መስዋእቲ ጀጋኑና ንከንቱ ኣይነበረን ኣይክኸውንን ከኣ‘ዩ

2019-02-06 19:29:03 Written by  ዓንደጽዮን ግርማይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1939 times

ኣብ ብዙሕ ትንተና ከይኣቶና፡ ኤርትራ ጽባሕ ስዕረት ባዕዳዊ መግዛእቲ ጣልያን፡ ከምተን ኩለን ግዝኣታታ ዝነበራ ሃገራት፡ ብዘይወዓል ሕደር ነጻ ክትከውን ዝግባኣ ሃገር እያ ኔራ። እንተኾነ ነዚ ዝጣበቕ ሓያል ውዳበን፡ ሓጋዚ ጸግዒ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ዝነበሮ ኤርትራዊ ሓይሊ ብዘይምንባሩ ብሓደ ወገን፡ ዓማጽን ፍትሒ ኣልቦ ውዲት ሓያላን ሃገራት ድማ ብካልእ ወገን ብዝገበሮ እቕረ ዘይበሃሎ ቅሉዕ ገበን፡ ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ፡ ህዝባ ድማ መንነቱ ኣጥፊኡ፡ ኢትዮጵያዊ ክኸውን ከም ዝተፈርደ፡ መዝገብ ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ‘ዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ግን ንዘይፍትሓውን ዓማጽን ውሳኔ ሕቡራት መንግስታት ነጺጉ፡ ንዝተጋህሰ መሰሉ ንምምላስ ብረታዊ ቃልሲ ኣልዒሉ ሃገር እትሓቶ ዋጋ ከፊሉ፡ ሓይሊ መግዛእቲ ዓነውነው ኣቢሉ ኣኽሊል ዓወቱ ብምድፋእ፡ ነታ ትማሊ ግጉይ ውሳኔ ዘሕለፈት ትካል ሕቡራት መንግስታት ዓለም፡ መዓር ይጥዓማ ዕረ፡ ልዑላውነት ኤርትራ ብሕጋዊ መገዲ ክትቅበል ስለ ዘገደዳ፡ ብዕሊ ተቐቢላ ኣብቲ ኣቐዲሙ ዝተነፍጎ ክብሪ መዝገብ ኣስፊራቶ። ካብዚ ንደሓር ኤርትራ ንጹር ጀኦግራፊካዊ ወሰናስን ማያውን ምድራውን ጠፈራውን ዶባት ዘሎዋ፡ ከም ኩለን ሃገራት ዓለም ነጻን ልዑላዊትን ክብራ ዝተሓለወን፡ ከይትድፈር ዝሕሉ ከይትደኪ ዝሓሊ ጅግና ህዝቢ ዘሎዋ ማዕረ ዓለማ ዝተሰርዐት ሃገር ምዃና ዘረጋገጸት ሃገር‘ያ።

ብርግጽ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ንነጻነት ብዝኸፈሎ መስዋእትን ብዘርኣዮ ጀግንነትን፡ ኣብ ልዕሊ መራሕቱ ዓቐኑ ዝሓለፈ እምነት ስለ ዘሕደረን፡ ከምዚ ዝበለ ጥልመት ክፍጸም ስለ ዘይተጸበየን ዘይፈልጦ ንሃገር ዝጻባእ ተንኰል ከይህሉ ኣዝሒት መሲሉዎ ዓፍራ ከይረግጽ ክጥንቀቕ ክብል ተጸሚሙን ተዘንጊዑን፡ ግን ከኣ ብዘየጠራጥር ተማሂሩ‘ዩ። ስለ ዝኾነ ምስጢር ናይቲ ሓላዪ ዝመስል፡ “ ንነጻነት ዝቐንኡ ብየማን ብጸጋም ይመጹኻ ኣለዉ ሃገር ኣብ ሓደጋ ኣላ“ እናበለ፡ ዘየለዉ ጸላእቲ ዝዕድመልናን ዘዳምየናን ስርዓት ህግደፍ፡ ካብኡ ንላዕሊ ጸላኢ ከም ዘይነበረናን ዘይብልናን፡ እንሆ መድረኽ 2018 ኣረጋጊጹዎ። በዚ መሰረት ከኣ እቶም ብሓቂ ንህላውነትን ልዑላውነትን ሃገር ዝሓልዩን፡ እቶም ህላወ ዲክታቶር ኢሳያስን ሓለውቱን እምበር ኤርትራ ዘይተገድሶም ብህግደፋዊ ሙዚቃ ዝተቓነዩ፡ መሰሎም ንምጥባቕ ሞራላዊ ብቕዓት ዘየብሎም ዜጋታትን ኣብ እነለልየሉ ወሳኒ እዋን ክንበጽሕ ክኢልና።

ዓመት 2018 እምበኣር፡ ንሕና ኤርትራውያን፡ ስርናይን ክርዳድን ክንፈልን ካብ ምድንጋር ምሉእ ብምሉእ ዝወጻእናሉ መደምደምታን ፋሕ ዝበለ ኩሉ ዓቕምና ኣብ ሓደ ጸሚድና ጸላእትና ክንጸርግን፡ ኣብ ዑናታቱ ብዝኾነ ሓይልን ኣብ ዝኾነ እዋንን ዘይትድፈር ክብርትን ሕፍርትን ደሞክራስያዊት ሃገር እንሃንጸሉ፡ ብሱል ናይ ዕድል ማዕጾ ዝኸፈተት‘ያ ምባል ጌጋ ኣይመስለንን። ምኽንያቱ እቲ ካብ ሓምለ ጀሚሩ ዝተበገሰ ሓድሽ ተስፋ ዝህብ ምዕባለ፡ ውጽኢት ናይቲ ህዝቢ ኤርትራ ከቢድ ዋጋ ብሉጻት ደቁ ዝኸፈለሉን ንዓመታት እናተሳቐየ ዝተጸመመ ኣብ ሰላም ክበጽሕን፡ ናይ ሰላም ቀዳማይ ተጠቃሚ ምዃኑ ስለ ዝኣምን‘ዩ። እዚ ተግባራውን ውጽኢታውን ዝኸውን ከኣ ኤርትራዊ ልዑላውነት ምስ ኩሉ ማያውን ምድራውን ጠፈራውን ወሰናስና ዘይገሃሰ፡ መሰል ሰብኣዊ ክብሪ ህዝባን ምስ ዝሕሎን ዝኸብርን ጥራሕ ከም ዝኾነ ግልጺ ክኸውን ይግባእ።

እዚ መንጠሊና ሰላም ተጐልቢቡ ናብ ምጥላም ገጹ ዝዕንድር ዘሎ ደቂቕ ሓሳብ ዘይተገብረሉን ውክልና ህዝቢ ኤርትራ ዘይተሓወሶን ናይ ጐሓላሉ ምሃብን ምቕባልን፡ ካብኡ ሓሊፉ‘ውን ክሳብ ካብ ወደባት ኤርትራ ነቒሉ ንኣዲስ ኣበባ ዝኣቱ መደባት ዝመጣጠር ዓንዳሪ ውዕላትን ምፍርራማትን፡ ምድፋር ልዑላዊት ሃገር ስለ ዝኾነ፡ ዶክቶር ኣቢ ካብዚ መስርሕ‘ዚ ኢዱን እግሩን ክእክብ፡ ብስም እቲ ከይዛረብ ኣፉ ተሓቲሙ ዘሎ ጭዋ ህዝቢ ኤርትራ ነጠንቅቖ።

ህዝቢ ኤርትራ ሃገሩ ወኪሉ ንረብሓኡ ብዝምልከት ምስ ዝደለዮን ኣብ ዝመረጾ ግዜን ብመሰረት ዓለም ለኻዊ ሕጊ ውዕላት ክፍርም ወይ ክነጽግ ዘይገሃስ መሰሉ ምዃኑን፡ ነዚ ዝበቅዕ ኣኺሉ ዝተርፍ ሞራላውን ሃገራውን ዓቕሚ ዝውንን ህዝቢ ምዃኑ ንኩሉ ንጹር ክኸውን ንደሊ። ነዚ ረጊጹ ኣብ ዘይምልከቶ ጠብሎቕሎቕ ዝብል ግን፡ ነቲ ብዙሕ ዓመታት ተዳምዩን ተጻሊኡን ዝጸንሐን፡ ነነጻነቱ ሒዙ ብሰላምን ፍቕርን ክነብር ልቦና ዝመልኦ ሕድገታት ዝገበረ ህዝብታት እንደገና፡ ኣብ ዳግማይ ውግእን ጽልእን ምዕዳም ጥራሕ ምዃኑ ክርዳእ ንምዕዶ። እንተ ህዝቢ ኤርትራ ግን፡ ትማሊ ዓለም ብምልእታ ክትጠልምን መሰሉ ክትገፎን ከላ ዘይረዓደን ዘይተጻዕደን፡ ሎሚ ማዕረ ዓለሙ ኣብ ዝተሰርዓሉ እዋን፡ ብመርዓ ጭሉቝ ምስቶም ኣቐዲሙ ዝኣበዮም ክድመር ክጽምበር ከፍቅድዩ ኢልካ ምሕሳብ የዋህነት ሓለምቱ ኣብ ቃልዕ ካብ ምውጻእ ሓሊፉ ካልእ ትርጉም ከምዘይብሉ ክስቆሮም ይግባእ።

እዚ ቀይዲ በተኻዊ ኣካይዳን ሕግብግብን ዶክቶር ኣቢን ሃዋርያ ክድዓት ኢሳያስን ግን፡ ንሰላምን ቅሳነትን ክልቲኡ ህዝብታት ኣብ ግምት ዘየእተወ፡ ንፍሉይ ዕላማ ዘለዎም ውልቀ መለኽቲ ዕድመ ስልጣን ንምንዋሕ ዝዓለመ ምዃኑ ተጋሂዱ‘ዩ። ነዚ ንምርግጋጽ ከኣ እቲ ንምጽሕታር ጽልኢ ዝኾነ ባህርያትኩም ኣርሙልና፡ ዝሓለፈ ጽልእን ምድማይን ይኣኽለና ዘስምዕ ምስጢር ዘለዎ ኣብ እዋን ምኽፋት ዶብ ዛማበሳን ኦምሓጀርን ዘርኣዮ እልልታን ምድንፋቕን እኹል ምስክር እዩ።

ፍሉይነት ናይዚ ምኽንያት መመረቕታ ዶብ ዛላምበሳ ብከምቲ ሃጸይ ሃይለስላሰ ንመረብ ብመቐስ በቲኹ ብምስጋር ክብራን መሰል ህዝባን ኣብ ምድፋርን ምግዛእን ዝዓለመ ዘይኮነስ ልዑላውነታ ዘውሓሰት ሃገርን ክቡር ህዝባን ኣሚኑን ተቐቢሉን፡ ኣብ ሓባራዊ ረብሓን ሰናይን ቀጻልን ጉርብትናን ተኸባቢርካ ምንባርን ፍጹም ድሌት ከም ዘለዎ ዘመልክት‘ዩ። ነዚ ጐደና ሓባራዊ ዕብየትን ምዕብልናን ክዉን ንምግባር ዝሕግዝ እንኮ ኣማራጺ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ንዓመታት ናተይ ዝበሎን ግን ከኣ ኣጥብያ ንዘዕበየት ጡብ ኣዲኡ ዝነክስ፡ ከይጠሚ መጊቡ፡ ከይቆርር ሓቚፉ ዘዕበየን ተቓሊሱ ዘቃለሰን ፈቃር ህዝቡ ዘሕሰረን ዘስተነዓቐን፡ ዋጋ መስዋእቲ ደቁ ዝኾነት ልኡላዊት ሃገር ኣሕሊፉ ናይ ምሃብ ዘርእዮ ዘሎ ወስታታት ውልቀ መላኽን መጋበርያታቱን፡ ካብ ሱሮም ምምሓው ጥራሕ ምዃኑ ብዘየወላውል ምርዳእን ኣብ ተግባር ምውፋርን‘ዩ።

እዚ ጸረ ኩሉ ራህዋን ሰላማውን ሰጓሚ ምዕብልናን ዝኾነ ሕንጊድ ስርዓት ምስ ዓነወን፡ ኣብ ቦታኡ ብህዝቢ ዝተምርጸን ንህዝቢ ዘገልግልን ቅዋማዊ ስርዓተ ምሕደራን፡ ንልዑላውነት ሃገር ዝከላኸልን ንሕጊ ዝሕሉ ሃገራዊ ሰራዊት ናይ ምህላው ተኽእሎ ዝህሉ፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ ጥጡሕን ውሑስን ድልዱል ባይታ ዝሰረታ ሃገር ዝነብር ህዝቢ ድማ‘ዩ ብኩሉ ዓቕሙ ኣብ ሰላማዊ  ናብርኡ ተዋፊሩ ሂወቱ ዝቕይርን ሃገሩ ሃኒጹ ተጠቃሚ ጸጋታቱ  ክኸውን ዝበቅዕን። ስለ ዝኾነ፡ ክቡር ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ብሓፈሻ፡ ሓይልታት ምክልኻልን ተረከብቲ ሕድሪ መንእሰያትን ከኣ ብፍላይ፡ እቲ ብሰንኪ ዘይግቡእ ኣስተብህሎ ዝሓለፈና ልግዐ ዋጋ መስዋእቲ ጀጋኑና ዝኾነት ነጻነት፡ ንስኻትኩም ከለኹም ከንቱ ክትከውን ስለ ዘይብላ፥ ቅያ ጀጋኑ ወለድኹም ተኸቲልኩም ልዑላውነታ ንምዕቃብን ሕድሪ ስዉኣትኩም ንምፍጻምን፡ ቆፎኡ ከም ዝተተንከፎ ንህቢ ብሓባር ተለዓሉ።

ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ!

ዓንደጽዮን ግርማይ

ጀርመን

  

Last modified on Wednesday, 06 February 2019 20:32