ኣሜሪካ፡ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ስጉምቲ ንምውሳድ ኣማራጺታት ትርእይ ከምዘላ ገሊጻ

2021-10-14 18:03:06 Written by  BBC Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1160 times

ኣሜሪካ፡ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ስጉምቲ ንምውሳድ ኣማራጺታት ትርእይ ከምዘላ ገሊጻ

13 ጥቅምቲ 2021
ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኔድ ፕራይስ

ምንጪ ስእሊ,KEVIN LAMARQUE

መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ምስቲ ካብ ትግራይ ጀሚሩ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብዝተሓሓዝ ስጉምቲ ንምውሳድ ኣማራጽታት የናድይ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

እታ ሃገር ነቲ ካብ እዋን ናብ እዋን ይጋደድ ዘሎ ቅልውላው ምላሽ ንምሃብ ቁጠባዊ ማዕቐባት ምንባር ሓዊሱ ንዘለዉ ኩሎም ኣማራጽታት ትግምግም ከምዘላ ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኔድ ፕራይስ ንጋዜጠኛታት ገሊጹ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ምስ ሰብኣዊ ቅልውላውን ምግሃስ ሰባዊ መሰላትን ግጭት ሰሜን ኢትዮጵያ ርክብ ኣለዎም ኣብ ልዕሊ ዝተባህሉ ወገናት እገዳ ክግበር ዘኽእል መምርሒ ምፍራሙ ዝዝከር እዩ።

እቲ መምርሒ፡ ጸሓፊ ክፍሊ ገንዘብን ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢን ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ'ቶም በቲ ዝቕጽል ዘሎ ኵናት ተሓተቲ'ዮም ዝበልዎም ወገናት ማዕቀብ ከንብሩ ስልጣን ዝህብ'ዩ።

እቶም ተጻባእቲ ሓይልታት ቀልጢፎም ናብ ዘተ ሰላም እንተዘይኣትዮም ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት ተግባራዊ ክግበር ከምዝክእል ኣጥንቂቑ ምንባሩ ይዝከር።

ቀዳማይ ሚኒሰተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ነዚ ምላሽ ኣብ ዝመስል ቅሉዕ ደብዳበ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ትኽተሎ ዘሎ ፖሊሲ 'ኣድለኣዊ' ክብል ነቒፉ።

መራሕቲ ትግራይ ብወገኖም፡ ቅድም ነቲ ጻውዒት ሰላም ከምዝቕበሉን ንዘተ ቅሩባት ምኳኖምን ምግላጾም ዝዝከር እዩ።

ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሰደር ኢትዮጵያ ዝነበረ ሕዚ ወኪል ህወሓት ፍስሃ ኣስገዶም፡ ሕዚ'ውን ውድቡ ንሰላም ቅሩብ ምዃኑ ብሰሉስ ንፎከስ ረድዮ ቢቢሲ ተዛሪቡ።

"እዚ ኲናት ናይታ ሃገር ሓድነት ንሓደጋ ዘሳጥሕ እዩ" ብምባል፡ ብሰላማዊ ዘተ ጥራይ ክውዳእ ከምዝኽእልን እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ተኣዊጁ ዘሎ ዕጽዋ ንምኽፋት ተገዲዲም ዘካይድዎ ዘለዉ ናይ ህልውና ኲናት ምዃኑን ሓቢሩ።

-----

ብተዛማዲ ዜና፤ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ዩናይትድ ኪንግደም፣ ፈረንሳ፣ ጀርመንን ሕብረት ኣውሮጳን ትማሊ ሰሉስ ኣብ ጉዳይ ቅልውላው ኢትዮጵያ ዘትዮም ኣለዉ።

ኣቦ መንበር ኢጋድ ቀዳማይ ሚንስትር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ፣ ላዕለዋይ ተወካሊ ሕብረት ኣውሮጳ ጆሰፍ ቡረል፣ ሚንስተር ጉዳይ ወጻኢ ጀርመንን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተወካሊ ፈረንሳን ኣብቲ ዘተ ከምዝተሳተፉ እቲ ወሃቢ ቓል ሓቢሩ።

ኩሎም ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለዉ ኣካላት ብቕልጡፍ ናብ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ክኣትዉን ኣብታ ሃገር ሰላም ክሰፍን ክገብሩን ድማ ተሳተፍቲ ኣኼ ኣተሓሳሲቦም።

ተሳፍቲ እቲ ጎንጺ ንዓለም ለኻዊ ሕግታት ብምኽባር ሰብኣዊ ረድኤት ብዘይገደብ ንኽበጽሕ ከፍቅዱ ምጽውዖም እቲ ወሃቢ ቓል ወሲኹ ገሊጹ።

ቅድሚ እዚ ኣኼባ፡ ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ምስ ላዕለዋይ ተወካሊ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሌሴጉን ኦባሳንጆ ብምርኻብ ኣብ ኩነታት ኢትዮጵያ ከምዝዘተዩ ተፈሊጡ’ሎ።

መራሒ ናይጀርያ ነበር ኦባሳንጆ ኲናት ትግራይ ብሰላማዊ መገዲ ንኽፍታሕ ንተጻባእቲ ሓይልታት ክሽምግሉ ከምዝተወከሉ ይዝከር።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተወለዐ ኲናት ምኽንያት ምፍንቓል ሚልዮናት ሰባት ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ንኻልኦት ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ዜጋታት’ውን ኣብ ሓደጋ ጥምየት ከምዘውደቐ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ናብ ትግራይ ረድኤት ከይኣትው ማሕለኻ ከምዝፈጠረ ክስታት እንተቐረበሉ’ኳ፤ ነቲ ክስታት ኣይቕበሎን። ንሓይልታት ትግራይ እዩ ዝኸስስ።

እቲ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝካየድ ኲናት ንዝተወሰነ እዋን ሃዲኡ ድሕሪ ምጽናሕ፤ ኣብዚ ቕነ ግን ከቢድ ውግእ ተጀሚሩ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ።

እቲ ብመንግስቲ ፌዴራል ዝተኸፍተ መጥቃዕቲ “ብኸበድቲ ኣጽዋር፣ ታንኪ፣ ሮኬታት፣ ድሮናትን ነፈርቲ ውግእን ዝተሓገዘ” ከምዝኾነ ብወገን ትግራይ ዝወጸአ መግለጺ የመልክት።

እቲ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ምጅማሩ ብዝምልከት መብርሂ ንኽትህብ ዝተሓተተት ወሃቢት ቃል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ቢልለኔ ስዩም፡ "መንግስቲ ንዜጋታቱ ካብ ናይ ሽበራ መጥቃዕትታት ናይ ምሕላው ሓላፍነት ኣለዎ” ካብ ምባል ወጻኢ ዝርዝር ምላሽ ካብ ምሃብ ከምዝተዓቀበት ሮይተርስ ጸብጺቡ።

Source=ኣሜሪካ፡ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ስጉምቲ ንምውሳድ ኣማራጺታት ትርእይ ከምዘላ ገሊጻ - BBC News ትግርኛ

Last modified on Thursday, 14 October 2021 20:08