ሕቶ ህዝብና፡ ዘይቁርመም ዘይሽርመም’ዩ

2019-01-30 09:54:06 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1849 times

ሕቶ ህዝብና በብመድረኹ ዝተፈላለዩ መልከዓት እንዳሓዘ ክመጽእ ከም ዝጸንሐን ቀጻሊ ከም ዘሎን ፍሉጥ እዩ፡ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ሕቶ ህዝብና ምሉእ ናጽነት ነይሩ፡ ሓይሊ መንግዛእቲ ግና ነዚ ሕቶ ፈትዩ ክምልስ ፈቓደኛ ኣይነበረን። ፈቓደኛ ከይከውን ባህርያዊ  ነይሩ፡ ምኽንያቱ ገዛእቲ ፈትዮም ዝህብዎ ናጽነት ስለ ዘየለ። ነዚ ዝተረደአ ህዝቢ ኤርትራ ናጽነቱ ብልማኖ ዘይኮነ መንዚዑ ክረክብ ተቓሊሱ ተዓዊቱ ከኣ። ናብዚ ዓወት ንክበጽሕ ነንእሽቶ መሰል እንዳቆርመመ ዘይኮነ፡ ምሉእ ናጽነቱ ከጨብጦ ዝኽእል ኩነታት ንክፈጥር ስኑ ነኺሱ ተቓሊሱ። ንሓይሊ መግዛእቲ ከኣ ምሉእ ብምሉእ ምስ ኩሉ መግዛእታዊ መሳርሕታቱ ሓግሒጉ ደርብይዎ።

ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ በዚ ኣየብቀዐን። እቲ ኣብ ሕቶን ቃልስን ናጽነት ካልኣይ ደረጃ ሒዙ ዝጸንሐ ሕቶ ፍትሕን ዲሞክራስን ድሕሪ ናጽነት ብኡንኡ ክፍታሕዩ ዝብል ትጽቢትኳ እንተነበሮ ብተግባር ግና ኣይኮነን። እቲ ድሕሪ ናጽነት ሓላፍነት ወሲዱ ኤርትራ ናይ ምምራሕ ኣጋጣሚ ዝወሰደ ሕጂ “ህግደፍ” ዝብል ስም ሒዙ ዘሎ ኣካል ዝመል ግና ውልቀመላኺ ዝሕንብሰሉ፡ በቲ ኣብ ግዜ ናጽነት ዝኣተዎ ቃል ጸኒዑ ኣይቀጸለን። ነቲ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ዝነበረ ገዛኢ ሓይሊ ተኪኡ መልክዑ ብምቕያር ኣብ ልዕሊ ህዝብና ረቂቕ ናይ ጭቆና ኣርዑት ጽዒኑ። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ እዋን’ዚ እውን ነዚ መድረሕ ዝምጥን ፍትሓዊ ሕቶ ኣልዒሉ ይቃለስ ኣሎ። ምኽንያቱ ከምቲ ኣንጻር መግዛእቲ ክቃለስ እምበር፡ ኣብ መግዛእቲ ክነብር ባህርያዊ ኣይነበረን ዝበልናዮ፡ ኣብ ትሕቲ ዜቤታዊ ወጽዓ ክነብር እውን ባህርያዊ  ኣይኮነን።

ህዝቢ ኤርትራ ህግደፍ ናብ ልቡ ተመሊሱን ኣናሕስዩን፡ ሕቶ ህዝቢ ኣስተብሂሉ ንክምልሰሉ እኹል ግዜ ተዋሂብዎ እዩ። ምናልባት ሕጂ እውን ኣዝዮም ውሑዳት ዘይቀበጹ፡ ህግደፍ ቃልና ሰሚዑ ሕቶና ክምልሰልና እዩ ዝብል እምነት ዘለዎም ይህልዉ። እንተኾነ ጉጅለ ህግደፍ ነዚ ናይ ህዝብና ዓቃል፡ ሓላፍነታውን ጸዋርን ትጽቢት ከም ፍርሕን ዘይምስትውዓልን ወሲዱ፡ ነቲ ፍታሕ ከምጽእ ዝተዋህቦ ዕድል ከም መደልደሊ ናይ ጭቆና መሓውሩ ወሲዱ ንድሕሪት ናብ ዘይምለስ ውጹእ ጨቛኒ ዓሪግሉ ኣሎ። እነሆ ከኣ  ንህዝብና ኣግሂዱ “ጭቆናይ እንተዘይተቐቢልካ ኣብ ትበጽሕ ብጻሕ” ካብ ዝብሎ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ ኣሎ። ምሒር ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሰማእታትን ኤርትራ ዘለዎ ንዕቀት ንምርእይ ከኣ ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ እውን ምልከት ሕቶ የንብር ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ከምቲ ናይ ግዜ መግዛእቲ ካብ ህግደፍ ከይተጽበየ መሰሉ ባዕሉ ክምንዝዕ ኣብ ዝተገደደሉ ጥርዚ በጺሑ ኣሎ። እቲ በብኹርንዑ ዝስማዕ ዘሎ ናይ ለውጢ ድምጽታትን ዝተፈላለየ ውዳበታትን ከኣ ናይዚ ምልክት እዩ። ከምቲ ሓይሊ መግዛእቲ ነቲ ኣንጻሩ ዝካየድ ዝነበረ ሕያል ህዝባዊ ቃልሲ ዘይተዓገሶ፡ ህግደፍ እውን ነቲ ኣንጻሩ ዝካየድ ዘሎ ናይ ለውጢ ማዕበል ኣይተዓገሶን። እቲ ፈቐድኡ፡ ዝኣስሮ፡ ዝርሽኖ፡ ናብ ስደት ዝደፍኦ፡ ኣብ ገደብ ዘይብሉ ውትህድርና ዘንብሮ ዘሎ ከኣ ናይዚ ዘይምዕጋሱ ምልክት እዩ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ሰዓሪ ህዝቢ ምዃኑ ኣይኮነንዶ ነዓና ነቶም ኣካላት ናይ ለውጢ ሓይሊ ንህግደፍ እውን ይስወሮ እዩ ዝብል እምነት የብለይ። ንስዕረቱ ኣሜን ኢልካ ንዘይምቕባል ከዕለብጥ ምዃኑ ከኣ ካልእ ርዱእ ጉዳይ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ህግድፍ ብፍላይ መራሒኡ ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣብ ዘዝኸዶ መድረኽ ወልደፍደፍ ዝብል ዘሎ። ሎሚ እቲ ኣንጻር ህግደፍ ዝቐነዐ ድምጽታት መመሊሱ ይስስን ኣሎ። ትማሊ ህግደፍ የማናይ ኢደይ ዝብሎም ዝነበረ ወገናት ጉልባቦም ቀሊዖም “ደጊም ትዕግስትና ኣብ ኣካይዳ ህግደፍ ተወዲኡ እዩ” ብዝብል ልሳን ህዝቦም ኮይኖም ህግደፍ ናይ ምቅላዕ ተግባር ጀሚሮም ኣለዉ። ካብ ተመኩሮን እውን ከም እንርደኦ ኣርዑት ወጽዓ ዝያዳ ክተርር እንከሎ፡ ትዕግስቲ ውጹዓት ክውዳእን ቃልሶም ክሕይልን ባህርያዊ እዩ። ሕጂ ኣብ ቃልስና ዝረአ ዘሎ እውን እዚ እዩ።

መሰረታዊ መልሲ ንሕቶ ህዝብና መንዚዕካ እምበር፡ ንህግደፍ ለሚንካ ዝትኮብ ከምዘይኮነ ብሩህ እዩ። እቲ ስፍሓት መልሲ ከኣ ምሉእ እምበር እንዳጨራረምካ ዝትኮብ መተዓሻሸዊ ኣይኮነን። ንጉዳይ ግዱድ ዕስክርና፡ ንብኩራት ሕገመንግስቲ፡ ንዘይምትግባር ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ዶብ ምስ ኢትዮጵያ፡ ንሃለዋት ፖለቲካዊ እሱራት፡ ንብኩራት ልዕልና ህፍትሒ፡ በበይኖም እንዳቆንጠርካ ናብ ህግደፍ ጥርዓን ምቕራብ መፍትሒ ኣይመጽእን እዩ። ህግደፍ እቲ ቀንዲ ጠላምን ጠንቂ ናይ ኩሉ ጭቆናን እንዳሃለወ “ከምዚ እንተገይርካ ካብ ስልጣን ኣይክትወርድን ኢኻ” ዝዓይነቱ መተዓረቒ ምቕራብ እውን ከምቲ ናይ ቀደም ንህግደፍ ዘሻድኖ እምበር ልቡ ዘራህርህ ኣይኮነን። ህግደፍ ምስ ኩሉ ናይ ጭቆና መሓውራቱ ክውገድ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ገለ ሸነኹ እንተተሪፉ እንደገና ናይ ምጭብጫብ ዕድል ስለ ዝህቦ። ስለዚ ህግደፍ ክውገድ ኣለዎ እንተኢልና፡ “ናይ ዝህብና ሕቶ ብምልኡ ይመለስ” ንብል ከም ዘለና ክንግንዘብ ይግበኣና።

ምናልባት ገለ ወገናት ህግደፍ ክውገድ እንከሎስ ምስኡ ብዙሓት ወገናት ዝልከሙ ስለ ዝመስሎ የሰክፎም ይኸውን። እንተኾነ ሎሚ ህግደፍ፡ ህዝቢ፡ መንግስቲ ወይ ውድብ ዘይኮነ፡ ውልቀሰብ ኢሳይያስ እዩ። ደጋጊምና ህግደፍ ክንብል እንከለና ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ንገዛእ ርእሱ ከጸባብቕ ዝጥቀመሉ ስም እምበር ህይወት ዘለዎ ፖለቲካዊ ግንባር ማለትና ኣይኮነን። እቲ ዝውገድ እውን ንሱን ኣዝዮም ውሑዳት ንሱ ስለ ዘዕበዶም ህዝቦም ዝረስዑ ጥራይ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኢሳይያስ ቀደም ዝረስዖ ትካላት እንዳጠቐስካ ብዙሕ ሰዓባይ ከም ዘለዎ ኣምሲልካ ምቕራቡ ዘየብሉ ክብደት ምሃብ እዩ። እቲ ብረት ዓጢቑ ዘሎ ሰራዊት ኤርትራ’ኳ ከም ኣብነት እንተወሲድና፡ እቲ ዝያዳ ሓርነታዊ ለውጢ ዝጽበ ግዳይ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ንህግደፍ ራሕሪሕዎ ዝስደድ ዘሎ። ስለዚ ክምለስ ዘለዎ ምሉእ ሕቶ ህዝብና እምበር፡ እንዳቆርመምካ እንዳ ሸርመምካ ኣይኮነን። እዚ ኣብ ህላወ ኢሳይያስን መጎልበቢ ጉጅለኡን ዝረጋገጽ ከምዘይኮነ ከኣ ምግንዛብ የድሊ።

Last modified on Wednesday, 30 January 2019 10:56