ኢሳይያስ፡ “ጭሕሚ ዓርክኻ ክላጸ፡ ጭሕምኻ ማይ ልኸ”

2019-08-23 11:09:42 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1548 times

ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝተኻየዱ መጽናዕትታት፡ ዲክታቶር ኢሳይያስ ብዝኾነ መለክዒ፡ ምስ ዝኾነ መራሒ ሃገር ክወዳድር እንከሎ ኣብቲ ዝኸፈአ ቀዳማይ ወይ ካለኣይ ደረጃ እዩ ዝስራዕ። ኤርትራ እውን ብሰንኩ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል፡ ጉዳይ  ልዕልና ሕጊ፡ ጉዳይ ድኽነትን ዝኣመሰሉን ዛዕባታት ክለዓል እንከሎ፡ መስርዓ ፍሉጥ’ዩ ኣብ መወዳእታ ወይ ኣብ ጥቓኡ እያ እትሰፍር። ከምኡ ስለ ዝኾነት እያ ከኣ “ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ” ዝብል ሕማቕ ሳጓ ተጠሚቓ ዘላ።

ዲክታቶር ኢሳይያስ፡ ኣብዚ እዋንዚ ካብ ክሳድ ንላዕሊ “ህዝበይ እዩ” ንዝብሎ ህዝቢ ኤርትራ ብምብዳል ኣብ መስርዕ ጸሊም መዝገብ ጨቆንቲ እዩ ዝርከብ። ናብዚ ደረጃ ዘብጽሕዎ ገበናት ኣዝዮም ብዙሓት ኮይኖም፡ ኢደወነናዊ ቅትለትን ምስዋርን ዜጋታት፡ ዘበናውን ሜላውን ባርነት፡ ስደትን ፍልሰትን ዜጋታት፡ ምንፋግ መሰል ሓሳብካ ምግላጽ፡ ምንፋግ እምነትን ምውዳብን፡ ቁጠባዊ ግበታን ክብሪ ህዝብን ሃገርን ኣሕሊፍካ ምሃብን ንኣብነት ክጥቀሱ ዝኽእሉ ገበናቱ እዮም። ህዝቢ ኤርትራ፡ ኢሳይያስ ታሪኹን መሰሉን ጨውዩ ዝገዝኦ ዘሎ ዓመጸኛ ምዃኑ ስለ ዝርዳእ ኣይድግፎን እዩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ክውገደሉ ዝጽበዮ ዘሎ ዲያብሎስ እዩ። ትጽቢት ብዘይ ተግባር ውጽኢት ስለ ዘየብሉ ግና ህዝብና ኢሳይያስ ክውገደሉ ምምናይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ኣጠፋፍኣኡ ግብራዊ ስጉምቲ ምውሳድ ኣብ ቅድሚኡ ተገቲሩ ዘሎ፡ ማንም ዘይዓመሉ ሓላፍነት ምዃኑ ክዝንግዕ ኣይግበኦን።

ናይ ኢሳይያስ ተንኮልን ጉርሕን ተጠቕሊሉ፡ ዝኾነ ኣገባብ ተጠቒምካ ኣብ ስልጣን ምቕጻል ምዃኑ ሎሚ ህዝብና ብግቡእ ተረዲእዎ እዩ። ዋላ’ኳ ኢሳይያስ ስልጣኑ ንምሕላው እዚ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ሓዊስካ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝተፈላለዩ ክፋፋሊ ገበናት ዝፍጽም እንተኾነ፡ ከቶ ካብ ዓይኒ ህዝብና ክሃድም ኣይክእልን እዩ። እነሆ’ኳ ሎሚ ወዮ ቀደም “መን ከምኡ” ዝበሃል ዝነበረ ዝተዓዛዘሮ ሰብኣይ “እዚ ህዝብን ሃገር ከጥፍእ ዝተላእከ ሰይጣን እዩ” ዝብል ድምጽታት ኣብ ሕንብርቲ ኤርትራ ኣስመራ ከይተረፈ ይጓዝም ኣሎ። እቲ ድምጺ ህዝቢ በዚ ጠጠው ኣይበለን መቓልሕ “ይኣክል” እውን ኣብ ኩሉ ኣንጐሎታት ኣስመራ ይጸሓፍን ይንበብን ኣሎ።  እዚ ነቲ “ንሱ ኣንበሳ ዓሻክሩ ነብሪየ” ዝበሃለሉ ዝነበረ ጉሒላ ኣብ ዓዲ ሃሎ ዝዓረደ ሰብኣይ ዝደፈረ ድምጺ ህዝቢ ኤርትራ ደጊም መመሊሱ ዝስስን እምበር ንድሕሪት ዝምለስ ኣይኮነን።

ከም ኢሳይያስ ዝኣመሰሉ ጸረ-ህዝቢ ዝባህርያቶም መራሕቲ ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ምውራዶም ናይ ግድን እዩ። ተመኩሮ መንግስቱ ሃይለማርያም፡ መዓመር ጋዳፊ፡ ሮበርት ሙጋበ ኮነ፡ ሑስኒ ሙባረክ ናይዚ ኣብነት እዩ። እነሆ ከኣ ሕጂ ኣብ ድርኩዂት ኢሳይያስ መራሒ ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር ከምቲ “ዝኹዓትካያ ጉድጓድ ባዕልኻ ትኣትዋ” ዝበሃል፥  ኣብታ ዝኣስረላን ዘሳቕየላን ዝነበረ ቤት ማእሰርቲ ኮበር ተዳጒኑ፡ ናብ ቤት ፍርዲ ክመላለስ ጀሚሩ። ኣብ ቤት ፍርዲ ዝተገልጸ ገበናት መራሒ ሱዳን ነበር ክምዘን እንከሎ፡ ናይ ኢሳይያስ ገበን ካብኡ ኣዝዩ ዝኸብድ እምበር ዝፈኩስ ከምዘይኮነ ርዱእ እዩ። በሽር ናብ ሱዕድ ዓረብን ኤመረትን መገሻ ናይ ምብዝሑ ምስጢር እንታይ ምዃኑ ብጸቢብ ተታሒዙ ምስ ተናዘዘ ምልክታቱ ይረአ ኣሎ። ናይ ኢሳይያስ ኣብዘን ዝተጠቐሳ ሃገራት ምስውስው ምባል እውን ካብዚ ዝተፈልየ ኣይክኸውንን እዩ። ምዃን ናይ ኢሳይያስ እኳ ክሳብ ተኣሲሩ ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረብ ተሓቢኡ ዝጸንሕ ምስጢር ዘይኮነ፡ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ብሚልዮናት ዶላር ኣካርዩ ዶላራት ከጓርት ይውዕል ከም ዘሎ ድሮ ናይ ኣደባባይ ምስጢር ኮይኑ እዩ። ስለዚ ምናልባት ይድንጒ እምበር፡ እቲ ናብ ዝኾዓትካያ ጉድጓድ ምእታው ስለ ዘይተርፍ ኢሳይያስ፡ ጭሕሚ ዓርኩን ጐረቤቱን ካብ ተላጸየ፡ ጭሕሙ ማይ ክለኪ ኣብ ርእሲቲ ባዕሉ’ውን ዘይስሕቶ ከነዘኻኽሮ ንደሊ። በሽር ኣብ ኮበር ካብ ተኣስረ ኢሳይያስ ኣብ ዒራዒሮሞ ይጽናሕ ኣብ ሰንበል ወይ ካርሸሊ ዘይእሰረሉ ምኽንያት የለን።

ኢሳይያስ ኣብ ሱዳን ዝዘነበ ናይ ለውጢ ማዕበል፡ ንዓኡ እውን ከምዘይገድፎ ተረዲእዎ ኣሎ። ኣብ ሱዳን ዝተራእየ ለውጢ ከምዚ ጀሚርዎ ዘሎ ዘተኣማምን ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምንጻፍ ናብ ዘኽእል ደረጃ እንተበጺሑ፡ ናብኡ ከም ዝመጽእ ግድን ምዃኑ ስለ ዝርዳእ፡ እቲ ማዕበል ኣብኡ ከይበጽሐ ምእንቲ ክከላኸሎ ከበላሽዎ ፈቲኑ እዩ። ኣብ ሱዳን እቲ ወተሃደራዊ ክፍሊ በይኑ መሰጋገሪ መንግስቲ  ክምስርት እሞ ናይቲ ሲቪል ተቓውሞ ቀጺሉ እቲ ምፍሳስ ደም ክቕጽል ድሌት ኢሳይያስ ከም ዝነበረ ርኢና። ከምኡ እንተዝኾነሉ “ለውጢ ሳዕቤኑ ከምዚ ኣብ ሱዳን ዝረአ ዘሎ ኣሉታዊ እዩ እሞ ኣየድልን” ክብል ህርፋን ከም ዝነበሮ ምልክታቱ ርኢናዮ ኢና። ሱዳናውያን ግና፡ ነቲ ኢሳይያስ ዘገላግል ዘይብሎም በይኖም ምእንቲ ክባልዑ፡ “ናይ ደገ ኢድ ኣይተእትዉ” ዝብል ብመዓር ዝተላዕጠጠ ዕረ ምኽሩ ነጺጎም፡ ሳላ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢትዮጵያን መንጎኝነት ዝተቐበሉ ኣንጻራዊ ህድኣት ምፍጣሮም ንኢሳይያስ መዓንጣኡ ኣሕሪርዎ እዩ። ኣብዚ ጉዳይዚ ስዕረት ኢሳይያስ ድርብ እዩ። በቲ ሓደ ወገን ጉዳይ ሱዳን ካብ ትጽቢቱ ወጻኢ ከይዱ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኣብ ዞባዊ መዳይ ብሕብረት ኣፍሪቃን ኢትዮጵያን ተሳዒሩ። እቲ ዘገርም ከኣ ወዮ ንሱዳናውያን ናይ ደገ ኢድ ከይኣትዎም ዝመክር ኢሳይያስ፡ ተገልቢጡ ንሶማላውያን ወተሃደራት ኣብ ኤርትራ ኣምጺኡ ከሰልጥን ኣብ ዝጀመረሉ ምዃኑ፡  ክሳብ ክንደይ ኣብ ተጋራጫዊ ዓለም ይነብር ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ።

Last modified on Friday, 23 August 2019 13:11