ጨንፈር ሰዲህኤ ኣብ ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ኣኼባኡ ኣካይዱ

2020-06-29 07:15:43 Written by  ሽማግለ ጨንፈር Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1382 times

ብምኽንያት እቲ ንዓለም ምሉእ ኣጨኒቑ ዘሎ ተላባዒ ሕማም ኮረና ቫይረስ፡ ከምቲ ኣብ ኩሉ ዞባታት ዓለም ዝተራእየ ናይ ብኣካል ተራኺብካ ኣኼባታት ምክያድ ደውታ፡ ጨንፈርና‘ውን ንገለ ግዝያት ኣኼባታቱ ኣቋሪጹ ዝጸንሐ ኮይኑ፥ ሎሚ ግን ንመራኸቢ ብዙሓን ከምዓብዪ ዕድል ተጠቒሙ ኣብ ዕለት 28 ሰነ 2020፡ ጨንፈር ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ካብ ሰዓት 15፡00 ክሳብ 17፡00 ኣብዘሎ ግዜ ጨንፈራዊ  ኣኼባኡ  ኣሰላሲሉ።

ኣባላት ሽማግለ ጨንፈር ኩልና ብጥዕና ሃሊና ኣብቲ ልሙድ ዝኮነ ኣኼባታትና ብምርኻብና ዘለዎም ጽቡቕ ድልየትን ትምኒት ብምግላጽ ኣኼባ ድሕሪ ምኽፋት፡ ኣብቶም ነቲ ዕለት ዝተታሕዙ፡

1 -  ህልዊ ኩነታት ሃገርናን፡ ዞባናን ናይ ሓበሬታ ምልውዋጥ፤

2 - እዋናዊ ኣተሃላልዋን ምዕባሌታትን ሰልፍን ፤

3 - ካብ ነዊሕ እዋን ጀሚርና ከም መደብ ንመንእሰያትና እንምህረሉ ዝነበርና መደብ ናይ “ ሰልፍኻ ምፍላጥ “ መደብ፤

4 - ጉዳይ ሓድነትን ሓባራዊ ስራሕን ደምበ ተቓውሞን፤ ዝብሉ ኣጀንዳታት ተኣትዩ።

ካብዝቐረበ ዛዕባታት እቲ ዝያዳ ኣኼበኛ ግዜ ወሲዱ ዝተዛረበሉ ድማ ኣብተን ክልተ ዳሕረዎት ዝተሰርዓ ነጥብታት ነይሩ እዩ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ስርዒታዊ ኣቋቝማኡን ኣሰራርሓኡን፡ ብስሩዕ ኣብ እዋኑ ብዝግበር ካብ ሰልፋዊ ጉባአ ጀሚሩ ክሳብ ጨንፈራዊ ጉባአታት ኣባላቱን፡ ቅዋማቱን ፖለቲካዊ ፕሮግራሙን፡ ዘሰላስሎም ኣገባባት ንዕምቈት ዲሞክራስያዊ ኣሰራርሓኡ ዘብርሁ ምዃኖም ኣኼበኛ ብሰፊሑ ተረዳዲኡሉ። ጉዳይ ሓድነት‘ውን እንተኾነ  ሰዲህኤ ከም ቀዳማይ መደብ ተተሓሒዙዎ ዝጸንሐ ጉዳይ ኮይኑ፤ ድሮ‘ውን ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ህደምሓኤ) ዝበጽሖ ምትሕንፋጽ ናይ ሓድነት ስምምዕ፡ ኣዝዩ ዕዉትን ንህዝብና ድማ ተስፋ ዝህብን፡ ንመላኺ ስርዓት ዘርዕድን ብምዃኑ ኣኼበኛ ኣሞጒሱ። መሪሕነት ሰልፊ ንዝገበሮ ጻዕርታት‘ውን ንኢዱ።

ብድሕሪኡ‘ውን ነቲ ናይ 5 ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዝተፈረመ ናይ ሓቢርካ ምስራሕ ስምምዕ ኣኼበኛ ናእዳኡ ገሊጹ። እዚ ተበግሶ‘ዚ ክቕጽልን፡ ኩሉ‘ቲ ተመዲቡ ዘሎ ሓይሊ ዕማማት ድማ ኣብ ብዝተጸንዐ ኣገባብ ክቐውምን ኣብ ተግባራዊ ዕማማት ክኣቱን ኣኼበኛ ዘለዎ እምነት ገሊጹ። ንቐጻሊ ኣኼባታት ብዝምልከት ከከም ኣድላይነቱ ሽማግለ ጨንፈር መደባት ክሰርዕን ርኽክባት ኣባላት ጨንፈር ቀጻሊ ክኸውንን ብምትሕስሳብ ኣኼባ ተደምዲሙ።

Last modified on Monday, 29 June 2020 09:18