'ንጓል-ኣንስተይቲ ዘየኽብር ሕብረተሰብ ክብረት የብሉን' ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ

2019-11-27 10:42:58 Written by  BBC Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1872 times

26 ኖቬምበር 2019

ኣልጋነሽ ገብረን ዘውዲ ተስፋማርያምን ናይ ምስሊ መግለጺ ኣልጋነሽ ገብረን ዘውዲ ተስፋማርያምን

 

ጓለንስተይቲ፡ ኣደ፣ ሓፍቲ፣ ሰበይቲ፣ ኣፍቃሪት እያ። ኣደ ኸኣ መብራህቲ ገዛ፡ ተስፋን ፍቕርን እያ። "ኣብዛ ዓለም ከም ወላዲት ዝልውህ ከም ወላዲት ዝርህርህ፡ ከም ወላዲት ዘፍቅር እንተዝነብር ጸገማትና ምተቓለለ" ይብል ንወላዲቱ እንክዝክር ንብዓት ዝቕድሞ ሃይለ ክብሮም።

ይኹን'ምበር ኣብ ዓለምና እቲ ዝበዝሐ ጭንቅን መከራን እትረክብ፡ ብዝወለዳ ሕብረተሰብ ተጨቊና፡ ብፍላይ ኣብቲ ብዙሕ መንቋሕቋሕታ (ኣፍልጦ) ትምህርትን ምዕባለን ዘይረኸበ ርሑቕ ገጠራት እትነብር ጓለንስተይቲ፡ ትሕቲ ደቂ-ተባዕትዮ ኣሕዋታ ከምእትረአ ተዛተይቲ እዚ ዕለት ኣልጋነሽ ገብረን ዘውዲ ተስፋማርያምን ይገልጻ።

እዛ ጭንቅን ጸገምን ደቃን ስድራኣን ንኽትኣሊ ብስራሕ እትድፋእ ጓለንስተይቲ እምበኣር፡ ልክዕ ከም አሕዋታ ደቂ ተባዕትዮ ክትክበር፣ ክትፍቀር ክትሕፈር ይግበእ።

ጓለንስተይቲ ማዕረ ዕድል እንተረኺባ፡ ከምቶም ተማሂሮም ናይ ዝተፈላለየ ዓውዲ ዶካትር፡ ህንጻን ድንድልን ዝሰርሑ መሃንዲሳት፣ መድሃኒት ዘቃምሙ ተመራመርትን ለይትን ቀትርን ዝፈላሰፉ ተመራመርትን ክትከውን ጸገም የብላን። ክሳብ ሕጂ ኸኣ ዓቕመንን ብቕዓተንን ንዓለም ብግብሪ ዘርኣያ ብኣብነት ዝጥቀሳ ደቀንስትዮ ውሑዳት ኣይኮናን።

ይኹን'ምበር ማዕርነት ደቀንስትዮ ብምልኣት ክረጋገጽን፡ ኩሉ ዓይነት ዘጋጥመን ዓመጽ ክውገድን፡ ገና ነዊሕ ጉዕዞ ከምዘድሊ ን25 ሕዳር ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ንዝወርድ ዓመጽን በደልን ንምውጋድ ከም መቃለሲትን መዘኻኸሪትን ዕለት ዝሓረያ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

ኣብዚ ዛዕባ እዚ ዘተኮረ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡

  • ሓንቲ ካብ ሰለስተ ደቀንስትዮ፡ ኣብ ህይወተን ብመጻምድተን ወይ ቀረባ አዕሩኽተን ኣካላዊ ማህረምቲ ከምዘጋጥመን
  • ኣብ ዓለም እተን 52% ኣብ ሓዳር ዝርከባ ደቀንስትዮ ጥራይ፡ ብዛዕባ ድሌት ጾታዊ ርክብ ኮነ፡ ምጥቃም መከላኸሊ ጥንስን ኣተዓባብያ ቖልዑን ብናጽነት ክውስና ከምዝኽእላ፡ ዝተረፋ ግን ካብቲ ስእሊ ወጻኢ ምዃነን
  • ኣስታት 750 ሚልዮን ደቀንስትዮ፡ ዓቕመ ሄዋን ቅድሚ ምብጽሐን ከምዝምርዓዋ፤ ኣስታት 200 ሚልዮን ከኣ ብቑልዕነተን ከምዝኽንሸባ
  • ኣብ ዓመተ 2017 ጥራሕ፡ ንኣብነት፡ ሓንቲ ካብ ክልተ ደቀንስትዮ ብአዕሩኽተን ወይ ብስድረአን ከምዝቕተላ፤ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ግን ሓደ ካብ 20 ጥራይ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ከምዘጋጥሞ ይሕብር።

እዚ ኣሃዝን ቁጽርን'ዚ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ነብሲ-ወከፍ ብስታስቲክስ ዝተወከለት ጓለንስተይቲ ንዝወርድ ዛንታታት ዓመጽን ግህሰትን ኣይገልጾን እዩ።

ሰልፊ ተቓውሞ ዓመጽ ኣንጻር ደቂ ኣንስትዮ፤ ሜክሲኮ 2016 Image copyright AFP/Getty images

ኣብ ገሊአን ደቀንስትዮ ዝፍጸም ግፍዒ መጻሕፍቲ ዘይኣኽሎ'ውን ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ። ኣብቲ ኣሃዝ እትሳቐ ጓለንስተይቲ፣ እትቑንዞ ኣደ ወይ ሓፍቲ፣ እትነብዕ በዓልቲ ቤት ኣላ። ኣብቲ ናይ ውክልና ቁጽሪ ብሰንኪ ኣብ ኣዴታቶም ኣሕዋቶም ዝፍጸም ዓመጽን በደልን ዝሳቐዩ ሕጻናት ቖልዑን ኣለው።

እዘን ነዚ ዕለት ኣመልኪተን ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ቃለ-መሕትት ዝገበራ ኣብ ጉዳይ መሰላት ደቀንስትዮ ዝነጥፋ፡ ኣባል ማሕበር ተበግሶ ደቂ-ኣንስትዮ ጀርመን፡ ኣልጋነሽ ገብረን ኣባል ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ስዊዘርላንድ ዘውዲ ተስፋማርያም ካብ ጄነቫ ስዊዘርላንድን፡ ንኣገዳስነት እታ ንምውጋድ ዓመጽን ግህሰትን ደቂ-ኣንስትዮ ዝተወከለት ዕለት ተመሳሳሊ ሓሳብ እየን ዝህባ።

ንሳተን፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ኣብ ቤትን ግዳምን ዝፍጸም ጾታውን ኣካላውን መጥቃዕቲ ኣብ ዓለምና ግኑን ምህላው፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከኣ ኩለን በዚ ጉዳይ እዚ ዝግደሳ ኣባል ሃገራትን፡ ዝምልከቶም መሻርኽትን ነዚ ኣብ ልዕሊ ፍርቂ ኣካል ሕብረተሰብ ዓለም፡ ኣብ ኣዴታት፣ ኣሓት፣ መናብርቲ፣ ሰብ ሓዳር ፍቑራት ዝፍጸም ግህሰት ጠጠው ንኽብል፡ ውሁድ ቃልሲ ንክግበር ከምዝጸወዐ ብምዝኽኻር፡ ንቕሓት ሕብረተሰብ ክሳብ ዝዓብን ዝብርኽን፡ ጉዳይ ደቂ ንስትዮ ከም ኣውደኣመት ኣብ ዓመት ሓንሳብ ዘይኮነ፡ ብቐጻሊ ክዝረበሉን ክጉስጎሰሉን ይግባእ ይብላ።

ደቂ-ኣስትዮ ኣሓት፡ ብሰንኪ እቲ ዘዕበየን ኣባታዊ (ፓትሪያርካል) ሕብረተሰብን ባህላዊ ጸቕጢን፡ ንዘጋጠመን ጸገም ከይተዛረባሉ፡ ብውሽጠን እናተሳቐያ ሰቲረንኦ ዝጓዓዛ ውሑዳት ኣይኮናን።

"ከብዲ እኽሊ ጥራሕ ኣይኮነን ዝዓቁር ስተርዮ ደኣ!" ስለዝተባህላ፡ ዘድልን ዝግባእን ሕክምናን ምኽርን ሓገዝን ከይረኸባ፡ ለይቲ ለይቲ ካብ ድቃስ ዘባህርረን ክንደይ ጸቕጥን ግፍዕን ሰቲረን ዝኸዳ ደቀኣንስትዮ ውሑዳት ከምዘይኮና፡ እዘን ተጣበቕቲ መሰላት ደቀንስትዮ ተዛተይቲ የረድኣ።

71 ሚእታዊት እተን ኣብ ግዳያት ንግዲ ደቂ ሰባትን ስውር ጾታዊ ምዝመዛን ዘጋጥመን ደቂ ኣንስትዮ እየን። ከምዝን ከምዝን ክንገብረልክን ኢና፣ ናብ ዝበለጸን ዝማዕበለን ዓለም ክንወስደክን ኢና። ሽዑ ሰሪሕክን ህይወትክንን ህይወት ስድራኽንን ትቕይራ ተባሂለን፡ ተደሊለን ካብ ቤተን ወጺአን ኣብ ኢድ ነጋዶ ደቂ ሰባትን ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርትን ወዲቐን፡ ዳሕራይ ግዳይ ዘይደልየኦን ዘይመርጸኦን ወሲባዊ ስራሕ ኮይነን፡ ህይወተን ዝተበላሸወ ደቂ ኣንስትዮ ውሑዳት ኣይኮናን።

ኣብ ኣባታዊ ሕብረተሰብ "ጓል ኣንስተይቲ ሓንሳብ ዕድላ እንተተሰይሩ ኣኺሉዋ እያ" እናተባህለት ስለእትዓቢ፡ ጓለንስተይቲ ቅድሚ መርዓ ኮነ ኣብ ሓዳራ፡ ኣካላዊ ማህረምቲ እንተጋጢሙዋ'ውን ኣይትዛረበሉን።

እንተ ተዛረበት'ውን ብባህልን ሃይማኖትን እናተመኽነየ፡ ዝወለደት እንተኾይና ከኣ "ንዒ ነዞም ቆልዑ ረኣዪ ንዐኦም ክትብሊ ተጸቐጢ" እናተባህለት ወትሩ ኣብ ወጽዓ ከምእትነብር ዘውድን ኣልጋነሽን ኣረዲአን።

ይኹን'ምበር ሕጂ ኣብ ዓለም ተዛማዲ ንቕሓትን ኣፍልጦን ይዓቢ ስለዘሎ፡ ኣብዛ ዕለተ ዝኽሪ ግህሰት ደቀንስትዮ ብዙሓት ወጽዓን በደልን ዘጋጠመን ሓያሎ ደቀንስትዮ፡ ነቲ ዘጋጠመን ጸገማት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ወጺአን ይዛረባሉ ስለዘለዋ ዓቢ ንቕሓት ይፍጠር ኣሎ።

ኣብ ሆሊውድ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ጾታዊ ግህሰት ዘጋጠመን ደቀንስትዮ፡ '#ሚቱ' (#MeToo) 'ንዓይ እውን ኣጋጢሙኒ እዩ' ዝብል ጎስጓስ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንሰትዮ ንዝፍጸም ግህሰት ዓቢ ንቕሓት ደሪዑ እዩ።

ሎምዘበን'ውን ዝተፈላለያ ደቀንስትዮ፡ ኣብ ሓዳር ንዘጋጥም ኣካላዊ ማህረምቲ፡ ዋላ'ውን ኣብ ሓዳርን ምስ መጻምድትኻን ብዘይ ፍታው ንዝስግደድ ጾታዊ ርክብ፣ ንጸርፍን ምንሻውን፣ ኣብ ጎደና ምልኻፍ፣ ብኣካል ምትንካፍ፣ ንምድላልን ምትላል ዝምልከት ጉዳይ ክዛረባሉ እየን።

ሕብረተሰብ ዓለም፡ ነዚ ጉዳይ እዚ ዓጢቑ መታን ክቃለሶን ክጉስጉሰሉን ከኣ፡ ሕቡራት ሃገራት፡ ኩለን ኣባል ሃገራትን ዝምልከቶም መሻርኽትን፡ ነዚ ኣብ ልዕሊ ፍርቂ ኣካል ሕብረተሰብ ዓለም፡ ኣብ ኣዴታት፣ ኣሓት፣ መናብርቲ ሰብ ሓዳር፣ ፍቑራት ዝፍጸም ግህሰት ጠጠው ንክብል ውሁድ ቃልሲ ንክግበር ይጽውዕን የጎሳጉስን ኣሎ።

ኣብ መወዳእታ እምበኣር እተን ተዛተይቲ ኣሓት፡ ንነብሰን ሓዊሰን ደቀንስትዮ መሰልናን ክብርናን ንክረጋገጽ፡ ክንመሃር፣ ዓቕምና ከነዕቢ፣ ህሉው ፖለቲካውን ማሕበረ ቁጠባውን ከባቢናን ሃገርናን ክንፈልጥን ከነጽንዕ ይግባእ፡ ድሕሪ ምባል ጉዳይ መሰልን ክብርን ደቀንስትዮ ኣብ ዝኽሪ ኣህጉራዊ መዓልቲ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብቐጻሊ ክዝረበሉ ከምዝግባእ ኣዘኻኺረን።

Source=https://www.bbc.com/tigrinya/news-50555181

Last modified on Wednesday, 27 November 2019 11:46