ዘሔጉስ ዜናን ምስጋናን  

2021-03-22 14:01:24 Written by  ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1336 times

ሎሚውን  ከምቶም  ወትሩ ዘይሕለሎም  ዜጋታት ሰብ  ሕልናን ገበርቲ ሰናያትን ስለ ዝተረኽቡ፡  ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ  ኣመስጊኑ ንኣመስገንቲ ከተሓላልፍ ሓላፍነቱን ግቡእ ኣሰራርሕኡን ስለ ዝዀነ በዚ ዝስዕብ ኣገባብ  ከነመጉሶም ንደሊ።

ህዝባዊ  ምንቅስቓስ  ኤርትራ ከተማታት ከሎንን ከባቢኡን  ሃገረ ጀርመን ንምምሕዳር  ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ ጨንፈር ጀርመን፣ ብሰናይ ፍቓዱ ግዙፍ ሓገዙ ንምውፋይ ፣ ኣቐዲሙ ሌላ  ምስ ኣባላት ምምሕዳር ማሕበርና ሓው መዓሾ  ኣስራትን  ሓው ኣፈወርቂ ኣባይን  ኣኼባ  ብምግባር፣ ንማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ  €1800.00 ( ሓደ ሽሕን ሸሞንተ ሚእቲን ኤውሮ) ከም ዘወፈዬ  በዚ ኣጋጣሚ ከነበስረኩም ንፈቱ።

ንውጹዓት ምሕጋዝ መርኣያ ሰናይ ድሌትን ሕልናዊ ርውየትን ከምኡውን  ንተሓጋዚ ኣካል፣  ሽግሩ ምፍታሕን ምቅላልን ኣብርእሲ ምዃኑ፣ ብሳልሳይ ደራጃ ድማ ንደቂ ሰባት ዓቢ መርኣያ ልግስን ሕዛውነትን ምዃኑ ክንገልጽ ንፈቱ። ዝተጠቕሰ  ብርኩት ኣስተዋጽኦ ናብ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ ባንክ ሕሳብ IBAN፡ DE96 5001 0060 0790 7506 01 postbank frankfurt  ኣታዊ  ከም ዝዀነ ድማ ነረጋግጽ።

ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ፡ ንህዝባዊ  ምንቅስቓስ  ኤርትራ ከተማታት ከሎንን ከባቢኡን ንስለቲ  ሰናይ  ተግባሩ    ብስሙን፣ ብስም ጀጋኑ ውጉኣት ሓርነትን፣ ኣካለ ጽጉማትን ደጊሙ ክብ ዝበለ ምስጋንኡ  የቕርብ።

ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ

ጨንፈር ሃገረ ጀርመን

Last modified on Monday, 22 March 2021 20:37