መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ኣስመራ ንዝርከብ ኣምባሰደር ጀርመን ጸዊዑ ተቓውሞኡ ኣስሚዑ

2019-10-22 21:06:25 Written by  BBC Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2059 times

  • 21 ኦክተውበር 2019
ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል Image copyright Mary Harper ናይ ምስሊ መግለጺ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፡ ኣብ ኣስመራ ንዝርከብ ኣምባሰደር ጀርመን ጸዊዑ፡ ነቲ ማዕከን ዜና ዶቸ ቬለ ዘቃለሖ "ልጓም-ኣልቦ ጎስጓስ" ዝበሎ ትሕዝቶ ዘለዎ ተቓውሞ ከም ዘስምዐ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ሓቢሩ።

ብዛዕባ'ቲ "ፍንፉን" ዝበሎ ጸብጻብ፡ እቲ ሚኒስትሪ፡ "መብርህን/መኣረምታን" ካብቲ ኣምባሳደር ከም ዝጠልብ'ውን ኣቶ የማነ ብትዊተሩ ወሲኹ ገሊጹ።

ዶቸ ቬለ ብመንግስቲ ጀርመን ዝምወል መደበር ዜና እዩ። እቲ መደበር ዜና ይኹን መንግስቲ ጀርመን ዛጊት ብዛዕባ'ቲ ክሲ ግብረ መልሲ ኣይሃቡን።

መንግስቲ ጀርመን፡ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰላት ከተመሓይሽ ብምሕታቱ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ዘሎ ርክባት እናሓርፈፈ ክመጽእ ጸኒሑ'ዩ።

ንምዃኑ ደቸ ቬለ እንታይ ኢሉ'ዩ ጽሒፉ?

ኣብ ደቸ ቨሌ ሓላፊ ክፍሊ ኣምሓርኛ ዝኾነ፡ ሉድገር ሻዶምስኪ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ መደበር ዜና ዝጸሓፎ ርእይቶ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝተውሃበ ሽልማት ኖቤል ሰላም፡ "ኣብ ግጉይ ኢድ ወዲቑ" ክብል ገሊጽዎ።

ሻዶምስኪ ኣብ ጽሕፉ፡ "ሽልማት ኖቤል ሰላም ዓቢ ትእምርታዊ ኣገዳስነት ዘለዎ'ዩ" ድሕሪ ምባል፤ "እቲ ዝተባህለ ሰላም ፈንተት ኣብ ዘይበለሉ፡ ነዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ጸጋናይ መንእሰይ ምሽላሙ ግጉይ ምርጫ እዩ" ኢሉ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝተሸለመሉ ሰላም "ዳርጋ ኣብ ወረቐት ጥራይ ዝሰፈረ ሰላም'ዩ" ክብል ብምቃፍ፡ እቲ ብኽንደይ ዳንኬራ ዝተኸፍተ ዶባት፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ምዕጻዉ ናይዚ ኣብነት'ዩ ክብል ይምጉት።

ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ በረራታት'ውን፡ እቲ ብምኽፋት ዶባት ክረብሕ ዝኽእል ህዝቢ ዘይኮነ፡ ነቶም "ላህመት" (ኢሊትስ) ዘገልግል ጥራይ'ዩ ክብል ጽሒፉ።

እቲ "ምኒኑ ውልቀመላኺ" ዝበሎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈውርቂ'ውን ተኻፋሊ ናይቲ ሽልማት ብዘይምዃኑ ባህ ኣይበሎን ኢሉ።

ብዙሓት መራሕቲ ሃገራት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ነቲ ሽልማት ድሕሪ ምዕዋቱ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ከመሓላለፍኡ ተሰሚዖም።

እቲ ብሞት ኣዲኡ ወግዓዊ መግለጺ ሓዘን ዝሰደደ መንግስቲ ኤርትራ ግን፡ ነቲ ሽልማት ስዒቡ፤ ወግዓዊ ናይ 'እንኳዕ ድስ በለካ' መግለጺ ክህብ ኣይተሰምዐን።

ዶቸ ቨሌ ህንጻ Image copyright MARIUS BECKER

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ጃፓን ኣቶ እስቲፋኖስ ኣፈወርቂ ግን ብመንገዲ ትዊተር ዮሃና ኢሉ ነይሩ።

ሉጀር ሻዶምስኪ፡ ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዘምጸኦ ለውጢ እንተነኣዶኳ፡ እዚ'ውን እንተኾነ ፤ ዝገደደ ዓሌታዊ ጎንጽታትን ምቅትታልን ዝዓሰሎ ምዃኑ'ዩ ዝገልጽ።

ቅድሚ ሕጂ'ውን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፡ ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ብዝተሓሓዝ ንኣምባሳደር ብሪጣንያ ብምጽዋዕ ተቓውሞኡ ኣስሚዑ ከም ዝነበረ እቲ ሚኒስተር ዜና ምሕባሩ ዝዝከር'ዩ።

Source=https://www.bbc.com/tigrinya/news-50131640

Last modified on Tuesday, 22 October 2019 23:10