“ኣብ ከብዲ ጽጉብሲ፡ ጥሙይ የለን” ምዃኑ ድዩ?

2019-10-22 07:28:31 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1649 times

“ዋላ’ኳ ምስ ጐረባብትና ሓደ ዓይነት ኩነታት ኣየር እንተሃለወና፡ ሕጸረት መግብን ዝስተ ጽሩይ ማይን የብልናን”

እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ቃል፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ሃገር ጀርመን ዝበጽሕ ዘሎ፡ ናይ ህግዲፍ “ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር” ዑስማን ሳልሕ ምስ ኡሪች ኮፐል ዝተባህለ ጀርመናዊ ጋዜጠኛ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ካብ ዝሃቦም ምላሽ ዝተወስደ እዩ። ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ሃገርናን ህዝባን ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ኩነታት እንከለዉ ነዚ ብዱዕ ቃል ከም ዝሃበ ንኹላትና ብሩህ እዩ።

ሎሚ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና፡ ጭቆና፡ ምግሃስ ኩሉ ዓይነት መሰላት፡ ኢደ-ወነናዊ ምምንዛዕ ስልጣንን ሓላፍነትን፡ ምጥላም ህዝቢ፡ ሕድሕድ ዘይምትእምማንን ኣብ ዝሳዕረረሉ ህሞት ከምዘላ ርዱእ እዩ። ማሕበራዊ ትካላትን ኣቕርቦትን ጠቕሊሉ ተዳኺሙ፡ ብዙሓት ኣብያተ-ትምህርቲ እንተላይ ዩኒቨርስቲ ተዓጽየን፡ ኣብተን ዝርካበን ትልኽ ይብላ ኣለዋ ዝበሃላ ድማ ጉዳይ ጽሬት ትምህርትስ ይጽናሕ እሞ፡ እቶም መባእታዊ ባእታታት ኣብ መስርሕ ትምህርቲ ዝዋስኡ ተመሃራይን መምህርን እውን ዳርጋ የለዉን። ጉዳይ ሕክምና ከኣ እሞ ፈጺምካ ዘይልዓል እ’ዩ። ሕክምናዊ  ክኢላ የለን። መድሃኒት የለን። ከምዚ ስለ ዝኾነ ከኣ ኣብ ሃገሮም ጥዕናዊ ኣገልግሎት ዝሰኣኑ መሳኪን ኤርትራውያን፡ ኣብያተ-ሕክምና ሱዳን፡ ትግራይን ካልእ ከባብታት ኢትዮጵያን ኣዕለቕሊቖም ኣለዉ።

ኤርትራ ብፍርያምነት ደረጃ፡ ንዜጋታታ ኮይና ንኻልኦት እትኾውን ልሙዕ መሬትን ብጽፍሩ ዝሓድር ጻዕራም ህዝብን እትውንን ሃገር እያ። ኣብዚ ሎሚ እዋን ግና፡ እዚ ኩሉ ሰብኣዊ ጸጋኣ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ኣፍራይ ዓቕሚ ሓይሊ ሰባ፡ ብሰንኪ  ግጉይ ፖሊስን ተግባርን ምምሕዳር ህግዲፍ ተደፊኡ ስለ ዝተሰደ ዘፍሪ ዓቕሚ ሰብ የብላን። ከምዚ ስለ ዝኾነ ከኣ ሎሚ ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ መዕንገሊ ምርካብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኮይኑ ኣሎ።

 ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ኣጋጢምዎ ዘሎ ቁጠባዊ ጸገም፡ ናብ ኤርትራ ዘእትዉ ብሎኮታት ሱዳንን ኢትዮጵያን ክቋመትን ከማዕዱን ተገዲዱ ከምዘሎ ንማንም ብሩህ እዩ። ነቲ ካልእ ኣቕርቦት ዝምልከት እውን፡ ኣብ ዓዲ ዝፈሪ ኮነ ካብ ወጻኢ ተገዚኡ ዝመጽእ ኣቑሑትን ሃላኺ ሸቐጣትን ስለ ዘየለ፡ ድንኳናት ገረውረው ኢሉ ናብ ካብ ጉረባብቲ ሃገራት ብመጽዓኛ ዝኣቱ ንብረት የመዓዱ ከም ዘሎ ዝሕባእ ኣይኮነን። እቲ ኣዝዩ ዝገደደን ዘሕዝንን ከኣ ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ስርዓት ህግዲፍ ኮነ ኢሉ፡ እንዳዞራ ማይ ዝዕድላ ዝነበራ መካይን ኣጊዱ፡ ማይ ኣጻርየን ዓሽገን ዝሸጣ ዝነበራ ቀደመን እውን ድኹማት ዝነበራ ትካላት ዓጽዩ ብፍላይ ህዝቢ ከተማ ኣስመራ ካብ መንግስቲ ቀቢጹ፡ ናብ ተፈጥሮ ኣንቃዕሪሩ ዝናብ ዝጽበየሉ ዘሎ ህሞት እዩ። ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ወጻኢ ጉዳይ ሚንስተር ኤርትራ ተጠሊዑ “ናይ ዝስተ ጽሩይ ማይ ጸገም የብልናን” ዝብል ዘሎ እዚ ጠፊእዎ ኣይኮነን።

ንሱ ኣብዚ ምስ ጀርመናዊ ጋዜጠኛ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ “ነቲ ብሰንኪ ኩነታት ውግእ ጠጠው ኢሉ ዝጸንሐ ሕገመንግስተና ምሉእ ብምሉእ ክንትግብሮ ንደሊ ኢና” እውን ኢሉ ኣሎ። ኣየናይ እዩ እቲ ክትግበር ዝባሃል ዘሎ ሕገመንግስቲ? እቲ ኢሳይያስ ሓደ ግዜ “ምትግባሩ ከይተጀመረ  ሞይቱ” ዝበሎ ድዩ ዳግማይ ህይወት ሰዂዑ ክተንስእ። ወይስ እቲ “ይንደፍ ኣሎ” ንዝተባህለ እዩ ብምስጢር ብኢሳይያስ ጸዲቑ። በቲ ኮነ በዚ፡ እዚ ኣበሃህላኡ ዝሕብሮ ከምቲ “ሰራቕ ሞባእሲ ባዕሉ ይለፋለፍ” ዝበሃል፡ ሃገር ብዘይሕገመንግስቲ ይገዝኡ ምህላዎም፡ እቲ መሰረታዊ ኢንታኦም ምዃኑ ስለ ዝፈልጥ፡ ቀዲሙ ንምጽናሕ “በል” ተባሂሉ ዝሃንደሶ እዩ።

እዚ ኣበሃህላ ዕሽነትን ንዕቀትን ዝወረሮ እዩ። እቲ ዕሽነቱ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ሎሚ ኩነታት ኤርትራን ህዝባን ሳላ ዘመናዊ ምዕባለ ካብ ዓይንን ቀልብን እቲ ዝሓተቶ ጋዜጠኛን ነቲ ቃለመጠይቑ ዘንብቡ ወገናትን ዝተሰወረ መሲልዎ፡ ንኤርትራ ዘየብላ ምስሊ ክህባ ምፍታኑ እዩ። እቲ ንዕቀቱ ድማ ከይሓፈረ፡ እቲ ብጽምኢ ማይ ብጐረርኡ ዝነቐጽ ዘሎ ህዝቢ ከተማ ኣስመራን ካልእ ከባብታትን እንዳሰምዐ “ጸገም ዝስተ ጽሩይ ማይ የብልናን” እንክብሃል፡ ክሳብ ከንደይ መራሕቲ ሕግዲፍ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ርእሱ ከም ዝሸነሉ ዘመልክት እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኢደእግሩ ዝተኣስረን ኣፉ ዝተለጐመን ኮይኑ ስለ ዘሎ “ኣበይ ከይበጽሕ” ካብ ዝብል ዝበሎ  ምዃኑ ምርዳእ ዘጸግም ኣይኮነን።

እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን፡ ወዮም ህዝቢ ኤርትራ ኩሉ ጸገም ክኢሉን ዝተሓተቶ ዋጋ ከፊሉን ኣብ ወተሃደራዊ ድዩ ሲቪላዊ መናብር ኮፍ ዝበሎም ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግዲፍ እውን ክሳብ ክንድዚ ንሓላፊ ውልቃዊ ረብሓ ክብሉ፡ ነቲ ዘይሓልፍ ህዝቢ ምጥላሞም እዩ። ርግጽ እዩ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ካብ ጀርመን ናብ ኤርትራ ክምለስ እንከሎ ስንቁ ቋጺሩ ስለ ዝምለስ፡ እቲ ካብ ጀርመን ዘምጸኦ ክውዳእ እንከሎ ድማ፡  ደብዳበ ዲክትስቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከብጽሕ፡ ናብ ዓረብ ኤምረትስ ወይ ሱዕድያ ምስተላእከ ዘድልዮ ቀለብ ሒዙ ስለ ዝመጽእ ኣይጸምእን ኣይጠምን ይኸውን። ካለኦት ብዋጋ ህዝብና ጁባታቶም ዘህጠሩ ደቂ ህግዲፍ  እውን፡ ብመንገዲ እቶም ሕቘ ዝኾንዎም መሻርኽቶም ነጋዶ ካብ ባህ ዝበሎም ሃገር፡ ኣምጺኦም ከም ድላዮም ከም ዝሰትዩን ከም ዝበልዑን ፍሉጥ እዩ። እዚ ኩነታት፡ ከምቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ መራሒ ኢትዮጵያ “ እቶም ዊስኪ እንሰቲ ላዕለዎት ሓለፍቲ፡ ማይ ዝሓረሞ ህዝቢ ከም ዘለና ኣይንዘንግዕ” ዝበልዎ እዩ ነገሩ።

ወዮ ደኣ ሓድሽ ክመጽእ እንከሎ መመሊሱ ዝሕደሰና ኮይኑ እምበር፡ ናይ መራሕቲ ህግዲፍ ብደዐን ጥልመትን ሎሚ ዝጅመር ዘሎ ኣይኮነን። ንኣብነት ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ኣብቲ መጀመርያ ምስ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝገሽሉ ንዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ “ምቕሉል መራሒ ረኺብና ኣለና” ዝበለ እዩ። ንሕና ደቂ ልቢገርሃ ከኣ፡ ምላቕ ዘረባ መሲሉና ብዙሕ ተዛሪብና። ደሓር ግና እቲ ጥልመት ምላቑ ዘይኮነስ እቲ ዕቡይ ሰብኣይን ኣዳኸርቱን ኮነ ኢሎም፡ ዝወጠንዎ ምዃኑ ተረዲእና። ኣብ መጻኢ እውን ብቃልሲ እንተዘይኮሊፍናዮ፡ እቲ ጥልመት መልክዑ እንዳቀያየረ ናይ ምስዕራሩ ዕድል ክፉት እዩ።

Last modified on Tuesday, 22 October 2019 09:30