ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ትግራይ ክንቀሳቐሱን ክሰርሑን እንታይ ከማልኡ ይሕተቱ?

2019-11-23 10:11:01 Written by  BBC Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1620 times

ኤርትራውያን ኣብ ስራሕቲ ዕንጸይቲ

ናይ ምስሊ መግለጺ ኤርትራውያን ኣብ ስራሓት ዕንጸይቲ

ኣብ ጥሪ 2019 ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ስደተኛታት ክሰርሑ፡ ክምሃሩ፡ ካብ መዓስክር ወጺኦም ኣብ ድላዮም ክነብሩ፡ ዘፍቅድ ሕጊ ምጽዳቑ ዝዝከር እዩ።

እንተኾነ ዝሓለፈ ረቡዕ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም '21 ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ሕጋዊ ናይ ስደተኛታት ወርቐት እንከለዎም ብፖሊስ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ፡ ክልል ትግራይ፡ ተኣሲሮም' ዝብል ሓበሬታ ስለዝበጽሓና ንምጽራይ ፈቲንና።

ኣዛዚ ፖሊስ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ኢንስፔክተር ትኩእ ንጉሰ ግን "ብሽም ኤርትራዊ ተባሂሉ ዝተኣሰረ ሰብ የለን፡ እንተኾነ ካብ መዓስከር ስደተኛታት ብዘይፍቓድ ዝመጽኡ 21 ኤርራውያን ረኺብና፡ ወረቐት ስለዘይነበሮም ኸኣ ናብ እንዳ ኣራ መሊስናዮም፡ ናብ ቤት-ማእሰርቲ ዝብሃል ግን ኣየእተውናዮምን" ኢሉ።

ኣዛዚ ፖሊስ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ኢንስፔክተር ትኩእ ንጉሰ ብተወሳኺ፡ "ታሴራ ንዘይብሉ ዋላ ኢትዮጵያዊ ይኹን'ውን ንሓትት ኢና" ድሕሪ ምባል "ዝኾነ ስደተኛ ካብ መዓስከር ወጺኡ ኣብ ዝኾነ ከተማ ንክሓድር እንድሕር መደብ ሃልይዎ፡ ካብቲ መዓስከር ትውሃቦ ወረቐት ኣላቶ።

"ካብ መዓስከር ወጺኡ ኣብ ዝኾነ ክፋል ኢትዮጵያ ናይ ምንባር መደብ ምስ ዝህልዎ ኸኣ ናቱ ኣገባባት ኣለዎ። ካብ ኤርትራ ብቀጥታ መጺኡ ኣብ መዓስከር ከይኣተወ ኣብ ከተማታት ዝነብር ዘሎ ኸኣ፡ ካብቲ ዝነብሮ ዘሎ ምምሕዳር ወረቐት ኣውጺኡ ዝነብረሉ ኣገባብ እዩ ዘሎ" ኢሉ።

ኣዛዚ ፖሊስ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ኢንስፔክተር ትኩእ ንጉሰ፡ "ሰትዮም ክርብሹ ንሕዞም ኣለዉ፡ ኤርትራውያን ብምዃኖም ግን ኣይኮነን" ኢሉ።

ካብ ትካል ምምሕዳር ጉዳይ ስደተኛታት (ARRA) ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፡ ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ ብኽልተ ኣገባባት ካብ ማዓስከር ወጺኡ ኣብ ኢትዮጵያ ክንቀሳቐስን ክሰርሕን ከምዝኽእል ይሕብር።

እቲ ቀዳማይ፡ ካብ መዓስከር ወጻኢ ኢትዮጵያዊ ኮነ ግዝያዊ ፍቓድ መንበሪ ዘለዎ ዜጋ ካልእ ሃገር፡ ንሓደ ኤርትራዊ ሓላፍነት ወሲዱ ከንብሮ ዝኽእል እንተኾይኑ፡ ተዋሒሱ ከውጽኦ ይኽእል እዩ።

ሰባት ናብ ኤውሮጳ ካብ ምኻድ ክቑጠቡ ዘዘኻኽር ፖስተር ኣብ ኢትዮጵያ

ኣብዚ እቲ ኤርትራዊ ቅድሚ ምውጽኡ፡ ን45 መዓልታት ኣብቲ መዓስከር ዝጸነሐ ክኸውን ኣለዎ፡ ዝብል ክኸውን እንከሎ።

እቲ ካልኣይ ዋሕስ ዝኾኖ ዘይረክብ ግን ድማ፡ ካብቲ መዓስከር ወጺኡ ክንቀሳቐስ ዝደሊ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ናብቲ ዝደለዮ ክኸይድ ንክልተ ኣዋርሕ ፍቓድ ይወሃቦ። ፍቓድ ከምዝተወሃቦ መረጋገጺ ሕጋዊ ወረቐት ክሕዝ ኸኣ ይግበኦ ይብል።

ነታ ዝተወሃበቶ ወረቐት እናሕደሰ ክንቀሳቐስን ክሰርሕን ይኽእል፡ ካብ ትግራይ ወጻኢ ዘሎ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዘሕድስን፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ድማ ኣብ ሽረ ከይዱ ከሐድስ ከምዝኽእልን ከኣ እቲ ሓበሬታ የብርህ።

ካብዘን ዝተሓበራ ክልተ መምርሒታት ወጻኢ ግን፡ ካብ መዓስከር ስደተኛታት ወጺኻ ምንቅስቓስ ኣይከኣልን። ብዘይፍቓድ ክንቀሳቐስ ዝተረኸበ ናብቲ መዓስከር ክምለስን ሕጋዊ ኣገባብ ክኽተል ይግበር ድሕሪ ምባል፡

"እቶም ኣብ ሽረ ክንቀሳቐሱ ፖሊስ ዝረኸቦም 21 ኤርትራውያን ሕጋዊ ፍቓድ ኣይነበሮምን። ፍቓድ እንተዝህልዎም እሞ፡ ፖሊስ እንተሒዝዎም ሕጋዊ ኣይኸውንን። ሕጋዊ ፍቓድ ስለዘይነበሮም ናብ ቤት-ጽሕፈት መተሓባበሪ ስደተኛ ኣምጺኡዎም፤ ንሕና ድማ ናብቲ መዓስከር ተመሊሶም ሕጋዊ ኣገባብ ክኽተሉ ምዒድና ልኢኽናዮም ኣለና" ዝብል ሓበሬታ ረኺብና።

Source=https://www.bbc.com/tigrinya/news-50528170