ካብ ስነ-ፍልጠት ወጻኢ ብምጉዓዝ ዲሞክራሲ ኣይዕምብብን

2019-11-21 09:09:05 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1432 times

ፖለቲካዊ ምምሕዳራት፡ ከም ንጉሳዊ ወይ ዘውዳዊ፥ ረፑብሊካዊ፥ ዲሞክራሲያዊ፥ ውልቀመላኺ፥ ገባቲ ወዘተ ኣብ ዓለምና ካብ ዝተራእዩ ተመኩሮታት እዮም።   ውጽኢት እቲ ተመኩሮታት እቲ እወንታዊ ወይ ድማ ኣሉታዊ  ክኸውን ይኽእል። ማለት እቲ ምሕደራ ርእይቶ ህዝቢ ዝቕበልን፥ ንርእይቶ ህዝቢ ነጺጉ ብናቱ ዝረኣዮ ዝኸይድን ዝጭፍልቕን። ወይ እውን ፍትሒ ኣልቦ ኮይኑ ንውሑዳት ዘገልግል፥ ወይ ድማ ንኹሉ ብማዓረ ዘተኣናግድን ክኸውን ይኽእል።  እዚ ርሑቕ ከይከድና ኣብ ከባቢና ዝገበር ለውጥታት ነቲ ስልጣን ዝቆጻጸር ኣየናይ ደርቢ ኢዩ ኢልካ ምምማይ ብጣዕሚ ኣገዳሲ ኢዩ።

ከም ኣብነት ኣብተን መብዛሕተአን ሃገራት  ብብረታዊ ቃልሲ ስልጣን ዝሓዛ ውድባት፥ ዳርጋ ኩለን  ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮአን ዲሞክራስያዊ መትከላት ኢየን ሓንጺጸን። ዲሞክራሲያዊ መትከላት ብዘይ ግብሪ ድማ ናይ ኣፍ ጭርሖ እምበር ዘተኣማምን ኣይከውንን። ብፍላይ እቲ ኣብ ሜዳ ዝነበራሉ እዋን ነቲ ዲሞክራሲያዊ መትከላት ብኸመይ የተግብርኦ ነይረንን ኣለዋን ዝያዳ ምርምር ዘድልዮ ይመስል። ምኽንያቱ ኣብ ሜዳ ኣንከሎኻ ዝነበረ ኣተሓሳስባን ስልጣን ምስ ጨበጥካ ዝፍጠር ኣተሓሳስባን ነንበይኑ ይኸውን ስለዘሎ።

ንኣብነት፡ ስርዓት ኢሰያስ ንውድብ ህዝባዊ ግምባር እናመርሐ ዝመጸ፥ ኣብ መትከላቱ ዝነበረ ወርቃዊ ዝኾነ ዲሞክራሲያዊ ሕንጻጻት እንታይ ክወጾ። እቲ ሕቶ ግን ኣብቲ ኣብ ሜዳ ዝነበረሉ ግዜ ንዲሞክራሲያዊ መትከላት ንምትግባር፥ እቲ ውሽጣዊ ዲሞክራሲ ናይቲ ውድብ ከመይ ነይሩ ኢልና ክነጽንዖ የድሊ። ቅድሚ ናብቲ ውሽጣዊ ዲሞክራሲ ናይ ሓደ ሰልፊ ምእታውና ግና፥ እቲ ውሽጣዊ ዲሞክራሲ ዝበሃል እንታይ ከማልእ ኣለዎ ምጥቃስ ኣገዳሲ እዩ።

ሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ወይ ማሕበር ዝግዘኣሉ ሕጊ ወይ ቅዋም ኣለዎዶ። እንተልይዎኸ በቲ ዝሓንጸጾ ሕግን ቅዋምንከ ይግዛእዶ ዝብል መሰረታዊ ዝኾነ ኣምር እዩ። ካብዚ ቀጺሉ ንናይ መሪሕነት ይኹን ተራ ኣባላት ምትሕስሳብን ቁጽጽርን ብግሁድን ብግልጽንዶ ይጥቀማሉ እየን። ኣገባብ ምምራጽ መሪሕነታትንከ ብነጻን ፍጥሃውን ዲዩ ወይ ብሎቢንግ (loby)፥ ድሕሪ መሪሕነት ምምራጽከ እቲ መሪሕነት ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ክሳብ ጨናፍር ናይ ወኸሳታት መስርሕ ይካየድዶ። ኣባላትን፥ መሪሕነትን  ነቲ መደባት ይኹን ፖለቲካ ወይ ራኢ ሰልፊ ንምምዕባል ብሓባር ኮይኖምዶ ይካትዑሉ። ኣብ ቅዋም ይኹን ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ምቅይያራት እንተልዩ ቅድሚ ኣብ ጉባኤ ምውራዱ ኣብዝን ኣብትን ዝተቐየረ ኣሎ ተባሂሉ ይግለጽዶ ወዘተ ዝብል ነጥብታት ዝሓዘለ እዩ። እዚ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ይኹን ኣብ ኩለን እተን ውድባት ኤርትራ ኩሉ’ኳ እንተዘይተባህለ ብመጠኑ ግን ነይሩ እዩ።

ስለዚ መሪሕነት ህዝባዊ ግምባር ኣብ ሜዳ እንከሎ ብጉባኤ ዝተመርጸ መሪሕነት ኣኼባ ከይገበረ ይጎዓዝ ነይሩ ክበሃል ኣይከኣልን።  ይኹን እምበር ኣብቲ ውሳኔታት እቲ ኣባል መሪሕነት ዝድግፍን ዝቃወምን ክህሉ ናይ ግድን እዩ። እቲ ሽግር እምበኣር እቶም ንኢሳያስ ዝድግፉ ስለዝበዝሑ፥ እቶም ነቲ ውሳኔ ዝቃወሙ  ውሑዳት እንተኾኑ፡ እቲ ዘቕርብዎ ሓሳባት ዋላ ብድምጺ እንተተዓብለለ ርእይቶ ውሑዳት ኣብ ግምት ከይኣተወ ስለ ዝንጸግ እምበር፥ ዘቕርብዎ ሓሳባት ግጉይ ነይሩ ክበሃል ኣይከኣልን። ከምዚ ስለዝኾነ ድማ እቲ ውድብ ይኹን ሰልፊ በቲ መሪሕነት ዝብሎ ተቐበልትን ወይ ሰዓብነትን ብዝኾኑ ባእታት ስለ ዝኽበብ፥ እቲ ዝወርድ ሓሳባት ቅኑዕ ዲዩ ግጉይ ከይተጸንዐ  ተቐባልነት ይረክብ። ውጽኢቱ ድማ ነቲ ናይ ዝተፈላለየ ርእይቶታት ይኹን ሓሳባት ክበስልን ዝሓሸ ምርጫ ንምውሳድን ስለዝዓግት፥ ምልኪ ሰላሕ እናበለት ሰራውራ ተስፋሕፍሕ። ምኽንያቱ ምድምማጽን፥ ንሓሳባት ብኹሉ ኩርናዑ ኣዳቒቕካ ናይ ምጽጻዩን ተግባር በቶም ንኹሉ ሕራይ እናበሉ ዝኸዱ ስለዝህረም ሰራውር ምልኪ ብቐሊሉ ይዝርጋሕ።

እነሆ ድማ ኢሳያስ፡ ነቶም ኣብ ጐኑ ዝሓዞም ንኡኡ ሕራይ እናበሉ ዝኸዱ ዝነበሩ ተማእዘዝቲ እንተስ ብጥቕሞም ወይ ብሰዓብነቶም  ነታ ምልኪ ኣራጒዶም ህዝቢ ክምዝጭፍጨፍ ገይሮም። እዚ ማለት ህዝባዊ ግምባር ከም ውድብ በቶም መሳርሕን ሓብሓብትን ኢሰያስ ዝነበሩ፡ ንርእይቶ እቶም ኣይፋልኩምን ዝብሉ ዝነበሩ ገሊፎም ምልኪ ስለ ዝደገፉ፥  ፖለቲካዊ ውድባት  ወይ ሰልፍታት ናቱ ኣሰር ኢየን ክሕዛ እሞ ህላዌ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኣድላዪ ኣይኮነን ምባል ዓቢ ጌጋ ኢዩ። ኣብ ክንዲ ኣየድልያን ምባል፥ እተን ውድባት ወይ ሰልፍታት እቲ ውሽጣዊ ዲሞክራሲያውነተን የዕቅባን ይሰርሓሉን ዲየን ኢልካ ምምርማርን ምክትታልን ዝበለጸ ምኾነ። ካብዚ ወጻኢ ብዘይ ውደባ  ቅንዑን ኣደናጋርን ባእታ ክትመሚ ኣይከኣልን እዩ።

ንኣብነት እዚ ናይ "ቀውዒ ዓርቢ"  ብዘይካ ኣብ ቱኒዝያ ገለ ዓወት ምጉንጻፉ፥ ኣብተን ካልኦት ብፍላይ ኣብ  ኣፍሪቃ ዘለዋ ሃገራት ማለት ህዝባዊ ማዕበል ዘካየዳ ከም እኒ ኣብ ግብጽን ኣልጀርያን ዝመረጽዎም መራሕቲ፥ ምውሓስ ሰላምን ምርግጋእን ገዲፎም ኣብ ዕገርግር ተወጢሖም፡ ኣብ ክንዲ ቁጠባዊ ዕቤት ይኹን  ፍትሒ ዘረጋግጹ ንምልኪ ዓትዒቶም ሒዞማ ይርከቡ። ስለዚ እቲ ህዝቢ ነቲ ምልኪ ንምልጋስን ኣብ ክንድኡ ንድሌት ህዝቢ ዘማልእ ስርዓት ንምትካልን ህላዌ ፖለቲካዊ ስልፍታት ክኣምንን ክከታተለንን እምበር ክነጽግን ኣይግበኣን። እንተዘይኮይኑ፡ ኣብ ጥራይ ጐልጐል ሆ ምባል ጥራይ፡ ወይ ደሓር ዝኾነ ይኹን ምልኪ ጥራይ ይወገድልና ምባል እንተኮይኑ፡ ሎሚ ኣቐዲምካ ስለ ዘይሓሰብካሉ ዳሕራይ ሰላምን ፍትሕን ምንጋስ ኣጸጋሚ ከም ዝኸውን ከሎ ጋና ምስትውዓል የድሊ።

 

Last modified on Thursday, 21 November 2019 10:11