እቲ  መሰጋገሪ

2019-11-25 10:41:48 Written by  ተስፋይ ካሕሳይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1395 times

እቲ ኤርትራዊ ኣብ ግዜ ገድሊ ንሜዳ ወጺኡ እታ ኤርትራ እትብል ጥልያን ዝመስረታ ንሕና ድማ ሃገራውነትናን መንነትናን ዝፈጠርናላ፡ በቲ ሕማቕ ዕድል ዘጋጥመ ተመሊስና ካባና ብምዕብልና ካባና ዘይሓይሽ  ህዝቢ ኢትዮጵያ ዳግማይ መግዛእቲ ብምቕጻል፡ ኤርትራ ነጻ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ክትከውን፡ኣብ'ታ ነጻ ኤርትራ እውን ህዝባ ሓራ ክኸውን፡  ናቱ ህዝባዊ መንግስቲ ክምስርት፡ ብቕዋም እትመሓደር ክትከውን ኢሉ እዪ እዚ ኩሉ ዝተቓለሰን ዝተሰዋኣላን ዝሰንከለላን።

 ብመጀመርያ ዝስራዕ እቲ ነቲ ስርዓት ደርግ እኳ እንተነበረ ፡እቲ ብድሕሪኡ ዝስዕብ ዕማም ብሓደ ክንርእዮ ስለዘይከኣልና ወይ ድማ ነቶም ሰውራ መሪሖም ዝመጹ ኩሉ  ሓልፍነትና ዘንጊዕና ጽቡቕ ክገብሩ እዮም ኢልና ተዓዘብቲ ክንከውን ስለመረጽና ኣብ'ዚ በጺሕናዮ ዘለና ኣቲና ንርከብ። እዚ ከይድገም እንታይ ተገበርና ይሓይሽ ምባል ጽቡቕ እንድዩ፡ ካብ ዝተፈላለየ ሓሳባት ድማ ክንመሃር ስለ እንኽእል ዝጽላእ ኣይኮነን።

እቲ ናይ ርሑቕ ዕላማና ሓንቲ ቕዋማዊ  ምሕደር  ዘለዋ ሃገር ምፍጣር፡  ፍትሕን ዲሞክራስን ዝነግሰላ፡ ህዝቢ ኩሉ እቲ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ሃልዩዎ ኣብ ምዕባለ ሃገሩ ተሳታፊ ንኽኸውን፡ብዝያዳ ድማ ህዝቢ ስልጣኑ ተሰኪሙ ንዝደለዮ ከደይቦ ከውርዶ መንግስቲ ክመርጽ እየን።

 ኣብ ጉዕዞ ደንበ ተቐዋሙ ብዝሑት ናይ ኣረዳድኣ ፍልልያት እናጸበቡን፡ እናተቐራረቡ  ክኸዱ ንዕዘብ ስለዘለና፡ ዝነኣድ እዩ።  እቲ ነቐፈታ ግን ነዊሕ ግዜ ይወስደልና ብምዃኑ ጥራሕ'ዩ።ሓደ ክልተ ከም ነጥብታት ምልስ ኢልና እንተሪኢና እተን ጎነጻዊ ቓልሲ ዝብላ እቲ ውድባተን  ወይ ጽላላት ከም  መተካእታ  ህግደፍ  ማቕማጥን  እየን፡ እዚ ናይ ሎሚ ናይ ይኣክል ተበግሶ ነቲ ህዝባዊ ናዕቢ፡ እንቢ ንምልኪ ኣቢልካ ሰዓብቲ ህግደፍ ኣብ ጎድንኻ ኣሰሊፍካ እዩ ስርዓት ዝወድቕ ብዘይጎነጻዊ ዝብል ኣምር ዝነበረ ውሑዳት ውድባት/ ሰልፍታት ሎሚ ኩሉ ርዒምዎ ክትርኢ ብዙሕ ከም ዝሶጎምና እዩ ዘመልክት። እቲ ብፍላይ ድሕሪ ምምስራት ምሕዝነት፡ኪዳን ውዘተ ዝርኤ ዝነበረ ኣረኣእያታት ንነብሱ ከም መተካእታ ህግደፍ ምጥማቱ ሓደ ካብ'ቲ ድኽመታት ዝነበረ እዩ።

  ኣብ'ዚ መድረኽዚ  እንበኣር ዝጽበየና ዘሎ ስራሕ  ነቲ ዕላማና ንኸይንበጽሕ ዝዕንቕፈና ጉጅለ ህግደፍ ምእላይ  እታ ቀዳመይቲ  ልክዕ ከምታ ሰውራ ኤርትራ ንደርጊ ከም ዕንቕፋት ዝኣለዮ ትኹን። ኣብ ረብሓ ናይ ቕዋማዊ ምሕደራ ዘለዋ ሃገር ምፍጣር ናይ ኩሉ ለውጢ ዝደሊ ህዝብና ኣብ ውሽጥን ግዳምን ዘሎ፥ እቶም ነቲ ስርዓት እንቓወሞ ዘለና ዝተወደብናን ዘይተወደብና፥ በርጌሳዊ ማሕበራትን ኣብ ግዳም ምስቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዉ ብሓልፍነቶምን ብቐረባ ኣብ ምቕያርን ምልዋጥን ዓቢ ግደ ክጻወቱ ዝኽእሉ፡ ናይ እዞም ክልተ ሓይልታት ድሌት ንሰላምን ርግእትን ዝፈጠር  መሰጋገሪ መድረኽ ክንፈጥር ናይ ግድን ክኸውን እዩ።

 መሰጋገሪ መድረኽ ብዝብል ይጸሓፍን ይግለጽን ብምህላዉ ኣብ'ዚ እዋን ምስኡ ኣሰንዮም እቲ ክህልወና ዝግብኦ ስርዓተ ምሕደራ ዝብል እውን ብዙሕ ኣበርክቶ ብምህላዉ ተስፋ ዝህብ ስለዝኾነ ምስጋናይ ነቶም ነዚ ዘበርክቱ ዘለዉ ባእታትን ውድባትን ይኹን።ኣብ'ዚ ክፍለጥ ዘለዎ ነገራት ንሕና ኣብ ቓልሲ ተሰሪዕና ነዚ ስርዓት ክንቓወም እንከለና ምስቲ ምሳና ዘለዎም ኣረዳድኣ ዝቐራረብ  ውልቀ-ሰባት ኣብ'ቲ ሎሚ ነዚ ስርዓት ምምዛንን ኣብ ድሕሪ  ውድቀቱ ዘለና ናይ ሓባር ኣረኣእያ ደኣንበር  ወዲ ገዛውተይ፥ ኣብ ገድሊ ነይሩ ምሳይ፥ ወይ ኣንጻር እገለ ውድብ/ ሰልፊ ስለዝኾነ ምሳይ/ ምሳና ኢልካ ክኸውን ኢልካ ናይ ህልኽ ፖለቲካ ኣይኮነን፥ ስለዚ ንሕና ብጽባሕ ደኣንበር ንድሕሪት እንዳጠመትና፡ ክንፈላለን ካብ ቃልሲ ክንበኩርን ኣይግበኣናን።

ናብ'ቲ መሰጋገሪ ክምለስ፡ እታ ምስ ውድቐት ስርዓት ኢሰያስን ምትካል ህዝቢ ዝሳተፎ ናብ ዲሞክራሲን ፍትሕን ዝብገሰሉ ዘሎ እዋን ወይ ግዜ እዩ።እዚ መድረኽ ግን ብእንረደዳኣሉ ነጥብታት ልሙጽ ወይ ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል። እቲ መበገሲ ክኾነና ዘለዎ እዚ ዘለናዮ  ሚዛን ክህበና ይኽእል ኢለ ይግምት። እስከ ነቶም ምናልባታት ንፈትሾም፡

1 ወዲ- ሰብ  እንድሕሪ ተወሊዱ ኣብ ሓደ ግዜ ህላዌኡ የብቕዕ ኣላህ ድዩ ዝጽዋዖ ወይ እግዛብሄር

2 ሓደ ይኣክል ኢሉ ኣብ ሂወት ስጉምቲ ይወስድ

3 ገለ ኣባላት ህግደፍ ዕልዋ ይፍጽሙ

4 ዝለዓለ ተሳትፎ ዘለዎ ወተሃደራዊ ሓለፍቲ መንግስቲ ይግልብጡ

5 ናይ ግዳም ሓይልታት ኢድ ዘለዎ ምቕያር ይፍጠር

ዝብላ ክኾና እንከለዋ ነናተን ኩነታትን ሳዕቤናትን ኣለወን። ኣብ'ዚ እቲ ደንበ ተቓውሞ ዋላ ሓንቲ ኣስተዋጽኦ የብሉን ከም ማንም ሃገራዊ ተጸባያይ ናይ'ቲ ምዕብልናታት ተዓዛባይ ኮይኑ ወይ ክነቕፍ ወይ ክድግፍ ኢዩ ዝኸውን።

  ነብስና ከይነዕሹ ኣብ ግዳምን ውሽጥን ዋላ ሓንቲ ምትእስሳር የለን። ኣብ ሰናይ ድሌት ናይቶም ኣብ ቁጽሪ 3 ን 4ን ዘለዉ ኢና ንወድቕ። ነዚ ምናልባታት ክንሰግር እንተኾይና ግን ከሎ ጌና ሎሚ ጽባሕ ዘይኮነ፡ ደንበ ተቓውሞ ብፍላይ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታን ኣብ ሓደ ስምምዓት ክብጽሓ ይግባእ፡ፖለቲካዊ ውድባት እየን ነቲ ፖለቲካ ሃገር ዝፈትሓ ንሕና ከም ተራ ኣባላት ህዝቢ ነቲ ስምምዓት ርኢና ደገፍናን ነቐፌታን ክንህብ  ህዝባዊ ሕላፍነትና ኢዩ  እንበር ኣብ መሰጋገሪ ውድባት ክህልዋ የብሉን ዝብል ሓሳባት ዓዲ ዘእቱ ኣይኮነን። ሃናጺ እውን ኣይኮነን። እተን ውድባትን ሰልፍታትን እኮ ኤርትራውያን እቶም ኣባላተን እውን ሰባት ኮይኖም ከይተወደብካ ኣይትዕወትን ኢኻ ኢሎም ኣሚኖም ነቲ ውድብ/ ሰልፊ ከም መሳርሒ ነቲ ንምውዳቕ እቲ ስርዓት እንበር ንዘይተታሕዘ  ስልጣን  ኢልካ ዘየድሊ ሓሳባት ምስራጽ ጽቡቕ ስራሕ ኣይኮነን።

 እቲ መሰጋገሪ  መድረኽ እንበኣር ከም'ቲ እንትምነዮ ክኸውን ስለዘይክእል ካብ ሎሚ ተዳሊና ነተን ምናልባታት ብልክዕ ኣንቢብናን ተዳሊናን ምጽናሕ ከድልየና እዩ፡ እዚ ክንገብር እንተዘይበቒዕና ግና ነቲ ለውጢ ናይ ግድን ድማ ክመጽእ ተጸበይትን ኣብ ሰናይ ድሌት ናይቶም ዝልውጡ ሓይልታት ክንከውን ምዃና ካብ ሕጂ ክርድኣና ይግብእ።  እት ደንበ ተቓውሞ ሓላፍነቱ ክስከም ይግብኦ ብፍላይ እተን ሰልፍታትን ውድባትን። እቲ  ለውጢ ዝደሊ ህዝቢ እውን ኣወንታዊ ግደ ይጻወት ምኽንያቱ ናይቲ ስርዓት ምውዳቕ  ቀሊል እዩ ። እቲ ዝኸበደ እቲ ዝጽበየና ኣብ  ክንድኡ ንእንተኽሎ ን ንምስርቶን ስርዓተ ምሕደራ እዩ።

Last modified on Monday, 25 November 2019 11:44