ክሳብ ሕጂ፡ ናይ ዘይምዕዋትና ጠንቂ

2021-04-21 18:33:29 Written by  ኣዱሊስ ሴም Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1105 times

ሃገርና ብሰንኪ ጉጅለ ኢሳያስ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ዘገርም መከራ ከም ዘላ ንህዝቢ ኤርትራ ምዝርዛር “ንቐባሪ ምርዳእ” ስለ ዝኸውን ምድጋሙ ኣድላይ ኣይኮነን። ህዝብና ሕማቕ ዘበን የሕልፍ ከም ዘሎ ግና ዓለም እውን ዝመስከሮ እዩ። ኤርትራ ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ኩሉ ናይ ሕማቕ ኣብነት እያ ቅድሚት እትስራዕ። ናይ ቀረባ ግዜ ኣብነት ንጥቀስ’ኳ  እንተበልና ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት ዝተባህለ ዓለም ለኻዊ ትካል “ኤርትራ ብምእጋድ ፕረስ፡ ካብ 180 ሃገራት መበል 180 ኮይና” ኢሉ ዘስፈሮ ጸብጻብ ምጥቃስ ይከኣል። “ስለምንታይ እዩ ጉጅለ ህግደፍ ክሳብ ክንድዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ዝጭክን?” ዝብል ወትሩ ዝለዓልን ዝተፈላለዩ ወገናት ነናቶም ምላሽ ዝህብሉን ሕቶ እዩ። ነዚ ሕቶዚ ዝኸውን መልሲ ንምርካብ ዝግበር ምምርማር ቀጻሊ እዩ። ክሳብ ሕጂ ዘሎ ብዙሓት ዝሰማምዕሉ ዕኹኽ መልሲ ግና “ሕድሪ ሰማእታት ዝጠለመ፡ ጸረ-ህዝቢ ጉጅለ ስለ ዝኾነ፣ ብኡ መጠን ካብ ተሓታትነት ዝኽወል መሲልዎ እዩ” ዝብል ምውሳድ ዝቐለለ ኮይኑ ኣሎ።

ነዓና ነቶም ጸረ-ህዝባውነት ጉጅለ ህግደፍ ስዒርና መሰረታዊ ለውጢ ከነምጽእ ተወዲብና ንቃለስ ዘለና ዝምልከት ወትሩ ዝለዓል ግና ዘይተመለሰ ሕቶታት እውን ኣሎ። ናይ “ክሳብ ሕጂ ናይ ዘይምዕዋትና ጠንቂ እንታይ እዩ?” ዝብል ሕቶ መንቀሊ፡ ኣብ ናይ ለውጢ ቃልሲ ዘሕለፍናዮ ግዜን ዘመዝገብናዮ ኣውንታዊ ውጽኢትን ዘይመጣጠን ምዃኑ እዩ። እዚ ሕቶዚ ብግብሪ ኣብ ባይታ ብዝረአ ውጽኢት ተሰንዩ ክሳብ ዘይተረጋገጸ ኣብ መጻኢ እውን ብቐጻሊ ክለዓል ናይ ግድን እዩ። ብዝተፈላለዩ ኣካላት ዝወሃብ  መልሱ ከኣ፡ ናብ ሓደ መኹባዕቲ ዝፈስስ ኮይኑ ከከም መላሲኡ ዝተፈላለዩ መልከዓት ክሕዝ ጸኒሑ። እቲ መስርሕ መቛጸሪ ክሳብ ዝረክብ ከኣ እቲ ሕቶን መልስን ቀጻላይ እዩ።

በብወገና ከም ናይ ምዕዋትና መግለጺ ቀዳምነት ረኺቦም ክረጋገጹልና እንደልዮም ብዙሓት እዮም። እዚ  ነናትና ቀዳምነታት ኣለዉና ማለት እዩ። እንተደኣ ቅሩብነት ሃልዩና ጉዳይ ህዝብናን ሃገርናን ዘቐንዝወና ኮይኑ ግና ናይ ሓባር ቀዳምነት ምሓዝ ዘጸግመና ኣይከውንን። ቅድሚ ድሕነት ሃገርናን ረብሓ ህዝብናን ንሰርዖ ካልእ ንኡስ ዛዕባ እንተልዩና ግና፡ ነቲ ክሳብ ሕጂ ከም ናይ ዘይምዕዋትና ጠንቂ ኮይኑ ዘሎ፡ ናይ ሓባር ቀዳምነትካ ኣለሊኻ ናይ ዘይምርካብ ጸገምና ክቕጽል እዩ። ዘይምዕዋትና እውን ከምኡ ቀጻሊ ክኸውን ባህርያዊ እዩ። ናትና ዘይምዕዋት ክቕጽል እንከሎ  መፍቶ መን ከም እንኸውን ርዱእ እዩ። እቲ ዝያዳ ዝብደል ከኣ እቲ ብሰንኪ ናትና ዘይምዕዋት  ግዳይ ዝኸውን ህዝብና እዩ። ብሰንክና ግዳይ ምዃኑ ቀጻሊ እንተኮይኑ ከኣ፡ ሓደ እዋን ዕድል ኣብ ዝረኸብሉ ኣጋጣሚ ከም ዝሓተና ኣይንዘንግዕ። ጉጅለ ህግደፍ ግና በዚ መልክዕ ቃልስና ብግቡእ ክንሰርዕ ዘይምኽኣልና ብኩርምቱ እንዳሰሓቐ ናብ እሩም ቃልሲ ከይንመጽእ ብዘለዎ ዓቕሚ ከም ዝተናኾለና ፍሉጥ እዩ።

እዚ “ክሳብ ሕጂ፡ ናይ ዘይምዕዋትና ጠንቂ” ዝብል ሓረግ ከም ሓደ ግዜ ዝሓለፎ ዛዕባ፡ ኣዘንቲናዮ ንሓልፍ ኣይኮነን። ጌና ንቕድሚት ከይንስጉም ቀፊዱ ሒዙና ዘሎ ስለ ዝኾነ፡ ክንምልሶ ናይ ግድን እዩ። ንኩነታትና ብህድኣትን ሓላፍነትን እንተመዚናዮ ንኹልና ዘማእክለና ቀዳምነት ንጉጅለ ህግደፍ ምስ ኩሉ ንጠለባት ህዝቢ ኤርትራ ዘየማእክል ጨካን ትግባራቱን ኣተሓሳስባኡን ምውጋድ እዩ። ነዚ ቀዳምነትዚ ከም ናይ ሓባር ሕርያ ወሲድና እንተ ኣዐዊትናዮ ናብቲ ኩሉ ብሓባር ኮነ ብውልቂ ንሓቶ ሕቶታት ንምልሰሉ ህዝባዊ ኣዳራሽ ዘእትወና እዩ። ናብዚ ብዙሕነትና ዝንጸባረቐሉ፡ ፖለቲካዊ ምርጫታትና ብዛዕባ ብዙሓት ጉዳያት ብሕጋዊ ኣገባብን ሰላማዊ መድረኽን ዝወዳድርሉ ምዕራፍ ዘእትወና ኣፍደገ እንተዘይከፊትና፡ ካብ ሕጂ ንደሓር እውን  መጻኢና ሸንኮለል ናይ ምዃን ዕድሉ ክፉት እዩ። እቲ ናይ ሓባር ቀዳምነት ከይሓዝና ብሓባር ንኽንቃለስ ክንገብሮ ዝጸናሕና ፈተነታት ኩሉ ባዶ ነይሩኳ እንተዘየበልና፡ ብኸምቲ ዝተጸበናዮ ከምዘየዕወትና ካባና ንላዕሊ ዝፈልጦ የለን። እንተኾነ እንተዘይ ተማህርናሉ ነቲ ጸገም ምፍላጥና ጥራይ ትርጉም የብሉን።

ቀዳምነት ኣትሒዝና ኣብ ዉሱናት መሰረታዊ ጉዳያት ኣብ ክንዲ ምድማዕ፡ ብሓንሳብ ብዙሓት ዛዕባታት ዓትዒትካ ምሓዝ ከም ዘየዕውተና ርኢና ኢና። ስለዚ ኣብ ክንዲ በቲ ከምዘየዕውተና ኣሰራርዓ ቀዳምነትን መንገድን መመሊስና ምኹዳድ፡  ክሳብ ሕጂ ተፈቲኑ ዘይፈሸለ ዘዕውት ዝተጸንዐ ናይ ሓባር መንገዲ ክንሕዝ ይግበና። ኣብዚ ቃልስና ንወሳንነትን ተጽዕኖን ግዜ ግቡእ ቦታ ክንህቦ ይግበኣና። ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ይረአ ንዘሎ ኤርትራውን ዞባውን ምዕባለታት፡ ክንድቲ ዝግበኦ ክብደት ሂብና ፍኒሕኒሕ ክንብል ይግበኣና እምበር፡ ንከባቢና ኣብ ግምት ከየእተና በቲ ሓንሳብ ዝጀመርናዮ ኣካይዳ ጥራይ ለመም ክንብል ክንነብር ኣይግበናን። ዘለናዮ እዋን ዝያዳቲ ዝሓለፈ ዘየቕስን ዘየደቅስ ምዃኑ መዓጹና ይኩሕኩሕ ስለ ዘሎ ነጋሪ ንጽበየሉ ኣይኮነን። ስለዚ ክሳብ ሕጂ ካብ ዘየዕወቱና ጠንቅታት ሓደ ምዃኑ ተረዲእና፡ ናይ ሓባር ቀዳምነትና ንናይ ምንጻር ዕማም ቀዳምነትን ግቡእ ክብደትን ሂብና፡ ንምዕዋቱ ብኹሉ ዝካኣለና ናህሪ ምስጓም የድልየና ኣሎ።

Last modified on Wednesday, 21 April 2021 20:35