ሓቢርካ ንምስራሕ ጽልእን ኣግላልነትን ይወገድ

2019-06-28 19:44:23 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1797 times

ማንም ሕብረተሰብ ስቕ ኢሉ ክግፋዕ ይኹን ወይ ዘምነሉ ነገር ሸለል ኢሉ ከምዘይሕልፍ ኩልና ንርደኦ ኢዩ። ሓደ ሕብረተሰብ ብፍላይ ድኹም እንተኾይኑ’ሞ ኣብ ልዕሊኡ ዝወርድ ጭቆና ይኹን ጽልኢ ወይ ምግላል ፈጺሙ  ኣይጻወሮን። ምኽንያቱ ካብቲ ይዕብልለኒ ወይ የግልለኒ ኣሎ ዝብሎ  ኣካል ሓልዮት ይኹን ፍትሓውነት ስለዘየርኣየ።

ደቂ ሰባት ካብቲ ባህሪያዊ ተፈጥሮ ባህርና  ኩልና ሓደ ከምዘይኮና ብሩህ እዩ። ሓደ ባህሪ ከምዘይንውንን እናፈለጥና ግን ኣብ ክንዲ ምምሕያሹን፡ ዘሎና ናይ ሕድሕድ ርክባት ምምዕባልን፡ ኣብ “መን ከማይ” ገጽና ንስጉም። እዚ ከኣ፡ ምስቲ ከባብያዊ ክወሃሃድ እንተዘይክኢሉ፡ ኣብ መንጎ ሕብረተሰብ ዓቢ ፍልልያት ይፈጥር። ርሑቕ ከይከድና ኣብ ኩሉ ሃይማኖታዊ ትምህርትታት እንተተዓዚብና ወይ ሓደ እዩ፥ እንተዘይኮነ ተመሳሳሊ እዩ። ንኣብነት ኣብ ኩሉ ሃይማኖታት ንጽልእን ቅርሕንትን ቂምታን ይቕረ ብምባል ክሕለፍ እዩ ዘምህር። ዝኾነ ይኹን ሃይማኖት፡ ተፋቐሩ እምበር ተቓተሉ ኢሉ ኣይምህርን እዩ። ሕልናና ግን ብተንኮልን ስሰዐን ስለዝተላበዐ   ንሰባት ክጸሉ ዝኽእል ጥበብ ወይ ኣብ ሃይማኖት፥ ወይ ኣብ ዓሌት፥ ወይ ድማ ኣብ እንዳ  ተመርኲስካ፡ ሰዓብቲ ናይ ምፍጣር ኣመሳሚስና  ንረብሓና ክንጥቀመሉ ህርድግ ንብል።

ኣብ ከምዚ እዋን እዚ እስላም ኣንጻር ክርስቲያን፥ ክርስትያን ኣንጻር ኣስላም ከምኡ እናበለ ክሳብ ኣብ ዓለታትን፥ ብሄራትን ወዘተ ፍልልያት ንምፍጣር ይቕጽል። ካብዚ ዝነቐለ እዩ ድማ እቲ  ኣነስ ካብ መን ሓሚቐ ዝብል ኒሕ ስለ ዝዕብልል ናብ ጽልእን ቅርሕንትን ደይቡ ክሳብ ኣብ ደም ምፍሳስ እውን ይበጽሕ። ከምቲ ኣቦታትና ዘዘንተውልና፡ ኣብ ኤርትራ፥ ኣስላምን ክርስትያንን ንኸባእስ ምምሕዳር ኢንግሊዝ ዘይፈጠሮ ነገር ኣይነበረን። ዋላ ኣብ ግዜ ሃይለስላሴ እውን እንተኾነ እዞም ኣስላም ናብ ዓረብ ክሸጡኹም፥ ሃይማኖትኩምን ባህልኹምን ከጥፍኡልኩም እናተባህለ ይስበኽ ነይሩ እዩ። እዚ ኩሉ ተደማሚሩን ምስቲ ብዘይጠቅም ፍልልያት ማለት ኣብ ናይ መገሃጫ፥ ኣብ ዋንነት መሬትን ካልእ ናእሽቱ ነገራትን ዝነበሩ ናይ መቀራሓኒ ጠንቅታት ገዲፍና፡ እቲ ባዕዳውያን መግዛእቲ ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ናይ ፈላሊኻ ግዛእ ስልቲ  ዘምጽኦ መዘዝ፥ ናብ ዘይምርድዳእን ዘይምትእምማንን፡ ሓቢርካ ናይ ምንባርን ዘህስስ ኣሰራት ገዲፉልና ኣሎ።

ንሕና ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ዝሓለፈ ናይ ሚእቲ ዓመታት መግዛእቲ ዝተወርሰ ሽግራትን ኣሉታዊ ኣሰራትን ስምብራትን እንተሎና፥ እቲ ሃገርና ረኺብና ብሓባር ተኸባቢርና እንነበረሉ ሃዋህው ከይነስተማቕር ድማ፡ እዚ ጨቋንን ወጻዕን ሰይጣናዊ ስርዓት ኣጓኒፉና። ኣብ ግርጭት ከየእተወና እንከሎ፡ ብቕንዕና ተበጊስና፡ ብክፉት ልቢ ንፍቕርን ሕውነትን፡ ብዝዕድም ኣተሓሳስባ ተገዚእና፡ ነቲ ሽግራት መጽናዕቲ ክንግበሩሉ ዓቢ ተደላይነት ኣለዎ። ጽልኢ ሓደ ናብ ጎነጽ ዘምርሕን ንክብሪ ወደስብ ዝሃስን ተግባር እዩ ዘምርሕ። ነዚ ንምትግባር ድማ ኣእምሮ ወዲ ሰብ ናብቲ ነቲ ጽልኢ ዘራጉድ መሳርሒ ኣብ ምምሃዝ እዩ ዝያዳ ዝነጥፍ። እንሆ ድማ ዓለምና ኣብ መን ዓብለለ ቅሩቁሳት ተዋሒጣ ናብ ናይ ፍልልይን ግርጭታትን ገጻ ትጎዓዝ ኣላ። ኣብ ክንዲ ስልጣነን ምዕባሌን ሕብረተሰብ፡ ናብ ሰላም ዘምርሕ፡ ናብ ሰብ ዘጥፍእ ቦምብታት ወይ ኣጽዋር  እዩ ዝምዕብል ዘሎ። ጽልኢ ንምፍጣር  ዝግበር ጐስጓሳት እምበኣር ቅኑዕን ኣኽብሮት ዘለዎ ፖለቲካዊ ባህሊ ክነጥሪ ዝዕንቅጸና እዩ። ስለዚ ንሕና ኤርትራውያን ኣብ ክንዲ ናይ ምትሕብባር፡ ምትሕልላይን ምድንጋጽን ባህሊ ነጥሪ፥ ብሃይማኖት፥ ብብሄር፥ ወዘተ ስለ እንፈላለ ጥራሕ ኣብ ቅርሕንትን ጽልእን ገጽና ነድህብ ኣሎና። እቲ ኮነ ኢልካ ዝዝራእ ጽልኢ እኹል ሓበረታ ዘይምውናንን፥ ነቲ ሓቂ ንምፍላጥ ተገዳስነት ዘይምህላውን ዘርኢ ምልክት ኢዩ።

ንሕና ኤርትራውያንከ በቲ ንጽልእን ምፍልላይን ዘመልክት ዲና ክንልለ ዝግበኣና ወይስ ኣይፋልናን? እዚ ማለት ፍልልይ ሃይማኖት ወይ ብሄር ዲና ክነቐድም ወይስ እታ ንኹልና ብማዕረ እትብጸሓና ሃገር? ከምዝመስለኒ ክንምዝገብ ከሎና ዜግነትካ ክበሃል እንከሎ እስላም፥ ተዋህዶ፥ ካቶሊክ፥ ከኒሻ ወዘተ ዝብል ሰብ የለን። ከምኡ እውን ኣነ መንነተይ ወይ ዜግነተይ ሰንሒት፥ ሓማሴን፥ ባርካ ወዘተ ዝብል ኣይርከብን፥ እንታይ ደኣ ኤርትራዊ ኢዩ ዝብል። ካብዚ ብምንቃል እታ ንኹልና ብማዕረ እትሓቛቑፈና ብኣደ እትምሰል፡ እታ ሃገር እምበር ሃይማኖት ወይ ብሄር፡ ወይ ኣውራጃ ወይ ዓሌት ኣይኮነን። ስለምንታይ ደኣ ነቲ ነናይ ውልቃዊ መቦቆላዊ መንነት ኣብ ክንዲ መጻልኢ፡ ከም ናይ ብዙሕነት ጸጋ ምቕባል፥  ነቲ ምእንቲ ውልቃዊ ረብሓና ክነቐድም ዝግበኣና ኣብ ጽልእን ምፍልላይን ንጥሕል? ስለዚ ኣብ ክንድኡ ጽልእን ቅርሕንት ዝውገደሉ ሓሳብን ግብርን ዝስነዮ ሓቛፊ ባህሊ ክነጥሪ ዘይንጽዕር።

Last modified on Friday, 28 June 2019 22:25