“ይኣኽለና ዲና፡ ይኣኽለካ ንብል ዘለና?”

2019-05-14 05:52:04 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1819 times

“ይኣክል” ማለት ሓደ ክዝወተር ዝጸንሐ ተግባር “ኣይቐጽል፡ የኸትም፡ ወይ የቋርጽ ማለት ምዃኑ ንኽላትና ዘረዳደኣና እዩ ዝብል እምነት ኣለና። ከምዚ ዝበሃል ከኣ እንተ ደኣ እቲ ተግባር ቀጺሉ ሳዕቤኑ ዘየድሊ ወይ ጐዳኢ ስለ ዝኸውን ኣይንዕገሶን ኢና ንምባል እዩ። ንሓደ ተግባር ሳዕቤኑ ሃሳይ እዩ እሞ “ይኣክል” ምስ በልካዮ፡ ካልእ ክቕጽል ዝግበኦ መተካእታ ሃሰስ ኢልካ ምርካብ ናይ ግድን እዩ። ማለት ዘየድሊ ከተፍርስ እንከለኻ ኣብቲ ዑናኡ ናይ ምህናጽ ሓላፍነት ምውሳድ ማለት እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራውያን ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም፡ ናይ ይኣክል ድምጺ ክብ ኣቢልና ነቃልሕ  ዘለና ኸኣ፡ እዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ኩነታት ኩርኳሕን ጐባጥን ከምዘለዎ እንተቐጺሉ ሳዕቤኑ ንህልውናና ከም ሃገርን ህዝብን ዝፈታተን ሓደገኛ ምዃኑ ንምእማት እዩ። “ይኣክል” ኢልና ጠጠው ክንብል ዘይኮነስ እቲ ዝኣክል ምስ ኣኸለ ካልእ ዘዋጽእ መተካእታ ናይ ምርካብ ዝሓየለን ክቡር ዋጋ ዘኽፍልን ሓላፍነታዊ ዕማም ከም ዝጽበየና ብዘይምዝንጋዕ እዩ።

እዚ “ይኣክል” ዝብል ኤርትራዊ ሕራነ ሎሚ ዘይተጀመረ፡ ግና ሎሚ ዝያዳ ዝገንን ዘሎ መልእኽቲ፡ ናብ ሓደ ውሱን ኩርናዕ ጥራይ ዝመሓላለፍ ዘሎ ዘይኮነ፡ ናብ ኩሎምቶም ኣብ ፖለቲካ ሃገርና ዝዋሰኡ ዘለዉ ኣካላት በብደረጃኡ ዘቕነዐ እዩ። ናይዚ መልእኽቲ ቀስቲ ቀንዲ ጠመትኡ ናብ ህግዲፍ ኮይኑ፡ ናብ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ተቓወምቲ ውድባቱን ሲቪላዊ ማሕበራቱን እውን ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ኣለዎ። ስለዚ እቶም ይኣክል ንብል ዘለና ናይ ለውጢ ኣካላት’ውን፡ ምስቲ ኣጻብዕትና ናብ ህግዲፍ ምቕሳር ነናብ ነፍሲ ወከፍና’ውን ከነመልክት ከድልየና እዩ።

ንህግዲፍ “ይኣኽለካ” ንብሎ ዘለና፡ ነቲ ናይ ህልውናኡ መሰረት ገይሩ ጨቆናኡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘዘውትሮ ዘሎ፡ “ብዘይሕገመንግስቲ ምግዛእ፡ ብዘይ ፍትሒ ኤርትራውያን ምእሳርን ምስዋርን፡ ብኩራት ልዕልና ሕጊ፡ ስደትን ብርሰትን፡ ብልኡላውነት ኤርትራ ምውጋይ፡ ዘይምኽባር መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን ምግባት ቁጠባ ሃገር ኣብ ኢድ ውሱናትን ምንፋግ መሰል ምውዳብን ሓሳብካ ምግላጽን፡ ናይ እምነት ነጻነት ምንፋግ፡ ወዘተ” እዮም። ሎሚ ጭቆና ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ጸሓይ ዝወቐዖ ሓቂ እዩ። ኣይኮነንዶ ናይቲ ጭቆና ቀጥታዊ ግዳይ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነዚ ተረዲእና ተወዲብና ንቃለሶ ዘለና፡ ዘይኤርትራዊ  ዘይሻራውያን ተዓዘብትን፡ ንህግዲፍ ባዕሉ እውን ኣብ ኤርትራ ብሰንኩ  መሪር ጭቆና ከም ዘሎ ኣይሃድመሉን እዩ። ሎሚ ህግዲፍ “ኣብ ኤርትራ ይጭቁን የለኹን” ዝብለሉ ሞራል ኮነ ልሳን የብሉን። እዚ ማለት ግና ናይ ባህሪ ጉዳይ ኮይንዎ፡ ኣብ ክንዲ ዝእመን ነቲ ጸገም ብካለኦት ወገናት ከሳብቦ እዩ ሒኹ ዝብል። ኣብ ሓደ እዋን ወያነን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን መኸወልቲ ከም ዝነበሩ እንዝክሮ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ እውን መልእኽቲ “ይኣክል” ከም ዝምልከቶ ክእመንን ነቲ ኣብዚ እዋንዚ ክቕጽል ዘይግበኦ ንክኣክል ክቃለስን ይግባኦ። “ንወጽዓ ህግዲፍ ርኢኻ ከምዘይረኣኻ ምሕላፍ፡ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ካልእ ዝፍጸም በደል ጽባሕ ኣብ ልዕሌኻ ከም ዝፍጸም ዘይምግንዛብ፡ ኣብ ኤርትራዊ ጉዳይካ ተዓዛብን ዓወት ብናይ ካልኦት ኣበርክቶ ክመጸልካ ምጽባይን፡ ንኤርትራን ህዝባን ከም ነበርትን ነቲ ጨቛኒ ጉጅለ ኢሳይያስ ከም ሓላፊ ስርዓትን ፈላሊኻ ዘይምርኣይን፡ ህግዲፍ ዘዝመረጸልካ ፈታውን ጸላእን ከይመመኻ ምቕባልን ምንጻግን፡  በቲ መልክዕናን መሰረት ሓይልናን ክኸውን ዝግበኦ ብዙሕነትና ኣብ ክንዲ ሓቢርካ ምስራሕ ከም ጠንቂ መበኣስን መናውሒ ዕድመ ህግዲፍን ምውሳድ፡ ግዝያዊ ንዋታዊ ረብሓ ንምርካብ ምስ ህግዲፍ ወጊንካ ህዝቢ ምብዳል፡ ህግዲፍ ነንዝበሎ ከየስተማቐርካ ምውሓጥ ውዘተ” ዝብሉ ዘይሓገዝቲ ኣተሓሕዛታት ንምውጋድ “ይኣኽለና” ክብል ይግበኦ።

ፖለቲካዊ ውድባት፡ ሲቪካዊ ማሕበራትን ዘይተወደቡ ናይ ለውጢ ሓይልታት እውን ኣብዚ ናይ ይኣክል ግዜ ብኣኣቶም ክኣኽሉ ወይ ከኸትሙ ዝግበኦም ጉዳያት ከም ዘለዉ ክዝንግዑ ኣይግበኦምን። “ሚዛንካ ኣብ ህግዲፍ ብግቡእ ዘይምንጻር፡ መደባት ክሕንጸጹ እንከለዉ ንኩነታት ኤርትራ ብግቡእ ዘይምድህሳስ፡ ንዓኻ ዝምልከትን ንህዝቢ ዝምልከትን ሓላፍነታት ኣነጺርካ ዘይምርዳእ፡ ኣብቲ ነዊሕ መስርሕ ቃልሲ ምእንቲ ዲሞክራስያዊትን ሕገመንግስታዊትን ኤርትራ መዓስን  እንታይን? ትገብር ኣብ ዝብል ቀዳምነትካ ብግቡእ ዘይምስራዕ፡ ምስ መሓዙት ውዳበታት፡ ዘፈላልየካን ዘሰማማዓካን ኣነጺርካ ኣብ ክንዲ ኣብቲ ናይ ሓባር ናይ ሎሚ ኣትኪልካ ቅድሚ ኩሉ ስርዓት ህግዲፍ ንምእላይ ምቅላስ፡ ብዛዕባ ድሕሪ ውድቀት ህግዲፍ ክመጽእ ዝግበኦ እሞ ብዘይተሳትፎ ህዝቢ ዘይወዳእ ጉዳያት ምስሕሓብ ካብ ናይ ካለኦት ተመኩሮ ክትወስዶ ዝግበኣካ ምስ ኤርትራዊ ክውንነት ብግቡእ ዘይምስትምቓር።” ኩሎም እዚኦም ይኣክል ክበሃሉ ዝግበኦም ምዃኖም ምስትብሃል። እዚ ከኣ እዩ ናብቲ ናይ ለውጢ መሳርሒና ዝኾነ ብዙሕነታዊ ሓድነት ከብጸሓና ዝኽእል።

ብመንጽር እዚ ናይቲ “ይኣኽለና ዲና ይኣኽለካ ንብል ዘለና?“  ዝብል ሕቶ መልሲ “ክልቲኡ ኢና ንብል ዘለና” ዝብል ክኸውን ቅኑዕ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። እዚ ማለት ብውሕዱ ህግዲፍ ብብቕዓቱ ዘይኮነ፡ ብናትና ናይቶም ዝውጸዓና ዘሎ ኤርትራዊ ወገናት ድኽመት ቀሲኑ ክሓድር ከነፍቅደሉ ኣይግብኣናን።

Last modified on Tuesday, 14 May 2019 08:01