ንምልኪ፡ ብፖለቲካዊ ንቕሓትን ስልትን ንግጠሞ

2019-06-06 08:08:26 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1718 times

“በይኑ ዝጎዪ ዝቕድሞ የብሉን በይኑ ዝማጎት ዝረትዖ የብሉን” ዝብል ምስላ ኣበው ነዚ ናይ ሎሚ እንኸዶ ዘሎና ቃልሲ ከእምተልና ዝኽእል ይመስለኒ። ምኽንያቱ መሬት ኤርትራ ናጻ ካብ ዘውጽእ እነእ ሰላሳ ዓመት ተቐራሪቡ ኣሎ። ኤርትራን ህዝባን በዚ ከምዚ ዝኣመሰለ እኩይ ስርዓት ክትመሓደር እያ ዝብል ኣብ ኣእመሮ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ዝነበረ ኣይመስልን። ማለት በቲ እቲ ውድብ ህዝባዊ ግምባር ኣብ ሜዳእንከሎ ዝውጽኦ ዝነበረ ጭርሖታትን ንህዝቢ ኤርትራ ብዘይካ ህዝባዊ ግምባር ካልእ ዝረብሕ ከምዘየለ ኣብ ምእማን ደረጃ ኣበጺሕዎነይሩ።

ሎሚ ውን ይስተረና ካብዚ ዝዓይነቱ ስምዒታት ዝወጻእና ኣይንመስልን። ማለት እቲ እዚ ስርዓት እዚ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ኣገባባት ኣብ ደምበ ተቓውሞ ውን ዝረአ ዘሎ ይመስል። ሓደ ካብኡ ንኣብነት እቲ ስምዒት ጀብሃን ሻዕብያን፥ ደጋፋይን ተቓዋማይን፥ ዓበይትን ናኣሽቱን ወዘተ ዝብል ናይ መለኽቲ ፈላላዪ ሓሳባት  ገና ኣይነጸፈን ። ምኽንያቱ ነቲ ጉዳይ ሃገር ንኹሉ ዝምልከት ክንሱ ናብ ናይ ደረጃ ውሱናት ንክኸውን ዘምስል ኣገባብ ተታሒዙ ምህላዉ እዩ ዝሕብር።

ወዲ ሰብ ዝጭርሖ ካልእ ኣብ ኣተሓስስባኡ ዘሎ ድማ ካልእ ክኸውን እንከሎ እዚዘለናዮ ውጽኢት እዩ ዝፈጥር። ማለትከም ኣብነት ክልተ ውድባት ኤርትራ ኣብ ሜዳ ዝነበራሉ እዋን ክንደይ ኣሉታታትን ጉድለታትን ጌጋታትን ተኻይዱ እዩ። እዚ ጉድለታት እዚ ግን ብውልቀሰባት ይኹን ብኩብ ዝትግበር ዝነበረ “ነዓ ኣይፋልካን ትጋገ ኣሎኻ” ዝብል ሰብ ስለዝተሳእነ ክንደይ መንእሰያት ኣጥፊእና። ጻዕሪ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ከይድምሰስ ግና እቲ ሓቂ ክበሃል ክጸሓፍ ኣለዎ። ህዝቢ ኣብ 1974 ንኽልቲኤን ውድባት ክተዓርቕ ተበጊሱ እንተኾነ ኣይሰለጦን። ቀጺሉ እውን ኣቀራራቢት ሽማግለ ተባሂሉ ካብ ኩሉ ገጻት ሕብረተሰብ ኤርትራ ብ1976 እውን ተፈቲኑ እዚ ውን ኣይሰለጠን።

እቲ ዘይመስለጢኡ ቀንዲ ምኽንያት ሓደ ኣብተን ውድባት ዝነበሩ ግዲኦም ድሩት ምንባሩ’ዩ። እቲ ካልኣይ ድማ እቲ ህዝቢ ነታ ሓቂ ኣብ ክንዲ ዘውጽኣ ንገዛእ ርእሱ ጽባሕ ንግሆ ዝወርዶ መዓት ስለዝተረደአ ኣጽቂጡ። እቲ ሳልሳይ ድማ “ጥራይ እዚ እኩይ ጎባጢ ወጻእተኛ ስርዓት የልግስለና” ዝብል ግሩህ ሓሳብ ኣብ ህዝብን ኣብተን ውድባትን ሰሪጹ ብምንባሩ እዩ።

ኣብቲ ግዜ  እቲ ህዝቢ ንሰውራ ኤርትራ ዘዕውትን ንሱ ዝቐስነሉን ዝድግፎን ብድፍረት ኣሚቱ ወይ እውን ንሓንቲ ከብተን ውድባት ብደቅናን ማልናን ንብረትናን ትጻወቲ ኣሎኺ ክብል ስለዘይከኣለ እዩ። ብተሓደ ሸነኽ ድማ እቶም ይኣክል ንጋገ ኣሎና ክብሉ ዝግበኦም ዝነበሩ ንባዕሎም ኣካል ናይቲ ጌጋብምንባሮም እውን ኣካል ናይቲ ምኽንያት እዩ። እዚ ኩሉ ሽግር እዚ ዘምጽኦ እቲ ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ይኹን፥ ማሕበርሰብ ወይ ውድባት ወይ ሰልፍታት ናይ ልዝብን እንካን ሃባን ባህሊ ዘይምውናነን እቲ ዝለዓለ ጉድለት እዩ ነይሩ። እዚ ባህሊ እዚ ድማ ጌና ምሳና እናተጓዕዘ ይኸይድ ብምህላው ሽግራትና ክንዲ ዝፍታሕ ከምዘለዎ ዝቕጽለሉ እዩ ዝረአ ዘሎ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ድሌት ናይ ኩልና ሓደ ክንሱ ኣብ ክንዲ ነሰስኖ ጫሌዳታት ብምውጻእ መራሕን ተመራሕን ተነጺሩ ናብ ዘይፍለጠሉ ኩነታት ንኣቱ ኣሎና። ጸረ እዚ ወጻዒ ውልቀሰብንስርዓቱን ክቃለስ ዝጀመረ ኣካል ሕብረተሰብ ኤርትራ ማዕረ ዕድመ እቲ ስልጣን ምዃኑ ማንም ዝኽሕዶ የለን። ንኣብነት ካብ 1991 ዝጀመረ ጸረ ስርዓት ኢሰይያስ ኣብቲ እዋን እቲ ካብዞም ሎሚ ኣብ ደገ ወጺኦም ዘለዉ ሰበስልጣን ነበር ምስ ተቓወምቲ ውድባት ሓቢርና ኣይንሰርሕን ዝበሉ ውን ነይሮም ኢዮም። ልክዕ እዩ እተን ሽዑ ዝነበራ ውድባት ጉድለታት ኣይነበረንን ማለት ኣይኮነን። ግናኸ ነቲ ህልዊ ኣናሺካን ኣቆናጺብካን ተመሊስካ ነቲ ንሱ ዝሰርሖ ከምዘይሰርሖ ኣምሲልካ ምቕራብ ሓጋዚ ኣይኮነን።

እቲ ሕቶ እምበኣር ስለምንታይ እቲ ውድባት ከምዚ ናይ ሎሚ ናይ”ይኣክል” ህዝቢ ዘየዕገበ ዝብል ሕቶ ክልዓል ግቡእ እዩ። እወ፥ ንነፍሲ ወከፍ መድረኽ ዝገዝኦ ሕጊ ኣለዎ። በኡ መጠን ድማ እቲ ውድዕነትን በዓልቤትን  ምብሳልን ዘይምብሳልን እውን ኣሎ። ኣብቲ ፈለማ ናጽነት ተቓውሞ እንተኣልዒልካ ሰማዒ ኣብ ልዕሊ ዘይምንባሩ፡“ሓሙሻይ መስርዕ” ዝብል ናይ ፈጠራ ስም’ውን ይወሃብ ነይሩ። ኣብ 2000 ዓመተ ምህረት ኤርትራዊ መንእሰይ ብዝሒ ዓዱ ጠንጢኑ ክመጽእ እንከሎ፡ ውድባት ስለ ዘይነፈዓ ድየን ወይእቲ መንእሰይ በቲ እቲ ስርዓት ዝወሃቦ ዝነበረ ግጉይን ዝምቡዕን ሓበረታ ተጽልዩምስተን ውድባት ክቃለስ ድሌት ኣይነበሮን። ሕጂ ግና መንእሰይእቲ ተላዒሉ ዘሎ ማዕበል “ይኣል”ከየበርዕንን ኣብ ናይ ሕልኽልኽ መጻወድያ  ከይወድቕን፡ እቲ ሓቂ ተነጺሩ ጌጋታትና ኣበይ ከም ዘሎ ክፍለጥን ድሌታትናን ክነነጽርን ከድልየና እዩ። ዝተጸንዐ ናይ ዕድመ ጥራይ ዘይኮነእንተላይ ናይ ኣተሓሳስባ ምትኽኻእ መስርሕ ከምዘድሊ ዘንጊዕካ፡ ብድብድቡ“መንእሰይ  ኢኻ መራሒ ወይ ተካኢ”ምባል ጥራሕ እኹል ኣይኮነን።

Last modified on Thursday, 06 June 2019 10:14