ኣብ ሎሚ ኮይና፡ ብዛዕባ ጽባሕ

2020-02-03 09:32:19 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1455 times

“ንጽባሕ ዝብል ኣየጽበሓሉ” ዝብል ኣበሃህላ ልሙድ እዩ። ናይዚ ምሳልያዊ ኣበሃህላ መልእኽቲ፡ ሎሚ ክዕመምን ክትግበርን ዝግበኦ ብዘይወዓል ሕደር ሎሚ ክፍጸም ኣለዎ ንምባል እምበር፡ ንናይ ጽባሕ ግደን ሓላፍነትን ንምጉሳይ ወይ ንምንእኣስ ዝበሃል ኣይኮነን። ከምቲ ብዛዕባ ሎሚ ክንሓስብ እንከለና፡ ንትማሊ ጠሪስና ክንርሰዖ ዘይግበኣና፡ ብዛዕባ ሎሚ ክንሓስብ እንከለና ብዛዕባ ጽባሕ እውን ኣብ ግምት ከነእቱ ናይ ግድን እዩ። እቲ ክንጥንቀቐሉ ዝግበኣና ኣብ መንጎ፡ ትማሊ፡ ሎምን ጽባሕን ዘለና ኣድህቦ ከነመጣጥን ክንበቅዕ ዝግበኣና ምዃኑ እዩ። ዝያዳ ናብ ትማሊ እንተ ኣዛዚና፡ ኣብ ዝሓለፈ ክንነብር ኢና። ኣብ ሎሚ ጥራይ እንተ ኣድሂብና ድማ ኩሉ ግዜ ኣብ ደውታ ንኸውን። ብዛዕባ ጽባሕ ጥራይ እንተ ኣድሂብና ከኣ ተመነይቲ ጥራይ ኮይና ክንተርፍ ንኽእል። ብዛዕባ ኣገዳስነት ኣብ ሎሚ ኮይንካ ብዛዕባ ጽባሕ ምሕሳብ “ብናይ ትማሊ ድኽመት ጥራይ ከማርር ወይ ብዛዕባ ናይ ትማሊ ኣውንታ ጥራይ ክሕበን ዝነብር፡ መጻኢ ብሩህ ተስፋ ዘየብሉ እዩ” ዝበሃል ከኣ ነዚ ንምብራህ እዩ።

ጽባሕ ካብ ትማልን ሎምን ዝሓሸ ናይ ምዃን ዕድል ኣለዎ፡ ምኽንያቱ ካብ ክልቲኡ ናይ ምምሃርን ምሙኳርን ዕድል ስለ ዘለዎ። ንሕና ከም ናይ ለውጢ ደንበ ዝሓለፈ ተመኩሮና ክንድህስስ እንከለና፡ ናብ ድሕሪት ኣርሒቑ ክወሰድና ሰለ ዝኽእል፡ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ጥራይ’ኳ እንተዳህሰስና፡ ብዙሕ ዘጣዕሰና ሕጽረታትን ዝሓለፈና ዕድላትን ክንረክብ ንኽእል። እዚታት ኣካል ናይቲ ዝሓለፍናዮ ጉዕዞ ስለ ዝኸነ ሓጢጥና እንድርብዮ ኣይኮነን። ኣብ ክንዳኡ ካብኡ ክንመሃር እሞ ሎሚ ኮነ ጽባሕ ከይንደግሞ ጥራይ ኢና ክንጥንቀቕ ዝግበኣና። ናይ ትማሊ ተመኩሮና ሓኺኽካ ብምልኡ ኣሉታዊ  ጥራይ ነይሩ ኢልካ እትጉሕፎ ኣይኮነን። ከምኡ ስለ ዘይኮነ ኢና ከኣ ክሳብ ሎሚ ምስ ኩሉ ሓጐጽጐጽ ኣብ መስመር ቃልሲ ምእንቲ ለውጢ ቀጺልና ዘለና። እቲ ምቕጻልና ትርጉም ዘለዎ ምቕጻል ክኸውን ከኣ ካብቲ ቆላሕታ ክንህቦ ዝግበኣና ዕማም ካብቲ ኣሉታዊ ኮነ ኣውንታዊ ተመኩሮና ምምሃር እዩ። ስለዚ ነቲ ዓበይቲ ናይ ትማሊ ሕጽረታት እንዳወገድና፡ ነቲ ናእሽቱ ኣብ ክሳብ ሕጂ ምቕጻልና ግደ ዘበርከተ ኣውንታታት ዝያዳ ከነዕኩኾን ከነማዕብሎን ክንቃለስ ይግበኣና።

ኣብ ታራ ናይ ኣጋር  ጉዕዞ እኳ፡ ደኒንና መሬት እንዳረኣና ኣይኮናን እንኸይድ፡ ኣብ ክንድኡ ንቕድሚትን የማነ ጸጋምን ኣንዊሕና ኣማዕዲና እንዳጠመትና፡ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዕንቅፋታት ብኸመይ ክንሓልፎ ከም ዝግበኣና፡ ብሓሳብ እንዳወገንናን መማረጽታት እንዳ ኣስፈርናን ኢና ንኸይድ። ከምኡ እንተዘይገርና ግና ምስ ኣቐዲምና ዘይረኣናዮ ዕንቅፋት ተላቲምና ናይ ምውዳቕ ዕድልና ሰፊሕ እዩ። ኣንዊሕካ ናይ ምጥማት ጠቕሚ ከኣ ካብ ኣብ ዘይሓሰብካዮ ምውዳቕ ሓደጋ የድሕነና። እዚ ማለት ኣብ ፖለቲካዊ ምስርሕ እቲ ዝኸበደ፡ ሎሚ ኣብ ኢድካ ዘሎ ምምሕዳር ዘይኮነ፡ ብዛዕባ ጽባሕ ከጋጥም ዝኽል ከሎ ጌና ክትእምት ምብቃዕን ዘይምብቃዕን እዩ።

ሎሚ ብጉዳይ ፖለቲካ ሃገርና ክንሓስብ እንከለና፡ ኣብ እንዳ ገዛኢ ጉጅለ ህግዲፍ ኮነ፡ ኣብቲ እንዳሓደረ ዝልብም ዘሎ ደንበ ተቓውሞና ብዙሓት ምዕባለታት ኣለዉ። ብትሕዝተኦም ከኣ ተጻረርቲ እዮም። ምዕባለታት ኣብ እንዳ ገዛኢ ጉጅለ ህግድፍ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ክፍጸም ዝጸንሐን ዘሎን ወጽዓ ከይኣክል፡ ሃገር ኣብ ሓደጋ ናይ ምእታውን ንህዝቢ ተስፋ ናይ ምቑራጽን ምልክታት እዩ። ብኣንጻሩ ኣብ ደንበ ለውጢ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ምብትታንን ምንጽጻግን ተማሂርካ፡ ህዝብን ሃገርን ናይ ምድሓን ናይ ሓባር ዓቕሚ ናይ ምድላብ ድልዉነት ኢና ንዕዘብ ዘለና። እዚ ትስፉው ምጽልላም፡ ምንጽጻግን ምርሕሓቕን ዘወግድ ዘሎ ምዕባለ ደንበና ሎሚ ዝስራሕ ዘሎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብናይ ትማሊ ተመኩሮ ዝሃብተመ ጽባሕ ከኣ ኣብ ዘተኣማምን ባይታ ዝረግጽ እዩ።

ሎሚ ማእከላይን ቀዳማይን ዕማም ሓይልታት ለውጢ፡ ልኡላውነት ኤርትራ ምዕቃብ፡ ወጻዒ ጉጅለ ህግደፍ ምውጋድን ተሳትፎ ኩሎም ኤርትራውያን ኣብ መስርሕ ለውጢ ምውሓስን እዮም። ኣብዚ እነድምዕ ከኣ ካብ ናይ ትማሊ ጉዕዞና ተመኩሮ ብምድላብ እዩ። ተመኩሮ ምድላብ ክንብል እንከለና፡ ነቲ ትማሊ ነዚ ናይ ሓባር ዕላማ ከይነዕውት ክዕንቅፈና ዝጸንሐ ግጉይ ኣተሓሳስባን ኣተሓሕዛን ዘይምድጋሙ ማለት እዩ። እዚ ካብ ተመኩሮኻ ምምሃር ካብ ውልቀ ሰብ ጀሚርካ ክሳብ ውድባት ሰልፍታትን ማሕበራትን ክምዕብል ዝግበኦ እዩ። እዚ ክንብል እንከላና ግና ንጽባሕ ረሲዕና ኣብ ትማልን ሎምን ጥራይ ነኹድድ ማለት ኣይኮነን። ነዚ ጭቋንን ብክብሪ ሃገርን ህዝብን ዝዋገን ጉጅለ ምስ ኣወገድና፡ “ከመይ ዝኣመሰለት ኤርትራ ኢና ክንሃንጽ” ዝብል ኣተሓሳስባ ኣብ ኣእምሮና ቦታ ኣይህልዎን ማለት ኣይኮነን። ኣብ ሎሚ ኮይና ክሳብ ጽባሕ ኣንዊሕና እንተዘይጠሚትና እሞ ቃልስና “ካብ ኢድ ናብ ኣፍ” እዩ ክኸውን። እቲ ቀንዲ ውሕልነት እምበኣር ኣብዚ ሰንሰለታዊ መስርሕ ቃልሲ፡ ንትማሊ፡ ንሎምን ጽባሕን እንህቦ ኣድህቦ ተመጣጣኒ ክኸውን ይግበኦ። ኣብቲ መስርሕ እቲ ቀላሲ ሎሚ እነካይዶ ፍጻመ ኮይኑ፡ ንናይ ትማሊ ተመኩሮ፡ ብፍላይ ከኣ ንናይ ጽባሕ ውጥን ግቡእ ቀልቢ ዝህብ ክኸውን ይግበኦ። ናይ ሎሚ ቀዳማይ ሓላፍነትና ምውጋድ ጭቆና ህግዲፍ እዩ። እቲ ናይ ጽባሕ ንልዕልናን ወሳንነትን ህዝቢ ቅድሚት ዝሰርዕ ብሕገመንግስቲ ዝግራሕ ብዙሕነታዊ መተካእታ ንምዱኳን ከኣ ምስ ምውጋድ ጨቋኒ ጉጅለ ተኣሳሲሩ ዝኸይድ እዩ። እምበኣር መተካእታ ንምዱኳን፡ ምውጋድ ጭቆና ኣብ ኤርትራ ዘይስገር ቅድመ-ተደላይነት እዩ። ስለዚ ኣብ ኩሉ ጉዳያት ንቕሎናን ተበግሶናን ቀዳምነት ክንህቦ ዝግበኣና እዩ።

Last modified on Monday, 03 February 2020 10:34