አንቴና  ባዶ (03) ካብ ኤርትራ!!

2019-01-27 11:31:25 Written by   ሚካኤል ኣጎስቲኖ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2360 times

ባህርያዊ ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ኣፋራሪሑ ኣዳናጊሩ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ እንተደይ ኮይኑ፣ ናብ ህዝቢ ቀሪቡ ህዝቢ መሲሉ ንህዝቢ ኣእሚኑ ክቀርብ ስለ ዘይክእል፣ ብውሽጢ ውሽጢ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ክገብሮ ዝደልዮን፣ ወይ እውን ህዝቢ  ከዳናግር ምስ ዝደሊ፣ ኣብ ኤርትራን ወጻእን፣ በቶም ናቱ ዕሱባት ገይሩ እዩ ዘይወግዓዊ ብባዶ (03) ዘዋፍር።

 ብፍላይ ሎሚ ኣብ ከተማ ኣስመራ  ባዶ (03) ኣንቴንኣ  ዘርጊሓ ትዋፈር ኣላ።

ናይ ጀነራል ስብሓት ኢፍረም ፈተነ ቅትለት ዕላማኡ ስለ ዝሃረመ ፣ ናብ ካልእ ሓዲሽ ማይ ዘይጣዓምመ ወረ ባዶ (03) ክትዝርግሕ ትረከብ፣ ንሱ ኻኣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ፈቆዶ እንዳ ሻሂታትን፣ ቤት መስተን፣ ብሓጺሩ ኣብ ህዝቢ ብብዝሒ ዝራኸበሉ ቦታ፣ ምርጫ ክግበር እዩ፣ ኡሱራትን ክንፈትሕ ኢና፣ ከይሓፈሩ እውን፣ ሓያል ዝኾነ መንእሰይ ዋላ ካብ ፕረሲድንትና  ኢሰያስ ኣፎወርቂ ዝበለጸ  ብሓሳብ ብኽእለትን ዘለዎ ኣብራሃም ኢሳያስ (ንኢሳያስ ኣፎርቂ ወዱ)ፕረሲደንት ዝኾነሉ ክነታት ምፍታሽ ከድልየና እዩ ፣ እናተባህለ ጎስጋስ ይካየደሉ ኣሎ ።

ኣብ ወጻኢ   ኣብራሃም ኣፎወርቂ  (ወዲ ኢሳያስ ኣፎወርቂ) ትብል ቓል ግን ኣይትጥቀስን እያ፣ እዚ  በቶም ዑሱባት ህግደፍ ከም ባዓል ወዲ ጣባ ዝኣመሰሉ ኣብ ፓልቶክ ናይ ህግደፍ ክግዕሩ ይሓድሩ ኣለው፣   ቁዋምና  ይስርሓሉ ኣሎ፣ ምርጫ ክግበር ኣሎዎ፣  ኡሱራት ክፍትሑ ኣለዎም፣ እናበሉ ተቃወምቲ ዝመስል ጎስጋስ ይገብሩ ኣለው። ቕዋም  ከም ብሓዲሽ ንኢሳያስ ዘገልግለሉ ይንደፉ ከም ዘሎ ሓበረታ ኣሎና ። እቲ ናይ19 97 ቁዋም ግን ማዓልቱ ከም ዝሕለፈ መሽሚሹ ኣብ ጋሓፍ  ከም ዝተደርበየ ባዕሉ እውን ሓቢሩና እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሓት እውን ብባዶ (03) ናይ ጀነራል ስብሓት ኢፍራም፣ ፈተነ ቅትለት ተዘርጊሑ ነይሩ እዩ፣  ፈተነ ቅትለት ናይ ጀነራል ስብሓት ኢፍረም፣ ሓቂ ኣካ እንተ ኾነ፣ እቲ ሲዒቡ ናይ ባዶ ሰለስተ   ዝተዘርገሔ ወረ፣ ካብ ሓቂ ዝራሓቀ ንህዝቢ ምድንጋር ዝተገብረ እዩ ፣ ከምዚ ኸኣ ይብሉ፣ ሓደ መንእሰይ ኤርትራዊ መበል ቀዳማይ ዙርያ ዝነበረ ብወያኒ ተላኢኹ፣ ፈተነ ቅትለት ን ጀነራል ስብሓት ኢፍረም  ዝፈጸመ ይብሉ ።  ንህዝቢ ኤርትራ ብናይ  ባዶ (03) ን27 ዓመት ዝኣክል መዋእሉ ከዳናግሩ ዝፍትኑ ኩኑሶም፣ ናይ ወረ ምርባሕ ብገንዘብ ተኸፊሎም ኣብ ቱሽቱሽ ህዝቢ ሰፊሮም ኣብ ቂድሚ ህዝብና እምነት ክብረትን የብሎምን  ፣  ንፕረሲደንተ ኢሳያስ ክንደይ ግዜ ካብመንግስቲ ሱዳን ፈተነ ቅትለት ፈቲኖም ዘይበሉና።ስለዚ ህግደፍ ሓደ ነገር ክገብር ወግዓዊ ዘይኮነ ብባዶ 03 እዩ ዘዋፍር።  ሎሚ ህግደፍ ቀለሙ ስለ ዝወደኤ ዝበለ እንተበለ ሰማዒ እዝኒ የብሉን ።

 ገለ ገለ ስብሓት ኢፍረም ክቃወም ፈቲኑ ዝብሉ ሰባት ኣለው። ኣነ ኣይመስለንን ስብሓት ብተፈጥሩኡ ናይ በለጽ ባህርያት ዘለዎ ስብ እዩ፣ ከም ዝውረ ክንደይ ፈተነ ኣንጻር ኢሳያስ ዝተደኮነ ጀነራል  ስብሓት ኢፍረም ኣፍሽልዎ ክባሃል እውን ይስማዕ እዩ።  ኢሳያስ ሎሚ ኣብዚ ግዜ እዚ ንነዊሕ ዝተቃለሱ ኣብ ጎኑ ዝርከቡ ምስጢር ዝፈልጡ  ብዝተፈላለየ ምኽንያት ከርሕቆም ከም ዘለዎ እዩ ዝገብር፣ በብመድረኹ ካኣ ንሪኦን ንሰምዖን ኣሎና ፣ ስለዚ ጀነራል ስብሓት ኢፍረም እውን እታ መጻወድያ ኣርኪባቶ።

 ሓደ ሓላዊ ናይ ዒራ ዒሮ ዝነበረ ኣምሊጡ ናብ ኢትዮጵያ ምስ ሃደመ፣ ኣብ ቃል መሔተት ኣብ ዝገበሮ ፣ ከምዚ ክብል ሰማዕክዎ፣ እቶም ኣብ ዒራዒሮ ዘለው ሓለውቲ፣ ኩሎም እቶም ኡሱራት ምስ ዝመቱ ፣  ናዓና ነቶም ሓለውቲ ዒራዒሮ ፣  ፍርድና ሞት እዩ፣ ስለዚ ምርጫ እንተተረኺቡ ምምላጥ እዩ ዘለና በለ። ኣብኡ ከም ዘለና እውን ንስድራቤትና ኣይንነግርን ኢና ጨሪሹ ክልኩል እዩ።

ንምንታይ ክመቱ ተፈሪዶም ንዝብል ቁኑዕ ሓታታይ ምስ ዘቅርብ፣  ምስጢር ስለ ዝፈልጡ  ቁንቁልዝኣፋ። ስለዚ ኣብ ግዜ ህግደፍ ምስጢር ዝፈልጥ ከልግስ ምኻኑ ክርደኦ ኣለዎ።

እቲ ዝገርም ካብ ህዝቢ ኤርትራ ተኸዊሉ ብወግዒ ፍጻሜ ስብሓት ኢፍረም ኣይተሓበረን፣ ግን ብናቱ ኣገልገልቲ ሓፋሽ ከይሰምዖ ነቲ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ፣ንምድንጋር   ከም  ባዓል ኢስቲፋኖስ ብሩኖ ፣ ሕጂ ኤምባሲ ኮይኑ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ፣ጀነራል ስብሓት ኣብ ድሓን ኩነታት ከም ዘሎ ሓቢሩ፣ ተወሳኺ ናይ ባዶ(03) ወረ ኢሳያስ ኣፎወርቂ ብከንያ ገይሩ ንስብሓት ኢፍረም በጺሕዎ ዝብል እውን ዘርጊሖም፣ ስጋዕ ክንድዚስ ከብዶም ዝጠወቆም መን ኣሎ፣ ገመል ሰሪቅካስ ጉንብሕ ጉንብሕ ኮይኑ ነገራቱ።

 እስቲፋኖስ ብሩኖ ሓደ ካብቶም ካብ  ሜዳ ኣትሒዙ የማናይ ኢድ  ናይኢሳያስ ኣፎወርቂ ዝነበረ ሰብ እዩ፣ ብትእዛዝ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ውግእ ሕድሕድ ዘሳውር ዝነበረ ክንደይ ጀጋኑ ኤርትራውያን ዘጽነተ ሰብ እዩ፣ ኣብ 1977 -1978 ኣብ ወኪ ዛግር ጀማሂር ኢዩ ዝነበረ ፣ ከምኡውን ኣብ ደምበዛን ከም ባዓል  ወዲ በላዕ ጣዕዋ ፣ ባዓል ወዲ ባሻይ ወዘተ. ሎሚ ኣብ ፎቆዶ ዓለምና ኤንባሲ ገርዎም ብህዝቢ ኤርትራ ቅጭጭ ዘይብሎም። ኢሳያስ እንተሎ ኣለና፣ እንተዘየሎ ኻኣ የለናን፣ ዝብሉ መርሆ ሒዞም፣ዓይኖም ዓሚቶም እዝኖም ሎኪቶም ይጋዓዙ ኣለው፣ እዚ ኻኣ ምኽንያት ኣለዎም፣  ህዝቢ ኤርትራ ምስ ወግሓሉ ከም ዘይገድፎም ስለ ዝፈልጡ እዩ።

 ስቲፋኖስ ብሩኖ ኣብ ወኪ ዛግር ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፣ በቲ ግዜ እቲ ካብ ተ. ሓ. ኤ. ፋሉል ዝብል ምንቅስቃስ ድሕሪ ምልዓል፣ ምስ መሪሕነት ተጋድሎ ሓርነት ዘይምቅዳው ስለ ዝተፈጥረ ኣብ ሞንጎ ተ.ሓ.ኤ. ወግእ ድሕሪ ምኽፋቶም፣ ፋሉል ናብ ህዝባዊ ግንባር ተጸጊዖም ብረትን ስንቅን፣ ካብ ህዝባዊ ግንባር ምስ ሓተቱ፣ ስቲፋኖስ ብሩኖ ሓንቲ ኤርትራ ደምክራስያዊት ውድብ ህግሓኤ ጥርይ ኢያ  ፣ ስለዚ ብረትኩም ኣውሪድኩም ናብ ህግሓኤ ተጸንበሩ፣ ወይ ብብረት ገርና ክንትብትበኩም ኢና  በሎም። ኣብዚ ግዜ እዚ ፋሉል ምርጫ ስለ ዘይነበሮም ናብ ህግሓኤ ብረቶም ኣውሩዱ፣ ፋሉል ዝብል( ቅጽል ስም) ብመሪሒነት ተ.ሓ.ኤ. ዝተባህቦም ኮይኑ፣ ግን ከም ዕላመኦም ናብ ደሞክራስያዊ ሪዲኢት ዝነበሮም ሓይሊ እዮም። ገዳይም ተጋደልትን ሓያላታትን ምሁራትን  እዮም ዝነበሩ፣ ኢሳያስ ከምዚኦም ዝበሉ እሞ ኻኣ ብብዝሒ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ክጽንበሩ ድልየት ኣይነበሮን፣ ስለዚ ናብ ሳሕል ከምብሓድሽ ክማሃሩ ኣለዎም ብዝብል ናብ ሳሕል ወረዱ ። ኣይጸንሑን ኣብቲ መሪርን ጹንኩርን ዝነበረ ውግእ ባጽዕ ይእተውዎም፣ መብዛሕቲኦም ፋሉል ነበር እውን ብጂግንነት ኣብ ባጽዕ ተሰዉኡ። ናይ ህግሓኤ ታሪኽ ጺሒፍካን ተዛሪብካን ኣይውድኣን እዩ።

 ሰላም ምሳኹም

 ሚካኤል ኣጎስቲኖ / ጀርመን

   

     

                                                        

Last modified on Sunday, 27 January 2019 12:36