ናይ ሓዘን መግለጺ

2021-03-14 18:42:37 Written by  EDPD NA Information Office Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2044 times

ነብስሄር ወይዘሮ ጽገ ክፍለ ምሖስ፤ ካብ ኣቦኣ ኣቶ ክፍለ ምሖስን ካብ ኣዲኣ ወይዘሮ ክብራ ጋሻዝጊን ብ1949 ዓ.ም ኣብ ገዛ-ላምዛ፣ ከተማ ድባርዋ ወረዳ ጽልማ፣ ኣውራጃ ሰራየ ተወሊዳ። ኣብቲ ተወሊዳ ዝዓበየትሉ ከተማ፣ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሻምናይ ክፍሊ ኣብ ቤት ትምህርቲ ድባርዋ ፈጺማ፡ ካልኣይ ደረጃ ድማ ኣብ ኣስመራ ናይ ተለኮሙኒከሽን ሞያዊ ስልጠና ፈጺማ።

ኣብ ከተማ ዓሰብ ኣብ ተለኮሙኒከሽን እንዳሰርሐት ከላ ምስ በዓል ቤታ ነብስሀር ኣስጎዶም ገብረመድህን (ወዲ ባሻይ) ሓዳር መስሪቶም ብሓንሳብ ይነብሩ ነይሮም። ኣብቲ እዋን’ቲ ውሽጣዊ ስሩዓት ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኰይኖም ናብርኦም እንዳመርሑ ከለዉ፡ ኣብ መላእ ሃገርና ዝኽሰት ዝነበረ መሪር መግዛእታዊ ግፍዕታትን ንሱ ዝፈጠሮ ዘይንቡር ኵነታትን ተቓዊሞም ንሃገራዊ ናጽነት ኤርትራ ክጋደሉ ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብ1975 ዓ.ም. ተጸንበሩ።

ወይዘሮ ጽገ ንወለዳ ምእዝዝትን ኣፍቃሪትን፡ ብኣሕዋታን መላእ ቤተሰቦምን ፍትውቲ፣ ሓላይትን ኣካቢትን ስለዝነበረት፣ “ዳዕሮ ገዛ” ዝብል ቅጽል ስም ከምዝነበራ ኣሕዋታ ይዝክሩ። ተቓላሲት ጽገ ሓብቲ ክልተ ስዉኣት ኣሕዋታ፣ ስዉእ እስቲፋኖስ ክፍለ ኣባል ህዝባዊ ግንባር፣ ስዉእ ሃይለ ክፍለ ኣባል ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ እያ። ኣሕዋታ ርግኣት፣ ሂወትን ገነትን ብህይወት ኣለዋ።

ወይዘሮ ጽገ ምስ በዓል ቤታ ወዲ ባሻይ ኣብ ኣመሪካ 1981 ዓ.ም. ኣትዮም ኣብ ከተማ ኦክላንድ እንዳሰርሑን ደቆም እንዳዕበዩን ምዉቕ ናብራ ይመርሑ ነይሮም። ብህይወት ኣብ ዝነበርሉ እዋን ሰላምን ፍትሕን ኣብ ኤርትራ ንምንጋስ ምስ ብጾቶም ኣባላት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ኵሎም ደለይቲ ፍትሕን ዘይሕለል ቃልሲ የካይዱ ብምንባሮም፤ ብብጾቶም ፍቱዋትን ክቡራትን እዮም።

ወይዘሮ ጽገ ብዝሓደራ ሕማም ኣብ ሆስፒታል ክትእለ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ገዝኣ ተመሊሳ፣ ክንክንን ምክትታልን ደቃ ከይተፈልያ ጸኒሓ ብ9 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ብሰላም ዓሪፋ።

ወይዘሮ ጽገ ኣደ ሰለስተ ደቃ፡ ኪኮ፣ ራህዋን ቤትኤልን እያ።

ወይዘሮ ጽገ ን19 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ኣብ ጎድኒ ነብስሀር በዓልቤታ ኣስገዶም ኣብ መቓብር ፕየድሞንት፣ ከተማ ኦክላንድ ካሊፎርንያ ሓመድ ኣዳም ክትለብስ እያ።

መላእ ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ተቐማጦ ኦክላንድን በይ-ኤርያን ከምኡ’ውን ካብ ርሑቕን ቀረባን ብሞት ክብርቲ ወይዘሮ ጽገ ዝተሰምዖም ዝተሰምዐንን መሪር ሓዘን ንምግላጽን ንቤተስብ ንምጽንናዕን ብስልክን ኢመይልን መልእኽታትኩም ዝሰደድኩም ፈተውትን መቓልስታን ምስጋና ይብጻሕኩም፡ ሕሰም ድማ ኣይትርከቡ። ንሓብትን ኣደን ጽገ እዝጊኣብሄር ኣብ መንግስተ ሰማያቱ ይቀበላ። ንቤተ ሰባን ብጾታን ጽንዓት ይሃቦም ጠሊ ድማ ይሕደገሎም።

ቤተሰብ

Last modified on Tuesday, 16 March 2021 00:58