ብዙሓትን ጥምዙሓትን’ባ፡ ከይንበሃል

2019-09-08 17:31:49 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2177 times

ኤርትራውያን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት እንኣምን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣውራጃታት እንሰፍር፡ ከበሳን መታሕትን እንበሃሃልን ብዙሕ እንግለጸሉ መለይታት ዘለናን ምዃንና ውሁብን ዘየዛርብን እዩ። እዚ ክወሃሃድ እንከሎ ከኣ፡ ውቁብን ረዚንን ኤርትራውነት የውህበና፡ ነዚ መለለይ ብዙሕነትና በበይኑ ወሲድና ከነንጠልጥሎ እንከላና ግና፡ ክትርእዮ ዘይምልኩዕ ክትመዝኖ እንከላኻ ከኣ ዘይሓያል ኮይኑ፡ ኣየሕብንን። እዚ ብዙሕነትና ኣውራጃ፡ ብሄር ይኹን ሃይማኖት፡ ማዕረ ነናቱ ክብርን ቦታን ዘለዎ እምበር፡ ሓደ ትሕቲ ሓደ ዝስራዕ ኣይኮነን፡ ንሓደ ካብኡ መዚዝካ ኣበሪኽካ ነቲ ካልእ ክትደቚስን ከተነኣእስን ምፍታን ብኹሉ መለክዒ ዘይከኣል፡ ዘይፈትሓውን ዘየድምዕን እዩ። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ኤርትራዊ ሓድነት የዳኽም። ሳዕቤን ሓድነታ ናይ ዝተዳኸመት ኤርትራ እንታይ ምዃኑ ከኣ ንኹላትና ፍሉጥ እዩ። ወትሩ ንሓድነት እንሰብኽን እንሕለቕን ከኣ ካብዚ ብሰንኪ  ኤርትራዊ ሓድነት ብምድኻሙ ከጋጥም ዝኽእል ኣሉታዊ ሳዕቤን ንምድሓን እዩ።

ስለምንታይን ብኸመይን እዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ናይ ብዙሕነት ጸጋ ከም ዝወነና ክንመራመር እንገደደሉ ምኽንያት የብልናን። ምኽንያቱ ኣሚናን ርዒምናን ዝተቐበልናዮ ስለ ዝኾነ። ኣብዚ ዘድልየና ከምቲ ንነናትና መንነት እንኽብሮ ናይ ካለኦት እውን ምኽባር ዘይስገር ግቡእ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኤርትራና ብሓደ ሃይማኖት፡ ብሓደ ኣውራጃ፡ ብሓደ ብሄር እትልለ ክንገብራ ዘድክም የብልናን። ብናይ ኩልና መንነት እኩብ ድምርን ስኒትን ዝወቀበ ብዙሕነት ከኣ ኩልና እንሕበነሉ ኤርትራዊ መንነት ይኸውን። ነጸብራቕ ነናትና መንነት ጐሊሑ ዝረኣየሉ ኣብ በቦታኡ ኮይኑ፡ እቲ በሪኹ ዝስማዕ ግና እቲ ብብዙሕነት ዝመልከዐ ልዕሊ ኩሉ መንነታት ዝስራዕ ኤርትራውነት እዩ።

መንነታዊ ብዙሕነትና ኣብ ክንዲ ሓይልና ድኻምና፡ ኣብ ክንዲ መልክዕና ክፋእና ዝኸውን ወጢጥና ፖለቲካዊ መሳርሒ ክንገብሮ ክንፍትን እንከለና እዩ። ሃይማኖት ካብ ቤተ-እምነት ወጺኡ፡ ኣውራጃ ካብ ውሱን ገደቡ ሰጊሩ፡ እቲ ካልእ ዝተረፈ ብዙሕነትውን ከምኡ ቀያሕቲ መስመራት ሰጊሩ ኣብ ፖለቲካዊ  መድረኽ ክዕብልል እንተፈቲኑ እቲ ዘስዕቦ እንታይ ከም ዝኸውን ንኹላትና ርዱእ’ዩ። ብኸምዚ ዓይነት ሕሳብ ክምርሑ ዝፈተኑ ወገናት ኣብ ከመይ ደረጃ ከም ዘለዉ ንፈልጥ ኢና። እዚ ማለት ግና ተወዳዳሪ ፖለቲካዊ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት ኣይነዘውትር ማለት ኣይኮነን። ስለዚ ጉዳይ ፖለቲካዊ መድረኽ ክለዓል እንከሎ፡ ኣብቲ መድረኽ ዓብላሊ ክኸው ዝግበኦ ኤርትራውነትን ኣብ ክሉ ዝዋሳእ ናይ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ብዙሕነትን ክኸውን ይግበኦ። እቲ ኣብዚ ኤርትራዊ መድረኽ እነልዕሎ ዛዕባታት ነቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ብዙሕነትና ይጸልዎ እዩ። ይጸልዎ እዩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኤርትራን ኤርትራውነትን ኣብ ጽኑዕ መሰረት ኣብ ዘይደልደለሉ፡ ሃይማኖት፡ ኣውራጃ፡ ብሄርን  ካልእ ብዙሕነትን ኣይስስንን ጥራይ ዘይኮነ ህላውኡ’ውን ኣብ ምልክት ሕቶ ይኣቱ።

እዚ ሕጂ ዘለናዮ ዘይተኣርነበ  ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ኩነታት፡ ጠንቅታቱ’ዩ ብዙሓት ወድዓውን በዓልቤታውን ምኽንያታት እዮም። ኣበይን መዓስን ኣብቲ ብዙሕነትና ተደሪሕኽና  በበይንና ንወፍር፡ ኣበይን መዓስንከ ኣብ ኤርትራውነት ኣትኪልና ብሓባር ንኸትት ኣነጺርና ክንርደኦን ከነተግብሮን ዘይምኽኣልና ካብቲ ቀንዲ ጸገማትና ሓደ ምዃኑ ኩልና ንስሕቶ ኣይመስለንን። ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት፡ ሃይማኖታዊ እምነትካ፡ ኣውራጃኻ ወይ ቋንቋኻ ኣቐዲምካ ናይ ካለኦት ናይ ምንእኣስን ምውሓጥን ዝንባለታት ንዕዘብ ኢና። እዚ ዘይሚዛናዊ ኣተሓሕዛ’ዚ ኣብቲ ካለኦት ብዙሕነት እውን የንጸባርቕ እዩ። ሕሉፍ ሓሊፉ፡ ፖለቲካዊ ኣረዳድኣና ናይ ሓደ ካብዚ ብዙሕነትና ሃይማኖት፡ ኣውራጃ ድዩ ብሄር መተግበሪ ከም ዝኸውን ናይ ምግባር ፈተነታት ንዕዘብ ኢና። ነቲ ሳላ ብዙሓት ክንስና ከም ሓደ ሰጢምና ዝሰነድናዮ ናይ ሓባር ታሪኽና ብዘይሚዛናዊ ቀይስካ ሓደ ፍሉይ መንነት ካብ መንነታትና ከተግንነሉ ምህቃን እውን ኣሎ። እዚ ግጉይ ፈተነታት ሓድነትና ዘዳኽም እዩ። ሓድነትና ክሳብ ዝተዳኸመ ከኣ ነቲ ምእንቲ ልዕልና ሕግን ፍትሕን፡ ሰላምን ልምዓት ዲሞክራስያዊ ስርዓትን እነካይዶ ዘለና ቃልሲ መሰረታዊ ዕንቅፋት እዩ። ዕንቅፋት ከኣ ጣንቂ ውድቀት ከይከውን ክእለ ይግበኦ።

ንልለየሉ ፍሉይ መንነትና ተዓቂቡ፡ ፖለቲካዊ ቅኒትና ኤርትራን ኤርትራውነትን ዝማእከሉ እንተኾይኑ ሓያል ናይ ለውጢ ማዕበል ከም እንፈጥር ዘጠራጥር ኣይኮነን። በበይንና እነካይዶ ኣበርክቶ ግና፥ ሓያልን ዘድምዕን ማዕብል ዘይፈጥር ካብ ምዃን ኣይሓልፍን። እዚ ከኣ ነቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ጭቆናን ወጽዓን መሊሱ ዘሻድኖ እምበር ዘወግዶ ኣይኮነን። “ሓቢርና ንቃልስ” እንብል ንኹልና በሃግቲ ለውጢ ኤርትራውያን ብማዕረ ዘርብሓና ንሱ ስለ ዝኾነ እዩ። በይንኻ ምዃን  ግና ኣብ ህልኽን ዋጢጥን ካብ ምንባር ሓሊፉ ጻማ የብሉን። ኣድላይነት ሓቢርካ ምቅላስ ከም እምነት ካብ እንሕዞ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ብተግባር ከምቲ ንኣምኖ ኮይና ኣብ ምቕራብ ግና መሰረታዊ ጸገም ኮይኑና ዘሎ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዙርያ ኤርትራውነት ንምዕሳል ክግበር ዝጸንሐ ጻዕሪ “ይኣክል ንወጽዓ ህግድፍን ተበታቲንካ ቃልስን” ዝቓንኡ ድርብ ዕላማ ዘለዎ መድረኽ ምፍጣሩ ነቲ ክሳብ ሕጂ ዘይደየበናዮ ጐቦ፡ ካብ ሕጂ ንደሓር ከም እንድይቦ ዘመላኽት እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ክንዲ ንኤርትራዊ ብዙሕነትና ዝምጥንን ዘንጸባርቕን ናይ ሓባር ዓቕሚ ንፈጥር፡ ነናብቲ ትሕቲ ሃገራውነት ዝንባለታትና እንተ ዛዚና “ብዙሓትን ጥምዙሓትን” ዘይንበሃለሉ ምኽንያት የለን’ሞ ነስተውዕል።

Last modified on Sunday, 08 September 2019 19:34