ንዳርጋ 5 ኣዋርሕ ብዘይ መንግስቲ ዝጸንሔት ሃገር  ሽወደን  ብምሕዝነት 4ተ ሰልፍታት መንግስቲ ቆይሙ

2019-01-20 15:37:34 Written by  ጸሃየ ቀለታ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1742 times

እቲ ብ9 መስከረም 2018 ዝተካየደ ህዝባዊ ምርጫ ሃገር ሽወደን ብሰንኪ ዉጺኢት ተዋዳደርቲ ሰልፍታት ናይ ጸጋምን ናይ የማንን 144 ብ143 ስለ ዝወጹ፡ ብመሰረት ቅዋም እታ ሃገር ዓብላሊ ድምጺ ኣብ ባይቶ ክረኽቡ ስለ ዘይከኣሉ እንሆ ሎሚ ብምሕዝነት ናይ ጸጋም ደሳዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፍን ናይ ሓምላይ ሰልፍን ካብ የማን ከኣ ናይ ሊበራን ናይ ሰንተርን ብስምምዕ 73 ነጥባታት ድሕሪ 5 ወርሓት ምይይጥን ዘተን መንግስቲ ከቁሙ ከም ዝተሳማምዑ ማዕከናት ዜና ሽወደን ኣቃሊሔን። ኣቀዲሙ ግና ሃገራው ባጀ ብናይ የማን ርእይቶ ከም ዝተዓወተ ይፍለጥ። ኣብዚ ሓዲሽ መንግስቲ ከኣ መራሕ መንግስቲ  ዝነበረ ኣቶ ስታፋ ሎቨን ናይ ደሳዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ከም ዝኮነ ተቃሊሑ።

Last modified on Monday, 21 January 2019 12:59