ኣፈጣጥራ ሃገርን ሃገራውነትን ስምዒታቱን

2021-03-15 15:40:39 Written by  ተኽለ መለኪን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1284 times

ንሎሚ ብሓጺሩ ናይ ኣፍሪቃ ሃገራት ከመይ ኢለን ዶባተን ተሓንጺጹ፤ ከመይከ ሃገራት ኮይነን ኣብ ዝብል ክትንክፍ እፈቱ፤ ምናልባሽ ንገለ ዘይኣድላዪ ሕሉፍን ዘየቃዱ ስምዒታት ንምዕጋት ይሕግዝ ድማ ይኸውን እብል።

ኣውሮጳውያን ርእሰማሎም ካዕቢቱን ሃብቲሞምን ከብቅዑ፤ ርእሰማሎም ካብ ሃገሩ ሓሊፉ ናብ ካልኦት ሃገራት ከስፋሕፍሕ ኣብዝጀመረሉ፤ እቲ መድረኽ ናይ ካብ ሃገርካ ሓሊፍካ እንተ ብቁጠባዊ መዳይ እንተ ብወረራ ናይ ካልኦት ሃብትን ጸጋታትን ክትመጺ ኣብ ዝጅመረሉ መድረኽ ኢዩ ሃጸይነት ዝበሃል።

ቅድሚኡ ዝነበረ ግን ሃብትኻ ንምኽዕባት ዝሰፍሐ መሬትን ህዝብን ብምሓዝ ስለዝነበረ፤ ንመግዛእቲ ኢዩ ነይሩ። እቲ ዝገዝእ ሃገሩ ጥራይ ክገዝእ እንከሎ፤ ንጉስ ኢዩ ዝበሃል ዝነበረ (ኪንግ)። ካብ ሃገሩ ወጺኡ ንካልእ ንጉስ ወይ ካልኦት ነገስታት ስዒሩ መግዛእቱ ዘስፋሕፍሔ ንጉስ ድማ ካብ ንጉስ ናብ ሃጸይ ወይ ድማ ንጉሰ ነገስት/ታት (ኤምፐሮር) ይሰጋገር። ስለዚ ኣብ ታሪኽ ሃጸይ ዝብል ክንሰምዕን ክነንብብን ከለና፤ ካብ ሓንቲ ሃገር ንላዕሊ ዝገዝእ ምዃኑ ምልክት ኢዩ። ኣብ ቀረባ ንታሪኽ ናይ ጎረበትና ኢትዮጵያ ምስ እነስተብህል፤ ስም ነጋውስን ሃጸያትን ንሰምዕ ኢና። ኣብዚ ቀረባ ኣማእታት ብዘበነ ነገስታት ዝፍለጥ መድረኽ፥ ኣብዛ ሰሜናዊት ኢትዮጵያ (ሸነኽ ዓፋርን ሶማልን ኦሮሞን ገዲፍና፤ ኣርባዕተ ንግስነታት ነበራ፤ ኣብ ትግራይ፤ ኣብ በጌምድር (ጎንደር) ኣብ ወሎ፤ ኣብ ሸዋ። ኣብ መፋርቕ 1800ግን፥ ካሳ ዝተባህለ ኣዲኡ ብድኽነት ዘዕበየቶ ጎንደሬ ክሳብ ኣብ ናይ ንግስነት ደረጃ በጺሑስ፤ ነቶም ዝተረፉ ሰለስተ ነገስታት ብውግእ ስዒሩ ንኣቢሲን ያ (ኢትዮጵያ)ሓንቲ ብምግባር ክነግስ እንከሎ፤ ስሙ ናብ ቴድሮስ፤ ስልጣኑ ድማ ካብ ንጉስ፤ ናብ ሃጸይ (ንጉሰ ነገስት) ኢዩ ተሰጋጊሩ። ካብ ራስ ካሳ፤ ናብ ንጉስ ጎንደር፥ ካብኡ ድማ ናብ ሃጸይ ተድሮስ ተሰጋገረ። ድሒሩ ኣብ ጊዜ ሃጸይ ምኒሊክ ድማ፤ ናይ ደቡብን: ደቡባዊ ምዕራብን ምብራቅን ሸነኻት ዝሓወሰ ስፍሓት ዝሓዘት ብሃጸይ እትምራሕ ኢትዮጵያ ኮነት፤ እቲ ሃጸይ ዝብል ስም ድማ ክሳብ ሃጸይ ሃይለሰላሴ ቀጸለ።

ሃገርና ኤሪትራ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ብኩሉ ሸነኻታ ክትተነኻኸፍ ዝጸንሐት ኮይና፤ ጥልያን ምስ ሓዛ ድማ ዶባታ ንጹር ዝኾነት ሃገር ኮነትን ኣብ ዓለም ተለለየትን። እቲ ክጠቕሶ ዝደለኹ እውን ኢዚ መስርሕ ኣብ ኤሪትራ ጥራይ ዘይኮነስ፤ ኣብ ምሉእ ኣፍሪቃን ካልኦት ናይ ስሉስ ዓለም ሃገራትን ዘጋጠመ ኢዩ። ብሓጺሩ ኩሉ ኣፍሪቃውያን ሃገርና ወይ ዶብና ዝብልኦ፥ ዶባቱ በቶም ንቁጠባዊ ምስፍሕፋሕ ክብሉ ምንጪ ሃብትታቶም ንምውሓስ ብእካል መጺኦም ዝወረርወንን ዝገዝእወንን ሃገራት ዝተሓንጸጸ ኢዩ። ኣሓትን ኣሕዋትን፤ ኣኮታትን ሓውቦታትን ኣሞታትን፤ ኣብ ክልተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ውን ዝፈላለየ ምዃኑ ዘየጠራጥር ኢዩ፤ እቲምንታይሲ፤ ገዛእቲ ነንሕድሕዶም ኣብ ዝተሰማምዑሉ ዝተሞርኮሰ ምድዋብ ደኣምበር፤ ብድልየት ነበርቲ ዝተወሰነ ስለዘይምንባሩ።

ሎሚ ኣብ ኤሪትራ ምስ ኣብ ዶባትና ዝርከቡ ኣህዛብ ዘለና ዝምድና ጥራይ ዘይኮነስ፤ ኣረኣእያታትና ሓንሳብ ከሰማምዓና ሓንሳብ ክፈላልየና ንዕዘብ ኢና። እቲ ሃገራት ዝርከበላ ኣቀማምጣ ይኹን ሒዘንኦ ዝርከባ ህዝቢ፤ ሓሓንሳብ ከም እዝጊ ዝፈጠሮ ጌርካ ብምርኣይ፤ ኣብ መንጎ ኣህዛቡ ከይተረፈ ዝተጋነነ ፍልልያት ከምዘሎ ጌርካ ዝቐርብ ክዕዘብ እንከሎኹ ኣብ ሓንጎለይ ወትሩ ዝመጽእ ሕቶ ኣሎ። እዚ ድማ፤ ንኣብነት ኣብ ኤሪትራ ጥልያን እንተ ከምቲ ኣብ ውጫለ ዝተሰማምዖ፤ እንተ ብሓይሉ፤ እንተ ምስ ከም እንግሊዝን ፈረንሳይ ተሰማሚዑ፥ ገለ ክፋል ናይ ትግራይ፥ ወይ ናይ ዓፋር ወይ ናይ ሱዳን ኣብዛ ሕጂ ዘላ ኤሪትራ ሓዊስዋ ነይሩ እንተዝኸውንሲ፤ ነዞም ዝተወሰኹ (ኩላትናውን ተወሲኽና እንዲና) ከምዚ ሕጂ ብዛዕበኦም ዘለና ኣረኣእያ መሕደርናዶ፧ ወይሲ ልክዕ ከምዛ ሕጂ ነንሕድሕድና ዘለና ሕውነትን ሓድነትን ምኾኑ? ህዝቢ ዓጋሜ፤ ኣብ ጂቡቲ ዘለዉ ዓፋርን ዒሳን፤ ከምኡውን ናይ ሱዳን ሃደንድዋ ካብ ቅድሙ ኣካል ኤርትራ ነይሮም እንተዝኾኑ፤ ከም ኤሪትራውያን ምተኸብሩን ምተፈትዉን ጥራይ ዘይኮነስ ካብ ዝኾነ ኣብ ልዕሊኦም ኰርድ ዝኽእል ውን ክንከላኸለሎም ባህርያዊ ምኾነ።

እሞ እዚ ኣኽእሎታትውን ነይሩ ክነሱ፤ ስለምንታይ ኢና ገሌና ንጎረባብትና ካብ ግቡእ ንላዕሊ ከነጓንን፤ ከነካፍእን ክሳብ ክንፍንፍንን ንርአ። ታሪኽ እንተዘይፈላልየና፤ ብባህርያዊ መስርሕ ምዕባለ (በሰላም ይኹን ብውግእ)ዝተበጽሐ ዝለመድናዮን ዝተቐብልናዮን ሃገራውነት ነይሩ እንተዝኸውን ካብዚ ሎሚ እንርከበሉ ዝተፈልየ ጥራይ ዘይኮነስ፤ ምናልባት እውን ኣዝዩ ዝተፈልየ ክኸውን ይኽእል ነይሩ እኳ ኢዩ።

ነዚ ክጽሕፍ ዝደፋፍኣኒ፤ እዚ ብሰንኪ ኣብ ኢትዮጵያ ተረኺቡ ዘሎ ኣሰካፊ ኩነታትን፤ ኢድ ምትእትታው  ናይ ምልካዊ ስርዓት ኤሪትራን፤ ኣብ ህዝቢ ኤሪትራ፤ ብፍላይ ድማ ኣብቲ ኣብ ስደት ዝርከብ ኤሪትራውን፤ ዝረአ ዘሎ ፍልልያት ስለዘገረመኒ ኢየ። ፖለቲካዊ ሚዛናትን ፍልልያትን ንቡር ኮይኑ፤ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወርድ ግፍዒ ግን ንበይኑ ኣርእስቲ ኢዩ። እዚ ጥርይ ዘይኮነ፤ ነቲ ዝግፋዕን ዝጸንትን ዘሎ ህዝቢ ብዘይምልከቶ፤ ብቅርሕንቲ እንቋዕ ደኣ! ዘስምዕ መደረታትን ትንተናን፥ ንህዝቢ ትግራይ ከምዘይጎረበትካን ምናልባትውን ዘመድካን ወይ ዘመድ ወዲ ሃገርካን ምዃኑ ኣብ ግምት ከየእቶኻ ዝመጽእ ርእይቶ፤ ካልእ ይትረፍ ብስም ሰብኣውነትኳ ኩኑን ኢዩ። ከምቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስኩዎ፤ እዚ ህዝቢዚ ወይ ኣካልና፤ ወይ ኣካሉ ክንከውን ንኽእል ዝነበርና ምዃኑ ምዝካር የድሊ፤ እቲ ምኽንያት ድማ ብሰንኪ ወረርቲ ኣብ ዝተወሰነልና ዶባት ንነብር ብምህላውና።

እቲ ካብ ኩሉ ሓደጋዊ ዝገብሮ ድማ፥ ኣብ ኤሪትራ ዘሎ ስርዓት፥ ነቲ ምስ ድልየትን ሃንቀውታን ኤሪትራውያን ዘይሳነ ናይ ርሑቕ ምስጢራዊ ዕላምኡ ንምምላእ ዘካይዶ ዘሎ ኣዕናዊ ምድላዋትን ተግባራትን መናፍሓትን፤ ኣብቶም ኮነ ኢሉ ሓንጎሎም ዝሓጸምቦን፤ ኣፈራሪሑ ሓራይ ዘበሎምን፥ ሓደጋ ዘይትንክፎም ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኣጣቓዕቲ ሰብ ውልቃዊ ጥቕምታትን ሒዙ፤ ውዒሉ ሓዲሩ ንሃገርናን ህዝብናን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ስጉምትታት ምውሳዱ ኢዩ። ካብ ዕለተ ናጽነት ኣትሒዝና ሰላም ዘይረኸብና፤ ብስደት ዝተፈለጥና፤ ሃገርና ንድሕሪት ዝተደቑሰትና፤ ናይ ዓለም ፍልጠትን ጸጋታትን ዝተሓረሞ ህዝቢ ዘለና፤ ካብቲ ንናጽነት ዝኸፈልናዮ መስዋእቲ ዘይውሕድ ንኸፍል ዘለና፥ ኣብነት ናይ ዝኸፍአ መላኺ ዝመርሓንና ብምዃን እንፍለጥ ወዘተ ኰንና እነሀ። ነዚ ጉዕዞ ዚ ጊዜ ከይሃብና እንተዘየበርዓንናዮ ግን፤ ንመጻኢ ወለዶታት ንገድፈሎም ጸገም ቀሊል ኣይክኸውንን ኢዩ።

ብካልእ ሸነኽ ድማ እቶም ንኩሉ ተረዲኦምን፤ ብፍላይ ድማ፤ ካልእ ይትረፍ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ ሃንደበታዊ መቕዘፍቲ፤ ብዓይኒ ሰብኣዊ ርህራሄን ድንጋጼን፥ ኣብ ልዕሊ ህዝበይውን ከምዚ ዝበለ መከራ እንተዝወርድከ? ካብ ዝብልውን ተበጊሶም ነቲ ተግባር ዝኹንኑን ኣንጻሩ ዘቃልሑን ሞጎስ ይብጽሓዮም ከይበልኩ ክሓልፍ ኣይደልን። ውሑዳትውን ኣይኮንናን። እዚ ድማ ናብ ዘሎ ጊዝያዊ ኩነታት ዘተኮረ ኳ እንተኾነ፤ ውዒሉ ሓዲሩ ንኤሪትራውያን ዘኹርዕን ብህዝቢ ትግራይ ጥራይ ዘይኮነስ ብህዝቢ ኩለን ጎረባብትና ሞጎስን ክብርን ምትእምማንን ዝፈጥር ከምዝኾነ ርዱእ ኢዩ። ቃንዛ ዝኾነ ህዝቢ፤ ቃንዛና እንተዘይኮይኑ፤ ንገዛእ ርእስና እንገብሮን እንምስርቶ ስርዓትውን ሰብኣውነት ዝለበሰ እንተዘይኮይኑ፤ ህዝብና ንዘሕለፎ ስቓይን መሪር መስዋእትን ዝዘንግዔ ኢዩ ዝኸውን። ናይ ባዕልና ቅኑዕ ውሳነ ኣብ ምውሳን እውን ኣሰሩ ክገድፍ ኢዩ። መዘዝ ፖለቲካ ብስም ህዝቢ ዝስራሕኳ እንተኾነ፤ ሓሓንሳብ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘስዕቦ ሳዕቤን ከቢድ ክኸውን እንከሎ፤ ንክልቲኣቶም ፈላሊኻ ምርኣይ ልቦና ኢዩ።

ሰላምን ራህዋን ንህዝቢ

 

Last modified on Monday, 15 March 2021 16:58