ህዝቢ ኤርትራ፡ ህግዲፍን ሰራዊት ኤርትራን

2021-03-20 19:13:06 Written by  ኣድሓኖም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1243 times

ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ መሰሉ ቃልሲ ካብ ዝጅምር ነዊሕ ኮይንዎ። ኣብዚ ነዊሕ ናይ ቃልሱ ጉዕዞ ከኣ ብብዙሓት ናይ ኣወዳድባ ውረድ ደይብ እዩ ሓሊፉ። ኣብቲ “ተወዲብካ ንመሰልካ ምቅላስ” ዝብል ተረድኦኳ ፍልልይ እንተዘይነበሮ፡ “ብኸመይ እሞ ንወደብ?” ኣብ ዝብል ግና ብሰንኪ ዝተፈላለዩ ስምዒታት እንዳገንፈሉ ምውጸኦም ብዙሕ ዋጋን ግዜን ከፊሉ እዩ።  ነቲ ዝኸፍሎ ዝነበረ ዋጋን ግዜን ዝያዳ ዘኽበሮን ነቲ መስርሕ ቃልሲ ዝኽብዶን ከኣ ናይቶም ኣብ ምውዳብን ሓድነትን ህዝቢ ኤርትራ ረብሓ ዘይነበሮም ሓይልታት መግዛእቲ እኩይን ፈላላይን ኢድ ይኣትዎ ስለ ዝነበረ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ፖለቲካዊ ውረድ ደይብ፡ እቲ ምርጫ ንሱ ጥራይ ኮይኑ ስለ ዝረኸቦ ከኣ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ተኣትዩ። ኣብቲ ብረታዊ ቃልሲ ነቲ ዝነበረ ዕንቅፋታት ከይዘንጋዕካ፡ ዝሓሸ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ጽላል “ኩለንተናይ ንናጽነት ሃገረይ” ዘሰለፈ ኣወዳድባ ተራእዩ።  እቲ ናይ ሽዑ ኣወዳድባ ምስ ኩሉቲ ዝነበሮ ሕጽረታትን ልቢንልቢ ዘይምውህሃብን ናጽነት ኤርትራ ኣውሒሱ። ህዝቢ ኤርትራ በቲ  ብውዱብ ቃልሱ ዘረጋገጾ ናጽነት ተተባቢዑ ኣብ ረፈረንዶም እውን ንዓለም ብዘገረመ ዳርጋ 100% ብዝብሃል ድምጹ ልኡላውነቱ ኣውሒሱ። ከምቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ቃልሲ ብምጅማራ እትሕበን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ከኣ ናጻ ኤርትራ ክትርከብ ዝተዓደለ ውድብ ኮነት። ድሕሪ ናጽነት፡ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ቅድሚኣ ግዜ ዘይህቡ ሓላፍነታት ነይረምዋ። ካብኣቶም ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልስን ቅድሚኡን ኣብ ሕድሕድ ኤርትራውያን ዝሓደረ ስንብራት ናይ ምፍዋስ፡  ኤርትራውያን ብዘይ ኣፈላላይ ተሳትፎኦም ኣብ ምህናጽ ሓዳስ ሃገሮም ምውሓስን   ልኡላዊት ሃገሮም ዝሕልዉሉን ምዕራፍ ምኽፋትን ንኣብነት ዝጥቀሱ እዮም። እንተኾነ ኢስያስ ንሓደ ካብቲ ኣገደስቲ ዕማማት፡ ድሕሪ ናጽነት ወርሒ ኣብ ዘይመልአ ግዜ “ድሕሪ ሕጂ ናይ ውድባት ሓሸውየ የለን” ብዝብል ኣሰንባዲ መደረ ኣምኪንዎ። እዚ ሽዑ ዝተዕጽወ ኣፍደገ እነሆ ክሳብ ሕጂ ሓደ ካብ ቀንዲ ጠንቂ  ናይ ኩሉ ጸገማትና ኮይኑ ቀጺሉ።

ጉጅለ ህግደፍ፡ ንጸጋታት ህዝባዊ ግንባር ብዝሓሸ መንገዲ ንምቕጻሉ ብዝመስል ተመስሪቱ። እንተኾነ ካብቲ እምነት ዝተነብረሉ ወጺኡ እኳደኣ ኣዝዩ ኣርሒቑ  ክኸይድ ተራእዩ። ክሳብ ሕጂ እውን ብኣብኡ ይቕጽል ኣሎ። ብሓፈሻ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ነባራት ተገዳልቲ “ዓገብ መንገድና ነዕሪ” ዝብል ድምጾም ከስምዑ ጀሚሮም። ተበግሶ በርሊን ማኒፈስቶን ንቕሎ ጉጅለ-15ን ከኣ ናይዚ ኣብነት እዮም። እንተኾነ እቲ ንህዝቢ ኤርትራ በቲ ዝጀመሮ ንሓዋሩ ከይጠልሞ ዝፍራሕ ዝነበረ፡ ኢሳያስን ጉጅለኡን ቅድም ንህዝባዊ ግንባር ደሓር ከኣ ንህግዲፍ እውን ጠሊመምዎ ኣብ ጐልጐል ዝወገሖ ዝብኢ ኮይኑ እነሆ። ካብቲ እዋንቲ ንደሓር ከኣ ህዝቢ ኤርትራን ህግደፍን ዝኾነ ይኹን ዘተኣሳስሮም ሕጋውን ትካላውን ሰንሰለት ዘየብሎም ሕቖን ከብድን ምዃኖም ብግብሪ ተራእዩ። ህግደፍ ከኣ መርሆ “ሓይሊ ሕጊ እዩ” ተኸቲሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ እዚ ኢልካ ምጽብጻቡ ዘጸግም በደላት የውርድ ኣሎ።

ኩሉ ሕሳባት ህግደፍ ማእከሉ ህዝቢ ኮነ ሃገር ምዕባይ ዘይኮነ፡ “ዝሓዝካ ሒዝካ፡ ዝሃብካ ሂብካ፡ ምስ ዝኾነ ተመሓዚኻ” ኣብ ስልጣን ምቕጻል ጥራይ ምዃኑ ብግብሪ ንርእዮ ዘለና እዩ። ነቲ ብጉልባብ ምምዕባል ሃገር ዘውጸኦ ዝነበረ ኢደ-ወነናዊ ፖሊሲታት ከኣ ናብዚ ጸቢብ ረብሓ ከውዕሎ ብግብሪ ሰሪሑሉ። ምስ ዝኾነ ናይ ግዳም ኣካል ዝገብሮ ዝምድና እውን ነዚ ጸቢብ ጉጅላዊ ድሌቱ ብዘራጉድ ኣገባብ እዩ  ክቓንዮ ጸኒሑ። ኩሉ ተግባራቱ ካብ ንቡር ህዝቢ ናይ ምምራሕ ኣገባብ ወጻኢ ኮይኑ፡ ኩሉ ”ደሓን ኣይትእቶ” ምስ በሎ ከኣ ክሳብቲ ምስ መራሒ ኢትዮጵያ ምትዕርራኹ ንሓያሎ ዓመታት ተሓቢኡ ጸኒሑ።

ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ስልጣን ንክቕጽል ንኹሉ ኤርትራዊ ኣካላት ኣርሒቑ ካብ ዝመረጾም ትካላት ሓይልታት ምክልኻል ብቐዳምነት ዝስራዕ እዩ። እታ ዝርካባ ዩኒቨርስትን ኩለን ካለኣይ ደርጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ኤርትራን ዓጽዩ “ኩሉ ናብ ሳዋ” ምባሉ ናይዚ መርኣያ እዩ። ሓደ ክንርሰዖ ዘይግበኣና ኣብ ኤርትራ ትሕዝቶኡ ብዝየገድስ፡ ዝተተግበረ ሕገ-መንግስቲ ክሳብ ሎሚ የለን። እቲ ናይ ኩሉ ሕግታት ላዕለዋይ ሕጊ ዝኾነ ሕገመንግስቲ፡ ኣብ ዝበኾረሉ ዝወጹ ካለኦት ሕግታት  ናይ ህዝቢ ዝኾንሉ ተኽእሎ የለን። ብመንጽርዚ ዩኒቨርስቲ ዝተዓጽወሉ፡ ካለይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ዝበኾረሉ፡ መደበር ታዕሊም ሳዋ ዝተኸፍተሉን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝተሃንጸሉን ኣዋጃት ናይ ኣዋጅኦም እምበር ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮኑን። ካብዚ ኩነታት ነቒሎም ንሰራዊት ኤርትራ “ናይ ህግደፍ ሰራዊት እዩ” ዝብሉ ወገናት ክንሰምዕ እንጽበዮ  እምበር ሃንደበት ኣይኮነን። ኣብዚ እቲ ሰራዊት ካብ ኣብራኽ ህዝቢ ኤርትራ ዝወጸ ምዃኑ ርዱእ እዩ። እንተኾነ “ናይ ህዝቢ እዩ” ንክበሃል ካብ ኣብራኽ ህዝቢ ምውጽኡ ጥራይ እኹል ኣይኮነን።  በዚ መለክዒ እንተኬድናዮ’ሞ ኢሳያስን ኣባላት ጉጅለኡን እውን እኮ  ካብ ኣብራኽ ህዝቢ ኤርትራ እምበር ካብ ባዕዲ ኣይመጹን። ስለዚ እቲ ሰራዊት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ንክበሃል፡ ናይ ህዝቢ ብዘብሎ ተግባር ከመስክር ናይ ግድን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ንስዉኣቱ ክብሪ ዝህቦምን ካብ ሕልናኡ ዘየውጸኦምኮ፡ ደቁ ስለ ዝኾኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ ክቡር ህይወት ከፊሎም ናጽነቱ ስለ ዘሕቆፍዎ እዩ።

ሎሚ እውን ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ፡ እዚ ሰራዊት ኣብዚ ኣንጻር ወጽዓ ህግደፍ ዝካየዶ ዘሎ ቃልሲ፡ “ኣለኹ ምሳኻ” ንክብሎ እዩ። ድሕሪ ውድቀት እዚ ጉጅለ ከኣ ካብቲ ኣብ ካለኦት ሃገራት ዘጋጥም ናይ ድሕሪ ውድቀት መለኽቲ ዕግርግር ኣድሒኑ ከተሃደድኦ ይጽበዮ እዩ። እንተኾነ ከምቲ “ተጽግበኒ ቅጫስ ኣብ መቑሎኣ እንከላ ይፈልጣ” ዝበሃል፡ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ኣብ ግዜ ጸገሙን ጨንቁን ኣብ ጐኑ ንዘይተሰለፈ ሰራዊት ብዛዕባ ጽባሕ እምነት ከንብረሉ ከም ዝጽገም ከስተውዕል ይግበኦ። ምስዚ ኩነታትና ሎሚ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራን ጉጅለ ህግደፍን ማዕረ ተቐባልነት ክረክብ ክሓስቦ’ውን ኣይግበኦን።   ወገን ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ንምምስካር ከኣ ኪኖ’ቲ ውላዱ ምዃኑ፡ ካብዚ ዘለዎ ጸገም ከናግፎ ክኽእል ኣለዎ። ምንጋፍ ተሪፉ ምስቲ ጉጅለ ኮይኑ ክዘርዮ እንከሎ ግና ዘገርም እዩ። እዚ እዩ ከኣ፡ “ህዝቢ ኤርትራ፡ ጉጅለ ህግደፍን ሓይልታት ምክልኻልን እንታይ ምንታይ እዮም?” ኢልካ ክትሓትት ዘገድደካ።

Last modified on Saturday, 20 March 2021 20:15