ንፖለቲካዊ ሰልፍታት ምንጻግ ስልጣን ንምብሓት እዩ

2019-11-28 08:52:20 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1547 times

ቅድሚ ሎሚ ንፖለቲካ ናይ ዝኾነት ትኹን ሃገር ዘማዕብል ህላዌ ኣብዘሓ ሰልፍታት ኣግዳስነቱ ዕዙዝ ምዃኑ ብዙሕ ግዜ ተዘሪቡን ተጻሒፉን እዩ። ካብ የማን ክሳብ ጸጋም ወይ ትሒዘ-ጸኒሓዊ ኣተሓሳስባ ዘለወን ፖለቲካዊ ሰልፍታት ክምስረታ ኣድላይነት ኣለዎ። እዚ ምስረታ እዚ ግን ብሕጊ ናይታ ሃገር ዝወጸ ቅዋም ተገዚኤን ክኸዳን ከማልእኦ ዘለወን እውን ከማልኣ ግዱዳት እየን። ይኹን እምበር እዚ ናይ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኤርትራ ኣብ ዘይንቡር ህላዌ ስለዝርከባ  ኣብ ውሽጢ ሃገር ጥራይ  ክምስረታ ኣለወን ኢልና ክንገትአን ናይ ግድን ኣይኮነን።

ሰልፍታት እምበኣር ናይ ምብዘሐን ዘይኮነ ከዛርብ ዝግበኦ፥ እንታይ ደኣ ነየናይ ዕላማን ፖለቲካዊ ምሕደራን እየ ተወዲበን ዝነጥፋ ዘይምፍላጥ እዩ እቲ ዓቢ ጸገም። ስለዚ እቲ ህዝቢ መጀመርያ ንኣድላይነት ሰልፍታት፡ ጥቕመንን ጉድኣተንን ከጽንዕን ህላዌን ክኣምንን ክፈልጥ ይግባእ። ብድብድቡ ሰልፍታት ክህልዋ ኢልና ጥራይ ህዝቢ ዘይፈልጠን እንተኾይኑ ግና ዋጋ ክህልወን ኣይኮነን። ምኽንያቱ መላእ ህዝቢ ናይ ሓንቲ ሃገር ኣብ ሰልፍታት ክስለፍ ወይ ኣባል ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ንኣብነት ኣብ ሆላንድ  ዝቕመጥ ብዝሒ ህዝቢ ኣስታት 17 ሚልዮን ኣቢሉ ይኸውን። ካብዚ ብዝሒ ህዝቢ እዚ፡ እቲ ናይ ሰልፊ ዕዮ ዳርጋ 45,000 ኣባላት ኣለውዎ። ኣብተን ዘለዋ ካልኦት ሰልፍታት ውን ካብዚ ናይ ሰልፊ ዕዮ ዝበዝሕ ኣባልነት የብለንን።

ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኣብ ንሓድሕደን ብፖለቲካዊ ስነሓሳብ ክዋጠጣን ክካትዓን ግቡእ እዩ፥ ነዚ ገዲፈን ክጸላለማ፡ ዕግርግር ክፈጥራን ንህዝቢ ብዝፈላሊ ኣገባብ ክዋሳኣን ግን ብሕጊ የኽስሰንን ክሳብ ንሰልፈን ዝእገድ ደረጃ’ውን ይበጽሕ እዩ። እቲ ዘይንቡር ህላዌ ሰልፍታት ግን ኩሉ ከም ድላዩ ኣፉ ዝሃቦ ናይ ገዛእ ርእሱ ፍልስፍናን ስሚዒታዊ ራኢኡን ክዝርግሕ ይረአን ይስማዕን ኣሎ። ልክዕ እዩ  ዘይነኣድ ባሀሪ  ወይ ኣሉታዊ ጎኒ ናይ ሰልፍታት ክህሉ ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ባህርያዊ ተፈጥሮ ደቂ ሰባት ስለዝኾነ። ይኹን እምበር ካብ ሰልፍታት እንታይ ረብሓ ኣሎ እዩ እቲ ኣገዳሲ ክፍለጥ ዘለዎ ነጥቢ።

ሰልፍታት ምስቲ ኩሉ ጉድለታተን መንግስትን ህዝብን ዘራኽባ ኢየን። ማለት እቲ መንግስቲ ንድሌት ህዝቢ ዘየማልእን በቲ ቅዋም ተማእዚዙ ምስዘይከይድን እተን ሰልፍታት ነቲ ፖለቲካዊ ኩነታት ናብ ህዝቢ ንምብጻሕን፥ ህዝቢ ክርደኦ ንምግባርን ይጽዕራ። በዚ ኣቢልን ድማ ህዝብን ሰልፍታትን ነቲ መንግስቲ ተጽዕኖ ይገብርሉ። ነቲ ህዝቢ ዘጽደቖ ሃገራዊ ቅዋምን ስልጣን ከይበሓትን  እውን ይከላኸላሉ። ህላዌ ሰልፍታት ዋላ ኣብ ደገ ይኹን ኣገዳሲ እዩ።

ፖለቲካዊ ሰልፍታት ካብቲ ቀንዲ ዝህበኦ ጠቕሚ ውደባ እዩ። ውደባ ድማ ተካላዊ ኣሰራርሓን ቀጥዕን ስለ ዘለዎ፥ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ነቲ ንሱ ዝኣምነሉ ስርዓተ-ምሕደራን ስነሓሳብን ዘተኣናግድ እዩ። እዘን ሰልፍታት እዚአን ነቲ ዘለወን ፖለቲካዊ ሰነሓሳብ ኣብ ህዝቢ ሸይጠን፥ በቲ ህዝቢ ዝህበን ደገፍን ድምጽን ይምዘና። ስለዚ ሓደ ሰልፊ ኣብ ደገ ይሃሉ ኣብ ውሽጢ እቲ ዕላማኡ ንህዝብን ሃገርን ዘርብሕ ዲዩ ኣየርብሕን ዝመዝኖ እቲ ህዝቢ ካብ ኮነ፥ እቲ ህዝቢ ድማ ብአአን ኣቢሉ ኣተሓሳስባኡ ከማዕብልን ፖለቲካዊ ተሳትፎ ክህልዎን ሰልፍታት ብኢደ ወነነን ናብ ስልጣን ክመጻ ከምዘይክእላ ውህብ እዩ። ኣብዚ ግደ ሲቭላዊ ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ዓቢ እጃም ኣለወን። ንሱ ድማ ነቲ ኣብ ኤርትራ ክትከል ዝድለ ንጹር ዝኾነ ስርዓተ-ምሕደራን፥ ንህዝቢ ብዛዕባ ዲሞክራሲያዊ መከላትን ሰብኣዊ መሰላትን ምስትምሃርን፥ ሕብረተሰብ ኤርትራ ብምሉኡ ሰላማውን ፍትሓውን ኮይኑ ዝህነጸሉ ብዕቱብ ክነጥፋ ይግበአን።

እምበኣርከ ብተዘዋዋሪ ይኹን ብቕጥታ ጸረ-ህላዌ ሰልፍታት ምኻድ ወይ እውን ኣየድልያን እየን ምባል፥ መጀመርያ ስነፍልጠታዊ ኣይኮነን ካልኣይ ድማ ንረብሓ ህዝቢ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ውደባ ኢዩ ንናይ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ሓሳባት ዘቕርብን ህዝቢ ድማ ካብቲ ፖለቲካዊ ሓሳብ ሰኒቑ ሚዛኑ ኣብ ልዕሊ ሰልፍታት ከንብር ባይታ ዝረክብ። ሎሚ ሎሚ ንፖለቲካዊ ሰልፍታት ብህዝባዊ ምንቅስቓሳት ይኹን ናይ ጸቕጢ ጉጅለታት ወይ እውን ዘይመንግስታውያን ትካላት ከም ተካእቲ ኰይነን ዝንቀሳቐሳሉ ይመስል ኣሎ። በዚ መስረት እዩ ድማ እቲ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ከምቲ መልክዕ ናይ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ክውደብ ወይ ምስቲ ፖለቲካዊ መደብ ዕዩ ናይ  ዝቖማ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዝመሳሰል ኣገባብ ዝሕዝ ዘሎ። ስለዚ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ይኹና ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ዝኸድኦ መስርሕ ዝመሳሰል ካብ ኮነ፥ ክልቲኡ ድማ ኣብ ደገ ካብ ሃለወ፡ ሓደን ኣድማዒ እቲ ካልእ ድማ ዘየድምዕ ገርካ ምውሳድ ቅኑዕ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኩሉ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ይኹን ህዝባዊ ወይ ሲቪላዊ ምንቅስቓሳት ፖለቲካዊ ውደባ ዝብል ኣተሓሳስባ ዝሓዘለ ስለዝኾነ።

ስለዚ ነቲ ኩሉ መስርሕ ናይ ሰልፍታትን ማሕበራትን በቲ ቅኑዕ ትርጓሚኡን ኣቋቑማኡን ተኸቲሉ ምስዝጎዓዝ ተመላላእትን ተደጋገፍትን ኰይኖም ንዲሞክራሲያውነት ምድልዳልን ንምውሓስን፡ ምልኪ ንኸይስዕርር እውን ዓቢ ኣስተዋጽኦ ምሃለወን። ካብኡ ሓሊፉ እቲ መስርሕ ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ሲቪላዊ ማሕበራትን ካልኦት ጉጅለታትን ብዓይኒ ምውድዳር እንተተዋሲኦም ንጹር ዘይኮነ ናይ ስልጣን ውድድር እዩ ክኸውን።

Last modified on Thursday, 28 November 2019 09:54