ሃገራዊ ሓድነት፡ መሰረታዊ ዓንዲ ዲሞክራሲ

2019-04-07 07:39:32 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1681 times

ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝተፈላለየ ዓሌት፥ መበቆልን፡ እምነታትን ዝተመስረተ እዩ። እቲ ዝሓለፎ ተኸታታሊ መግዛእታዊ ስርዓታት ከኣ  ኣሉታዊ ኣሰራትን ስምብራትን ሓዲጉሉ  እዩ። ሎሚ፡ ናጽነቱ ተጎናጺፉ ከብቅዕ ብሰንኪ ምልኪ ቀሲኑ ክነብር ኣይከኣለን።  ነቲ ጨቋንኡ ስርዓት ንምልጋስ እውን ብቑዕ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ክገብር ኣይከኣለን። በዚ ምኽንያት እቲ ምልካዊ ስርዓት ነቲ ኣውራጃዊ፥ ብሄራዊ፥ መበቆላውን፥ እምነታትን ብዝተፈላለየን ስውርን መገዲ ኣብ ረብሓኡ ከውዕሎ ህርድግ ይብል።

ይኹን እምበር ህዝቢ ኤርትራ፡ ምስ እዚ ኩሉ ናይ ብሄርን፥ ባህልን፥ ወይ እውን እምነታትን ፍልልያትን  ኣብዛ ንእሽቶ ሃገር ሓቢሩን ተኸባቢሩን ንዓመታት ዝነበረ ህዝቢ ምዃኑ ዝከሓድ ኣይኮነን። ልክዕ እዩ ብሰንኪ  ውልቀመላኺ ስርዓት ነቲ ሓባራዊ ሃገራዊ መንነትን ስምዒትን  ዝተጠርየ ናብ ወወገኑ ከድህብ ክገብሮ ይፍትን ከምዘሎ ግን ንስሕቶ ኣይመስለንን።

ምልካዊ ስርዓት፡  ኩሉ ግዜ ፈላሊኻ ግዛእ ዝብል ኣምር ስለዝኽተል፡ ህዝቢ ኤርትራው’ን ካብዚ ጽልዋ እዚ ናጻ ክኸውን ኣይኽእልን። ብኡ መሰረት እነሆ እኳ ነቲ ሕብረተሰብ ዝፋቕሮን ተጣሚሩ ሃገራውን ፖለቲካዊን  ውህደት ንኸይንፈጥር ክንሰማማዕ ኣይከኣልናን። እዚ ንኹልና ብገለ ስምዒታት ተደሪኽና ናብ ዘይከወን ኣቕጣጫ ክንእምት ዝደፋፍኣና ምኽያት ኣሎ። ንሱ ድማ  እቲ ናይ ባህሊ፥ ብሄርነት፥ ዘርእነት (ethnicity) እምነት ዝነቐለ ፍልልያት ኣነ ተወጻዕኩ፥ ወይ ተሃሰኹ ካብ ዝብሉ ስሚዒታት ኣብቲ ሓቢርካ ናይ ምንባርን ሓቢርካ ምሕሳብን ዝፈጥሮ  ጸገም እዩ። እዚ  ንነፍሲ ወከፍ ኣካል ሕብረተሰብ ንወገኑ፥ ንኣውራጃኡ፥ ንብሄሩ ንሃይማኖቱ ወይ እውን ባህሉ ልዕሊ ኩሉ ገይሩ ንኽጥምት ይግደድ። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ምጥርጣራትን ዘይምትእምማንን፥  ኣግላልነትን፥ ኣድልዎን ኣብ መንጎ ሕብረተሰብ ይፍጠር እሞ፥  ነቲ ሃገራዊ መንነትን ሃገራዊ ሓድነትን ይዘርጎ። እዚ ስምዒት እዚ ምስ ዝዕብልል ከኣ ነቲ ናይ ብሄራት ይንኣሳ ይዕበያ፥ እምነታትን፥ ባህልታትን ብዘየገድስ ተጣሚረን ንኸይጎዓዛ  ዝገትእ ይኸውን።

እዚ እምበኣር እቲ ንኹሉ ብማዕረ ዝርኢ  ብቑዕ ምሕደራ ኣብ ምምስራት ሓደገኛ ተራ ይህልዎ። ከይዱ ከይዱ ድማ ነቲ ሓባራዊ ሃገራዊ መንነታዊ መለለይታት ፍሒቑ ዘርኣዊ፥ ብሄራዊ መንነት ናብ ምቅላሕ ገጹ ሃሰስ ክብል ይጅምር። ኣብ ከምዚ ግዜ ፖለቲካዊ ውህደት ይሰኣን እሞ ነቲ ስልጣን ብዘይኣገባብ ናይ ምጥቃም ኣንፈት ብምሓዝ ሓባራዊ ጠመተን ምቅርራብን ናይቲ ሕብረተሰብ የመዛብሎ። በዚ ምኽንያት ኣብ ምፍልላያትን፥ ኣብ ወገነይን ወገንካን… ወዘተ ይሕምብስ። ብኡ ኣቢሉ ከኣ ሓባራውን ንሃገራዊ ረብሓ ዘማዕብልን ሓሳብ ንጎኒ ተሪፉ፥ ዘተኣማምን ቅሳነትን ስኒትን ይጠፍእ።  በዚ ዝኣክል ነፍሲ ወከፍ ነናቱ ኣገባብን ኣተሓሕዛን ተረድኦን ክውንንን፡ ንሱ ብዝኣምነሉ ኣገባብ ክጎዓዝ ይፍትን። በዚ እቲ ሓባራዊ ሃገርን ዜግነትን ካብቲ “ነዓይይ ውን ይግባኣኒ እዩ”  ዝብል  ናይ ኩልና ሓባራዊ መንነት ስምዒት ይርሕቕ።

ኣብ ከምዚ እዋን እዚ፡ እቲ ንኹሉ ዜጋ ብማዕረ ዝዳኒ ሕገ-መንግስቲ ንምምስራት ዘይተኣደነ ውድድራት ክለዓል ይከኣል። ምኽንያቱ ነፍሲ ወከፍ ዘርኡ፥ ኣውራጃኡን፥ ብሄሩን፥ ወይ እምነቱን ባህሉን፥ በቲ ካልእ ብኣተሓሳስባ ዝፍለዮ ከይዕብለል፡ ኣብ ናይ ምርሕሓቕ ኣንፈት ገጹ ይሕንበብ። በዚ ምኽንያት ድማ ናይ ዝዓብለለን ዝተዓብለለን ስምዒታትን፥ ፈጢሩ ክሳብ ንሓድሕድ ምቅትታል ዘኸትል ክኸውን ይኽእል። ከም ኣብነት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት እኹል መረዳእታ እዩ። እዚ ከምዚ ዝዓይነቱ ኣካይዳ ሓባራዊ ፖለቲካዊ ራኢ ኣብ ምህናጽን ዜግነታዊ ኣምር ኣብ ምድልዳል ከቢድ ማሕለኻ ይፈጥር።

ሎሚ፡ ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ትሕቲ ተሪር ሓጺናዊ ምልኪ ተቖሪኑ ኣብ ዘለሉ እዋን፥ ሓባራዊ ሃገራዊ መንነትናን ሓድነትናን ኣደልዲልና ኣብ ክንዲ ያዕ ንብሎ፥ ወግሐ ጸብሐ ሓሓደስቲ ውድባትን ስቪላዊ ማሕበራትን ይስስናን ይጭጭሓን ኣለዋ። እዚ  በበይንኻን በብዝመስለካን ምጉዓዝ ካብ ምንታይ ዝነቅል ኮን ይኸውን? ንምልክን ምልካዊ ኣተሓሳስባንከ ስዒርና ንሃገራዊ ሓድነትና ከንዕቅብን ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ክነጣጥሕን ንኽእልዶ።?  ንኣውራጃይ፥ ንብሄረይ፥ ንእምነተይ ምቕዳምከ ነቲ ዝተጠርየ ሃገራዊ መንነት ከደልድሎ ይኽእልዶ።? እቲ ከምዚ ከምዚ ዝዓይነቱ ምፍልላያት’ኮ እዩ ንገለ ሃገራት ኣፍሪቃን ህዝብን ዘናቚት ዘሎ።

ስለዚ ንሕና ኤርትራውያን ብፍላይ ከኣ እዚ ሓዲሽ ወለዶ በብሸነኹ ጉዕዞ ኣብ ዲሞክራሲያዊ ኣመራርሓን፥ ኣብ ዜግነትን ጥሙር ሓሳብ ኣብ ምስራጽን ሓንኳሊ ግደ ክጻወት ምዃኑ ክንርድኦ ይግባእ። ካብዚ ሽግር እዚ ክንወጽእ እምበኣር፥ እቲ ንኹልና ዝጠምረና ሃገራዊ ሓድነትና ዘደልድል ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ክንውንን ኣሎና። ንሱ ድማ እቲ ዝኸበደ ቃልሲ ንነፍስና ኣብ ምልዋጥ እንገብሮ ጻዕሪ እዩ። ነዚ ንምትግባር ከኣ ኩሉ ግዜ ሓቛፍን፥ ኣሳታፍን፡ ንሓባራዊ ረብሓ ከሰስኑ ዝኽእሉ ሓደስቲ ሃነጽቲ ኣተሓሳስባታት ኣብ ምጥራይ ፋሕተርተር ክንብል ከሎና እዩ።  ኣብ ክንዲ ነነሕድሕድና ምንፍፋግን ምጉናይን ደቂ ሓንቲ ሃገር ምዃና ኣሚንና ነቲ ኣውራጃይዶ ብሄረይዶ ሃይማኖተይዶ ዝብል ልዕሊ ሃገራውነት ከየቐደምና  ኣውራጃይ፥ ወይ ብሄረይ ክህሉ፥ ቅድም ሃገር ትሃሉ ዝብል ኣተሓሳስባ ቅድሚት ክስራዕ ከም ዘለዎ ክንሓስብ የድልየና ኣሎ።

ስለዚ ኣብ ምንታይ ደረጃ ንርከብ ከም ዘሎና  ምስትውዓል ኣድላዪ እዩ። ኣብ መድረኽ ናይ ስልጣን ምጭባጥ ቃልሲ ዲና፥ ወይ ነዚ ፍልልያት ኣመሓዲርና ሃገር ኣብ ምድሓን ኣጸቢቕና ክንመራመረሉ ይግባእ። እንተዘይኮነ ሃገራዊ ሓድነትና ክነዕቅብ ኣይክንበቅዕና ኢና።

ድራር መንታይ

Last modified on Sunday, 07 April 2019 09:47