ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዲግ ከኻይዶ ዝቐነየ አኼባ ዛዚሙ

2019-01-19 05:09:54 Written by  ረድዮ ድምጺ ኣመሪካ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1689 times

ኣብ ኢትዮጵያ ይላየድ ዘሎ ለውጢ ዓሚቕን ሰፊሕን ተስፋ ሒዙ እንተመፀ እውን ስግኣታት’ውን ዝሓዘለ እዩ ኢሉ ኣኼብኡ ሎማ ዝወድአ ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ ኣፍሊጡ።ዝተወደቡ ፀረ ለውጢ ኣተሓሳስባታት ብድሆታት ኮይኖም ኣለው እውን ኢሉ።

ኣብ መንጎ ኣባል ፓርትታት ዘሎ ፀገማት ኣካይዳን ነንባዕልኻ ምጥርጣራትን ክዕረዩ ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐ ሓቢሩ’ሎ።

ካብ 7 ጥሪ ክሳብ ሎማ ዓርቢ 10 ጥሪ 2011 ዓ.ም ኣኼባ ዘካየደ ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ ኣብ መወዳእታ ኣብዘውፅኦ መግለፂ ተስፋታትን ፈተናታትን ጎኒ ንጎኒ ይጉዓዙ ኣለው ኢሉ።

እቲ መግለፂ እቲ ለውጢ ዘምፅኦም ውፅኢታት፣ዘጋጥሙ ዕንቅፋታትን ንቕድሚ ከጋጥሙ ኣብ ዝኽእሉ ኩነታትን ብዕምቆት ብምዝታይ ኣንፈት ከምዘቐመጠ ይገልፅ ።

ፖለቲካዊ ሃውህው ኣብ ምስፋሕ፣እሱራት ብይቕሬታን ምሕረትን ክፍትሑ፣ዕጥቓዊ ቓልሲ የካይዱ ዝነበሩ ሓይልታት ናብ ኢትዮጵያ ክምለሱ፣መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ንምእራም ዝተወስዱ ስጉምትታትን ካልኦትን ብኣወንታ ዘርዚሩ’ሎ።

እቲ ለውጢ ስግኣት ሒዙ ምምፅኡ እውን ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ ገምጊሙ’ሎ።ለውጢ ህዝባዊ መሰረት ሒዙ ብኢህወዴግ ይምራሕ እንተሃለወ እውን ህዝባዊ መሰረት ዘይብሎም ፀረ ለውጢ ኣረኣእያታት ብዝተዋደደ እናተመርሑ ብድሆታት ኮይኖሞ ኣለው ኢሉ’ሎ።

እቲ መግለፂ ወሲኹ ኣብቲ ህዝቢ ዘሎ ምድንጋርን ኣብ እዋን ለውጢ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ናይ ኣመራርሓ ጉድለታትን ከምኡ እውን መንነትን ካልኦት ኣጀንዳታትን ንመፈፀሚ ዕላማታቶም የውዕሉዎ ኣለው ይብል።ፅንፋዊ ኣካይዳ ብምኽታል ናይ ባዕሎም ድልየት ንምፍፃም ኣብ ህይወት፣ኣካልን ንብረትን ዜጋታት ጉድኣት ክወርድን ዜጋታት ካብ መንበሪኦም ክመዛበሉን ይሰርሑ ኣለው ይብል።

ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ ካብ ኣርባዕቲአን ኣባል ውድባት ናይ ኦሮሞ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ፣ናይ ኣምሓራ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ፣ናይ ደቡብ ኢትዮጵያ ህዝብታት ዴሞክራሲያዊ ምቅስቓስን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ዝተዋፅኡ 36 ኣባላት ዝሓቖፈ እዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ይካየድ ዘሎ ለውጢ ስዒቡ ኣብ መንጎ ኣባል ውድባት ዘሎ ሓድነትን ናይ ዕላማ ምትእስሳርን ኣብ ሕቶ ዘእትው ክስተታት ክርኣዩ ፀኒሖም ኣለው።

እቲ መግለፂ ኣብ መንጎ ኣባል ፓርትታት ዘሎ ናይ ኣካይዳ ዘይምቅዳውን ምጥርጣርን ብግልፂ ከምዝተልዓለ፣እዞም ፀገማት ንመጻኢ ክፍትሑ ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐን እቲ መግለፂ ሓቢሩ’ሎ።

Last modified on Saturday, 19 January 2019 06:13