ዕዉት  ናይ  ድራር  ምስዮት  ኣብ  ከተማ  ፍራንክፈርት

2019-06-27 09:11:22 Written by  ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ ጨንፈር ጀርመ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1478 times

ብዕለት  22-06-2019 ዓ.ም. ኣብ ፍራንክፈርትን ከባቢኡን ዝቕመጣ  ግድሳት ደቂ ኣንስትዮ ኣደታትን ፣  ኣሓትን  ኣባላት ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራን ጨንፈር  ጀርመን ብዘዳለውዎ ናይ ድራር ምስዮት፡ ነቶም ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንራህዋን ሓርነትን ኣካላቶም ዘበጀዉን፣ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ መደበር ሓርነት ከሰላ ሱዳን ዝነበሩ ኣባላት ውጉእት ሓርነትን፡ ከምኡውን  ኣካለ ጽጉማን ኤርትራውያንን ንምሕጋዝ ኣብ ኣዳራሽ  Saalbau Gallus Frankenallee 111   60326  Frankfurt a.M. ዕዉት ድራር ምስዮት ተኻይዱ።

ኣብዚ ካብ ሰዓት 16.00 ክሳዕ 23.00 ብኣካልን  ብትሕዝቶን  ዘይፍለይዎ  ዕድመኛታት ተረኺቦም፣  እቲ ልሙድ ሕልናዊ ስምዒቶምን ልግሶምን ውሁብ ኰይኑ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ በብእዋኑ ዝግበር ሰናይ ተግባር ፡ ጥራይ ዘይኰነስ ብሓባር ኰንካ ጉዳይ ማሕበርን ካልእ ሕብረተ-ሰብኣዊ ዝምድናታት ዘራጉድን  ዓቢ ተደራቢ ዓወት ዝኾነ  ምስዮት እውን ኢዩ።

እዋኑ ብዋዛ ምስ ቁምነገር  ዝሓዘለ  ፍሕሽዊ ምሸት ድሕሪ ምምሳይ  ዕድመኛታት  ብርኩት ዝኾነ  ኣስተዋጽኤኦም ብምግባር  1428.00 (ሓደ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእቲን ዕስራን ሾመንተን ኤውሮ) ከም ዘበርከቱ በዚ ኣጋጣሚ  ከነበስር ንፈቱ።                                        ዕድመኛታት  ንግዱሳት ኣሓት ነቲ ዘይሕለል ሰናይ ጸዓተንን  ልግሰንን  ዘዳለወኦ  ምኡዝን   እኹል ትሩፍን   ሽሻየን  ኣመስጊኖምን  ኣተባቢዖምን።

ኣብ  ርእሲዚ ኣብዚ ብምኽንያት  ስራሕን  ካልእ ኣገዳሲ ዋኒኖምን ዘይተረኽቡ  ዕዱማት ኣሕዋትን  ኣሓትን  ኣስተዋጽኦኦም ብባንክ  ኣቢሎም  ክሰዱ ምዃኖም ድማ ንሕብር።

Last modified on Thursday, 27 June 2019 11:21