ሎሚ እውን ከይንዕሾ

2019-04-05 07:40:49 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1760 times

እንታይነት ጉጅለ ህግዲፍ ኣጉሊሖም ካብ ዘርእዩ ብዙሓት ባህርያቱ “ዘይግሉጽነት” ቀዳማይ ደረጃ ዝሕዝ እዩ። እዚ ዘይግሉጽነት ካብቲ “ህዝቢ ከገልግለኒ እምበር፡ ከገልግሎ የብለይን” ዝብል ትዕቢተኛ እምነት ናይቲ ጉጅለ ዝነቅል እዩ። ናይ ህግዲፍ ዘይግሉጽነት ካብ ዝንጸባረቐሎም ረቀቕቲ ሜላታት ንህዝቢ ዘይትግበር ቃል እንዳ ኣተኻ ምድንዛዝ ከም ኣብነት ዝጥቀስ እዩ። እዚ ናይቲ ጉጅለ መደንዘዚ ዘይግሉጹነት ኣብ ኩሉ መዳያት ዝንጸባረቕ ኮይኑ፡ ኣብቲ ቁጠባዊ ጠለብ ህዝብና ንምድፋን ዝግበር ኣካይዳ ዝያዳ ጐሊሑ ክንጸባረቕ ጸኒሑ። ቅድሚ ክንደይ ዓመታት ኣብ ጥራይ ጐልጐል ንህዝቢ ኣብ ዘይድህሰስ ተስፋ ንምእሳሩ “ንኤርትራ ከም ሲንጋፖር ክንገብራ ኢና” ዝበሃል ዝነበረ ጃህራ ከም ኣብነት ክጥቀስ ዝከኣል እዩ። ኤርትራ ካብ መቑሕ ህግዲፍ ናጻ እንተወጺኣ ግና ከም ሲጋፖር ዘይትኾነሉ ምኽንያት የለን።

ህዝቢ ኤርትራ ነታ ከም ብሌን ዓይኑ ዝርእያ ህያብ ስዉኣቱ ዝኾነት ናጽነቱ ከይሃሲ ክብል፡ ኣካይዳ ህግዲፍ ካብ ዝኩርኮሖ’ኳ ነዊሕ ግዜ እንተገበረ እቲ ጉጅለ ኣብቲ ዘይግሉጽነት ዓለሞም ንክሕንብስ ዕድል ሂብዎ እዩ። ህዝብና ዕድል ዝሃቦ ግና ኣብ ጸልማትን ዘይግሉጽነትን ክነብር ስለ ዝመረጸ ዘይኮነስ “እስከ ግዜ ሂብና ሃነኦም ነወደኣዮም” ብዝብል ትዕግስትን ጹረትን እዩ ነይሩ። ጉጅለ ህግደፍ ግና ኣይተፈለጥኩን ብዝብል ንናይ ህዝብና ትዕግስቲ ከም ሕመቕን ንነገራት ክትርዳእ ዘይምብቃዕን ወሲዱ፡ ነቲ ዘይግሉጽነትን ጥልመትን ቀጺልዎ። እዚ ጠላምን ዘይግሉጽን ኣካይዳ’ቲ ኢሳይያስ ዝመርሖ ጉጅለ ኣብ ኤርትራ ዝደረት ዘይኮነስ፡ ኣብ ኤርትራ ምስ መለአ ናብ ጐረባብቲ’ውን ክፈስስ ምስ ጀመረ ግና “እምበርከ እዚ ኩነታት ናይ ድሓን ድዩ?” ዝብል ዝያዳ  ስምዒትን ጥርጠራን ኣሕዲሩ። ብፍላይ ናብቲ ሕጂ ኢሳይያስ ኣይከሰርናሉን ዝብሎ ዘሎ መላምልና ዝሃለቕሉ፡ ናይ ዶብ ዘይኮነ ክነሱ ናይ ዶብ ውግእ ዝተባህለ ምስ ማዕበለ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን መመሊሶም “ስለምንታይ?” ዝብል ሕቶ ሓቲቶም። ናይዚ ሕቶዚ መልሲ ዕድሜኡ ዘሕጽር ከይከውን ዝሰግአ ህግዲፍ ከኣ ኣብ ናይ ህይወቱ ምድሓን ዳምዳም ኣትዩ። ማእሰርቲ ናይቶም ብዙሓት ፖለቲካኛታትን ጋዜጠኛታትን ከምኡ’ውን ምዕጻው ዝርካበን ናይ ብሕቲ ሚድያታትን ከኣ ናይዚ ምልክት ነይሩ።

እዚ ህግደፍ ነብሱ ንምድሓን ዝወሰዶ ስጉምቲ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ብዛዕባ ሓቀኛ ተግባራት ህግዲፍ ክነቕሑ’ኳ እንተሐገዘ፡ ጌና በቲ ህግዲፍ ናይቲ ስጉምቱ ምኽንያት ኢሉ ለጋጊቡ ዘቕርበሎም ዝነበረ ዕባራ ምኽንያታት ዝተዓሸዉ ኤርትራውያን ኣይነበሩን ማለት ኣይኮነን። ንዝኾነ ከጥቀዖ ዝደሊ ንሓንሳብ “ናይ ወያነ” ንሓንሳብ ናይ ጀሃድ ዝብል መለለዪ ሕብርታት  ምቕባእ ካብቲ ምኽንያት ሓደ ነይሩ። እንተኾነ እቶም ነዚ ዝኣረገ ጸለምኡ ዝኣምኑ ዝነበሩ እውን ካብ ንደገ ዘይቃላሕ ጥርጠራ ዓዲ ኣይወዓሉን። ኣብ መወዳእታ ግና ከምቲ “ተሓቢአን ይጠንሰኦ እሞ ሰብ ኣኪበን ይሓርሰኦ” ዝበሃል፡ መራሒ ህግደፍ እቲ ንነዊሕ ግዜ ሓቢእዎ ክኸይድ ዝጸንሐ ክሕደት ሃገርን ህዝብን ኣብ ዕሙር ኤርትራውን ኢትዮጵያውን መድረኻ ምድጋሙ ብዘሕፍር ወደኽደኽ ዳሕዲሕዎ። ዋላ’ኳ ብኤርትራውያን “ኤህህ” እንዳተባህለ ከባብያዊ መደባቶም ከተግብረሎም ብዝለኣኽዎ ሃብታማት ከኣ ኣዋርቕ ተሰሊምሉ። እዚ ዘረድኣና ከኣ ህግዲፍ እውን ነቲ እኩይ ተግባሩ ግዜን ኩነታትን ከመዓራሪ እምበር ሓቢእዎ ክነብር መደቡ ከምዘይነበረ  እዩ።

ጉጅለ ህግዲፍ ነዚ ንርከበሉ ዘለና ክሕደቱ ዘግህደሉ ኩነታት ንምፍጣር ግዜ ከጣጥሕ ጸኒሑ እዩ። ኤርትራ መንእሰያታ ራሕሪሐምዋ ገረውረው ከም ዝበለት፡ ዓገብ ዝብሉ ፖለቲከኛታታን ምሁራታን ዝተኣርዋን ዝረሓቕዋን፡ ህዝባ ከኣ ብሕሱም ድኽነትን ስእነትን ኣዝዩ ዝሰኮነላ ምዃና ምስ ኣረጋገጸ እዩ “ደጊም ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሃገሩን ህዝቡን ዕሕሕ ዝብል ድምጺ ዘስምዕ ዜጋ የብላን” ኢሉ ምስ ኣመነ እዩ ናብዚ በጺሕዎ ዘሎ  ዝበጽሐ። ከምዚ ንዕዘቦ ዘለና ግና እቲ ሓቂ ከምቲ ዝገመቶ ዘይኮነ፡ እነሆ “ይኣክል” ዝብል ሕራነ ዝማእከሉ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ሓያል ተቓውሞ ወጢርዎ። ወየ ናይ ህዝቢ ስቕታ ትዕግስቲ እምበር፡ ፍርሒ ወይ እንታይ ይግበር ከምዘሎ ዘይምርዳእ ከምዘይኮነ ይንገሮ ኣሎ። እቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብዓለምለኻዊ ትካላት ብዛዕባ ግህሰት ሲቪላውን ፖለቲካውን መሰላት ዝወርዶ ዘሎ ኩነኔ’ውን ምስዚ ደሚርካ ዝምዘን እዩ።

እዚ ንርከበሉ ዘለና ግዜ ህግዲፍ ጀሚሩ ዘይፈጸሞ ኤርትራን ህዝባን ናይ ምጥፋእ ትልሙ ከተግብር፡ ንሕና ከኣ ኤርትራን ልኡላውነታን ምስ ምዑት ህዝባ ከነድሕንን ኣብ ኤርትራ ፍትሕን ርትዕን ከነንግስን ወሳኒ ቃልሲ እነካይደሉ ዘለና ውዑይን ወሳንን መድረኽ እዩ። ህግዲፍ ከም መቐጸልታ ናይቲ በብመድረኹ ክጥቀመሉ ዝጸንሐ እኩይ ሕቡእ ጥበብ “ማይ ዘይጠዓመ” ዝብሎ መታለሊ መንገዲ ሒዙ ይቐርብ ኣሎ። ንህዝብና ግና ዝኣረገሉ ባዶ መብጸዓ እምበር ሓድሽ ኣይኮነን። ማእከላይ ትሕዝቶ ናይቲ ምትላል ከኣ፡ ንህዝቢ ኣብ ክንዲ ብዛዕባቲ ዘልዕሎ ዘሎ ግዜ ዘይህብ ተባራዒ ዛዕባታት ዘዛርቦ፡ ዘይጽላእ’ኳ እንተኾነ ኣብ ቀዳምነት ብዘይስራዕ ኣጀንዳታት ናህሩ ከተነክዮ ምፍታን እዩ። ህዝብና ጉዳይ ዶብ፡ ጉዳይ ሕገምንግስቲ፡ ጉዳይ እሱራት፡ ጉዳይ ልዕልና ሕግን ምኽባር ኩሉ መሰላትን  ንቕድሚት ኣብ ዝሰርዓሉ እዋን፡ መራሕቲ ህግደፍ ከኣ ኣብቲ ብፍርቂ ልቦም ብተዳህለ ሞራልን ተስፋን ዘካይድዎ ዘለዉ ኣኼባታት ንኤርትራዊ ጉዳይ ጓስዮም ኣብ ዞባውን ከባብያውን ዛዕባታት ክሕብኡ ይፍትኑ ኣለዉ። ቀንዲ ዓላማኦም ከኣ ንማዕበል “ይኣክል” ንምኹላፍ እዩ።

ሎሚ ምናልባት ተስፋ ቆሪጹ፡ መጻኢ ብሩህ ተስፋ ዝርኢ ዓይኑ ዝተደፍነ እንተዘይኮይኑ፡ ንመዳህለሊ ሜላ ህግደፍ ሓቂ ኢሉ ዝቕበል ኤርትራዊ ይህሉ ኢልካ ምግማት ኣጸጋሚ እዩ። ምናልባት ኩነታት ኣጊምዎ ደው ኢሉ ዝዕዝብ ይህሉ ይኸውን። እዚ ወገን’ዚ ድሕሪ ትዕዝብቱ ናብ ማዕበል ይኣክል ከም ዝሕወስ ግና ዘጠራጥር ኣይኮነን። ስለዚ እቲ ብጽኑዕ ውዳበ ክስነ ዝግበኦ “ይኣክል” ንህግዲፍ ጥራይ ዝምልከት ዘይኮነ፡ እንተላይ ነቶም ኮንደኾን ናብ ልቡ ይምለስ ኢሎም ንህግደፍ ዕድል ክህብዎ ዝጸንሑ ሎሚ ግና ከይዕሸዉ ዘተንቅቕ ምዃኑ ነስተውዕል። “እዚ ዓሻስ፡ ከዕሽወኒ ጣፍ ይነቅዝ’ዩ ይብለኒ” ክንብል ይግበኣና።

Last modified on Friday, 05 April 2019 09:44