እንሕልዋ ሃገርን እንቃወሞ ስርዓትን፡ ከይሓዋወስና

2021-10-12 11:48:21 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1027 times

ሃገር፡ ኩሉ ክሓልፍ እንከሎ ንሳ ግና ዘይትሓልፍ ናይ ኩሎም ደቃ ጸጋ  እያ። ሃገር ብምስሊ ኣደ እንሕልዋ እምበር፡ ንሳ ክትገብረልና እንጸባጸባ ኣይኮነትን። “ሃገረይ እንታይ ክገብረልኪ እምበር፡ እንታይ ትገብርለይ ኣይትበል” ዝብል ዓሚቕ ምሳልያዊ ኣበሃህላ ከኣ ካብዚ እዩ ዝነቅል። ሃገር ተስፋን ጽላልን እትኸውን ከኣ ብህዝባ ክትምዕርግ እንከላ እያ። ሃገር ብዘይህዝቢ፡ ህዝቢ ብዘይሃገር ትርጉም የብሎምን እንብልን ብሓደ ዓይኒ ክንርእዮም ዝግበኣናን ከኣ ካብዚ ነቒልና ኢና። ምእንቲ ህዝቢ ወይ ምእንቲ ሃገር ምውፋይ ፈላሊና ዘይንርእዮ እውን ካብዚ ዘይከሓድ ሓቂ ስለ እንነቅል ኢና። ህዝብን ሃገርን፡ ዘዝመጸ ስርዓት ተቐቢሎም እናፋነዉን ንሓድሽ ከኣ እናተቐበሉን፡ ህልውናኦም  ግና ቀጻሊ እዩ።

ሃገር እትዕቀብን እትቀስንን  እቲ ካብኣ ዝተፈልየ ህልውናን ዕድልን ዘየብሉ ህዝባ ብጸጋታታ ብማዕረ ብግቡእ ተጠቃሚ ክኸውን እንከሎ እዩ። እዚ ግብራዊ ዝኸውን ድማ፡ ሃገር በቲ ሓደ ወገን ምስ ህዝባ ኮይኑ ዝሕልዋ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ህዝባ ብጸጋታት ሃገሩ ክጥቀም ዘኽእል፡ ህዝቢ ዝዋንኡ  ዝተወሰነ ግዜ ኣገልጊሉ ዝሓልፍ ስርዓት ክህልዋ እንከሎ እዩ። ሓደ ስርዓት ነዚ ክበቅዕ ምስታ ዝሕልዋ ሃገርን  ዘመሓድሮ ህዝብን   ውዕል ክህልዎ ናይ ግድን እዩ። እዚ ውዕልዚ ነቲ ዝመሓደር ህዝቢ ኮነ ነቲ ዘመሓድር ስርዓት ነፍሲ ወከፎም እንታይ ይገብሩን እንታይ ኣይገብሩን ዝድርት እዩ። እዚ ውዕል ብብዙሕ መልከዓት ዝግለጽ ኮይኑ፡ ሕገ-መንግስቲ ካብቲ ቀንድን ንቡርን መዛመዲ እዩ።

ሃገርን ህዝብን ንምምሕዳር ዝቖሙ ስርዓታት ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ክመጹ ይኽእሉ። ዝተፈላለዩ መልከዓትን ባህርያት’ውን ይህልዎም። እቲ ቀንዲ ዝምዘንሉን ዝዕቀንሉን ከኣ ንህዝብን ሃገርን ብዝህልዎም  ክብሪን ብዝህብዎ ፍትሓዊ መሪሕነታዊ ኣገልግሎትን እዩ። ስርዓታት ነዚ ሕድሪዚ እንተዘየኽቢሮም ግና፡ ዝመጽሉ ኣገባብ፡ ዝኽተልዎ ስልቲ፡ ዝጽውዕሉ ስምን ዝሕዝዎ ቅርጽን ብዘየገድስ ቅቡልነት የብሎምን። ንኣብነት ሎሚ ንህዝቢ ኤርትራ ዘመሓድር ዘሎ ስርዓት ዝመጸሉ ናይ ሃገራዊ ሰውራ መንገዲ  እንተኾነ’ውን ፡ እቲ ቀንዲ መምዘኒኡስ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዝኣተዎ መቆጻጻሪ ውዕል ዘየብሉ ዓንዳሪ ምዃኑ እዩ።

ህዝቢ ንሃገሩ ብዘለዎ ፍቕሪ ጥራይ ኣይነብርን እዩ። ኣብታ ዝፈትዋ ሃገሩ ሰላም ዘውሕሰሉ፡ ምዕሩይ ቁጠባዊ ተጠቃምነቱ ዘረጋግጸሉን ትርግታ ልቡ ዝርደኣሉን ስርዓት የድልዮ። ነዚ ዝበቅዕ ስርዓት ከማለኦም ካብ ዝግበኦ መሰረታዊ መምዘንታት ከኣ ብፈቓድን ኣፍልጦን ናይቲ ዝምራሕ ህዝቢ ናብ ስልጣን ዝደየበ ክኸውን ናይ ግድን እዩ። ብቃሕትኡ መጺኡ ከም ድላዩ ዝዕንድር ቀይዲ በተኽ ስርዓት ግና ሃረርታ ልቢ ህዝቢ ከማልእ ባህርያቱ ኣይፈቕደሉን እዩ። ህልዊ ዝምድና ህዝቢ ኤርትራን እቲ ንኤርትራ ዘመሓድራ ዘሎ ጉጅለን ከኣ በዚ ዝምዘን እዩ። ናይ ለውጢ ቃልስና ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ነዚ ኣብ መንጎ ጊላን ጎይታን ዝመስል ዝንቡዕ ዝምድና ሃገር፡ ህዝብን ስርዓትን ብግቡእ ንምምእዛን እዩ።

ብዘይፈቓድ ህዝቢ ተኾይጦም ዕድመ ስልጣኖም ከናውሑ ዝጽዕቱ ስርዓታት፡ እቲ ቀንዲ ዝጥቀምዎ ሜላ ንህዝቢ ምትላል፡ ዘይትግበር መብጸዓ ምእታውን ምድህላልን እዩ። እዚ ተደሚሩ ዘይኮንዎ መሲሎም ንምቕራብ ዘካይድዎ ሃቐነ እዩ። ካብቲ ሃቐነታቶም እቲ ቀንዲ ከኣ ፈታዊ ሃገር መሲልካ ምቕራብ እሞ ህዝቢ “በዛ ዘይትምጻእ መጺኦሙኒ” ኢሉ “ፈታው ሃገረይ ካብ ኮነስ ክድግፎ” ብዝብል ፈሊጥ፡ ዕድመ ከንውሓሎም ምጽዓር እዩ። እዚ ማለት ህዝቢ ኣብቲ “ሃገርን ህዝብን ኣይሓልፉን እዮም፡ ስርዓታት ግና ሓለፍቲ እዮም” ዝብል ኣምር ንቁሕ እምነት ከይሕዝ እሞ ካብታ ዘይትሓልፍ ሃገር ፈልዩ “ከይነጽጎም”  ዘይፍንቅልዎ ኣእማን የብሎምን።

እዚ ምስቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንዘለዎ ልዑል ፍቕሪ ሃገር ንምምዝማዝ ዝጥቀምዎ ተንኮል ብቐጥታ ዝዛመድ እዩ። ውሑዳት ግሩሃት ኤርትራውያን እቲ ጉጅለ ክንቀፍን ተቓውሞ ከጋጥሞን እንከሎ፡ ሃገርን ምእንተኣ ዝተበጀዉ ሓርበኛታትን ከም ዝተተንከፉ ጌሮም ዝወስዱ ኣለዉ። እዚ ተረድኦዚ ብሰንኪ እቲ ጉጅለ ዝመሃዞ ሓደገኛ ተንኮል ዝሓደሮም እዩ። እንተ ኤርትራውያን ጀጋኑ ዝተሰውኡን ዝተበጀዉን ምእንትዞም ዘይሓልፍ ሃገርን ህዝብን እምበር፡ ምእንቲ ኩንትራቱ ወዲኡ ዝሓልፍ ስርዓት ኣይኮኑን።

ህዝቢ ንሃገሩ ዘለዎ ፍቕርን ክብርን ንምግላጽ፡ ቅድሚ ኩሉ “ነታ ዝሕልዋ ሃገርን ብሰንኪ ኣዕናዊ ተግባሩ   ክቃወሞ ዝግበኦ ስርዓትን ከይሓዋውስ” ክጥንቀቕ ይግበኦ። ነዚ መሰረታዊ ተረድኦዚ እንተዘየነጺሩ ግና፡ ነቲ ስርዓት ክድግፍ ክብል ነታ በጃ ዝሓለፈላ ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘውድቐሉ ኩነታት ከጋጥም ይኽእል። ከይተፈለጦ ኣንጻርታ ከም ናይ ዓይኑ ብሌን ብናይ ኣደ ተምሳለት ክሕልዋ ዝግበኦ ሃገር ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ብዘይምኽኑይ ፍቕሪ ህግደፍ ልቦም ዝተሰልበ ወገናት “ንኺድ ጥራይ” እንዳበሉ ኣንጻር ልኡላዊነት ሃገሮም ኮይኖ ኣበይ በጺሖም ከም ዘለዉ ከነስተብህልሉ ይግበኦም። ህዝቢ ኣብ ገዛእ ሃገሩ፡ እሞ ድማ ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰለት ብኣዝዩ ክቡር ዋጋ ዝመጸት ሃገር፡ ንዘይማእመኦ ስርዓት ምቅዋም መሰሉ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ነዚ መሰሉ ከውሕስ ክትንስእ እንከሎ፡ እቲ ምብርባር ህዝቢ ክዕዘብ እንከሎ “ዓይኑ ደም ዝመልኦ” ጉጅለ ከፍቅደሉ ክጽበ ከምዘይግበኦ ክርዳእ ግድን እዩ። ከምኡ እንተዘይገይሩ ግና ነቲ ወጽዓ ርዒምዎ፡ ነቲ ጉጅለ ከኣ ከም ድላዩ ክኸውን ኣፍቂድሉ’ሎ  ማለት እዩ። እቲ ጸገም ግና  ርኢኻ ከምዘይረኣኻ ምጽቃጥ ጥራይ ኣኮነን። ካብቲ ስርዓት ተስፋ ዝቖረጹ፣ ንዓኡ ዘረኸቡ መሲልዎም፡ ብኻልእ መልክዕ ህልውናን ቀጻልነትን ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘእቱ፡ ከይሳዕረረ ክኹለፍ ዝግበኦ ናይ ዘይደሓን መንገዲ ዝመረጹ ውሑዳት ኤርትራውያ’ውን ኣለዉ። ናይዚኣቶም ከኣ ኣብ ቅድሜና ንዘሎ  ሃገር ናይ ምዕቃብ ብደሆ መሊሱ ዘኽብዶ እዩ።  

Last modified on Tuesday, 12 October 2021 13:52