ኢሳይያስ’ኳ ኣይውዕሎን ኣይበሃልን።

2019-11-15 09:37:13 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1649 times

እዚ ሎሚ እውን ብዛዕባ ሕማቕ ተግባራትን ምኽሓድ መሰል ህዝብን ክለዓል እንከሎ፡ ስሙ ብቐጻሊ ዝለዓል ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ እቲ ዝመጾ ነዊሕን ኣዕናውን መንገዲ ክድህሰስ እንከሎ፡ ብዘይተኣደነ ክሕደትን ጥልመትን ዝተነድቀ እዩ። ኣብዚ ሎሚ እዋን እዚ ሰብኣይ ሓንሳብ ካብቲ ንቡር መራሕቲ ክኽተልዎ ዝግበኦም መንገዲ ወጺኡ ስለ ዝኾነ፡ “ጽቡቕ ገይሩ” ዝብል ወረ እንተዝስማዕ ኣዝዩ ፍሉይን ህጹጽን ዜና መኾነ። እንተ’ቲ ጠሊሙ፡ ክሒዱ፡ ኣሲሩ፡ ቀቲሉ ዝብል ብኻለኦት ክፍጸም እንከሎ ፍሉይ ሓበሬታ ዝበሃል፡ በዚ ንዛረበሉ ዘለና ዲክታቶር ክፍጸም እንከሎ ከም ንቡር ካብ ዝውሰድ ነዊሕ ኮይኑ እዩ።

ክሳብዚ ቀረባ ግዜ ቀቢጾም ዘይቀበጹ ውሑዳት ወገናት ድሕረትን ጥልመትን ናይዚ ዲክታቶር ክለዓል እንከሎ፡ “እዋእ ሎምስ ግዲ ናብ ልቡ ተመሊሱ ገለ ይገብር ይኸውን” ዝብል ዘይትግበር ተስፋ የሕድሩ ነይሮም። ሎሚ ብፍላይ ኣብ ከተማታት ኢትዮጵያ ገይሹ ብዙሕ ሃተፍተፍ ምስ በለ ግና፡ ኢሳይያስ ሓንሳብ ካብቲ ብሓፈሻ ጥዑያት ሰባት ብፍላይ ከኣ መራሕቲ ክኸድዎ ዝግበኦም ሓዲድ ከም ዝወጸ ስለ ዝተረድኡ፡ ካብኡ ጽቡቕ ዝጽበ ዳርጋ የለን ምባል ይከኣል። ውሽጦም ነቲ ሓቂ እንዳፈለጦ፡ ንኢሳይያስ ምንቃፍ ክብሪ ኤርትራ ከም ምርኻስ ዝመስሎም ስኩፋት ወገናት ግና ነቲ ጽላለኡ ከመላኽዕሉ ክፍትኑ ትዕዘብ ኢኻ። እዚኣቶም ወዮ ኤርትራዊ ክብሪ ብሰንኩ ኣብ ዕዳጋ ወሪዱ ዓዳጋይ ስኢኑ ከምዘሎ ዘስተብሃሉ ኣይመስሉን።

ዲክታቶር ኢሳይያስ ብህዝቢ ኤርትራ ብረፈረንደም ብ1997 ጸዲቑ ንዝተባህለ ሕገ-መንንግስቲ ጌና ኣብ ስራሕ ከይተፈተነ ሞይቱ ከም ዝበለ፡ መሰሎም ዝሓተቱ ናይ ናጽነት ስንኩላን ብጥይት ክጥቑለቡ ከም ዝኣዘዘ፡ ዕድመ ልከዖም ኣብ ትሕቲ መሪሕነቱ ዝተቓለሱ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ነበር ናይ ባይቶ ኣባልነት መሰሎም ስለ ዝሓተቱ ጥራይ ብዘይፍትሓዊ መስርሕ ዝሰወረ፡ ኣብቲ ቀያድን ናይ መወዳእታን ውሳነ ዶብ ኤርትራ ኢትዮጵያን ብወግዒ ዝጠለመ፡ ብዓብይኡ ከኣ ንወያ ክሳብ ፍጊዕ ዝብሎ ዝገዘኣ ሃገርን ደሙን ረሃጹን ዝመጸዮ ህዝብን ከም ናይ ውልቁ ጽልሚ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ንክመርሓ ከማሰሐ ካብ ሃቀነ ድሕሪ ሕጂ ካብዚ ሰብኣይ ንቡር ምጽባይ ንገዛእ ርእሱ ናይቶም ተጸበይቲ ጥዕና እዩ ኣብ ምልክት ሕቶ  ዘውድቕ እምበር ንሱስ ናይ ዕቡዳት ስርሑ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ።

ሃዋህው ሃገርና ከምዚ ዝጠቐስናዮ ኣብ ዝሃለወሉ ውዑይን ተኣፋፍን ኩነታት፡ ሓንቲ ደጋጊማ ውልዕ-ጥፍእ እትብል ወረ ኣላ። “ኢሳይያስ ዓራቱ ንወዱ ኣብርሃም ከውርሶ ይሓስብ ኣሎ” እትብል። ነዛ ብሂል ንምርጉጓዳ ዝቐርቡ፡ ኣብርሃም ከምዚ ተማሂሩ፡ ከምዚ ደረጃ ወተሃደራዊ ጽሩራ ኣለዎ፡ ናብ ከምዚ ሃገር ምስ ኣብኡ ገይሹ፡ ካብ ኣቦኡ ከይሓሸ ኣይተርፍን፡ ዝብሉ ቀመማትን መሰነይታን ኣለዉ። ኢሳይያስ ከምዚ እንተደኣ ገይሩ ቅድም ቀዳድም እቲ ተግባር ግጉይ፡ ዘይህዝባዊ፡ ዘይሕጋውን ትምክሕታውን ምውርራስ ብዛዕባ ምዃኑ ርዱእ ጌርና ንውሰዶ። እዚ ምስቲ ክሳብ ሕጂ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ኣብ ልዕሊቶም ብዘይትካላዊ ኣገባብን ሕጋዊ መንገድን ተመዚዞም “ስልጣን ኣለና” ኢሎም ደድሕሪኡ ዘኹዞኽ ዝብሉ ዘለዉ ባእታታት ዘለዎ ንዕቀት ሓቢሩ ዝረአ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ንኢትዮጵያዊ መራሒ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ “ደሪብካ ምርሓና” ክብል ዘይሓፈረ ሰብ፡ “ስልጣነይ ንወደይ ኣረኪበዮ ኣለኹ” እንተበለ ንመንዩ’ሞ ክሕደሶ። ኢሳይያስ ከምዚ ዝሓስብ እንተልዩ፡ ከምቲ “ራዛ ናይ ኣቡኡ ሓዛ” ዝበሃል እቲ ወዱ እውን ኣብ ንቡር ኩነታት ከምዘየሎን ብሕማም ኣብኡ ከም ዝተለኽፈን ዘመልክት እዩ። እቲ ወዱ ጥዑይ እንተኾይኑ ግና ኣይኮነንዶ ንሱ ክደግሞ ኣብኡ ካብ እንግደዓ ኤርትራዊ ክወርድ እውን ግደኡ ክጻወት መተገብኦ።

ሓደሓደ ሰባት ብዛዕባ ሓደ ዘይንቡር ዛዕባ ጠቒስካ፡ “ኢሳይያስ ከምዚ ክገብር ይኽእል እዩ” ክትብሎም እንከለኻ፡ ነቲ ክሳብ ሕጂ ክኸዶ ዝጸንሐ ዘይጥዑይ መንገዲ ዘየስተብሃልሉ ግዲ ኮይኖም “ከምዝስ ኣይገብርን እዩ” ኢሎም ይከራኸሩኻ። ከም መርተዖ ዘቕርብዎ ከኣ “ነዚ እሞ እቶም መሳርሕቱ እውን ኣይቅበልዎን እዮም” ዝብል መጐት እዩ። ወዮ ዝኹሉ ክሰርሖ ዝጸንሐን ዝሰርሖ ዘሎን ጸይቅታት እዞም ክምክቱ ዝጽበይዎም ሰባት እንዳረኣዩን እንዳሰምዑን ብጩቕ ክብሉ እንከለዉ እንዳተገንሑን ምዃኖም ይዝንግዑ ምህላዎም ዘመልክት እዩ። እዞም ስማዊ መዝነቶም ብምርኣይ ጥራይ ብገለ ግሩሃት ልዕሊ ዓቕሞም እምነት ዝንበረሎም ዘለዉ ወገናት ሓንሳብ “ህዝቢ ድላዩ ይኹን ንዓና ጥራይ ይጥዓመና” ኢሎም ሕድሪ ስዉኣት ብጾቶም ጠሊሞም፡ ኩሉ ከም ዘዋደቕዎ ብዘይምስትብሃል እዮም። እዞም ንዛርበሎም ዘለና ሽሞኛታት ማለት ሚኒስተራትን በብደረጃኡ ዘለዉ ሓለፍትን ክሽየሙን ክሰዓሩንኳ ንህዝቢ ዘይንገረሎም ናይቲ ሰብኣይ ንብረትን ተለኣኣኽትን ምዃኖም ብዘይምስትብሃል እዮም  እቶም ደቂ ልቢ ገርሃ ኣብኣቶም እምነት ዘንብሩ።

በዚ ኣጋጣሚ ከምቲ “ብልዒ ሓላፊ፡ ስም ተራፊ” ዝበሃል እዞም ኢሳይያስ ሓይኹ ምስ ደርበዮም፡ ኣብ ስልጣን እንከለዉ እንተዘይሰሪቖም፡ ዝጥወርሉ ሕጋዊ ጡረታኳ ዘየብሎም ሚኒስተራትን ካለኦት ሲቪላውን ወተሃደራውን ሓለፍትን ህዝቦም ዘድሕንሉ ዕድል፡ ደንጉዮም እምበር ሎሚ’ውን ፈጺሙ ከምዘይተዓጽወ ክርድኡ ይገቦኦም። ክሳብ ሎሚ ርእዮም ከም ዘይረኣዩ ብምዃንን ህዝቢ ናይ ምምዝማዝ መርበብ ሰሪዖም፡ ምስቲ ካብ ስዉኣት ዝተረከብዎ ሕድሪ ዘየሳኒ፡ ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ባዕሉ ዝዛረብ ሓቂ ዘይቃዶ፡ ንኣውያትን ስምዕታን ህዝቦም ጸማም እዝኒ ዝህብ፡ ምስ ደረጃ ትምህርቶም፡ ናይ ስራሕ ሓላፍነቶምን ናይ ቃልሲ ተመኩሮኦምን ዘይቃዶ መንገዲ ሒዞም ተዓዚሞም ደድሕሪ ዲክታቶር ኢሳይያስ ዞኽዞኽ ምባል ኣቚሞም ንብዓት ህዝቦም ክሕብሱ ይገበኦም። ተባዕ ስጉምቲ ወሲድካ ኣብ ጐኒ ህዝብኻ ኣብ ምስላፍ ከም ዝደንጐዩ’ኳ ፍሉጥ እንተኾነ ከምቲ “ካብ ክሒዱስ ውሒዱ” ዝበሃል፡ ሕጂ እውን ምስ ነብሶም ክላዘቡን ክውስኑን ግዜኡ እዩ። ከምቲ “ውሕጅ እንዳስሓሓቐ እዩ ዝወስድ” ዝበሃል፡ ደይመደይ ኢሎም ዝመረጽዎ እንተኮይኖም ግና መንገዶም መንገዲ ደሓን ኣይኮነን። እንተ ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣይውዕሎን’ዩ፡ ዝበሃል ጸይቂ ከቶ የለን።

Last modified on Friday, 15 November 2019 10:39