሒ ንምንጋስ ኣንጻር ምልስኪ ኣብ እነካይዶ ዘለና ቃልሲ፡ ኣድማዒ ናይ ቃልሲ ዓውዲ ንምግባሩ እነካይዶ ዘለና ቃልስታት ኣሳልጦ እናረኸበ ኢዩ። ኵሎም ዝዓደምናዮም ተቓለስቲ፡ ብዘይካ'ቶም ብርዱእ ምኽንያት ክሳተፍዎ ዘይከኣሉ፡ መብዛሕትኦም ክሳተፉ ምዃኖም ኣረጋጊጾምልና ኢዮም። ኵላትና ከምእንርድኦ፡ እዚ ናይ ኵሎም ደለዪቲ ፍትሒ ፈስቲቫል'ዚ፡ ሰረታት ምልካዊ ምልካዊ ስርዓት ሰቢርና፣ ሰረታት ፍትሕን ዲሞክራስን ንምህናጽ እንጥቀመሉ ናውቲ ቃልሲ ኢዩ። ዓወት ፈስቲቫልና ኣብ ምድላው ጥራይ ዝሕጸር ኣይኰነን። እቲ ቀንዲ ዓወቱ ዝሕፈስ ንዝተዳለወ መደባት ኵሉ መጺኡ ንምዕዋቱ እጃሙ ከበርክት ከሎ ኢዩ። ናትኩም፡ ናይ'ቶም ደለይቲ ፍትሒ ተሳትፎ ወሳኒ ኢዩ።

ፈስቲቫል ፍራንክፈርት 2014 ካብ ዓርቢ ጀሚሩ ዝኸይድ ሃብታምን መሃርን ኣቃላስን መደባት ኣድልዩ ኣሎ። ንዓርቢ ብምውህሃድ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ሓይልታት ኤርትራ (ENDF) ዝዳሎ ሰሚናር ክህሉ ኢዩ። እዚ ሰሚናር'ዚ ቀንዲ ኣጀንዳኡ፡ ነቲ ብኤምዲሰመ (EMDHR) ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተዳለወ ዋዕላ ዝበጽሖ ምርድዳእ ናብ ተግባር ዝሰጋገረሉ ሓሳባት ንምድህሳስን ንምእካብን ኢዩ። ነቲ ዋዕላ ካብ ዘዳለዉ፡ ሓው ተስፋኣለም ኣርኣያ (ኤምዲሰመ)፡ ኣብ'ቲ ዋዕላ ካብ ዝተሳተፉ ድማ ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደገርጊስ (መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ)፡ ዓብዱልራሕማን ሰይድ ወይ ቡሃሺም (ምውህሃድ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ሓይልታት ኤርትራ)፡ ብንያም ደበሳይ (EMC) ኣብ'ዚ ሰሚናር'ዚ ተሳቲፎም ኣገዳሲ መብርህን መግለጽን ከቕርቡ ኢዮም።

ንቀዳም ዕለት 9 ነሓሰ 2014 ንኽካየድ ተታሒዙ ዘሎ መደባት ፈስቲቫል እቲ ዝሰፍሐ ኢዩ። ኣብ'ዚ መዓልቲ'ዚ ኢዩ እቲ ፈስቲቫል ብወግዒ ብቓል ኣቦ መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል 2014፡ ሓው ተስፋማርያም ክብርኣብ ዝኽፈት። ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ውን መልእኽቲ ሰልፉ ከስምዕ ኢዩ። ተዓዲሞም ካብ ዝመጹ ክቡራት ኣጋይሽ፡ ኣብ'ዚ ዕለት'ዚ መልእኽቶም ዘስምዑ፡ ወኪል ከንቲባ ከተማ ፍራንክፈርት፡ ወኪል ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ጀርመን (SPD) ኣብ ፍራንክፈርት: ወኪል ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ወኪል ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ፡ ወኪል ዲሞክራስያዊ ፈደራላዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ፡ ወኪል እስላማዊ ሰልፊ ንልምዓትን ፍትሕን፡ ወካሊት ተበግሶ ነጻ ማሕበር ደቂኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ጀርመን፡ ወካሊት ምትእስሳር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ (Network Eritrean Women)፡ ወኪል መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ፡ ወኪል ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ) ወኪል ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንለውጢ (ERITREAN MOVEMENT FOR CHANGE)፡ eysc፡ ወኪል ስድሪ (CDRiE)

ፈስቲቫልና፡ ካብ'ቲ መንእሰያትና ኣስካሕካሒ ኵነታት ዘሕልፍሉ ዘለዉ ቦታ፡ ማእከላይ ምብራቕ፡ ሲና፡ ተዓዲሙ ዝመጸ ዓቢ ጋሻ ኣለዎ። እዚ ጋሻ'ዚ ኣብ ጕዳይ ስደተኛታት ኤርትራውያን ብንጥፈት ዝንቀሳቐስ ዘሎ ግብጻዊ ሓው ሓምዲ ኣልዓዛዚ ኢዩ። ብርክት ዝበለ ዝኣከቦ ሰነዳት ንፈስቲቫል ከቕርበሉ ኢዩ።

  • ዝኣከቦ ናይ ስደተኛታት ኣሳእል (Photo Gallery) ንፈስቲቫል ከርኢ ኢዩ፤
  • ኣብ ሲና ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝወርድ ዝነበረ ኣሰቃቒ ኵነታት ዘርኢ ፊልም ከቕርብ ኢዩ፤
  • ኣብ ሲና ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ካብ 2006 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ 2014 ክወርድ ዝጸንሐ ስቅያት መግለጺ ከቕርብ ኢዩ።

ፈስቲቫል 2014፡ ድሕሪ መልእኽትታት ካብ ዕዱማት ኣጋይሽ ምስምዑ፡ ናብ መድረኽ ዓውደ ክትዕ ክኣቱ ኢዩ። ዓውደ ክትዕ ብሓው ዓብዱራሕማን ሰይድ ክምራሕ ኢዩ። እትተሓጋገዞ ድማ ሓውቲ ኣድያም ተፈራ፡ ኣባል ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል፡ ክትከውን ኢያ። ዓውደ ክትዕ ዘትኵረሉ ቀንዲ ቴማ ናይ ፈስቲቫል "ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግዲፍ ኣውዲቕካ ሰላም፡ ፍትሕን ዲሞክራስን ንምስፋን እንታይ ክግበር ኣለዎ" ዝብል ክኸውን ኢዩ። ኣብ ትሕት'ዚ ኣርእስቲ ብዕምቈት ካብ ዝዝረበሎም ጕዳያት፡-

  • ጕዳይ ሓድነትን ሓባራዊ ስርሓትን ናይ ተቓወምቲ ሓይልታት፤
  • ጠንቂ ስደት ናይ ኤርትራውያን መንእሰያት እንታይ ኢዩ? ነዚ ዋሕዚ'ዚ ደው ንምባል ይከኣል'ዶ? ብኸመይ? ወይስ ከምዘለዎ ክቕጽል ስቕ ኢልና ንተዓዘብ ....ወዘተ፤
  • ግደ ሚድያ ኣብ ምርግጋጽ ናይ'ዚ ተታሒዙ ዘሎ ቴማ እንታይ ክኸውን ኣለዎ? ናይ ኤርትራውያን ናይ ዜና ማዕከናት'ከ፡ ማዕረ'ዚ ጠለብ'ዚ ኣለዋ ድየን? እወንታአንን ኣሉታአንን እንታይ ኢዩ? ...ወዘተ፤
  • ተራ ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን
  • ፖለቲካዊ ውድባትን ሲቪላውያን ማሕበራትን መዓስ ኢዮም ሓደ? መዓስ'ከ ኢዮም ክልተ? ....ወዘተ።

እዚ ዓውደ ምይይጥ ብናይ ሓባር መግለጺ ሓሳብ (statement) ክወጽእ ትጽቢት ይግበረሉ ኣሎ።

ፈስቲቫላት ፍትሒ ይዓምብብ!!

እዚ ፈስቲቫል'ዚ፡ ናይ ኵሉ ደላይ ፍትሒ ፈስቲቫል ኢዩ!!

ቆጸራኹም ኣብ ቦከንሃይም ዩንቨርሲቲ ይኹን

ዓወቱ ናይ ኵላትና ዓወትን ኢዩ!!

ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል ኤርትራ 2014

 

 

Last modified on Tuesday, 26 August 2014 12:08