ሰርሰርቲ መረዳእታ ንዋትስአፕ ተጠቂሞም ኣብ ሞባይላት ሶፍትዌር ስለያ ምጽዓኖም ተፈሊጡ

2019-05-14 09:04:55 Written by  BBC Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2077 times

ምልክት ዋትሳፕ Image copyright Getty Images ናይ ምስሊ መግለጺ መንነትን ቁፅርን ግዳያት ኣይተፈለጠን

መረዳእታ ዝጉሕሉ ሰርሰርቲ ('ሃከርስ') ንዋትሳፕ ብምጥቃም፡ ኣብ ሞባይል ስልክታትን ካልኦት ኤለክትሮኒክስን ናይ ስለያ ሶፍትዌር (መተግበሪ) ጽዒኖም ምንባሮም ተረጋጊጹ።

ኣብ ዋትሳፕ ንዘሎ ክፍተት ብምጥቃም ነቲ ናይ ስለያ መተግበሪ ክጽዕኑ ከም ዝኸኣሉ ይግለጽ።

ኣብ ትሕቲ ፌስቡክ ዝመሓደር ዋትሳፕ ከም ዘፍለጦ፡ እቲ መጥቃዕቲ ንውሱናት ተጠቀምቲ ዋትሳፕ ዒላማ ዝገበረ'ዩ። ነቲ ተግባር ዝፈጸሙ ከኣ ዝለዓለ ብቕዓት ዘለዎም ሰርሰርቲ ከም ዝኾኑ ተገሊጹ።

ከም ጸብጻብ ፋይናንሻል ታይምስ፡ 'ኤንኤስኦ' ዝተበሃለ እስራኤላዊ ትካል ድሕነት'ዩ ነቲ ተግባር ፈጺሙ።

ዋትሳፕ፡ ነቲ ጸገም ከም ዝፈትሐ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣፍሊጡ ነይሩ።

እቲ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ክፍለጥ ዝኸኣለ ኣብ መእተዊ እዚ ዘለናዮ ወርሒ ኮይኑ፡ ዋትሳፕ ን1.5 ቢልዮን ተገልገልቱ ሓድሽ ኣፕሊኬሽን ክጽዕኑ ['ኣፕዴት' ክገብሩ] ሓቲቱ'ዩ።

እቶም ሰርሰርቲ፡ ናብቲ ክስልይዎ ዝደልዩ ሰብ ብምድዋል፡ ነቲ ሶፍትዌር ይጽዕኑ። እቲ ዒላማ ዝተገበረ ሰብ ነቲ ደወል ስልኪ ክቕበል እንተዘይከኣለ'ውን ዝደለይዎ ካብ ምፍጻም ኣይግደቡን።

ፋይናንሻል ታይምስ ከም ዝበሎ እንተኾይኑ፡ መንነት ናይቲ ዝደወለ ኣካል ኣብ ዝርዝር እቶም ዝተደወሉ ስልክታት ኣይጸንሕን።

እቲ ጸገም ከም ዝተፈለጠ ኣቐዲሙ ክፈልጥ ዝኸኣለ፡ ናይቲ ትካል ክፍሊ ድሕነት ከም ዝኾነ፡ ዋትሳፕ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ሽዑ ድማ ንተጣበቕቲ መሰላትን ንክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካን (ዲፓርትመን ኦፍ ጀስቲስ) ኣፍሊጡ።

'ኤንኤስኦ' ገበናትን ሽበራን ኣብ ምቅላስ ንኽሰርሕ ፍቓድ ዝተወሃቦ ትካል'ዩ። ኮይኑ ግን ዘይሕጋዊ ተግባር ፈጺሙ እንተኾይኑ፡ ምርመራ ከም ዝግበረሉ ተገሊጹ'ሎ።

ዋትሳፕ፡ ቁጽሪ ግዳያት መጥቃዕቲ ሰርሰርቲ ክንደይ ከም ዝኾነ ንምፍላጥ እዋኑ ገና'ዩ ኢሉ።

ቅድሚ ሕዚ ብኤንኤስኦ መጥቃዕቲ ተፈጺሙኒ ነይሩ ዝብል ትካል ተጣባቒ መሰላት - ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል፡ ኣብ ልዕሊ ተጣበቕቲ መሰላት ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ከም ዝፍጸም ስግኣት ከም ዝነበሮ ሓቢሩ።

ዳይሬክተር ክፍሊ ቴክኖሎጂ እቲ ትካል ተጣባቒ መሰላት ዳና ሌግሎቴን፡ መንግስታት ንፍሉጣት ተጣበቕቲ መሰላትን ጋዜጠኛታትን ክቆፃፀሩ ኣብ ዝደልዩሉ እዋን ዝጥቀምሉ ኣሰራርሓ ከም ዝኾነ ተዛሪቡ።

ሚንስትር ምክልኻል እስራኤል፡ ፍቓድ 'ኤንኤስኦ' ንኽስርዝ ዝሓትት፡ ኣምኒስቲ ኢንተርናሽናል ዝመርሖ እኩብ ፌርማታት ኣብ ቤት ፍርዲ እስራኤል ክኸርብ'ዩ።

Source=https://www.bbc.com/tigrinya/news-48263928

 

Last modified on Tuesday, 14 May 2019 11:07