ቀዳማይ ጸገምና ምብዛሕና ኣይኮነን

2019-06-04 08:09:21 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1817 times

“ውደባ ሓይሊ እዩ፡ ምውዳብን ተወዲብካ ሓሳብካ ምግላጽን መሰረታዊ መሰል እዩ” ኣብ ዝብሉ መሰረታዊ ኣምራት ኩልና ከም እንሰማማዕ እግምት። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና “ምውዳብን መሰልን” ዝብሉ ቃላት መዝሚዝካ፡ በይንኻ ንክትውደብ ዘገድደካ መሰረታውን ርትዓውን ምኽንያት ዘይብልካ ክንስኻ፡ ንስለ ምውዳብ ጥራይ እናተወደብካ ውድባት ምርባሕ ቅቡልን ዝተባባዕን እዩ ማለት ከምዘይኮነ ምጥቃሱ ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ ምብዛሕ ውድባት ብቕቡል ምኽንያት በይኑ ጸገም ከም ዘይከውንን፡ ተፈሊኻ ውድብ ንምስራሕ ዘገድድ ቅቡል ምኽንያት ዘይብልካ ክንስኻ፡ ናትካ ውድብ ሰሪሕካ ነቲ ብዝሒ ውድባት መሊስካ ምብዝሑ ፋይዳ ከምዘየብሉን ክንግንዘቦ ዝግበኣና እዩ።

ንውደባ ብዝምልከት ናይ ብዙሓት ወገናት ተመኩሮ ምስ እንድህስስ፡ ውድባት ኣብ ዝበዝሓሉ እቲ ጸገም ብክንድኡ ደረጃ ይበዝሕ፡ ውድባት ኣብ ዝወሓዳሉ ድማ እቲ ጸገም ብኽንዱ ደረጃ ይውሕድ ወይ ይውገድ ኢልካ ምድምዳም ኣጸጋሚ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ናይ ጐረባብትና ተመኩሮ ከም ኣብነት እንተወሰድና፡  ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ 107 ውድባት ብወግዒ ተመዝጊበን ኣለዋ። ኣብ ኤርትራ ከኣ ሓንቲ ንሳውን ኣይምውቲ ኣይስርርቲ ውድብ ህግዲፍ ጥራይ እያ ዘላ። እቲ ኩነታት ከኣ ኢትዮጵያ ዓዲ ብዙሓት ውድባት ስለ ዝኾነት ዘይደሓን፡ ኤርትራ ግና ዓዲ እንኮ ውድብ ስለ ዝኾነት ኣዝያ ደሓንን ጥጥሕትን ናብ ዝብል መደምደምታ ከም ዘየብጸሓና ብሩህ እዩ። ኮታ ኤርትራ ዓዲ ሓንቲ ውድብ ክነሳ ካብ ኩለን እተን ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ዘለወን ሃገራት ዝያዳ ጸልሚታ ዘላ ሃገር እያ።

ካልእ ካብ ናይ ካለኦት ተመኩሮ፡ ንብዝሕን ዋሕድን ውድባት ብዝምልከት እንቐስሞ፡ ውሑዳት ክንስኻ ዘይምስምማዕ ከም ዘጋጥም፡ ብዙሓት እንከለኻ ከኣ ኣሳኒኻ ምኻድ ከም ዝከኣል እዩ። ኣብ መስርሕ ምውዳብ፡ ነቲ ውድባት ካብ ዘብዝሕዎ ምኽንያታት፡ ኣብ ክንዲ ዓበይቲ ጉዳያት ህዝብን ሃገርን ቀዳምነትካ እትሰርዕ ናእሽቱ ጉዳያትን ጸበብቲ ኣካይዳታትን ምምራጽ እዩ። ንከምዚ ዓይነት ዘይቅቡልን ዘይሓላፍነታውን ውልቃውነት ዝሳዕረሮ ኣወዳድባ ኣድላይነት ከም ዘየብሉ ምንጽብራቕ መሰል ኮይኑ፡ ናይቶም “ምርጫና እዩ” ኢሎም ነቲ ስጉምቲ ዝወሰዱ ወገናት ናይ ምውዳብ መሰል ገፊፍካ ካብ መድረኽ ክትስርዞም ምፍታን ግና ጸገም እዩ። እዚ ስንኩፍ ክነሱ ነቲ ምብዛሕ ውድባት ዘጋድድ ኣካይዳ ዝውገድ እምበኣር፡ ናብ ህዝቢ ዘቕርቦ ሓሳብ ዓዳጊ ህዝቢ ከም ዝስእን ብምግባር ጥራይ እዩ። ክሳብ ናብ ናይ ህዝቢ ፍርዲ ቀሪቡ እግባይ ዘይብሉ ፍርዲ ዝረክብ ግና ንዕኡ ብዝምጥን ደረጃ እንዳተመሓደረ ተተይ ምባሉ ናይ ግድን እዩ ዝኸውን።

ምናልባት፡ ንብዝሒ ውድባት ምውጋዝ ከም ሜላ ተጠቒምካ፡ ንዘይትፈትዎ ውድባት መፍረሲ ወይ መወገዲ ክውሰድ እንተኮይኑ ግጉይ እዩ። ምስ መሰረታዊ መሰል ምውዳብ እውን ዘሳኒ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ንዘይትኣምነሉ ውድባት ተወዳዲርካ ስዒርካ ካብ መድረኽ ክትኣልዮ ምቅላስ ቅቡል እዩ። እቲ መስርሕ  ከኣ፡ በቲ ሓደ ወገን ናትካ ብልጫ ኣለዎ ዝበልካዮ ኣተሓሳስባ ብምስራጽ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ነቲ ብዘይትቕበሎ ኣተሓሳስባ ዝምራሕ ውድባት ህዝባዊ ተቐባልነት ኣኽሊእካ ሓሳቡ ህዝባዊ ዕዳጋ ከም ዝስእን ብምግባር ጥራይ እዩ ክረጋገጽ ዝኽእል። ካብዚ ወጻኢ ዝውሰድ ናይ ኣቋራጭ መንገዲ ምናልባት ግዝያዊ መዕጋሲ እምበር ነባሪ ፍታሕ ኣየምጽእን። ምኽንያቱ ኣብ ቅድሚቲ “ኢኻ ኣይኮንካን” ናይ ምባል ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ ህዝቢ ቀሪቡ  ሃናኡ እንተዘይወዲኡ እቲ ዘጥፋእካዮ ዝመስለካ ሓዊ ግዜ መሪጹን ኣገባቡ ቀይሩን ፈኸም ክብል ስለ ዝኽእል። ሓደ ውድባ ክንመዝን እንከለና ካብ ጸቢብነትን ውልቃውነትን ወጻኢእና ዝምረሓሉ መትከላትን ዘቕርቦ መዋጸኦታትን ጥራይ ክኸውን ይግበኦ። ውድብ ናይ ቃልሲ መሳርሒ እምበር ናይ ካልእ መንነት መርኣያ ከምዘይኮነ’ውን ክንቅበል ይግበኣና።

እምበኣር “ቀዳማይ ጸገምና ምብዛሕና ኣይኮነን” ካብ በልና፡ ነቲ ጸገምና ሃሰስ ክንብሎ ናይ ግድን እዩ። ጸገምና፡ ነቲ ዝፈላልየና ከይረሳዕና፡ ነቲ ዘመሳስለና ዓበይቲ ጉዳያት ሃገርን ህዝብን ኣግኒንና፡ ናይ ውልቅና ወይ ጉጅለና ዘይኮነ ናይ ሓባርና ዋኒን ቅድሚት ሰሪዕና፡ ኣመሓዲርናን ሓላፍነት ወሲድናን ብሓባር ክንስጉም ዘይምብቃዕና እዩ። ከምዚ ክንገብር እንተበቒዕና፡ ነቲ “ፍልልያትካ ዓቂብካ ብሓባር ምንባር” ዝብል ንፍልልያት ዘርስዕን ንኣገዳስነት ሓድነት ዘበርኽን መትከል ክንበቕዖ ኢና። ነዚ እንተዘይበቒዕናዮ ግና መወጽኦ ኣይክህልወናን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ሓደ “ክውደብ እየ” ክብል እቲ ካልእ  ከኣ ፈቓድን ከላእን ኮይኑ “የለን ውድባት ምእንቲ ከይበዝሓና ኣይትውደብ ኢኻ” ወይ “ውድባት በዚሐናና ስለ ዘለዋ ኣፍርስ” በሃላይ ኮይኑ ብዙሕነት ከነመሓድ ኣይንኽእልን ኢና። ብዙሑነት ምምሕዳር እንተዘይበቒዕካ፡ እቲ መፍትሒ፡ ነዚ ዘኽእል ዓምቕሚ ንምፍጣር ምጽዓር እምበር ውደባታት ምፍራስ  ኣይኮነን።

ውድባት ብቑዓት ተወዳደርቲ ምእንቲ ክኾና፡ ዝቃለሳሉ መትከል ከነጽራ፡  ፈታዊአንን ጸላኢአንን ክፈልጣ፡ ብቑዕ መሪሕነትን ግሉጽነት ዘለዎ ኣሰራርሓን ክውንና፡ ዲሞክራስያዊ መትከላት፡ ክኽተላ …… ወዘተ ምባልን ከምኡ ንክበቕዓ ምሕጋዘንን ግና ቅቡል እዩ። ምኽንያቱ እቲ ቀንዲ ጸገምና ንብዙሕነት ኣከኣኢልካ ክትከይድ ዘይምብቃዕ እምበር ምብዛሕ ስለ ዘይኮነን። ውድባት እውን በቲ ሓደ ወገን ተመሳሳሊ ወይ ኣዝዩ ተቓራራቢ ኣተሓሳስባ ዘለወን ክሰምራ፡ መሰረታዊ ፍልልይ ዘለወን ከኣ ኣብቲ ዘሰማምዐን ጽላል ከጽልላ ኣጽሊለን ክቃለሳ ክጽዕራ ግደታአን ምዃኑ ክፈልጣ ኣለወን። ካብዚ ሓሊፉ ነቲ በበይንኻ ምውፋር ርዒመን ኣብ ምጥምማት ደሪቐን ዘይምኽኑይ ግዜ ክበልዓ ቅቡል ኣይኮነን። ናብቲ ቀዳማይ ኣብነተይ ክምለስ ብናይ ዜና ማዕከናት ከም ዝተኸታተልናዮ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ካብተን ናይ ኢትዮጵያ 107 ውድባት፡ ቅድም 7 ውድባት፡ ደሓር ከኣ ካለኦት 5 ውድባት ሓድነት ፈጢረን። ካልኦት 9 ውድባት ድማ ኣብ መስርሕ ኣለዋ ይበሃል። ንሕና እውን በዝታት ቅዱስ ቅንእን ትብዓትን ክሓድረና ይግበኦ።

Last modified on Tuesday, 04 June 2019 10:11