መላኺ ስርዓት ኢሰያስ ናብ ዝጠወየና ኣይንጠወ

2019-02-05 09:39:32 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1755 times

“ውሒጅ እናስሓቐ እዩ ዝወስድ” ዝብል ምስላ ኣበው ኣሎና። እዚ ምስላ’ዚ ምስ’ዚ ሕጂ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝኸይድ ዘሎ መዓልቡኡ እዚ ኢዩ ኢልካ ክትድምድሞ ዘይከኣል ርክባትን ዝምድናታትን ዝመሳሰል እዩ። እዚ ስምምዓት’ዚ ካብ ተጽዕኖ ካልኦት ዝነቐለ ክኸውን ስለ ዝኽእል፥ ናይ ተጽዕኖ ስምምዕ ድማ ግዜ ከይወሰደ ዝሃስስ፡ ግና ድማ ዝገድፈልካ መዘዝ እዚ እዩ ክበሃል ኣይከኣልን።

እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተፈጥረ ቀንዲ ሽግር ሓዲሽ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ካብቲ ጥጅእ ምዕራባውያን ናይ  ኣርበዓታት ዝነቐለ እዩ። ቀደም ኤርትራ ብዘይድሌት ህዝባ ምስ ኢትዮጵያ ከም ዝተቖርነት ንኹልና ብሩህ እዩ። ቀደም ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽራ ምስ ኣእተወት፥ ኤርትራውያን ንሰላሳ ዓመታት ተቓሊሶም ናጽነቶም ተጎናጺፎም ኢዮም። ይኹን እምበር ኣብቲ ሽዑ ዝተገብረ ጌጋ ማለት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ዶባት ይነጸር ዝብል መጐት ተዘንጊዑ ስለ ዝሓለፈ፡ ጠንቂ’ዚ ዘሎናዮ ሽግርን ክሳብ ዳግማይ ውግእ ዘለዓለን እዩ።

እዚ ጠንቁ ካብ ምንታይ ተላዒሉ ህዝቢ ብዘይፈልጦ ምኽንያት፡ ናይ ዶብ ምስምስ ሰበብ ዝተባረዐ ኲናት፥ ህዝቢ ኤርትራ ንዳግማይ ግዚኡ በኣሽሓት ዝቑጸሩ ህይወት መንእሰያት ደቁ  ከፊሉ።  እቲ ቀንዲ ምኽንያት ናብዚ ህልቂት እዚ ዘብጸሐ ግሉጽነት ዘይብሉ ሕጊ ኣልቦ ስማዊ ባይቶ ኤርትራ ምዃኑ ብሩህ እዩ። እዚ ማለት እቲ ባይቶ ይኹን እቲ መንግስቲ ብጠቕላልኡ ህዝቢ ዝመረጾ ስለዘይኮነ ዋንነት ስልጣን ህዝቢ ብገባርን ሓዳግን ስለ ዝተተከአ እዩ። እምበኣር ኢሳያስ ነዚ ዕድል እዚ ተጠቒሙ በብዝደልዮ ናይ ጉሒላ መዛሙር ንህዝብና ግርም ገይሩ ኣዳህሊልዎ። በዚ መሰረት ክቐትልን ክመቁሕን እንከሎ “ካብዚ ዝኸፍእ ኣይተምጽኣልና” ብማለት መን ኢኻ ዝብሎ ሲኢኑ እነሆ ሻዲኑ። ዕድሉ ኣጸቢቑሉ ድማ ንሕና ኤርትራውያን  ሓይልታት ለውጢ ምስምማዕ ብምስኣና፥ ነታ ብግስ ከይበለ  ዝተሓንገጣ ጥልመት፡ ሎሚ ለመም እናበለ ከተግብራ ይረአ ኣሎ። እስከ እቲ ንህዝቢ ንምስዳዕ ዝጥቀሙሉ ሓሶት ኢሰያስን ሰዓብቱን  ንርአ።

ቅድም ክብል ኣብ ውግእ ሓድሕድ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ጣልቃ ንምእታው ብምፍቃድ፥ ንሓደ ሃገራዊ ሓይሊ ካብ መሬት ኤርትራ ከምዝወጽእ ገይሩ። ነዚ ገለ ወገናት ሕፍር ከይበሉ ሰራዊት ህወሓት ኣይተሳተፈን ዝብል መዝሙር ኢሰያስ ተቐቢሎም ካብ ምግላጽ ድሕር ኣይበሉን። እዚ ምዃን ምስ ኣበዮም ድማ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብውሽጣ ስለ ዝተዳኸመት እምበር፥ ብናትና ውግእ ኣይኮነትን ካብ ሜዳ ኤርትራ ወጺኣ ዝብል መናፍሕ ይነዝሑ። እዚ ፍረ ምሃብ ምስ ሰኣነ ንጥቕሚ ሃገር ክንብል ኢልና ኢና ዝብል ሓደገኛ ኣበሃህላ ቀይሶም። ምኽንያቱ ነቲ ናጽነት ዘደናጎየቶ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ እያ ዝብል ኣቐዲሙ ይቃላሕ ስለ ዝነበረ። እዚ ኣብዚ እዋንዚ ታሪኽ ኮይኑ ዝምዝገብ እምበር ንቕድሚት ከይነማዕዱ ዝዓግተና ኣይኮነን።

ቀጺሉ እቲ ብምኽንያት እታ ህዝባዊ ግምባር ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ንምህራም ክሻረኽዎ ብዕሊ ባድመ ንህወሓት ኣመሓድርዎ ኢሉ ዘወፈያ ሰበብ ዝተወለዐ ኲናት ንህዝቢ ንምስዳዕ ዶብና ዝብል ምኽንያት ቀረበ። ኮታ ከምቲ ናይ ሕነሽ ስቒርን ከቢርን ዝተኻየደ ውግእ፥ ምስ ሱዳን ዝተገብረ ምትኹታዃትን ምስቲ ናይ ጂቡቲ ደሚርካ ኩሉ ኢሳይያስ ንህዝቢ ኤርትራ ጅሆ መትሓዚ ክኾኖ ዝጥቀመሉ ኣጀንዳ ወይ ካርታ እዩ ነይሩ። ድሕሪ ስምምዕ ኣልጀርስ ድማ፡ ኢህወደግ ነቲ ዝተበየነ ብዘይምትግባሩ፡ ኢሰያስ ውን ብዘይቅድመ ኩነት ዶብ ክሕንጸጽ ኣለዎ እናበለ ዘቕርቦ ዝነበረ ሎሚ ግና ዝተቓለዐ፡ ናይ ሓሶት ምስምስ፡ ነታ ሃገር ስራሕ ኣልቦ ገይሩ መንእሰያታ ሃጽ ኢሎም ክጠፍኡ ቀንዲ ሽርሒ ናይ ኢሳያስ እዩ።

ብኢህወደግ ዘወጻ ሓሙሽተ ናይ ሰላም እማመ ኢሳያስ ስልጣኑ ከደልድልን ድላዩ ንኽገብርን ጠቒምዎ ኢዩ። ሎሚ ምናልባት ብተጽዕኖ ደጋዊ ሓይሊ ክኸውን ይኽእል፡  ዶክተር ኣብይ ነቲ ውዕል ኣልጀርስ ብዘይቅድመ ኩነት ተቐቢለዮ ዝበሎ፡ ካብተን ኢህወደግ ኣቐዲሙ ዘቕርበን 5ተ ነጥብታት ስለምንታይ ይነጽገን ከምዝነበረ ዝህቦ ምስምስ ብጣዕሚ ዘደንጹ ኢዩ። ምኽንያቱ ዶክተር ኣብይ እውን ንማለቱ ደኣ ብዘይቅድመ-ኩነት ኢሉ እምበር፡ እቲ ዝምድናታትና ናብ ንቡር ቦትኡ ንምለሶስ እዩ  ኢልዎ። ኢሳያስ ሎሚ ምልስ ኢሉ ዶብ ክሳብ ክንድዚ ኣድላዪ ኣይኮነን፥ ደሓር ድማ ተሓንጺጹ እዩ። ንምትግባሩ ከኣ ሎሚ ጽባሕ ብዘየገድስ ክትግበር’ዩ እናበለ ንህዝቢ የተዓሻሹ ኣሎ። ነዚ ሰሚዖም ዘቃልሑ ሰባት ምህላዎም ድማ ዘስደምም’ዩ ኢልካ ጥራሕ ኢኻ ትሓልፎ። እዚ ነቲ ኣብ ስሳታት ብግራዝማች መምህር ኣለማየሁ ካሕሳይ ዝተገበረ ኮመዲ የዘኻኽር። ንሱ ድማ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ። “ሓደ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ መታን ክለፋለፍ ነቲ ምስማር ኣብ ርእሱ ክሸኽሉ ብማርተሎ ክሃርሙ ከለዉ፥ ወዮ ሰብኣይ በሉ ምስማር ስሒትኩም ርእሰይ ከይትሃርሙኒ በሎም።” ዝብል እዩ።  ህዝቢ ኤርትራ፡ ተቓዋማይን ደጋፋይን ህግደፍ ከምኡ እውን ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ ስቕ ምባል፥ ኣብ ኤርትራ ዝኸይድ ዘሎ ጉዳይ ኣብ ነፍስና ጥራሕ ኣይትምጹኡና እምበር ድላይኩም ገበሩ ዝዓይነቱ ምዃኑ ዲዩ።?

እወ! ብቁጠባ ይኹን ብጸጥታ ከምኡ እውን ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝግበር ዘይሕጋዊ ንግዲ ንምክልኻል ሓቢርካ ንረብሓ ክልቲኤን  ሃገራት ምስራሕ ዝጽላእ ኣይኮነን። ይኹን እምበር ከምቲ መውስቦ ክግበር እንከሎ “ዋሕስ ትኸሉ” ዝበሃል፡ ንጉዳይ ዶብ ዝኣክል እሞ ከኣ ብዙሕ መስዋእቲ ዝተኸፈሎ፡ ብዘይ ወዓል ሕደር እንተዘይተፈቲሑ፥ “ነቲ ብይን ብዘይ ቅድመ-ኩነት ተቐቢልናዮ ኢና። ቅድም ነቲ ዝምድና ናብ ንቡር ቦታኡ ንምለሶ” ብዝብል ምስምስ ቀጻሊ ሰላም ከምጽእ ኣይክእልን እዩ። ምኽንያቱ ኣየናዩ ይቕድም? ዶብካ ምሕንጻጽ ወይ ዝምድና ምምላስ? ስለዚ ቅድሚ’ቲ ዝምድና ናብ ንቡር ምምላሱ እቲ ዋሕስ ናይ ሰላም፡ ኩሉ ነናቱ ልኡላውነት ሃገር ምስ ዶባቱ ተነጺሩ ክሕንጸጽ እንከሎ እዩ። ስምምዓት ክኽተም እንከሎ ክትግበር ይግበኦ። ካብዚ ሓሊፉ ዶብና ከየውሓስና፡ እትዮጵያ “ኣፍደገ ባሕሪ የድልየኒ’ዩ” ትብለሉ ናብ ዘላ  ዘብዘብ ምባል ቅቡል ኣይኮነን።

Last modified on Tuesday, 05 February 2019 10:42