ተወከልቲ ህወሓት ኣብቲ ሎምዓልቲ ዝቕፅል ኣኼባ ኢህወዴግ ከምዘይሳተፉ ተገሊጹ

2019-11-17 09:53:46 Written by  BBC Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2017 times
ኣኼባ ኢህወዴግ ኣብ ጉዳይ ውህደት Image copyright Ebc

 

ኣብቲ ትማል ዝተኻየደ ዘተ ውህደት ኢህወዴግ፡ ኣባላት ፈፀምቲ ስራሕ ህወሓት: ብዘይካ ጌታቸው ኣሰፋ ኩሎም ከምዝነበሩን ኣብ ሓደ ውድባዊ ኣቕዋም ፀኒዖም ከምዝወጽኡን ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ህወሓት ኣይተ ኣስመላሽ ወልደስላሴ ገሊፁ።

ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ኣኼባ "ኢህወዴግ ብሽዱሽተ ድምጺ ተቓውሞ ጥራይ ንውህደት ኣጽዲቑ!" ብዝብል ካብቲ ግንባርን መራኸብቲ ሓፋሽን ንዝወጽአ ዜና ብዝምልከት ኣቶ ኣስመላሽ መብርሂ ሂቡ።

ንሱ፡ ናይ ቁጽርን ኣሃዝን ጉዳይ ዘይኮነ ህወሓት ኣብዚ ጉዳይ እዚ ካብ ነዊሕ ኣትሒዙ ውድባዊ ኣቕዋም ሒዙ ምጽንሑን፡ ኣብቲ ድምጺ ዝወሃበሉ ዝነበረ እዋን ከኣ ምውጻእ ምእታው ተሳተፍቲ ስለዝነበረ እንተዘይኮይኑ፡ ኣብቲ ኣዳራሽ ዝጸንሑ ኩሎም ተወከልቲ ህወሓት ንውህደት ከምዝተቓወሙን ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣብቲ ሎምዓልቲ ዝቕፅል ኣኼባ ኢህወዴግ ድማ ከምዘይሳተፉ ኣፍሊጡ።

ይኹን እምበር ሎሚ ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ: ንኣባላት ፈፀምቲ ስራሕ ህወሓት ጥራይ ክረክብ ስለዝደለየ ክራኸቡ እዮም።

እቲ መስርሕ ገና መዓልቦ ስለዘይረኸበ ክሳብ ጉባኤ ከምዝቕጽልን ካብ ሕዚ ንደሓር ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣብ ውድባዊ መትከልን ዕላማን ኣድሂቡ ከምዝሰርሕ እቲ ኣባል ፈጻሚት ስራሕ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣብ መፃኢ ዕድል ህወሓት "ካብቲ ውድብ ወፃኢ ካልእ ሓይሊ ኣይውስንን'ዩ ኢሉ" ኣይተ ኣስመላሽ ወልደስላሰ።

"ቅድሚ ውህደት: ኣብ ሓበራዊ ዕላማን መትከልን ምርድዳእ ክግበር ነይርዎ፡ ዕላምኡ ኣብ ዘይተነፀረ ውድብ ውህደት ኣይተቐበልናን" ኢሉ።

ውድብ ህወሓት ኣብ ውህደት ኢህወዴግ ኣመልኪቱ ቅድሚ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ "ሓውን ሓሰርን ሓደ ክኾኑ ኣይኽእሉን" ከምዝበለ ይዝከር።

Source=https://www.bbc.com/tigrinya/news-50449903

Last modified on Sunday, 17 November 2019 10:57