ባይቶ ይኣክል ሎንዶን፡ ዕዉት ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ

2019-11-21 20:09:48 Written by  ኣሰፋው በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1764 times

ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ (EMM) ብዕለት 17 ሕዳር 2019 ብኣማእት ዝቑጸሩ ደለይቲ ፍትሒ ተቐማጦ ሎንዶን ዝተሳትፍዎ ሰፊሕ ህዝባዊ ኣኼባ ኣሰላሲሉ። እዚ ብኣካያዲት ሽማግለ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ዝተጸውዐ ቀዳማይ ሓፈሻዊ ህዝባዊ ኣኼባ፡ ንክልተ ምኽኒያታት ኢዩ ኔሩ። እቲ ቀዳማይ ኣካያዲት ሽማግለ ናይ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ጸብጻብ ስራሓ ናብ ህዝቢ ከተቕርብ ስለዝደለየትን እቲ ካልኣይ ድማ ካብ ህዝቢ ምኽርን ሓሳብን ክትወስድ ስለ ዝሓሰበትን ኢዩ። ስለዚ ድማ፡ ፕሮግራም ኣኼባ ኣብዘን ክልተ ነጥቢታት ዝጸመደ ኮይኑ  ቀጺሉ።

ኣብ መጀመርታ ከይዲ'ቲ ኣኼባ፡ ካብ ህዝቢ ርእይቶታት ዝእክበሉ፡ ንኹሉ ተሳታፋይ ኣኼባ ናብ 8  ናይ ክትዕ ጉጅለታት ብምምቃል፡ ኩለን ጉጅለታት ተኻቲዐን ብሱል ሓሳባት ንኸቕርባሉ ኣርእስተ-ጉዳያት ተዋሂብወን። ካብ ውሽጠን ብዝመረጽኦ ሰብ ኣቢለን ድማ ዝተጸምቈ ሓሳብ ኣቕሪበን። በዚ ኣቢላ፡ ኣካያዲት ሽማግለ ካብ ተሳታፋይ ህዝቢ ኣብ ስራሓ ዝጠቕማ ኣገደስቲ ሓሳባት ክትምዝግብ ኪኢላ። በቲ ካልእ ሸነኹ ድማ፡ ህዝቢ ናይ ዋንነት ስምዒት ኣብ ዝኸይድ ዘሎ ቃልሲ ከምዝሓድሮ ክገብር ዘኽኣለ ኣስራርሓ ኢዩ ነይሩ።

ጸብጻብ ስራሕ ኣካያዲት ሽማግለ፡ ብመራሒኣ ሓው ዳኒኤል ቦኽረ ቀሪቡ።

ምስቲ ዘሎ ክቱር ድሊታትን ትጽቢታትን ኣብ ለውጢ ዝተሰርሐ ስራሓት ንኡስ ዝመስል’ኳ እንተኾነ፡ ብመንጽር ዝነበረ ኣበጋግሳን ዝገጠሞ ብድሆታትን ክረአ እንከሎ ግና፡ ዝተሰርሐ ስራሓት ኣዚዩ ተስፋ ዝህብ ከምዝኾነ ዝከሓድ ኣይኮነን። ሓያለይ ብዘይ ብኦም ንቅድሚት ክትከይድ ዘይትኽእል ስረሓት እዮም ተዓሚሞም።

መራሒ ኣካያዲት ሽማግለ ሓው ዳንኤል ቦኽረ ኣብቲ ነዊሕ ጸብጻቡ ንኣምር ህዝባዊ ናዕቢ ኣብሪሁ፡  ክሳብ ሕጂ ካብ ዝተሰርሑ ጉዳያት ገሊጹ፡ ኣብ ስራሖም እናተሞርኮስሎም ዝመጹ ኣካላትን ንመጻኢ ትኹረት ዝህብዎም ጉዳያትን ኣብሪሁ።

ህዝባዊ ናዕቢ፡ ንኹሎም "ይኣክል" ኢሎም ብቁጥዐ ዝተበገሱ፡ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊን ማሕበራውን ዝምባሊታት ክህልዎም ዝኽእል ዜጋታት ዘካተተ፡ ንምልካዊ ስርዓት ኣልጊስካ ሃገርና ሰላም፡ ፍትሒ፡ ዲሞክራስን ግዝኣተ-ሕግን ዝነገሳ ንምግባር ዝኸይድ ሰፊሕ ምንቅስቓስ ከም ዝኾነ ኣብሪሁ።

ብደረጃ ዓዲ እንግሊዝ ባይቶ ይኣክል ቆይሙ፡ ኣብ ስራሕ ተጸሚዱ ከምዘሎን፡ ብደረጃ ኤውሮጳ ሓቢርካ ክስርሕ ዝኽእል ጅማሮ’ውን ተበጋጊሱ ከምዘሎ ተሓቢሩ። እቲ ቀንዲ ክትኮረሉ ዘለዎ ግን፡ ኩሉ እንነብረሉ ከባቢ ከም ናይ ቃልሲ ቦታ ቆጺርና ኣብኡ ከም እነድምዕ ምግባር ኢዩ። ሽዑ ጥራይ ኢዩ እቲ ዝፍጠር መላግቦታት ትርጉም ክህልዎ ዝኽእል ኢሉ።

ባይቶ ይኣክል ሎንዶን ኣብ ስራሑ ትኹረት ሂብዎም ካብ ዝጸንሑ ክፍልታት፡ ናይ ዕድመ ጸጋ ዘለዎም ምኩራት፡ ምሁራት፡ ክኢላታት፡ ደቀ-ኣንስትዮን መንእሰያትን ነይሮም። ምስኣቶም እንካን-ሃባን ብምብህሃል ስራሑ ከቃልልን ክሳልጥን በቒዑ ኢዩ። በቲ ካልእ መዳዩ ድማ እዚ ሕጂ መንእሰይ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ መቐጸልታ ናይቲ ኣያታቱን ወለዱን ዘካይድዎ ዝነበሩን ዘለዉን ከምዝኾነ ኣሚኖም፡ ኣብ መጻኢ’ውን ምስ ሰብ ጸጋ ዕድመን ምኩራትን ሓቢሮም ምስራሕ፡ ንሞያእም ሞሳ ከም ምሃብ ኣብ ርእሲ ምቑጻሩ፡ መርኣያ ናይ ወለዶታት ምውርራስ  ከምዝኾነ እዩ ‘ውን ዘመስክር።

ደቀ-ኣንስትዮ ርእሰን ወዲበን ንምንቅስቓስ  "ይኣክል" ኣብ ሎንዶን ዝህቦኦ ዘለዋ ኣገልግሎት፡ ዝገብረኦ ዘለዋ ምትብባዕ ካብ ዓይኒ ዝኾነ ተዓዛባይ ክሕባእ ዘይክእል ኢዩ። ክጎያ ዝኽእላ ዝተማህራ ውፍያት መንእስያት ምርኣይ ተስፋ ዝህብ እዩ። ግደ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኩሉ መድያት ዝለዓለን ዝሰፍሐን ምእንቲ ክኸውን ተሳተፍቲ ኣኼባ ሓደ ካብ ዝተዛረብሉን ሃብታም ሓሳባት ንኣካያዲት ሽማግለ ካብ ዘቕረብሉን ጉዳያት ነይሩ።

ዓንዲ-ሕቆ ናይዚ ምንቅስቓስ መንእስያት ኢዮም። ከተማ ሎንዶን ኣብ ኣርባዕተ ዞናታት ከፊሎም፡ መንእሰያት ዝበዝሕዎም ጉጅለታት ምውዳብ ይኸይድ ኣሎ። ገሊአን ናተን ዝምእክለን ሽማግለ ኣቑመን ኣለዋ። ገለ ድማ ቆጸራ ዝሓዛ ኢየን። ዕላማ ናይዚ ውደባዚ፡ 1) ነቲ ስራሕ ተመቓቒልካ ንምዕማም 2) ውዳበኻ ንምስፋሕን ብቕዓት ንምድላብን 3) ድማ መንእስያት በብዘለዉዎ ከምዝላለዩ ንምግባርን ናይ ምትሕግጋዝ መንፈስ ንምፍጣርን እዩ።

መራሒ ኣካያዲት ሽማግለ፡ ኣብ ጸብጻቡ ካብ ዝጠቐሶም ካልኦት ጉዳያት፡ ብዛዕባ ማሕበራዊ መድያን ብቕዓት መሪሕነትን ዝምልከቱ ነይሮም።

ጉዳይ መዲያ ብዝምልከት፡ ምስ ኣብቲ ሜዳ ዝዋስኡ ሰብ ሞያ ወይ ኣፍልጦ ዘለዎም፡ ክልተ እዋን ዓውደ-ስራሕ ተኻይዱ ከምዝነበረን፡ ነቲ ስራሕ ሓገዝቲ ክኾኑ ዝኽእሉ ሓሳባት ተዋህሊሎም ከምዘለዉን ተሓቢሩ። ነዚ ስራሕ'ዚ እትነጥፈሉ መንእሰይ ሓውቲ ብደረጃ ኣካያዲት ሽማግለ ከምዘላቶ ውን ዝፍለጥ ኢዩ።

ህዝብና፡ ብፍላይ ድማ ንኣሽቱ ደቅና ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት መታን ፍልጠት ክህልዎም ዝሕግዛ መንእስያት ደቀ-ኣንስትዮ ተዋፊረን ከምዘለዋ’ውን ኣብቲ ኣኼባ ክንርዳእ ክኢልና።

ካብ ዝቐረበ ጸብጻብ ክርድኦ ከምዝኸኣልኩ፡ ባይቶ ይኣክል ሎንዶን ኣብ መጀመርያ ክቐውም እንከሎ፡ ነቲ ተጀሚሩ ዝነበረ ባርዕ ንዘይምዝሓል፡ ብይኹነልና ዝተመስረተ ኢዩ ነይሩ። መን ካብ መን ይሓይሽ ተባሂሉ ብመጽናዕቲ ዝተበገሰ ኣይነበረን። እዚ ድማ መተካእታ ዘይነበሮ ኣገባብ ኢዩ ነይሩ። ነዚ ምንቅስቓስ ዝምጥኖ መሪሕነት ምፍጣር ዘድሊዮ ከም ዝኾነ፡ መራሒ ኣካያዲት ሽማግለ ኣብ ጸብጻቡ ኣብሪህዎ ኣሎ።

ኩሉ ደላይ ለውጢ ብዘለዎ ዓቕሚ፡ ብናይ ዋንነት ስምዒት  ኣበርክቶኡ ክዕዝዝ እንተኾይኑ፡ ዘላ ኣካያዲት ሽማግለ ድማ፡ ኣሳታፊትን ሰማዒትን ክሳብ ዝኾነት፡ ነዚ ምንቅስቓስ ዝምጥን ኣመራርሓ ክትህብ ዘጸግማ ኣይክኸውንን ኢዩ።

በቲ ካልእ ሸነኽ ውን፡ እቲ ናይ ምክፍፋል ስራሕ ገይራ እትኸዶ ዘላ ኣገባብ፡ መራሕቲ ክኾኑ ዝኽእሉ ዝልለይሉ መስርሕ ስለዝኾነ፡ ኣብ ዝመጽእ ምርጫ ኣካያዲት ሽማግለ ዝሓሸ ውጽኢት ከም ዝህልዎ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ንምጥቕላል ዝኣክል፡ ዝተኻየደ ህዝባዊ ኣኼባ ኩሉ ዝተሓጎሰሉ ኣኼባ እዩ ነይሩ። ሱታፈ ሰፊሕ፡ ዝቐረበ መልእኽታትን ኣገባብ ኣቀራርብኡን ኣዕጋቢ ነይሩ። ንኣኼበኛ ብልዑል መንፈስ ቃልሲ ክወጽእ ገይርዎ እዩ። እምበኣር ሕጂ እቲ ዝተርፍ፡ ኩሉ ኣካባይ ይኹን ተኣካባይ፡ መራሓይ ይኹን ተመራሓይ ሓላፍነት ተሰሚዕዎ፡ ኣብ ቃላቱን፡ ስምምዓቱን፡ መብጻዓታቱን ብምጽናዕ ንትግባረኦም ክረባረብ ይግብኦ። ነዚ ክንበቅዕ እንተክኢልና እቲ ለውጢ ኣብ ቀረባና ኢዩ።

ኣሰፋው በርሀ ሎንዶን