ዳይረክተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን፡ ርክብ መራሕቲ እስራኤልን ሱዳንን ብምቅዋም ስልጣኑ ገዲፉ

2020-02-08 07:39:27 Written by  BBC Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1727 times

6 ፌብሩወሪ 2020

ጀነራል ኣብደል ፈታሕ ኣል ቡርሃን Image copyright Getty Images ናይ ምስሊ መግለጺ ጀነራል ኣብደል ፈታሕ ኣል ቡርሃን

ዳይረክተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኣምባሳደር ራሻድ ኣልፋራጅ፡ መራሒ ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ጀነራል ኣብደል ፈታሕ ኣል ቡርሃን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ ምርኻቦም ብምቅዋም ስልጣኑ ገዲፉ።

ኣምባሳደር ራሻድ ኣልፋራጅ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ኡጋንዳ ታሪኻዊ ዝተብሃለሉ ዝርርብ ምስገበሩ፡ ነቲ ርክብ ብምቅዋም ናይ ስራሕ ምግዳፍ ደብዳበ ከምዘእተወ ኣል-ኣንቲባሃ ዝተብሃለ መርበብ ሓበሬታ ገሊጹ።

ንፈጣሪኡ ተኣማኒ ከምዝኾነ ከረጋገጽ ከምዝደሊ ዝጠቐሰ እቲ ዳይሬክተር፡ ኣብ ምብራቓዊ እየሩሳሌም ዝርከብ እስላማዊ ቅዱስ ስፍራ መስጊድ ኣል-ኣቅሳ ምስ ዝወረረት ሃገር መራሒ ዝተገበረ ርክብ ተቓዊምዎ።

መስጊድ ኣል-ኣቅሳ ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጤምን መልዐሊ ጎንጺ ካብዝኾኑ ጉዳያት ሓደ እዩ።

ሓላፊ ሚኒስትሪ ሓበሬታ ሱዳንን መራሒ እቲ ውድብ ዝነበሩን 'ውን ንርክብ ጀነራል ቡርሃንን ኔታንያሁን፡ ሱዳናውያን ከምዘይደልዩዎ ብምግላጽ ነቒፎምዎ እዮም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሃምዶክ ግን፡ ርክብ እቶም መራሕቲ ብዘየገድስ፡ ሱዳን ኣብ ጉዳይ ፍልስጤም ዘለዋ መርገጺ ከምዘይቅየር ሓቢሩ ኣሎ።

Source=https://www.bbc.com/tigrinya/51400845

 

Last modified on Saturday, 08 February 2020 08:42