መኣዲ-ዘተ/ተምፖ ኣፍሪክ ቲቪ ኤርትራ፤ ሰላምን፣ ዕርቂን፣ ንምህናጽ ግብራዊ ልፍንቲ ኮንፈረንስ ሚነሶታ ሓባራዊ ውሳኔን ጋዜጣዊ መግለጺን 23 ሰነ 2019

2019-09-06 04:24:06 Written by  EPDP North America Information Office Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1840 times

ንፍትሒ ንቃለስ (ተቓወምቲ) ሓይልታት - ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ፣ ሲቪክ ማሕበራትን፣ ናይ መጽናዕቲ ጉጂለታትን - ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምርጋግጽ፣ ኣድላይነት ስሙር ስራሕ ንምዕዋት ሓባራዊ ፖለቲካዊ ንጥፈታትና ንምዝታይ፣ ካብ 22 ንሕና፤ ኣብ ታሕቲ ክትምና ዘንበርና - 23 ሰነ 2019 ኣብ ከተማ ሚነያፖሊስ ሚነሶታ ፣ብጻውዒት መኣዲ-ዘተ/ተምፖ ኣፍሪክ ቲቪ፣ ዋዕላ ሰላምን ዕርቅን ንግብራዊ ልፍንቲ ኣካይድና። ኣብ ኤርትራዊ ዓውደ-ፖለቲካ ዓቢ ጽልዋ ዘለዎም፣ ዝተፈላለዩ መሰረታዊ ጉዳያት ብምዝታይን፣ ኣብ ምግጣም ዓበይቲ ኤርትራዊ ጉዳያት ሓባራዊ ተረድኦ ብምድልዳልን፣ ኣብ እዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ተሰማሚዕና፦


1. ኣብ ኤርትራ ምልካዊ ስርዓት ንምስዓርን ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንምርግጋጽን፣ ጻዕርታትና ክነወሃህድን ብሓባር ክንሰርሕን፤

2. ዲፕሎማሲያዊ ንጥፈታትና ክነዋሃህድን ሓባራዊ ጽዕርታት ክነካይድን፤

3. ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ኣብ ወጻኢ (ዲያስፖራን) ዝካየድ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ዘጠቓለለ፣ ንኹሉ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዝጥርንፍ፣ ኣብ ሕድሕድና ብምውህሃድ ወይ ብልፍንቲ ስሙር ኤርትራዊ ተቓውሞ ንምፍጣር ክንሰርሕ፤

4. ሰናይ ጉርብትና ምስ ኩሎም ጎሮባብቲ ኤርትራ ንድግፍ፣ ይኹን እምበር፣ እዚ ሞራላዊን ሕጋውን ቅቡልነት ዘይብሉ ምልካዊ ስርዓት ምስ ናይ ወጻኢ መንግስታት ወይ ኣካላት ዝኣትዎም ኩሎም ውዑላት ፣ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ልዑላውነት ስለ ዝግህሱ ብትሪ ንኹንን፤

5. ሓይልታት ምክልኻልን ጸጥታን ኤርትራ አካል ጭቁን ሕብረተሰብ ኤርትራ ምዃኖም እምነትና ብምዃኑ፣ ኣብ ጎድኒ ህዝቦም ደው ክብሉን፣ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ዕዙዝ ተራ ክጻወቱን ንጽውዕ፤

6. ካብ ምልካዊ ስርዓት ናብ ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ምስግጋር ከቢድን ዝተሓላለኸን መስርሕ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። ስለዝኾነ፣ ኩላትና ንሰማማዓሉ ሓባራዊ መሰጋገሪ ቻርተር ንምስንዳእን ንምትግባርን ብዕቱብ ክንሰርሕ ተሰማሚዕና፤

7. ነዚ ስምምዕ ናይ ዝኸተሙ ኣካላት ወከልቲ ዝሳተፍዎ ናይ ትግባረ ፎረም ንምቛም ተሰማሚዕና፤ ከምኡውን

8. ነዚ ስምምዕ እዚ ዝቕበሉን ኣብ ናይ ትግባረ ፎረም ክሳተፉ ቅሩባት ዝኾኑን ፖለቲካዊ ሰልፍታትን፣ ሲቪክ ማሕበራትን ፣ ናይ መጽናዕቲ ጉጂለታትን ብኽብሪ ንዕድም።

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስዉኣትና !
ልዑላዊት ኤርትራ ንዘልኣለም ትንበር !

ከተምቲ ኣካላት፦

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባዲለ)

ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር (ኤሃግ)

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)

ዋልታ ሓይልታት ለውጢ (ዋሓለ)

ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ (ዓተኤንህም)

ኤርትራ ስኒት ናይ መጽናዕቲ ጉጅለ (ኤሲመጉ)

Last modified on Friday, 06 September 2019 06:34